Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ተሰነይ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቡምባ ክልተ ኣባላት ስለያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተወጊኦም።

ኣብ ትሕቲ ኮለኔል ዮናስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስለያ ከተማ ተሰነይ ኮይኑ ዝሰሕ ከምኡ ‘ውን ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጸጥታዊ ስራሕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሰላስል ዝነበረ የማነ ዑቕባሚካኤል ዝብሃል ሰላዪ፣ ኣብ ምብራቕ ከተማ ተሰነይ ደቡባዊ ወገን መዓርፎ

ኣብ ትሕቲ ኮለኔል ዮናስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስለያ ከተማ ተሰነይ ኮይኑ ዝሰሕ ከምኡ ‘ውን ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጸጥታዊ ስራሕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሰላስል ዝነበረ የማነ ዑቕባሚካኤል ዝብሃል ሰላዪ፣ ኣብ ምብራቕ ከተማ ተሰነይ ደቡባዊ ወገን መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ግዜ ደርግ ዝነበረ ምስ ሳልሳይ ርእሱ ኣብ ሓደ ሰግሬቶ እንዳ ሰኸሩ ከለዉ ብ 7 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት 10፣00 ብዝተደርበየሎም ቡምባ የማነ ኣብ ኢዱ ብኸቢድ ክውጋእ ከሎ እቲ ካልኣዩ ፈክ፣ስ መውጋእቲ ከምዝገጠሞ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ብኸቢድ ዝቖሰለ የማነ ንሕክምና ናብ ኣስመራ ተላኢኹ ኣሎ።

ከም ሳዕቤን ናይዚ ብበዓል ኮነሌል ዱማን ሸሻንን ዝኣመሰሉ ልኡኻት ስርዓት ኢሳይያስ ንህዝቢ ናይ ቲ ከባቢ ተቓወምቲ ብዶባት ተሕልፉን ተዕቁቡን ኣለኹም ብዝብል ምኽንያት፣ ካብ 10 ክሳብ 11 ሚያዝያ ቀጻሊ ኣኼባታት ክምዘካየዱ ‘ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ህዝቢ ብወገኑ፣ ባዕልኻትኩም ተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብዚ እንዳየአንገድኩም ሽግር ተምጽኡልና፣ ሰላም ከሊእኩምና ኣለኹም ክብልቅሬታኡ ከምዝገለጸ ‘ውን ኣረዲኦም።

ኣብተን ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከባ ከም ብዓል መከሰራትን ታላታ ዓሸርን  ዝርከብ ሹቕ ከምዝፈርስ ተገይሩ ከምዘሎ፣ ዝኾነ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመጽእ ንብረት ኮነ ናይ ጽነት መካይን ‘ውን ተኸልኪሉ ከምዘሎ ‘ውን ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዶኣት ኤርትራን ሱዳን ተዓዝዩ ብዶባት ዝመሓላለፋ ዘለዋ መካይን ናይ ህግደፍ ጥራይ እየን።

ደድሕሪ ‘ዚ ንዶባት ሱዳንን ኤርትራን ንምዕጻው ዝተገብረ ፈተነ፣ ዝበልዑዎን ዝሰትዩዎን ዝሰኣኑ ተቐማጦ ናይቲ ከባቢ ብስድራቤታት ተጠርኒፎም ናብ ሱዳን ይግዕዙ ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

በዚ መሰረት 20 ቤተሰብ ዝርከቡዎም ብድምር 110 ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ክሰግሩ ከለዉ ብሓለዋ ዶባት ተታሒዞም ተኣሲሮም ከዘለዉ ተፈሊጡ። ንሳቶም፣ ኩሉ ነገር ተዓዝዩ ንበልዖን ንሰትዮን ስኢን ክብሉ ገጢሙዎም ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት ኩነታት ከዝገለጹ ዝበጽሓናሃበኤታ ኣገንዚቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ትማሊ 13 ሚያዝያ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን መከሰራት ዝብሃል ቦታ ጥቓ ሰቲሞ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ  ድኳናት ኣብ ዝዓጽዉሉ ዝነበሩ እዋናት፣ ድኳና ክዓጽዉ ፈቲኖም ኣብያ ዘርኣየት ሓንቲ ራሻይዳ ኣደ ብጥይት ድሕሪ ምቕታላ፣ ወዳ ነቲ ቀታሊ ኣዲኡ ብኡ ንብኡ ብኻራ ቀቲሉ ሕኒኡ ከምዝፈደየ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Berhe Tensea April 15, 2016

    The pfdj criminal act continues every where. The mafia regime is very greedy and controlling . Pfdj is using power to monopolize the economy.
    The regime is not in the business of running a country. Its primary job is to loot the wealth of the country using the weapons of the country and the slave labour of our citizens who are poorly paid and Ades fed day in and day out.
    People get what they deserve.

  • Berhe Tensea April 15, 2016

    The pfdj criminal act continues every where. The mafia regime is very greedy and controlling . Pfdj is using power to monopolize the economy.
    The regime is not in the business of running a country. Its primary job is to loot the wealth of the country using the weapons of the country and the slave labour of our citizens who are poorly paid and Ades fed day in and day out.
    Instant revenge is what is needed in Eritrea, at this time.
    People get what they deserve.

  • AHMED SALEH !!! April 15, 2016

    Eritreans armed struggle starting place was in that area . From there
    it spread all over the country . I hope second round of revolution
    for liberty and justice will born again and take same route via
    Teseney > Keren > straight to Asmera . Enough is enough . Break the
    wall of fear that made people tolerant for abuses and maltreatment .
    SELEYA enjoyed people’s reluctance not to fight back for long time .
    And to get a little respect they should earn it either way by hook
    or by crook .

  • Desalegn April 16, 2016

    ዕለት: 16/04/2016

    ህግደፍ ንምጥፋእ ሓድነት ኤርትራዉያን ጥራሕ እዩ ዘድሊ!

    ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝፈልጦ ህግደፍ ኣብ 2000 ዓም ኣብ 3ይ ወራር ወያነ ከምዝተዳኸመ ንኹሉ ዜጋ ንጹር እዩ። እቲ ሓያል ወኒ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራን ዋርሳይ ይካኣሎን ግና ሕጂውን ከም ቀደሙ ምስ ሙሉእ ሓይሉ ስለዘሎ ነዚ ህግደፍ ብመንገዲ ስለይኡን ኣጫፈርቱን ኣቢሉ ዘሎ ንምምሳል ቲልኽ ትሊኽ ኣብ ምባል ዝርከብ ናይ ህዝቢ ይኹን ናይ ሰራዊት ደገፍ ፈጺሙ ስኢንሉ ዘሎ ጊዜ ተበጺሑ ስለዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንህግደፍ ንምጥፋእ እቲ እንኮ ዘድሊ ብረት ምልዓል ዘይኮነ ሓድነት ኤርትራዉያን ጥራሕ እዩ።

    ሰራዊትን ሲቪል ኤርትራውያንን ሓቢርና ምስንሰርሕ ህግደፍን ኣጫፈርቱን ካብ ሃገርና ብኹናት ዘይኮነ ኣብ ዘዘለዉዎ ከም በረድ ሓቒቆም ክተርፉ ምኻኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ምስዘይንትግብር ህዝቢ ኤርትራ ምጽናትን ሃገር ምዕናውን ዘይተርፍ ሓቂ ምኻኑ ተረዲእና ዉዓል ሕደር ዘየድልዮን ጊዜ ዘይህብን ምኻኑ ተገንዚብና ሓቢርና እንተሰራሕና ዘሓሽ እዩ። ንዝወርድ ዕንወት ኣብ ህዝብን ሃገርን ንምክልኻል ብቕዓትና ብሓድነትና ክነረጋግጽ ይግበዓና።

    ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ እምነ !

    • AHMED SALEH !!! April 16, 2016

      Desalegn
      No doubt our UNITY give us strength and confidence . But I disagree
      in a notion not to react violently to defend your people from men
      with a gun . To lift the moral of people needs efforts
      You know there is a saying that goes with ;
      ” birds that stay in a tree for long period invite for a stone “.
      Now in our case how many stones require to make us move unless
      we want wait until got hit badly ? Observing the reality in the
      Eritrean ground it is not a matter of choice but necessary & must
      decision for survival issues .

  • Semur Ghenbar April 16, 2016

    ዝኸበርኻ ደሳለኝ፤

    ከምቲ መምህር አማኒኤል ዝበሎ ስምረት ስለዝኾነ ኃይሊ ሕጅውን ደሳለኝ ዝቐረብኻዮ ሐሳባት ዝብላዕ ዘረባ እዩ።

POST A COMMENT