Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ቦስቶንን ከባብን ዓመተ-ዝኽሪ ግዳያት ላምፓዱሳ ብውዕዉዕ መንፈስ ንቐጻሊ ቃልሲ ከቢሩ!

ኣብ ቦስቶንን ከባብን ዓመተ-ዝኽሪ ግዳያት ላምፓዱሳ ብውዕዉዕ መንፈስ ንቐጻሊ ቃልሲ ከቢሩ! 3 ሕዳር፡ 2014      እቲ መቐጸልታ ተደራራቢ ጥፍኣታት ዝኾነ፡ ናይ ልዕሊ 360 ህይወት ኤርትራውያን ኣቦታትን ኣደታትን፡ መንእሰያትን ቈልዑትን ዝቐዘፈ፡ ሓደጋ ላምፓዱሳ እነሆ በዚ ዕለትዚ ዓመቱ ረጊጹ። እቲ

ኣብ ቦስቶንን ከባብን ዓመተ-ዝኽሪ ግዳያት ላምፓዱሳ

ብውዕዉዕ መንፈስ ንቐጻሊ ቃልሲ ከቢሩ!

3 ሕዳር፡ 2014

     እቲ መቐጸልታ ተደራራቢ ጥፍኣታት ዝኾነ፡ ናይ ልዕሊ 360 ህይወት ኤርትራውያን ኣቦታትን ኣደታትን፡ መንእሰያትን ቈልዑትን ዝቐዘፈ፡ ሓደጋ ላምፓዱሳ እነሆ በዚ ዕለትዚ ዓመቱ ረጊጹ። እቲ ፋሺስታዊ ስርዓት ህግደፍ ጠንቂ ጥፍኣቶም ምዃኑ ንምኽሓድ ብድንቍርናኡ ከይሓፈረ “ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን  ስደተኛታት“  ክብል ኣረሜንነቱ ዝተቓልዓሉ ሰዓት ዝዝከር`ዩ። ብኣንጻሩ፡ መሪርን ዘሰክሕን ኣጽናቲ ሓደጋ ላምፓዱሳ ንምሉእ ሕብረት ኤውርጳ  ዘናወጸ፡ ናይ ምሉእ ዓለም ደንጋጺ ቆላሕታ ዘባራበረ፡ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ታሪኽ መንግስታት ኣፍሪቃ ናይ ሓዘን መዓልቲ ዝተወሰነሉ፡ ንምሉእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንፍትሓዊ ቃልሲ ኣተንሲኡ ዘስመረ፡ ኣብ ኣርባዕተ ኵርናዓት ዓለም ብህዝባዊ ማዕበል ድምጺ ይኣክል! ይኣክል መግዛእቲ ፋሺስታዊ ስርዓት ህግደፍ! ይኣክል ስደትን ጥፍኣትን! ብምባል ኣህጉራዊ ቆላሕታ ደለይቲ ፍትሒ ዘዋዓወዓሉ ህሞት`ዩ ኔሩ።

ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ ቦስቶንን ከባብን፡ ኣብ ዓመተ- ዝኽሪ ሓደጋ ላምፓዱሳ መደቡ፡ መጀመርያ ነቲ ኣብ ረድዮ ኣሰና ዝተቓልሐ ብኣባ ኣታናሲዩስ ገብረኣብ ብእንግሊዝኛ ዝሃቡዎ ኣዕጽምቲ ሰንጢቑ፡ ብሰራውር ደም ብናህሪ ናብ ልቢ ዚውሕዝ መሳጢ ልኡም ቃሎም ብምስማዕ`ዩ ከፊቱዎ። እቲ ስቕታ ህሉዋት ንስዉኣትን ንግዳያት ምድረበዳታትን ማእከላይ ባሕርን ቀይሕባሕርን “ይቕረ ግበሩልና“ ዝብል ሕመረት መልእኽቶም ጽን ኢልካ ኣብ ምስማዕ ዝነበረ ህድኣት፡ ክንቲትኳ ክትወድቕ ትስመዓሉ ህሞት`ዩ ኔሩ። እቲ ደጋጊምካ ሰሚዕካ ዘይምኖ መልእኽቲ ሓቂ ኣባ ኣታናሲዩስ ገብረኣብ  ብሕልና ንዝሞተ ዘተንስእ፡ ንጭዋዳታት ተስፋ ትንፋስ ዚህብ ኢዩ ኔሩ።(በዚ ኣጋጣሚ`ዚ፡ እቲ ብትሕዝቶኡን ብኣቀራርባኡን ንሰማዒኡ ዝምስጥ ቃል ኣባ ኣተንሲዩስ ገብረኣብ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይ ኣብ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ኣኼባ ብትግርኛ ከቕርቡዋ ን ከምቲ ናይ እንግሊዝኛ ኣብ ረድዮ ክስማዕ እንተ ዝከኣል፡ እንግሊዝኛ ዘይመልኽ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ በቲ መልእኽቲ ኣዚዩ ምረብሐ እብል።)  ምስቲ ናይቶም ተባዓት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስያን – ሓውኻ ኣበይ ኣሎ! ሓውትኻ ኣበይ ኣላ!  ክብሉ ብሕልና ክትሃድመሉ ዘይከኣል ሰንጣቒ ሕቶ ኣተሓሒዝካ ክትርእዮ ከለኻ፡ መንፈሳውን ኣባታውን ኤርትራዊ ልቦና ህያው ከም ዘሎ የበስረካ፣ እታ መዓልቲ ብስራት ሓርነትን ፍትሕን ርሕቕቲ ከም ዘይኮነት ኽኣ የተኣማምነካ። ቀጺሉ`ውን፡ ካብ ተጋባእቲ ናይ ጥፍኣት ሓደጋታት ንኸኸትም፡ ኤርትራዊ ክብሪ ንኺምለስ  ተቢዕና ክንቃለስ ከም ዘለና ዘዘኻኽር ምዉቕ መንፈስ ዝተራእየሉ ርእይቶታት ተዋሂቡ።

ብድሕሪዚ፡ ኣብቲ ተመዲቡ ዝጸንሐ ወግዓዊ ኣኼባ ናይ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ በርገሳዊ ማሕበር ቦስቶንን ከባብን ተሰጊሩ። ኣብዚ እቲ ዚለዓለ ኣርእስቲ፡ ንዓንዲ ሕጊ ዕላማ ማሕበር፡ ብተግባሩ ምስ ስም ማሕበር ዚን ጸባረቕ ንምግባሩ ኣዚዩ ውዕዉዕ ደሞክራሲያዊ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፡ 90 ሚእታዊት ብዝግመት ድምጺ – ምስ መንፈስ  ኣዋጅ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ዝተወሃሃደ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ሰብኣዊ መሰል ዝግበር ኤርትራዊ ኣህጉራዊ ቃልሲ ንጡፍ ተራ ኪህልዎ፡ ምስ ኩሉ ኣህግራዊ ሲቪላዊ ማሕበራት ናይ ቃልሲ ምትእስሳር ኪገብር ወሲኑ። በቲ ንቓልሲ ዘባራብር ዘምሰየ ውዕዉዕ መንፈስ ተማሳጊኑ ኽኣ ንቐጻሊ ቃልሲ ተዓጢቑ ኣኼባኡ ዛዚሙ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓርነትን ፍትሕን ይደበስ!

ዑቕባይ ገብረመድህን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfom Habrom October 5, 2014

    ዝክበርኩም ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪክ ሃገር ኤርትራን ህዝባን ኣብ ዓለም እቲ ዝመረረን ዝኽፍኤን ስቃይን ዘሕለፈን ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ምኻኑ ብሕጽር ዝበለ ታሪክ ከም ዝገልጾ ካብ 1557 ዓ.ም ክሳብ 2014 ዓ.ም ዝተፈላለዩ ጨካናት ግዛእቲ ከም በዓል ብቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ኢትዮጵያ ( ወራር ሃጸይ ዮውሃንስ ናይ ትግራይ- መግዛእቲ ሃጽይ ሃይለስላስ፡ መንግስቱ፡ ዳግም ኣብ ዘመና መለስ ዘናዊ፡ ( ኣብ 21 ክፍለ ዘበን ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ህግደፍ ) በይኑ ተጋዲሉ ንኤርትራ ናጽነት ከም ዘምጽኣ ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ኣክቢርናዮ ናይዚ ኩሉ ክብረት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዕቀት ኣስዒቡሉ ኣብ ግዜ ቃልሲ እንቲኮነ ታጋደልቲ ንሃግር ናጻ ንምውጻእ ማዕሪኡ ዝተቃለ ዝተቃለሱ ብዝተፋላለዩ መኽንያት እንዳገበረ ን48 ዓመታት ተጋደልቲ እንዳ ቀንጸለ ዝመጸ ስብ ብምኻኑ ብድሕሪ ናጽነት ህዝቢ ቀሲኑ ኣብ ሃገሩ ከይነብር መነሰያት ግዳይ ናይ ወራር ወያነ ገይሩ ሃገሮም ጸሊኦ ንስደት ከምዘምሩሑ ገይሩዎም። ኣብ 1994 ዓ.ም በጃ ሃገር ዝሰንኮሎ መሰልና ይተሐሎ መናባብሮና ኣማሐይሹልና እንተበሉ ኣብ ክንዲ ኣዉንታዊ መልሲ ዝሰምዑ ኣብ መንገዲ ነፋሲት ብካላሽን ተቀቢሎምም ተኹሲ ከፊቶም 12 ስንኩላን ቀቲሎምም ካብዚ ጨካን መራሒ እንታይ ጽቡቅ ትጽበዩ ንሕናኽ ካብዚ እንታይ ንመሃር ናይዞም ኣሕዋትና ኣብ ባሕሪ፡ በርካታት ሲናይ ዝሞቱ ኮላሊቶም ኣብ ዕዳጋ ዝሽጡ እቶም ነዚ እከይ ተግባራት ዝፍጽሙ ዘሎዉ መተሓበርቶም ባዓል ኢዮም በዓል ብሪገደር ጀነራል ተክለ ማንጁስ ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ስልጣን ተዋሂቡዎን መሳርሕቲ ናይ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብዓቢኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝፍጸሙ ቅዝፈት ወይ ግፍዕታት ብዘይ ኣፍልጦ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝኮነ ይኹን መምሪሒ ዝህብ ባዕሉ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኢዩ። ስለዚ ህዝቢ ክሳብ መዓስ ኢና ስቅ ኢልና ተዓዘብት ንኮዉን እቶም ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉኑ ጠጠው ኢሎም ዘሎዉ ህዝቢ ተጠርኒፉ ክምክቶም እሎዎ ይጽባሐለይ ዝብሃል ጉዳይ ሕጂ እንተዘይ መኪትናዮ ሃገር ትጠፍእ ህዝብና ይስደድ ኣሎ ነዚ ወርዱ ዘሎ ሽግር ዳሕራት ከቢድ ዋጋ ክሐተና ኢዩ። ሕጂ ግና ኢስያስ ምስ ጭፍሩኡ ንምጥፋእ እቲ ዝዋሐደ ዋጋ ኢዩ ዝሐተና ስለዚ ህዝቢ ንጠርነፍ ንወደብ ሃገር ነድሕን፡ ኢሰያስ እንተኮነ ህዝቢ ከፋፊሉ ኣከለጉዛኡ፡ ሰራየ፡ ሐማሰን፡ ቆላ ፡ ሰንሒት፡ ባርካ ወዘተ…….እንዳበል ነንሕሕድና ክናቁተና ካብ ምፍታን ጠጠው ኣይብልን ኢዩ ምእንቲ ዕድመ ስልጣኑ ክንዉሕ። ስለዚ ህዝቢ ብሐባር ብሐደ ድምጺ ንበገስ ሕጂ ኢና ንዕወተሉ ስንክልከል እንዳበለ ክሎ።
    ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝክሪ ንሰማታታእና።

  • wedi fre October 8, 2014

    Dear brtothers and sisters in Boston,

    We are always proud of your resolve and proaction!!!
    Keep it up untill the Bandits in Asmara are gone!!!!
    Untill the DARK DAYS in Eritrea is elliminated!!!

Post a Reply to Tesfom Habrom Cancel Reply