Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ቃለ-መሕትት ኮለኔል ጸጉ ዘሎኒ ትዕዝብቲ-!! ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

 ኣብ ቃለ-መሕትት ኮለኔል ጸጉ ዘሎኒ ትዕዝብቲ-!! ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን   ኮለኔል ጸጉ ፍስሃየ ኣብ ዕለት 11/11/2017 ምስ ረድዮ-ኤሬና ዘካየዱዎ ቃለ-መሕትት፥ ኣነ’ውን ከም ሕዝበይ ተኸታቲለዮ እየ። ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ካብ ዝግድሶም ሓደ ስለ-ዝኾንኩ ድማ፥ ንኣበሃህላ’ቶም ኮለኔል ተገዲሰ ክከታተሎ

 ኣብ ቃለ-መሕትት ኮለኔል ጸጉ

ዘሎኒ ትዕዝብቲ-!!

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

 

ኮለኔል ጸጉ ፍስሃየ ኣብ ዕለት 11/11/2017 ምስ ረድዮ-ኤሬና ዘካየዱዎ ቃለ-መሕትት፥ ኣነ’ውን ከም ሕዝበይ ተኸታቲለዮ እየ። ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ካብ ዝግድሶም ሓደ ስለ-ዝኾንኩ ድማ፥ ንኣበሃህላ’ቶም ኮለኔል ተገዲሰ ክከታተሎ ግድነት ኮይኑኒ። ከመይሲ ንሶም እዞም ስሞም ዝተጠቕሱ ኮለኔል፥ ሓደ ካብቶም ነቲ ፖለቲካዊ ሥርዓት ብምውካል፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ብብዙሕ ክዋስኡ ዝጸንሑ ምዃኖም ስለ-ዝፈልጥ’የ።

ስለዚ’ውን ንሶም ዝብሉዎ ምስማዕ፥ ንዓና ነቶም ብጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን እንቕንዞ ኦርቶዶክሳውያን፥ ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ክኸውን ግድነት እዩ። ከመይሲ ከምቲ ዓደቦና “-መን ይንገር ዝወዓለ፥ መንከ የርድእ  ዝቐበረ-” ዝብሉዎ። ካብቶም ኣብቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያንና ደይቦም ክዋስኡ ዝጸንሑ ንላዕሊ፥ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ስለ-ዘይበሃል፥ ነዚ ዝተገብረ ቃለ-መሕትት’ዚ ንምስማዕ ሕንጡያት ኮንና እንተ-ተረኸብና፥ ዘገርም ኣይኮነን።

ከመይሲ ኮለኔል ጸጉ መን ምዃኖምን፥ ሓደ ካብቶም ነቲ ፖለቲካዊ ሥርዓት ብምውካል፥ኣብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያንና ብብዙሕ ክዋስኡ ዝጸንሑ ምዃኖም’ውን ስለ-ዝፍለጥ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ብቐጻሊ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰተ-ሕጊ፥ ካብኦም ንላዕሊ ዝፈልጦን ክዛረብ ዝኽእል’ውን፥ ክህሉ ይኽእል’ዩ ኢልካ ኣይሕሰብን። እቲ ብኣይ ወገን ዝነበረ ትጽቢት’ውን እዚ’ዩ ነይሩ። እቲ ንሶም ዝገበሩዎ ቃለ-መሕትት ምስ-ሰማዕኩ ግና፥ ኮለኔል-ጸጉ ነቲ ዝነበረ ሓቂ ክገልጹ ከም-ዝተጸገሙ፥ ወይ ድማ ትብዓት ዝወሓዶም ኮይኖም’የ ረኺበዮም።

ከመይሲ ንሶም ኮለኔል-ጸጉ ኣብ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዙሕ ዝተፈጸመ ግህሰተ-ሕጊ እናሃለወ፥ ንሶም ግና ዋላ ሓንቲ ክብሉ ዝደልዩ መሲሎም ኣይተራእዩን። ስለ-ምንታይ’ውን እቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ናይ ሕጊ ግህሰታት፥ ተዓባቢጡ ክተርፍ ከም-ዝደለዩዎ ንኽትርድኦ ዘጸግም’ዩ። እቲ ሓቂ ግና ከምቲ ኮለኔል-ጸጉ ዝገለጹዎ ከም-ዘይኮነ፥ ንሕና እቶም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣረጋጊጽና እንፈልጦ ሓቂ እዩ።ስለዚ ድማ’ዩ ኣበሃህላ’ቶም ኮለኔል፥ ሓቂ’ዩ ኢልና ክንቅበሎ ከቢዱና ዝርከብ ዘሎ።

ንኣብነት ኢልካ ካብ ዝጥቀስ ሓደ፥ ማለት እቲ ጋዜጠኛ ዮሓንስ ተስፋ-ማርያም፥  ብዛዕባ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ክመጽእ ዝኸኣለሉ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ሕቶ’ዩ። ኮለኔል-ጸጉ ነዚ ሕቶ’ዚ ክምልሱ ከለዉ “…ክሕግዝ ተባሂሉ’ዩ ተመዲቡ። እዚ’ውን ክሥርሓሉ ዝጸንሐ ልሙድ’ዩ፥ ቅድሚኡ’ውን በዓል መምህር ደሴን፥ ሃለቃ ግደይን፥ መምህር ፍስሃየን ነይሮም’ዮም…” ዝብል መልሲ ክህቡ’ዮም ተሰሚዖም። እዚ ኸኣ ነቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ንፈልጦ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣዚዩ ዝገርመና ስለ- ዝኾነ፥ ንኣበሃህላ’ቶም ኮለኔል ብዓይኒ ትዕዝብቲ ክንጥምቶ ካብ ዝገብረና ሓደ’ውን እዚ’ዩ።

ከመይሲ መምህር ደሴ ብርሃነን ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረን፥ ብመንበረ-ፓትርያርክ ዝተመደቡ ሕጋውያን-ጸሓፍቲ ክኾኑ ከለዉ፥ ዮፍታሔን ዲሜጥሮስን መምህር ፍስሃየ ተስፋ-ሥላሴን ግና፥ ብጸቕጢ ፖለቲካ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ዝተቐመጡ ዕዳ ምንባሮም እናተፈልጠ ከሎ፥ ናይዞም ኣርባዕተ ኣስማቶም ዝተጠቕሱ ሰባት፥ ከም ናይ ኩሉ ግዜ ልሙድ ኣመዳድባን፥ ሕጋዊ መሥርሕ ዝተኸተለ ኣገባብን ገይሮም ከቕርቡዎ ምፍታኖም፥ ንመንነቶም ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ጌጋ፥ ከም-ዝፈጸሙ ኮይኑ’ዩ ንዓይ ዝርድኣኒ።

ብዝተረፈ ምንም’ኳ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ካብ 1983 ዓ/ም (1991 ኣትሒዛ ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሞን ብዝኸተሙዎ ደብዳቤ፥ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻር-ፖለቲካ ኣትያ ትርከብ እንተ-ነበረት። ኣብ 1985 ዓ/ም (1997) እቲ ንሶም ብኣባልነት ዝርከብዎ ዝነበሩ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ብዝወሰዶ ስጉምቲ ግና፥ እቶም ኣብቲ ግዜ’ቲ ዋና-ጸሓፊ ዝነበሩ፥ መሪጌታ ይትባረክ በርሀ ብግፍዒ ከም-ዝተኣስሩ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ኮለኔል-ጸጉ ዝነበሩዎ መስርያ-ቤት ብዝመሃዞ ተንኮል ድማ፥ ኣብ መንጎ ኣቡነ-ፊልጶስን ኣቡነ-ያዕቆብን ምስሕሓብ ከም-ዝፍጠር ስለ-ዝተገብረ፥ ብድሕር’ዚ እዩ “…ንስኻትኩም ክትሰማምዑ ካብ-ዘይትኽእሉ…” ዝብል ሰበብ ምኽንያት ብምግባር፥ ብውሳኔ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት፥ መምህር ፍስሃየ ዋና-ጸሓፊ ኮይኖም ክመጹ ዝኸኣሉ። እዚ መሥርሕ’ዚ ከኣ፥ እቶም ኮለኔል ዝተዋስኡሉ ጉዳይ ክኸውን ከም-ዝኽእል፥ ዓይንኻ ተዓሚትካ’ውን ክግመት ዘይከኣል ኣይኮነን። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ገለ ክብሉ ዘይምድላዮም ግና፥ እቲ ምስጢሩ ብቐሊል ክርድኦ ዝኽእል ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።

ብዝተረፈ መሪጌታ ይትባረክ፥ ዋላ ሓንቲ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ምኽንያት ከም-ዘይነበሮም ፍሉጥ’ዩ። ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ኣብ ውሽጢ መንበረ-ጵጵስና፥ ብቀጥታ ጸብጻብ ዝህቦ ናቱ ኣንቴና ክተክል ስለ-ዝደለየ ግና፥ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ንመሪጌታ-ይትባረክ በርሀ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ፥ ንመምህር ፍስሃየ ዋና-ጸሓፊ ገይሩ ከቐምጦም ምኽኣሉ፥ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኣረጋጊጾም ዝፈልጡዎ ሓቂ’ዩ። እዚ  ሓቂ’ዚ ከኣ ካብ ኮለኔል ጸጉ ዝተኸወለ’ዩ ነይሩ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ እቲ በቶም ኮለኔል ዝተባህለ ኣበሃህላ፥ ሕልናና ኣሚኑ ንኽቕበሎ ዝኸብዶ ዘሎ።

ብዝተረፈ ክሳብ ምሻም እቶም ቀዳማይ-ፓትርያርክ ዝነበረ ግዜ፥ ንመምህር ፍስሃየ ዋና-ጸሓፊ  ጌርካ እቲ ጉዕዞ ክኽየድ ምስ-ጸንሐ። እቶም ሓዲሽ-ፓትርያርክ ማለት ኣቡነ-ፊልጶስ፥ ንሶም ኣኅቲመዮ ዝብሉዎ መጻሕፍቲ፥ ብሃይማኖታዊ-ጉዳያት ምስ-ተሃገሮም፥ ሕነ ክፈዲ ኣሎኒ ኢሎም ስለ-ዝተላዕሉ፥ ንመምህር ፍስሃየ ተስፋ-ሥላሴ ካብቲ ሂቦሞም ዝነበሩ መንበሪ-ቤት ኣውጺኦም፥ ካብ ሥራሕ’ውን ከም-ዝሰጎጉዎም ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ከኣ ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ኮለኔል-ጸጉ ከም-ዝፈልጡዎ፥ ምንም ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ከምዚ ኢሎም መምህር-ፍስሃየ፥ ብውሳኔ እቶም ፓትርያርክ ምስወጹ ድማ፥  ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ብውሳኔ ፖለቲካ፥ ዋና-ኣማሓዳሪ ቤተ-ክርስቲያን ተባሂሉ፥ ከም ዕዳ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ክቕመጥ ምግባሩ፥ እዚ ምስጢር’ዚ ንኮለኔል ጸጉ ክጠፍኦም ይኽእል’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ግዳስ እቲ ዮፍታሔ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክኣቱ፥ ዝነበረ ፖለቲካዊ-መሥርሕ እዚ ምዃኑ እናተፈልጠ ከሎ፥ ኮለኔል-ጸጉ ግና ስለምንታይ ካብቲ ናይ ካልኦት ጸሓፍቲ ኣመዳድባ ዝተፈልየ ኣይኮነን ብምባል፥ ኣብ ባይታ ዘየሎ ሓቂ ክነግሩና ይደልዩ ከም-ዘለዉ፥ ክንርድኦ እንተደለና’ውን ምርድኡ ዝከኣል ኮይኑ ኣይንረኽቦን ዘሎና።

ብዝተረፈ ናይ ዮፍታሔ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ዋና-ኣማሓዳሪ ጌርካ ምሻም፥ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ፖለቲካዊ ምቁጽጻር ንምእታው ዝዓለመ ደኣምበር፥ ከምቲ እቶም ኮለኔል ክብሉዎ ዝተሰምዑ፥ ምስ ኣመዳድባ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረን መምህር ደሴ ብርሃነን ዝመሳሰል ኣይኮነን። ከመይሲ ንሳቶም ብመንበረ-ፓትርያርክ ዝተመደቡ ሕጋውያን ክኾኑ ከለዉ፥ ዮፍታሔ ግና ብማዕበል-ፖለቲካ ተደፊኡ ዝመጸ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ታሪኽ እናተዛረበሉ ክነብር ዘለዎ፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተፈጸመ  ዓቢይ ናይ ሕጊ ግህሰት’ዚ ከኣ፥ ኮለኔል-ጸጉ ከም-ዘየዛርብ ኣርእስቲ ጌሮም ክሓልፉዎ እንተደለዩ ናቶም ምርጫ’ዩ። ንሕና እቶም ደቂ’ታ ዓባይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝኾንና ግና፥ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ፈጺምና ክንቅበሎ ንኽእል ኣይኮናን።

ኮለኔል-ጸጉ ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ስምምዕ ከም-ዘይነበረ ዝገለጹዎ’ውን ኣሎ። ኣብዝስ ኣይተጋገዩን። ኣብቶም ጳጳሳት ስምምዕ ከም-ዘይነበረስ ንሕና እቶም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን’ውን ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር እዚ ዘይምስምማዕ’ዚ ካብቲ ኮለኔል-ጸጉ ዝነበሩዎ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ዝነቅል ደኣምበር፥ ካብ ውሽጢ መንበረ-ፓትርያርክ ዝብገስ ነገር ኣይነበረን። ነዚ ከም ምኽንያት ካብ ዝጥቀስ ሓደ ከኣ፥ እቲ ኣቡነ-ያዕቆብ ኣብ 1989 ዓ/ም (1997) ናብቶም ርእሰ-ብሔር ዝጸሓፉዎ ደብዳቤ’ዩ።

እዚ ማለት ድማ፥ እቲ ንመሪጌታ ይትባረክ ኣሲርካ፥ ንመምህር ፍስሃየ ዋና-ጸሓፊ ጌርካ ንምእታው፥ ብሃይማኖታዊ-ጉዳያት ዝእለም ዝነበረ ረቂቕ ተንኮል፥ ጽቡቕ ጌሮም ይከታተሉዎ ስለ-ዝነበሩ። ኣብቲ ነዚ ኣመልኪቶም ናብቶም ርእሰ-ብሔር ዝጸሓፉዎ ደብዳቤ “…ሓደ ዋና-ጸሓፊ ኣብ ምምዳብ፥ ኣብ መንበረ-ጵጵስና ስምምዕ ከምዘየሎ ዘምስል፥ ዝናፈስ ዘረባ ምህላዉ ይስማዕ’ዩ። እንተኾነ እቲ ስምምዕ ንኸይርከብ ጠንቂ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ፥ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ባዕሉ ደኣምበር፥ ካብዚ ካብ መንበረ-ጵጵስና ዝብገስ ጽልኢ የልቦን…” ዝበሉዎ ኣበሃህላ፥ በዚ ጉዳይ’ዚ ተሓታቲ ሃይማኖታዊ-ጉዳይ ደኣምበር፥ እቲ ብሳምቡእ-ፖለቲካ ከተንፍስ፥ ተፈሪዱዎ ዝነበረ መንበረ-ጵጵስና ከም-ዘይኮነ፥ መስክሩለይ ምባል ዘየድልዮ፥ ከም ማይ-ንግሆ ዝጸረየ ሓቂ’ዩ።

እታ ቤተ-ከርስቲያን ምሉእ ብምሉእ፥ ፖለቲካ ዝተቘጻጸራ ክትከውን ስለ-ዝተደልየ ግና፥ ኣብቲ ሲኖዶስ ስምምዕ ከም-ዘይርከብ ንምግባር፥ በቶም ሰብ-ፖለቲካ ብቐጻሊ ይሥረሓሉ ከም-ዝነበረ፥ ካብቶም ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ዝነበርና ዉሉደ-ክህነት ዝተሓብአ ምስጢር ኣይነበረን። እቲ ዝነበረ ሓቂ ከምዚ ዝተባህለ ካብ ኮነ ከኣ፥ ሰላምን ስኒትን ዝነበሮ መንበረ-ፓትርያርክ ክርከብ፥ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይነበረን። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ፥ ካብቶም ኣብ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ወሰንቲ ዝነበሩ ኣካላት ሓደ፥ ማለት ኮለኔል-ጸጉ ኣይፈልጥዎን’ዮም ነይሮም ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

ብጀካ’ዚ እውን እቲ መንግሥቲ፥ ገንዘባዊ ሓገዝ ይገብር ከም-ዝነበረ፥ ኣብቲ ኮለኔል-ጸጉ ዝሃቡዎ ቃለ-መጠይቕ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ዝተባህለ ሓገዝ ግና፥ ብመሠረቱ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝሓተቶ ናይ ገንዘብ ሓገዝ’ውን ኣይነበረን። እቶም ብልቦና ዝፍለጡ ዝነበሩ መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ ገብረ-ሚካኤል፥ ብመንገዲ ኣቶ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኣቢሎም፥ ናብቶም ርእሰ-ብሔር ቀሪቦም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ግና። “…እንታይ ክንሕግዘኩም ትደልዩ-?…” ተባሂሎም ምስ-ተሓተቱ።

“…ንሕና ከም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ መጠን፥ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይንሓትትን ኢና። ከመይሲ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ኣብ ዝሓተትናዮ ግዜ፥  ኩሉ ክገብር ዝኽእል ኣማኒ ሕዝቢ’ዩ ዘሎና። ዝከኣል እንተደኣ ኮይኑ ግና፥ ንሕና ንሓቶ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ መንፈሳዊ-ኮለጅ’ዩ። ከመይሲ ምስዚ ሕጂ ዘሎናዮ ብምዕባሌ ዝፍለጥ ዓለም፥ ሓቢርና ክንጐዓዝ እንተደኣ ኮንና፥ ብደረጃ ኮለጅ ዝተመረቑ ዉሉደ-ክህነት ከድልዩና’ዮም። ስለዚ ንሕና ኣብዚ እዋን’ዚ፥ ቅድሚ መንፈሳዊ-ኮለጅ ንሰርዖ ካልእ ምርጫ ክህልወና ኣይክእልን’ዩ…”ብምባል’ዮም መጋቤ-ሥርዓት ሉቃስ መልሲ ዝሃቡ።

እቶም ሰብ-ፖለቲካ ግና፥ እዚ ኩሉ’ዚ ምስቲ ሕቡእ ኣጀንዳኦም ተሳንዩ ክኸይድ ዝኽእል ስለ-ዘይነንበረ፥ እንኳንዶ ክገብሩዎ ክሰምዑዎ ዝደልዩ’ውን ኣይነበሩን። ብመሠረቱ’ውን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ምሁራን ክህልዉ ይድለ ከም-ዘይነበረ፥ ክጥቀስ ዝኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ንኣብነት እቶም ሠለስተ-ካህናት መካነ-ሕይወት፥ ከምኡ’ውን መሪጌታ ይትባረክ፥ ንዓሠርተ-ሠለስተ ዓመት መመላእታ ተመቝሖም ዝርከቡ ዘለዉ፥ ምሁራን ኮይኖም ብምርካቦም ደኣ’ምበር፥ ዝፈጸሙዎ ገበን ስለ-ዝተረኽቦም ኣይኮነን። ብኣውርኡ እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት ዝነበረ ቤት-ትምህርቲ-ሰንበት፥ ዕላማ ኮይኑ  ክጠፍእ ዝተገብረ’ውን፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ምሁራን ከይፈርዩ ስለ-ዝተሰግአ ደኣምበር፥ ካልእ ምኽንያት ስለ-ዝነበሮ ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እቲ ሕንፃ መንበረ-ፓትርያርክ ንኽሥራሕ፥ እቲ መንግሥቲ ስለ-ዝደለየ ደኣምበር፥ ብወገን ቤተ-ክርስቲያን ዝቐረበ ሕቶ ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ዝዓበየ ትዅረት ሰብ ኣብ ምሕናፅ ክቕድም’ዩ፥ ናይ ብዙሓት ውሉደ-ክህነት ድሌት ዝነበረ። ብጀካ ሓደ ሚልዮንን-ፈረቓን ገንዘብ የብልናን ተባሂሉ’ውን ተነጊሩዎም ነይሩ’ዩ። እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ደሓን ዝተረፈ ባዕላትና ክንምልኦ ኢና ስለ-ዝበሉ ግና፥ እቲ ዕዮ ሕንፃ ክጅመር ክኢሉ። ኣብ ፍርቂ ምስ-በጽሐ ግና፥ እቶም ቻይናውያን በቲ ውዕል መሠረት፥ ዝተወሰነ ገንዘብ ክኽፈሎም ሓቲቶም።

እዚ ከኣ ነቶም ሰብ-ፖለቲካ ክግለጸሎም ግድነት’ዩ ነይሩ። እቲ ምስ ሥነ-ምግባር ዝፋለጥ ባህርያት ነይሩዎ ዘይበሃል ናይዝጊ ክፍሉ ግና፥ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ብምምጻእ፥ “…ንሕና ከም መንግሥቲ መጠን፥ ናይ ኩሎም ሃይማኖታት መንግሥቲ ኢና’ምበር፥ ናትኩም ናይ ተዋሕዶ መንግሥቲ ጥራይ ኣይኮናን። ስለዚ ዕዳኹም ባዕልኹም ኢኹም ክትከፍሉዎ ዘለኩም እምበር፥ ዕዳና ክፈሉልና ኢልኩም ናባና ዘመላልስ ምኽንያት የብልኩምን…” ብምባል፥ ብሁልን ዘይብሁልን ኢሉ ምስከደ፥ ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ዓቢይ ምስንባድ ፈጢሩ ከም-ዝነበረ፥ ኣብ ተዘክሮ ብዙሓት ውሉደ-ክህነት ከም-ዝህሉ ርግጽ’ዩ።

እንታይ ደኣ’ዩ ክግበር-? ብምባል፥ ህጹጽ ኣኼባ ከም-ዝጽዋዕ ምስ-ተገብረ ከኣ፥ ባዕላቶም’ዮም ዘበገሱዎ እምበር፥ ንሕና ሕንፃ ክንሠርሕ ዝብል ሓሳብ ኣይነበረናን። ሕጂ ድማ እንሆ ግምጥል ኢሎም፥ ዕዳኹም ባዕልኻትኩም ክፈሉ ይብሉና ኣለዉ። ስለዚ እንታይ’ዩ ክግበር-? ብምባል ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ዘተ ምስ-ተገብረ። መወዳእታኡ እቲ ኣኼባ ንማኅበረ-ምእመናን ጸዊዕና፥ እቲ ዘጋጠመ ጸገም ነካፍሎም ብምባል ስለ-ዝተሰማምዐ፥ ናብ ሕዝቢ መጸዋዕታ ከም-ዝዝርጋሕ ተገይሩ።

ይኹን እምበር እቲ መጸዋዕታ ንሰንበት ስለ-ዝነበረ፥ ኣብቲ ቅድሚኡ ዘሎ ሣልስቲ ማለት ዓርቢ፥ ናይዝጊ ክፍሉ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ብምምጻእ፥ “…እዚ ናብ ሕዝቢ ዘርጊሕኩሞ ዘሎኹም መጸዋዕታ፥ ኣብ ምንታይ ኣጀንዳ ዘተኮረ’ዩ-? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ። እቶም ነቲ ናይ ሕንፃ ዕዮ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣቡነ-ያዕቆብ ድማ “…ዕዳ ከካፍሉና ብምባል ኢና፥ ማኅበረ-ምእመናን ዓዲምና ዘሎና…” ዝብል መልሲ ሂቦሞ። ንሱ ድማ “…ሕዝቢ ክትጽውዑ ኣየድልየኩምን’ዩ። እቲ ዕዳ ባዕላትና ክንከፍሎ ኢና። በዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ሰብ ክትእክቡ የብልኩምን…” ብምባል፥ ነቲ ምስ ሕዝቢ ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ከም-ዝስረዝ ገይሩዎ ምኻዱ’ዩ ዝፍለጥ።

እዚ ኩሉ’ዚ ከርእየና ዝኽእል ድማ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ናይቲ ፖለቲካ ጸጋዕተኛ፥ ወይ ተመጽዋቲት ኮይና ክትነብር ካብ ዝነበሮም መደብ ደኣምበር፥ እቲ ሓገዝ ዝበሃል ንሓልዮት ተባሂሉ ዝግበር ዘይምንባሩ’ዩ። ብዝተረፈ እታ ቤተ-ክርስቲያን “…ርእስኺ ክኢልኪ ንበሪ ንዓና’ውን ኣይትጸበዪ..” ዝብል መግናሕቲ ተቐቢላ ከተብቅዕ። ምስ ሕዝባ ተራኺባ ውራያ ከተሳልጥ እንተደለየት ድማ፥ “…ምስ ሕዝቢ ክትራኸብስ ኣይንፈቕደልክን ኢና…”ዝብል ኣበሃህላ ምስ ሓልዮት ድዩ፥ ወይስ ምስ ሓገዝ ክቑጸር-? እምበኣር እቲ ኮለኔል-ጸጉ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሓገዝ ይግበረላ ነይሩ ዝበሉዎ፥ ነዚ’ዩ ዝመስል።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፥ ብዛዕባ’ቲ ኮለኔል-ጸጉ “ፓትርያርክ” ተመሪጾም ዝበሉዎ ኣበሃህላ’ዩ። እቲ ፓትርያርክነት’ቲ ግና፥ መንግሥቲ ሸይሙ ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፥ ቤተ-ክርስቲያን መሪጻ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ነቲ ብሕጊ ዝካየድ ዝነበረ ምርጫ፥ ሃገራዊ-ድሕነት ወይ ጀረናል ኣብርሃ ካሣ መጺኦም፥ “መንግሥቲ ከይካየድ ኣጊዱዎ’ዩ” ብምባል እቲ መሥርሕ ምርጫ ከም-ዘቋርጽ ምግባሮም ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ክገብሩ ዘገደዶም ምኽንያት ድማ፥ እቲ ንሱ እቲ መንግሥቲ ፓትርያርክ ክገብሮም መዲቡዎም ዝነበረ ጳጳስ፥ ካብቶም ሠለስተ ንመወዳእታ ውድድር ዝሓልፉ ጳጳሳት ኮይኖም ክርከቡ ብዘይ ምኽኣሎም፥ ነቲ  ስዕረት ክጻወሮ ብዘይ ምኽኣሉ እዩ።

መወዳታኡ ድማ ነቲ ጉዳይ ንሓደ-ዓመት ዝኸውን ግዜ፥ ብውንዙፍ ሒዙዎ ድሕሪ ምጽንሑ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምርጫ ባዕሉ እቲ መንግሥቲ፥ ካይሮ ወሲዱ ደኣ ኣቕቢኡዎም እምበር፥ እታ በዓልቲ ውራይ ክትከውን ዝነበራ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ኣብዚ ሽመት’ዚ ኢድ ኣለዋ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ስለዚ እቲ ኮለኔል-ጸጉ ፓትርያርክ ተመሪጾም ዝበሉዎ ኣበሃህላ፥ ፖለቲካዊ-ሽመት እምበር፥ ብቀኖና ዝተፈጸመ ምርጫ ስለ-ዘይኮነ፥ ኣብ መንጎ ሽመትን ምርጫን ዘሎ ፍልልይ ምርዳእ ከም-ዘድሊ፥ ንእግሪ መንገደይ ንኮለኔል ጸጉ ከተሓሳስቦም እደሊ።

ብዝተረፈ ሓሳባተይ ኣብ ምጥቕላል ክብሎ ዝደሊ። ኮለኔል ጸጉ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት፥ ብዝለዓለ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒ ክዋስኡ ዝጸንሑ በዓል-ሥልጣን ‘ዮም። እቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተፈጸመ ናይ ሕጊ ግህሰት ከኣ፥ በቲ ንሶም’ውን ኣባሉ ኮይኖም ዝጸንሑ ሃይማኖታዊ-ጉዳያት ኣቢሉ ክፍጸም ዝጸንሐ ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን። እምበኣር እዚ ቤት’ዚ፥ ማለት ሃይማኖታዊ-ጉዳያት፥ ከም ሰብ ኣካል ሰሪዑን ሕይወት ሰዅዑን፥ ደው ክብል ዝኽእል ነይሩ እንተ-ዝኸውን። ኣብ ቅድሚ ካህን ቀሪቡ ክንሳሕ ዘገድዶ፥ ብዙሕ ጾር ተሰኪሙ ከም-ዘሎ ምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን።

ከመይሲ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት፥ ብሃይማኖታዊ-ጉዳያት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘይተፈጸመ ግፍዕን ዓመጽን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብግዳም ክርአ ከሎ እዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ፓትርያርክን ሲኖዶስን ዘለዋ ነፃ መሲላ ክትርአ ትኽእል’ያ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ከም ሓንቲ ትካል መንግሥቲ ተቘጺራ፥ ዝተኣዘዘቶ እትፍጽም ናይ ፖለቲካ መጋበሪ ኮይና ትርከብ ምህላዋ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ’ዩ።

እሞ እዞም ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፥ ተሓዊሶም ዝርከቡ ዘለዉ ኮለኔል-ጸጉ ደኣ፥ እንታይ’ዮም ክነግሩና ዝደልዩ ዘለዉ-?! በየናይ መዐቀኒ ኢናኸ ነቲ ዝበሉዎ ኩሉ፥ሓቂ’ዩ ኢልና ኣሚና ክንቅበሎ ንኽእል-?! ከመይሲ ብዛዕባ’ቲ ክፍጸም ዝጸንሐ ናይ ሕጊ ግህሰታት፥ ዝኾነ ነገር ክብሉ ኣይሰማዕናዮምን። ከም ሓቂ ክዝረብ እንተደኣ ኮይኑ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንምድኻምን ንምጥፋእን ዝዓለመ፥ ብዙሕ ነገር ነገራት ክፍጸም ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ካብ ኮለኔል-ጸጉ ዝተሓብአ’ዩ ነይሩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ንሶም እቶም ኮለኔል ግና፥ ብዛዕባ’ቲ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ኩሉ፥ ዋላ ሓንቲ ክብሉ’ኳ ኣይተሰምዑን። ብዝተፈልየ ድማ እቲ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ናብ መንበረ-ፓትርያርክ ንምእታው ዝተኸተሎ ኣገባብ። ከም ልሙድን ቅቡልን ኣሠራርሓ ጌሮም ዝሃቡዎ መግለጺ። ነቲ ሕጂ ዘለዎም ኣቕዋም ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዎ ዝኽእል ምዃኑ ብምርዳእ፥ ሓደ ብሩህን ንጹርን መግለጺ ክህቡሉ፥ ትጽቢት ይግበረሎም ከምዘሎ ክርድኡዎ ይኽእሉስ’ዮም ዝብል ተስፋ ኣሎኒ።

 

ክብሪ ንኣምላኽ-!

ሰላም ንደቂ-ሰብ-!

 

ካህን ተክለማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT