Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ስካንዲነቭያን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ ንማዕከናት ዜና ሽወደን ዝድግፍ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝዅንን ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ሽወደንን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ካብ ነርወይን ካልኦት ሃገራት ስካንዲነቭያን ንሰዓታት ተጓዒዞም ናብ ስቶክሆልም ምስ ዝመጹ ሓያለ ኤርትርውያን ደለይቲ ለውጢ ተሓባቢሮም፡ ማዕከናት ዜና ሽወደን ምእንቲ ናጽነት ፕረስን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ንዘካይዳኦ ቀጻሊ ጎስጓሳት ዝድግፍ፡ ንዲክታተርያዊ

ኣብ ሽወደንን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ካብ ነርወይን ካልኦት ሃገራት ስካንዲነቭያን ንሰዓታት ተጓዒዞም ናብ ስቶክሆልም ምስ ዝመጹ ሓያለ ኤርትርውያን ደለይቲ ለውጢ ተሓባቢሮም፡ ማዕከናት ዜና ሽወደን ምእንቲ ናጽነት ፕረስን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ንዘካይዳኦ ቀጻሊ ጎስጓሳት ዝድግፍ፡ ንዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝዅንን፡ ውዕዉዕ ሰላምዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እቲ ሎሚ 7 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ደገፍቲ ህግደፍ ንማዕከናት ዜና ሽወደን ብምጽራር ኣብ ስቶክሆልም ከካይዱዎ ንዝወዓሉ ሰልፊ ንምቅዋም ዝተዳለወ እዩ።
ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ተቓውሞ ከየጋጥሞም መታን፡ ነቲ ቦታ ብምስጢር ሒዞሞ ኳ እንተቐነዩ፡ እቶም ደለይቲ ለውጢ ኣብ ሓጺር ግዜ ተወዳዲቦም ምዕሩግ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ኤርትራውያን ምስ ህዝብን መንግስትን ማዕከናት ዜናን ሽወደን ዘለዎም ምሕዝነት ከምዘረጋገጹ ምስ ኣሰና ዝተዘራረቡ ተሳተፍቲ ሓቢሮም።
እቶም ኣብ ዲሞክራስን ነጻነት ፕረስን ዝኣምኑ ግዱሳት ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ በቲ ዝዘንብ ዝነበረ ብርቱዕ ማይ ከይተሰናኸሉ ዘስምዑዎ ድምጺ፡ ኣቓልቦ ህዝብን ጋዜጠኛታትን ሽወደን ከምዝሰሓበ ‘ውን ኣገንዚቦም።
ሓንቲ ሽወድናዊት ጋዜጠኛ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንኣሰና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ “እቶም ዲሞክራስያዊ መሰሎም ብምጥቃሞም ንጋዜጠኛታት ሽወደን ዝነቕፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ መንግስትና ጽቡቕ እዩ ዝገብር ዘሎ ዝብሉ እንተኾይኖም፡ ዓዶም ካብ ምኻድ ዝክልክሎም ነገር ደኣ እንታይ እዩ” ብምባል ከምዝደንጸዋ ገሊጻ።
ንሃዋህውን ኣካይዳን ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰፊሑ ንምክትታል ድምጺ ኣሰና ስምዑ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • stefanos Temolso October 8, 2011

    If those idiots think that the Eritrean people are doing fine with their boss Isayas, let them go and leave Sweden in peace. I know they are hypocrites and cheaters of the highest calibre. But, they must know that they cant live on cheating people endlessly!! their days are counted. I tel them this: Hvis du tror Isayas are bra for Eritrea, kan du gå bort!!!

  • Ephee October 10, 2011

    jag tycker att det svenska myndigheten skall ta på allvar för de som som stör svenska media och svart målar,,,varför demonstrerar dem hem i eitrea istället ..dem idioter som inte vet nåt om deras demokrasin som sverige erbjudet ,,tycker jag fruktansvärt.Tack dt svenska median o journalister alla…skicka hem alla ambassadörer från EU..då blir det alla fångar fria och Dawit kommer hem.innan det blir försent. VI KOMMER O KÄMPA TILL DET SISTA STUND.
    Tack det välfärd svenska samhälle vi får allt ..vi dricker mjölk här men i eritrea dictatörn dricker männikoblod..

  • samrawit October 10, 2011

    ht

  • samrawit October 10, 2011

    nay behaki tsibikti zereba nafkot nayta hasawit eri,tv zelewo seb nab asmara

Post a Reply to stefanos Temolso Cancel Reply