Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኖርወይ ከተማ ስታቫንገር ጸረ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘካይዱ ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሕን ነርወጃውያንን ብመኪና ክረግጽ ዝፈተነ ሓደ ዕሱብ ናይቲ ስርዓት፣ ጕዳዩ ብፖሊስ ሕጋዊ መስርሕ ከም ዝሓዘ ጋዜጣታት ስታቫንገር ምግላጸን ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ዳንኬራ ህግደፍ ብዕለት 13.12.15 ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገር ኣብ ልዕሊ እቲ ብህግደፍ ዝተገብረ ዳንኬራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካዪዶም። ኣብቲ ኖርወጃውያን መራሕቲ ሰልፍን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፉዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኽለ ፈዳይ ዝተባህለ ዕሱብ ህግደፍ ብመኪና

ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ዳንኬራ ህግደፍ

ብዕለት 13.12.15 ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገር ኣብ ልዕሊ እቲ ብህግደፍ ዝተገብረ ዳንኬራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካዪዶም። ኣብቲ ኖርወጃውያን መራሕቲ ሰልፍን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፉዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኽለ ፈዳይ ዝተባህለ ዕሱብ ህግደፍ ብመኪና ብናህሪ ብምምጻእ ነቶም ደለይቲ ፍትሕን ኖርወጃውያንን ክረግጾም ፈቲኑ። ድሕርዚ፡ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኖርወይ ናብ ተኽለ ፈዳይ ቀሪቡ፡ “ስምካዶ ክትህበኒ፡” ምስ በሎ መልሲ ኣይሃቦን። ደጊሙ፡ “ስምካ ሃበኒ ክሲ ክምስርተልካ እየ። ኖርወይ ዓዲ ሕጊ እዩ፡” ኢሉዎ። እቲ ብጽጋብ ዝተሰንጠቐ ዕሱብ ግን ጠንጢኑዎ ናብ ውሽጢ ኣደራሽ ኣትዩ። ድሕር’ዚ ፖሊስ ተጸዊዖም እቲ ጕዳይ ሕጋዊ መልክዕ ከም ዝሓዘ ኣብ ናይ ሰኑይ ጋዜጣታት ስታቫንገር ተዘርጊሑ። ተኽለ ፈዳይ ሓደ ዕሉል ዕሱብ ህግደፍ ኮይኑ ኣብ ስታቫንገር ብዙሕ ምንድልሓቓት ከም ዝገብር ይንገረሉ። ኣፈኛ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ምስ ጋዜጣ ኣፍተንብላደ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣብ ኖርወይ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣብ ቦታኡ ዘሎ ኮይኑ፡ ገለ ብውልቀመላኺ ዝድግፉ ውድባት ኣብ ጐነጽ ዘድህቡ እንተኾይኖም ግን እቲ ጕዳይ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ምስ ከንቲባ ስታቫንገር ክዘራረብ ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ሓደ ካብ ወደብቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሓው ተወልደ ሃኪን ከም ዝበሎ፡ እቶም ናብ ሰብዓን ሓሙሽተን ዝጽግዑ ሰልፈኛታት ብሰላም ኣብ ኣፍደገቲ ኣደራሽ ከለዉ እዮም ብመኪና ኣሰር ተዳሂኾም ነይሮም። ነዚ ዝፈጸመ ድማ ኣዳላዊ መደብ ተኽለ ፈዳይ ኮይኑ፡ ጋዜጠኛታት ስታቫንገር ብቕንያቱ ከዘራርቡዎ’ኳ እንተፈተኑ ተሸሪቡ ከም ዝቐቐነየ ገሊጾም። ኣብቲ መዓልቲ ውራይ ግን ሰላማውያን ሰባት ክረግጽ ፈቲኑ። ኣብ መደምደምታ ሓላፊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ጨንፈር ስታቫንገር ሙሲገ፡ ከምዚ ዓይነት ድራማዊ ዝኾነ ፍጻሜ ኣይተጸበኹን ኢሉ።

ዓወት ንህዝቢ

ካብ ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Berhe Tenesea December 15, 2015

    I can’t understand why people act so foolishly this way? How can a person in his right mind do this in support of a Satanic regime. This individual must go to prison for now, and in the future he must end up in prison containers to rot for life.
    There will be no mercy for people like him.
    A special committee of justice seekers all over the major cities in North America and Europe have the list of names that support PFDJ and who are participating in illegal activities.
    This individual will regret the day he was born.
    People must understand that for every foolish action they do now will have severe consequence before they go to hell. That is this earth will also be a hell for them soon.
    Death to Satanic cult members.

  • Berhe Tenesea December 15, 2015

    Thisis a criminal act by a moron person and he must pay for his crime.

  • Emaga December 16, 2015

    Just put him in jail for ever

  • Simon G. December 17, 2015

    As they say, you can’t fix stupid? Does even this guy know the meaning if his name?

POST A COMMENT