Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ዝሓተቱ 10 ኣባላት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ንኸይምለሱ ካብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ናይታ ሃገር ውሕስነት ረኺቦም።

ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ድሕሪ ምቕናይ ኣብ ቦትስዋና ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ 10 ኣባላት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ንኸይምለሱ ካብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ናይታ ሃገር ውሕስነት ከምዝረኸቡን ናይ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ ታሕሳስ 11

ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ድሕሪ ምቕናይ ኣብ ቦትስዋና ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ 10 ኣባላት ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናብ ኤርትራ ንኸይምለሱ ካብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ናይታ ሃገር ውሕስነት ከምዝረኸቡን ናይ ዑቕባ ጉዳዮም ኣብ ታሕሳስ 11 ኣብ ቤትፍርዲ ክስማዕ ተወሲኑ ከምዘሎን ኣብ ቦትስዋና ዝነብር ጉዳዮም ኣብ ምክትታልን ምስላጥን ክተሓባበር ዝጸንሐ ወኪል EMDHR ሓው ኣዳነ ንራድዮ ኣሰና ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ሚኒስትሪታት ምክልኻልን ፍትሕን ትካል ጸጥታን ቦትስዋናን ኣብ ፈለማ ኣሚቶሞ ዝነበሩ ነቶም ኤርትራውያን ተጻወቲ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ውሳኔ ብምቕያር፣ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ቦትስዋና ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ናብ ኤርትራ ከምዘይቅሰቡ ውሳኔ ምሕላፉ ዘሐጕስ ውሳኔ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ህዝቢ ቦትስዋና ኣብቲ ጉዳይ ንዘርኣዮ ምድንጋጽ ድማ ኣመስጊኑ።

ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ን10 ሓተቲ ዑቕባ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳም መደብ ድምጺ ኣሰና ተኸታተሉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • koreri October 18, 2015

    ሱለማን ሳልም
    ሱለማን! እዚ ካብ አርእስትና ወጻኢ እዩ። ካልእ ግዜ አብ ጽቡቕ የራኽበና።
    አብ ዘዘለናዮ ሰላምን ፍቕርን።

  • ኣርዓዶም October 18, 2015

    ኣሰና ኣሰና ኣሰና
    ፍትሓዊት ሓይሊ ቓልስና

    ወናኒኺ ንቑሕ ብዓንተቦ
    ወሊዳ ኣደ ናይ ህዝብና ኣቦ
    ወዲ ጀጋኑ ብዓንተቦ

    ድሮ ኣላሊኽዮ ነዚ ለኽባጥ ሱሌማን
    ብዓል ክልተ መልሓስ ካብቶም ኣትማን
    ኣሰና ሓራይ ገብርኪ ተሓጉስና ኣማን ብኣማን
    ተርክብሎም ንለኽባጣት ደገፍቲ ሰይጣን

    ደምስስዮ ጽሑፋት እንተተጋጊና
    ኣርሕግቕዮም ክንዮ ሓጹር ናይቶም ጨወይትና

    ናይቶም ደገፍቲ ምልኪ፡ ብዓል ንሕና ንሱ
    ንጥፍኣትና ኣንጊሆም ዝኸሱ

    ብዓል ስልዮማን ኢዮም ሽሞም ዝቐየሩ
    ኣብ ጎዳጉድ ኮይኖም ዝፍክሩ
    ደምስስዮ ጽሑፋቶም ናይዞም ወኻሩ
    ደም ኣምቢዕምና`ዮም ንምልኪ ከኽብሩ
    ጉሓፍዮም በጃኺ ሽዑ ተተማህሩ።

    ዓርዓዶም፡

POST A COMMENT