Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ዝሰረቀኒ ክመልሰለይ ነይኣምኖ

ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ’ቶም ናይ ልዕሊ 25 ዓመታት ንጥፈታት ስራሕ ብቃላት ብምድርዳር፡ “ዘተባብዕ ውጽኢት ተረኺብዎ፡ ጽቡቅ ገስጋስ ኣርእዩ፡ ዝጸንሐ ጸገማት ተፈቲሑ ወይ ተቃሊሉ” ዝብሉ ዘሐጉሱን ካብ ኤርትራ ርሒቁ ንዝሰምዕ ሰብ “ወሰደ መንግስቲ ኤርትራ”

ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ’ቶም ናይ ልዕሊ 25 ዓመታት ንጥፈታት ስራሕ ብቃላት ብምድርዳር፡ “ዘተባብዕ ውጽኢት ተረኺብዎ፡ ጽቡቅ ገስጋስ ኣርእዩ፡ ዝጸንሐ ጸገማት ተፈቲሑ ወይ ተቃሊሉ” ዝብሉ ዘሐጉሱን ካብ ኤርትራ ርሒቁ ንዝሰምዕ ሰብ “ወሰደ መንግስቲ ኤርትራ” ዘብሉን መግለጺታትን ሓረጋትን ምቅራብ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባውን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዘንጸባርቅ ኣርእስቲ ኣቅሪቡ ኣየፈልጥን’ዩ፡፡ ምኽንያቱ ስርዓት ህግደፍ ብትዕቢት ዝተላዕጠጠ ስለዝኾነ፡ ብዘይካ ንኻልኦት ምውንጃል ሓቂ ክዛረብ ባህርያቱ ኣየፍቅደሉን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተተምየነን ዝተጋነነን መደባት መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ስለዝጸመመ፡ ሓቅን ሓሶትን ንምምማይ ጸገም የብሉን። ይኹን እምበር ስርዓት ህግደፍ ከም መቀጸልታ’ቲ ዓለምን ገርህን ንምድንጋርን ዘካይዶ ሎኽመኛ ዘመተ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘለዉ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታትን ብምዕዳም ዝያዳ ኣብ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ውሕስነት መግቢ ምህናጽ ሓጽብታትን ኣተኩሩ ብቀጻሊ ጽምብላትን መመረቅታታትን የካይድ። እቲ ኣብዚ ክልዓልን ክምለስን ዘለዎ ሕቶ ግን፡ ምህናጽ ህንጻታትን ምምራቆምን ኣይኮነን። ዋና ቁምነገር፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ብኣድማዕነትን ብቀጻልነትን ተጠቂሙሎም’ዩ። ንስለ ወረን ማዕርነት ዝርግሐን ተባሂሉ ብሰበኽ ሳግም ኣብ ዝነብሩ ከባቢ ትካል ጥዕና ወይ ቤትምህርቲ ሃኒጽካ፡ ተገልገልቲ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ማይን ሳዕርን ናብ ዘለዎ ቦታ ዝግዕዙ እንተኾይኖም፡ እቲ ዝተሃንጸ ማሕበራዊ ትካላት ትርጉም የብሉን። ብኻልእ ወገን ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ልምዓታዊ መደባት ኣካይደ እንተበለ፡ ሕሱርን ናጻን ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ እቲ ዝገሓጥ ዘሎ ብልዮናት ዶላር ዝዋግኡ እቶት ማዕድናትን ተቆጻጻሪ ዘይብሉ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍን፡ ብምንጽጻር ሓደ ሽሕ ናቅፋ ካብ ህዝቢ መጅሪጥካ 100 ናቅፋ ብናጻ ሂበካ ኣለኹ ምባል’ዩ፡፡ እቲ ኢሳያስን ደቂ መዛሙርቱን፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብዝተፈላለየ ኣስማት ተሓቢኡ ዘሎ ቢልዮናትን ዶላርን ንግዳዊ ትካላትን፡ ዝተራሰየ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ምኻኑ ስርዓት ህግደፍ ክናዘዝን ክኣምንን ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራ ዝያዳ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝምነዮን ፍታሕ ዝደልየሉን መሰረታዊ ጉዳይን ግን ሕቶ መሰል ሰብ’ዩ። ዋላ ህዝቢ ኤርትራ ከብዱ መሊኡን ዝባኑ ተኸዲኑን እንተዝኸውን’ውን፡ ብዘይ ሕጊ ይእሰር፡ ይቅተል፡ ንብረቱ ይዝመት፡ ከይዛረብ ኣፉ ይሉጎም፡ ዘማሓድርዎ ወከልቱ ከይመርጽ ይሕረም፡ ዝዓይን ሓጋዚ ስድራን ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይጽመድ፡ ብድኽነት ይጣራዕን ከም ሳዕቤኑ ድማ ናብ ስደት ሃጽ ይብል ስለዘሎ፡ ብዘይ ክብሪ ሰብኣዊ መሰል፡ ሃኒጸን ጸጊነን ኢልካ ምጅሃርን ምልፍላፍን ዕሽነት’ዩ። ፍትሓውነትን ቅንዕናን ስርዓት ህግደፍ ዝልካዕ፡ መሰልን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ ክረጋግጽ ምስዝኽእል’ዩ። ብቀሊል ኣዘራርባ፡ ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንህዝቢ ኤርትራ ከረክብ፡ ብቅዋም ዝምእዘዝ ስርዓት ክተከል፡ ሰባት ብዘይ ፍርድን ጠበቃን ንዓመታት ምእሳር ጠጠው ክብል፡ መሰል እምነትን ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ክኽበር ምስዝኽእል ጥራሕ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ንወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታትን ብምዕዳምንን ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑን ወረጃን ጻድቅን ክመስል ዝህቅኖ፡ ደፊሩን ነብሱ ገምጊሙን ፍትሕን መሰልን ኤርትራውያን ከረጋግጽን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቱ ሓቢስዎም ዘሎ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ክፈትሕን ኣብ ፍርዲ ከቅርብን ይግባእ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ህዝቢ ኣስመራ ማይ ክገዝእ ሪጋ እናተስርዐን ብኽቡር ዋጋ ማይ እናገዝአን እንከሎ፡ ብማዕከናት ዜና ኣብ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዋ ሓጽብታት ሚልዮናት ሊትሮ ማይ ኣዋህሊላን እናበልካ፡ ምእዋጅ ምስምንታይ ይቁጸር? ማይ ዝመልአ ሓጽብታት ህዝቢ ኣስመራ ንኸይጥቀመሉ፡ ተንኮላት ስለያ ኣመሪካን መንግስቲ ኢትዮጵያን እንተልዩዎ ድማ ንህዝቢ ክግለጸሉ ይግባእ።

ስርዓት ህግደፍ ብ6 ታሕሳስ 2017, ኣብ ዘቅረቦ መንግስታዊ ሓተታ፡ መንእሰያት ኤርትራ ብትካላት ሰለያን ካልእ ዝተራቀቀ ብልሓታትን ደይ መደይ ኢልካ ካብ ሃገሮም ብጅምላ ናይ ምግዓዝ መደብን ፖለቲካዊ ሽርሕን ከምዝተፈጸመ ንናይ ግዳም ሓይልታት ከሲሱ። ምስ ጎኖቅ ተጸጊዓ ትነበር ቆልቋል ወትሩ ትነብዕ ከምዝብሃል፡ ኣሽምባይዶ እዛ ካብ ኩሉ ተነጺላ ዘላ ሃገርና፡ ሰላም ሃልዩካ’ውን ዓይኒ ሓሳዳት ዘይተርፍ’ዩ። ተቀናቀንቲ እንተልዩካ፡ ብቁጠባ ከዳኽማኻ፡ ዓቅሚ ሰብካ ክጽንቅቃ፡ ሰላምካ ክዘርጋን ከምዝህቅና ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ይኽተሎ ብዘሎ ምልካዊ ኣገዛዝኣን ኣዕናዊ ፖሊስታትን’ዩ መንሰይ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ’ምበር ብናይ ግዳም ተጻብኦን ተንኮልን’ዩ ኢልካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ንስለያ ኣመሪካ ምውንጃል ቁስልኻ ምሕባእ’ዩ። እቲ ሕቶ ግዳማዊ ተጻብኦ እንተልዩ፡ ንዕኡ ንምምካትን ንምፍሻልን እንታይ ሰጉምቲ ወሲድካ’ዩ። እስከ እዝጊ ክጥዕሞ እቲ ስርዓት ህግደፍ ዘቅርቦ ዘሎ ክሲ ከም ሓቂ ንውሰዶ። ስርዓት ህግደፍ’ከ ግዳማዊ ተንኮላት ንምምካን፡ ክብሪ ዜጋታቱ ንምሕላውን መንእሰያት ናብ ስደት ከየምርሑን እንታይ ስጉምቲ ወሲዱ? መልሱ ባዶ’ውን ክውሕዶ። ሓሶታትን ምስሉይነትን ስርዓት ህግደፍ ንምቅላዕ ብዙሕ ጭብጥታት ክቀርብ’ኳ ዝኽእል እንተኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ እምበር ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ንመልከት።

ሓደ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቶም ዓለም ብዓለማ ዝበኸየትሎምን ዝሓዘነትሎምን ኣብ 2013 ኣብ ላምፐዱሳ ኢጣልያ፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ዝሃለቁ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን መዓልቲ ሓዘን ክእውጅን ስድራቤት ከጸናንዕን ይትረፍ ከም ተራ ዜና’ውን ኣየቅረቦን። እዚ ኣረሜናውን ዘይሓላፍነታውን ጭካነ’ዚ ድማ ብህዝብኻ ዘይምግዳስን ሓልዮት ከምዘይብልካን ዘነጸር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብቀጥታ ሕራይ ኮኑ ማለት’ዩ።

ክልተ፡ እዞም ካብ እስራኤል ብዘይ ድሌቶም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጥረዙ ወይ ክእሰሩ ተወጢኑሎም ዘሎ ኣያን መንግስትን ዝሰኣኑ ኣሽሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቁባን ኤርትራውያን፡ ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ዝሓሊ እንተኾይኑ ስለምንታይ ኣለኹልኩም ኢሉ ብኽብረትን መሰልን ዜጋታቱ ክጣበቅ ዘይክኣለ? ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ልዕሊ ሰቡ መስዋእቲ ከፊሉን ምረትን ኣሕሊፉን ክንሱ፡ ቀሲኑ ህይወቱ ዝመርሓላ ሃገር ክሕርብቶን ክከላበትን እንከሎ፡ እቲ ብዘይካይ ካልእ ብጹእን ሓላይ ህዝቢ ኤርትራን የለን ዝብል ህግደፍ ስለምንታይ ህጣሙ የጥፍእ?

ሰለስተ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ብግዕዙይን መላኽን ምምሕዳሩ ተስፋ ቆሪጾም ናብ ስደት ዝበታተኑ ዘለው ኣብ ከም በዓል ሊብያ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን የመን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ መጋርያ ሓዊ ተቀርቂሮም ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ “ብዝተራቀቀ ናይ ግዳም ስለያን ተንኮልን ተታሊሎምን ሰዲዖምን” ካብ ምባል፡ ምድሓኖምን ኣብ ሃገሮም ጥጡሕን ምቹእን ባይታ ምፍጣር’ዩ ምልክት ልቦናን ተቆርቋርነትን። ብኣንጻሩ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ሱዳን ብግዴታን ብዘይ ሕግን ንዝጥረዙ ኤርትራውያን ተቀቢሉ ክኣስር፡ ብገንዘብን ጉልበትን ክቀጽዕን ይርአ’ሎ።

ኣርባዕተ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ልዕሊ 200 ሽሕ ኤርትራውያን፡ ደቂ ኣንስትዮን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዝርከብዎም፡ ብሕማም፡ ዕርቃን፡ ድኽነት፡ ስእነት መባእታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ከም ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ዝስተ ማይን መንበሪ ገዛን እናተሳቀዩን ሰብኣዊ መሰሎም እናተጋህሰን እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ብዛዕባ ድሕነት ዜጋታቱ ኣውኪኡ ኣይፈልጥን’ዩ። ብኣንጻሩ ስርዓት ህግደፍ፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምግናን ካብ ትካላት ረዲኤት ገንዘብ ይዘምት ኣሎ” ክብል ይወራዘን ይኸስስን።

ኣብ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ጥራሕ’ዩ ክሕሱን ከደናግርን ስልጣንን ፍቃድ ዘለዎን። ስርዓት ህግደፍ ቃሕ ዝበሎ ክዛረብን መግለጺ ከውጽእን ጸገም የብሉን። ህዝቢ ክኽዕበኒ’ዩ ዝብል ሕልና’ውን ኣብ ጥቅኡ ኣይቀርብን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ ሓቂ ከይዛረብን ከይፈልጥን ዝተሓረመ’ዩ፡ ክሰምዕ ጥራሕ’ዩ ዝኽእል። ስርዓት ህግደፍ ሓይሊ ስለዘይብሉ’ምበር እተን ንህዝቢ ኤርትራብባህሪ ዝተዓደልኦ ኣእዛኑ’ውን ምወረሰን ነይሩ። ስርዓት ህግደፍ ኣበራቱ ክኣምንን ብዕሊ ክገልጽን ዓቀብ ስለዝኾኖን ድኻማትካ ምግምጋምን ምእማንን ድማ መሰረት ምዕባለ ምዃኑ ስለዘይስቆሮን፡ ንኻልኦት ምውንጃል’ዩ ዝቀለሉ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝነበሮ እምነት ስለዘጥፍአን ንብረቱ፡ ደቁን መንነቱን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብህግደፍ ይስረቅ፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይኣቱን ብሕጊ እንስሳ ይግዛእ ስለዘሎን፡ ህግደፍ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 10 ታሕሳስ 2017

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Nahon December 11, 2017

    ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝነበሮ እምነት ስለዘጥፍአን ንብረቱ፡ ደቁን መንነቱን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብህግደፍ ይስረቅ፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይኣቱን ብሕጊ እንስሳ ይግዛእ ስለዘሎን፡ ህግደፍ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን።

    ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 10 ታሕሳስ 2017

    We have an enemy at home but some naive people still don’t see it that way. Usually, they open their eyes when they are directly affected, which sometimes is too late even for them to save their lives.

  • k.tewolde December 12, 2017

    Hgdef has never and will never represent or speak on behalf of the Eritrean people,just happen to own the gun and enforce the rule of the jungle upon the people because the core elements who comprise the party and the Himmler will amount to nothing if rule of law is established.So they will continue to keep the people in the dark and use poverty and ignorance as their main arsenal till time or a full fledged popular fury like the one in Akriya sweeps them away.

  • Tesfom December 12, 2017

    ስማዕ ጽላል! ሓቅን ሓሶትን መረረ እተደርደርካዮ፣ ኣብ ኣመሪካ ኴንካ መንግስቲ ኤርትራ ኽትቕይሮ ማለት ዘይሕሰብ እዩ። ኣነ ሓንቲ ኽመኽረካ፣ ኣስመራ ኼድካ ኩሉ ተሰሪሑ ዘሎ ኣብ ገጠራት ተሰሪሑ ምስረኣኻ ክልተ ሳዕ ክትዛረብ ኢኻ። እታ ሓንቲ ክትፈልጣ ዘለካ ምራባዊ ዝዓይነቱ ስርዓተ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ብምንም ተኣምር ከምዘይ ትከል ፍለጥ። እቲስርዓተ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ከም ሲንጋፑር ወይ ቻይና እዮ። ስለዚ ሕብረ-ማሕበራት እንተ ትጽበ ኣሎኻ ኼንካ እታ መርከብ ገዲፋትካ ኸይዳ እያሞ ኣይትድከም። ብዛዕባ ወርቒ ዝበልካዮ ድማ ጽርግያታት፡ ሆስፒታላት ቤትምህርቲ፣ ኮለጃት እስርሓሉ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ መድሃኒት ናይሽኮርያ ብነጻ ንህዝቢ ከም ዝዕድል ትፈልጥዶ። ስማዕ ጽላል ሓሶት ተተደጋገመ ሓቒ ይመስል እዮሞ፣ እንተ ኺእልካ ምርኣይ ምእማን እዩ እሞ እቲ ሓቒ ብዓይንኻ ኣረጋግጾ።

    • Nahon December 12, 2017

      እቲስርዓተ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ከም ሲንጋፑር ወይ ቻይና እዮ።

      Tesfom

      China now hosts the industry of the world. I makes the fastest super computer in the world. Singapore is a country that exports technology.
      When you tell us, you are on the way of China and Singapore, you are insulting our intelligence. How can a government who expropriates the people can create an economy similar that of the Asian giants ?
      How can an absolute dictatorship create a strong economy ?
      Please have some decency if you are left with any.

      • Tesfom December 12, 2017

        Listen Nahon! First of all don’t twist my words. I am not trying to insult your intelligence. If you can’t handle different views then step aside from this political discussion. All i am saying is western multi-party system is not suitable for Eritrea, for all third world countries for that matter. I am not talking about China or Singapore’s economic development. Whether you like it or not EPLF is in charge. You just make sure you are not on the way. Cheers!

    • k.tewolde December 12, 2017

      Like I just said,people like Tesfom are the Tyrants base,they still are living on that ‘Singapore promise’ News flash my friend, a cartel that thrives on hawala economy,crushes private equity and freezes real and liquid assets of citizens just because cannot build a nation with viable economy. That’s the reason why Eritrea after 27 yrs of its inception lines up alongside Burundi on the bottom of the totem poll. As far as the Chinese are concerned they are looking at HGDEF’s Eritrea for a layover and to get away from their smog polluted big cities.

      • Tesfom December 12, 2017

        K.tewolde

        ብባህረይ ንሰብ ምጽቓጥ ወይ ምስጸቛጢ ሰብ ምጥቓዕ ኣይናተይን። ንዓይ ህግደፍ ገስጋሲ ስርዓት እምበር ከም ጮቛኒ ስርዓት ጌረ ኣገልጾን እየ። ክገርመካ ኣነ ደጋፊ ህግደፍ ኣይኮንኩን፣ ብኣንጻሩ እዃ ድኣ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ካብ 1974-1981 ድማ ኣገልጊለ። ምስ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብኣፈሙዝ ኢና ንፉለጥ። እንተኾነ ግን እቲ ሓቒ እየ ክዛረብ ዞሎኒ። ኣነ ንህዝቢ ከመይ ኔሩ እብ ግዜ ቛልሲን ሕጂ ኸመይ ኣሎ ምስረኣኹ ብዙሕ ተገሪመ። ምዕባለ ናይ ሓንቲ ሃገር ድማ ብወሎዶ እዩ ዝዕቐን። ኣነ ንዓዲ ኸይደ ብጉቡእ ንዝምልኮቶ ኣካል ብምሕታት ጽላ ብጽላት ንኽዕዘብ ኪእለ። ኣብትምህርቲ፣ ሕርሻ፣ ሕክምና፣ ተክኖለጂ፣ ከም ኡውን ካልእ ነገራት ምስረኣኹ ክዓግብ ኪኢለ። ገለ ተቛወምቲ ትስሕትዎ እንተሎ ዓቕሚ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኣዋዳድባን ምልዕዓል ህዝቢ ንሓደ ዕላማ ማዕረ ኽንደይ ሓያላት ምኻኖም እዮ። ብኸምዚ ብቕዓት እዮም ነዛ ሃገር ኣምጺኦማ። ሕጂ ድማ ኸምታ ናይ ቐደሞም እቲ ህዝቢ ብዘቐልዓለም ኣጎኖም እዩ ዘሎ። እዛ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታዉ እዞም ኣብ ወጻኢ ዘለኹም ናይ ወረቐት ኣናብር ጥራይ ኽብለኩም ዝኽእል። ወረ ሓደሓደ ግዜስ ካብ ገለ ፕላነት መጺእኩም ንመጀመርያ ኣፍኩም ትኸፍቱ ዘለኹም። ህግደፍ ዕድለኛ እዩ እስኹም ምዃንኩም ተቓወምቱ። እንበር ምሉእ ብሙሉእ ነብስኻ ምኽኣል ኣብግብሪ ኣብዒልዎ እዩ እንተበልኩስ ምግናን ኣይኾነን። ስለዝ ኾነ ድማ ገለ ኣገራ ኣፍሪቓ ንምኽሪ ናብኣስመራ እማላለሳ ከምዘለዋ ክገልጸልካ እፈቱ። ብዝኾነ ብሳላኹም እዩ ህግደፍ ጠጠዉ ኢሉ ዘሎ እሞ፡ ኣይትስኣኑ።

        • k.tewolde December 12, 2017

          Tesfom you don’t have to justify your position,you are not the first or the last ex ELF to support the brutal regime in Asmara,where you were yesteryear has nothing to do where you stand today.’ገለ ተቛወምቲ ትስሕትዎ እንተሎ ዓቕሚ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኣዋዳድባን ምልዕዓል ህዝቢ ንሓደ ዕላማ ማዕረ ኽንደይ ሓያላት ምኻኖም እዮ። ብኸምዚ ብቕዓት እዮም ነዛ ሃገር ኣምጺኦማ። ሕጂ ድማ ኸምታ ናይ ቐደሞም እቲ ህዝቢ ብዘቐልዓለም ኣጎኖም እዩ ዘሎ።’This statement is enough to reveal your mind has frozen in time.

        • Simon G December 12, 2017

          “ኣብ ትምህርቲ፣ ሕርሻ፣ ሕክምና፣ ተክኖለጂ፣ ከም ኡውን ካልእ ነገራት ምስረኣኹ ክዓግብ ኪኢለ።”
          ኣንታ ተስፊት እምበርዶ ተንብቦ ኣለኻ ቲ ትጽሕፎ?
          1. ትምህርቲ: ‘ታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩ ብደረጃ ዓለም ተቐባልነት ዘይብለን community colleges type ከፊቱ
          2. ሕርሻ: ግደፍ ሕርሻስ ቶም ዝሓርሱ ከማን ከንብሮም ኣይከኣለን
          3.ተክኖለጂ: እዋይ ተስፊት ነብሲ! ካብ ወጻኢ ኬድካስ ምዕባለ ናይ ተክኖሎጂ ኣብ ኤርትራ ርኢኻ? ‘ታ ኢንተርነት ‘ኳ ንጋዶ። ካብ ዓለም ዝዘሓለ። ኮታ በረድ በሎ።

          4. ሕክምና: እወ ሓቕኻ! ብሕክምና ስለዝማዕበለት ንድዩ ሰብ ኣብ ሱዳን ኬዱ ዝሕከም። ዝኸኣለ ማለተይ ‘ዩ። እምበር: ኣብ ኤርትራስ ዕድል ጌርካ ዘይሓመምካ።
          ————————–
          ኣይፍለጥካን ዲኻ ሓኪም ምዃን ሓዳር ከምዝኽልክል?
          ስለምንታይ? ኣታዊ ስለዘይብሉ።
          ኣብ ካል ኦት ሃገራትስ ‘ምበር ሓኪም ክቡር ‘ዩ።
          ዓዲ ከመይ ጌራያ ብዘይ ስብ ትምዕብል? ዓዲ እንዳጠፈእትስ ትምዕብል ኣላ?
          ዘበነ ግምጥልሽ! በጃኻ ኣይተዛርበና።

          • Tesfom December 13, 2017

            Simon G
            ኣንታ ሳይመን ሓወይ እዚ ሓሳበይሲ ቑንጭል ኣቢልካ ዘይመልክዓ ሂብካያ። ነጥቢ ብነጥቢ ብዝመስለካ ምምላስካ ከይኣመስገንኩኻ ክሓልፍ ኣይደልን። እንተኾነ ግን ምስቲ ዝነቦሮ ብምዉድዳር እየ ከድንቖ ዝኸኣልኩ። እንተ ብዛዕባ ሕክምና ኣስፊሔ ምገለጽኩልካ፣ ግና ብኸምዚ መገዲ ዝከኣል ኣይመስለንን። ከም ናይ ሕክምና ምሁር መጠን ኣዝየ እየ ዓጊበ። ግን ሓንቲ ነገር ክሓተካ፣ ገለ መንግስቲ ኤርትራት ኣብዚኣስ ጹቡቕ ጌሩ ትብሎዶ ኣሎ፧

    • Sol December 12, 2017

      እቲስርዓተ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ከም ሲንጋፑር ወይ ቻይና እዮ

      Tesfom,
      ስለምንታይ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ፣ ስርዓት፣ ባጀት፣ ቅዋም፣ ሕጊ፣ ባይቶ ወዘተ ዘይተተኽለ?
      And what you said about hospitals, colleges and roads, I have questions since there are hospitals why in the past three years only many high officers of the regime went to Khartoum for medication and most of them came back ho,e on coffins?
      About the drama of Dams, even the despot himself on his meaningless interviews is speaking about the price of one barrel of water in Asmara which the 100 one hundred years old water pipes are still not changed and not functioning.
      ብማይ ሓሶት ተጠሚቑኩም ሓሶት ትደጋግሙ ዘለኹም እቲ ሽፍታ ስርዓት ሕጊግደፍን ኯራኹሩን ኢኹም

      • Tesfom December 12, 2017

        Sol
        Like many young Eritreans you seem to sound misinformed about what the government is doing for our country. But, it’s what it’s. EPLF is in charge and there is nothing you can do about it. እቲ ገመል ጉዕዝኡ ይቕጽል እቲ ኸልቢ ድማ ይነብሕ። ፈቲኻ ጸሊእካ ኢቲ ናይ ህዝባዊ ግንባር ራኢ ምዕብልት ራህዋ ዝሰፈና ሃገር ንምምስራት ጠጠው ዘብሎም ኮታ ከምዘየለ ንስኻ’ዉን ዝተረዳእኻዮ ክትከውን ተስፋ እገብር። cheers!

  • Simon G December 12, 2017

    Hey Mr. Tsilal,
    One message I have asked to convey to you: so, what are you going to do about that? This is straight from the one and only one of the president of Adi Halo. Details, see below:
    ========================================================================================

    ደሞዝ ስለዘይተቐበልኩ ኣብ ሬድ ሲ ሬስቶራንት ከይከይድ ከመይ ጌረ። ቦርድ ምስኮንኩ ንባባ ኢሳያስ እስከ ክድውለሉ(ነይ ክልተ ቕርሺ መደወሊ ካርድ ኔራትኒ)
    ————————————————-
    Simon G. ፥ ሄሎ
    ባባ ኢሱ፥ ሃሎው: መን ኢኻ?
    Simon G. : ኣነ’የ ባባ ኢሱ ምስበልኩዎ ቆብ ኣቢሉኒ
    ባባ ኢሱ: ደሓን ዶ ኣታ ታዕባን Simon G.?
    Simon G. : ደሓን የ ባባ ኢሱ። ቦርድ ኮይነስ ንባባ ኢሱ ‘ስከ ሃለው ከብሎ ሓንሳብ!
    ባባ ኢሱ: ደሞዝ ደንጒያ ድያ? ካን! ከምኣ ‘ልካ ካብ ቸክ ናብ ቸክ?
    Simon G. ፥ ወል! ካብታ ናይ ቢሻ ሓንቲ “ርዝን ዝበለት ብጫ ሓጺን” ሓቦ ከይትብለልና ኣቢኻ።
    ባባ ኢሱ: ኣብዚኣስ ሓቅኻ። ሓኪም ከፊለ ዘይረኽቦ ዕላል ‘ኳ ‘ኻ ብነጻ ተዕልለኒ ዘለኻ።
    ባባ ኢሱ፥ እስከ ነቲ በርሚል ክዛረቦ ‘የ።
    Simon G. : መን ዩ በርሚል ከ? ሰሚዐያ ኣይፈልጥን ‘ዛ ሳጓ።
    ባባ ኢሱ፥ ሃሃሃሃ…….ሓዳስ ናይ ክሻ ሳጓ ‘ያ። ኣመና ገጂፉስ: ክሻ ምባል ትርጉም የብሉን። ብወርቂ ናይ ብሻ ማለተይ ‘ዩ።
    Simon G. : ባባ ኢሱ: ሓደ ሓደ ግዜ መቸም you are funny። ሓንቲ ጠርሙዝ ‘ዶ ጓዕ ኣቢልካያ ኢኻ?
    ባባ ኢሱ: ሓንቲ ጥራይ?
    ================================================

    ባባ ኢሱ: ኣታ ነዚ ጽላል ዝብልዎ ወዲ ኣደብ ግበር ዘይትብሎ? መን ከንብቦ ኢሉ ‘ዩ ወጠጥ ዝብል? ዝግርም ‘ዩ።
    Simon G. : ተንብቦ ዲኻ?
    ባባ ኢሱ: የንብቦ ‘ወ። እንታይ ‘ዶ ስራሕ ኣሎ ‘ዩ ኣብዚ? ንስኻ ከማን ቦርድ ኮይነ ትብል?
    Simon G. : You got that right!
    ባባ ኢሱ: ካብ ኡስ ኢልካ ሃለውለው ትብል: እሞ እንታይ ኢኻ ክትገብር እስከ በሎ?
    ባባ ኢሱ: ንገሮ በጃኻ። ካላስ ኣኺሉዎ ምኒን ክብል? ህግደፍ ከምዚ: ህግደፍ ከምቲ: ጥራይ ክብል?
    ባባ ኢሱ: እወ: ኣነ ሓራዲ:ኣነ ፈራዲ:ኣነ ቀታሊ: ኣነ ኣሳሪ: ኣነ ገባሪ ሓዳጊ። እሞ ‘ኸ በሎ?
    ———————————————————–

    ባባ ኢሱ: ደሓር ከኣ: ክልተ በላሕቲ ኣለዋ ኣጆኻ! ኣጆኻ! ዝብልኦ ዘለዋ ለንቀነ።
    Simon G. : መን ‘የን?
    ባባ ኢሱ፥ ‘ተን በዓል መረጸ ‘ባ k. ተወልደ ዝብልወን።
    Simon G. : ኣንታ ኢሱ: ንሳቶም ደኣ ተባዕቶት ‘ኳ ‘ዮም። ወኸማን ናይ ተባዕቶት ተባዕቶት!
    ባባ ኢሱ: ይፈልጥ! ይፈልጥ። መዓስ ከማኻ ሕጂ ፈሊጠየን። ኣብ ጀብሃ ከለዋ ፋይለን ኣብ ኢደይ ኔሩ!
    Simon G. : ኢሱ! ሓንቲ ጠርሙዝ ተጨሊጥኪ መቸም: ናብ ትይትሮ ኢኺ ትቐየሪ!
    ባባ ኢሱ: Simon G. ሎምስ ከኣ ጓል ጌርካኒ?
    Simon G.: ኦ! ንተባዕቶት ናብ ደቀንስትዮ ናይ ምቕያር ጸወታ ዝጀመርና መሲሉኒ?
    ባባ ኢሱ: Simon G. ሓንቲ መዓልቲ ‘ኳ ክረኽበኪ ‘የ
    Simon G. : ማማ ኢሱ: ኣብ ሰማይ ጥራይ ከይከውን እምበር ኣብ መሬትስ ደሓን። ኣቤት ካብ ገሃነም ይኽደነኒ!
    ባባ ኢሱ: ኣታ ትጉፉፍ መስከረምኔት ይድውለለይ ኣሎ። ጡስጡስ ዝኾነ ሰብ። ቻው! ቻው።

    • k.tewolde December 12, 2017

      Simon ,you will be the perfect fit as a host for the future ESNL,Eritrean Saturday Night Live.You got my vote.

      • Simon G December 12, 2017

        Wow, I love the sound of it! That would have been my biggest dream come true. Thanks brother, k. tewolde!

  • Danilo December 12, 2017

    ብመጀመርያ ነቶም ዚዝ…በሃልቲ ዝበልናዮም ኣሰና’ውን ምሕጋዙ ምስጋናይ የቅርብ።ብፍላይ፡መዓል ጽላል፡መምህር ኣማኒኤል ሳህለን ካሊኦትን ዘቅርብዎ ጠቃሚ ዓንቀጻት ኣብ ምምማይን ምስትምቃርን እኩዋ በቂዕና።ነዚ ዝተዓዘበ ዲክታቶር ንምዓል ተስፎምን ተስፋልደትን ሰዲዱልና ኣሎ።እዛ ናይ መጨረሻ ካርታ ብወገነይ ፈትየያ ኣለኹ።ከመይ’ሲ ነቲ “ምእንተ ማርያም ምሳይ ዝቃለስ” ዝብለካ ማርያም ትመሳሕ እኻ ትብሎ።good luck! Tesfom stick with your adventure till your mind twisted but you can not convince any one.

    • Tesfom December 12, 2017

      Danilo
      I didn’t mind your sarcastic comment and for implying all Asena visitors are twisted mind. Maybe I should keep writing until I hit the “ Asena’s twisted mind title “. What a bright of you to put Asena family in that manner. I love it. I will be back when I get enough time to burn. Cheers!

  • Simon G December 14, 2017

    Tesfom,
    How is that a person with a clever mind still supports the criminal junta back home? This is really puzzling.
    Your comment style reminds me our old friend Belay Nega at Assenna. He kind of disappear on us.

Post a Reply to Danilo Cancel Reply