Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ላስቬጋስ ህግደፍ ንህዝቢ የፈራርሁ፤

ኣብ ላስቬጋስ ህግደፍ ንህዝቢ የፈራርሁ፤ ኣብ ላስቬጋስ ህግደፍ ንህዝቢ እንታይ ትገብሩ ኣለኩም ኣብ ኩሉ መዳይ መንእሰያት ኣብ ባይታ ይስዕርዕኩም ኣለዉ ኣብ ሓጺር ግዜ ገለ ኽትገብሩ ኣለኩም ዝብል መልእኽቲ ካብ ኢንባሲ ኤርትራ ካምዝመጾኦም እቶም ኣብቲ ናይ እሙናት

ኣብ ላስቬጋስ ህግደፍ ንህዝቢ የፈራርሁ፤

ኣብ ላስቬጋስ ህግደፍ ንህዝቢ እንታይ ትገብሩ ኣለኩም ኣብ ኩሉ መዳይ መንእሰያት ኣብ ባይታ ይስዕርዕኩም ኣለዉ ኣብ ሓጺር ግዜ ገለ ኽትገብሩ ኣለኩም ዝብል መልእኽቲ ካብ ኢንባሲ ኤርትራ ካምዝመጾኦም እቶም ኣብቲ ናይ እሙናት ኣኬባ ዝወዓሉ ምንጭታት ሓቢሮም።እቶም ምንጭታት ወሲኮም ዋላ ካብ ፖለቲካ ነጻ ዝኾነ ማእከል  ወይ ኮሚዩኒቲ ይኽፈቱ ክሳብ ንሕና ኣብኡ ዘየለና ኣንጻርና ምኻኑ ክትፈልጡ ኣልኩም ክብል እቲ ልኡኽ ከምዘፈራርሆም ተፈልጡ።ብካልእ መዳይ እታ ኣብ ከተማ ኣላስቬጋስ ኣዚያ ተጸሊኣ ዘላ ሓላፊት መንእሰያት ህግደፍ ሓድነት ቐላታ ብትእዛዝ ኢንባሲ ካብ ላስቬጋስ ናብ ዋሽንግተን ተቐይራ ኣላ።

ንሳ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንሓደ መንእሰይ ዝኽፈል ገንዘብ ስለዝነበሮ ካርዱን ሙሉእ ኢንፎርሞሺኑን ይህባሞ ኩሉ ኢንፎርመሽን እቲ መንእሰይ ብምትራፍ በቲ ናይቲ መንእሰይ ገንዘብ ግይራ ቲኬት ቖሪጻ ምስ ጋላ ኣስመራ ከምዝከደትን  ብድሕሪኡ እቲ መንእሰይ ናብ ባንኪ ከይዱ ገንዘቡ ዘየለ ምኻኑ ምስፈለጠ ነቲ ባንኪ  ገንዘበይ ኣነ ኣይተጠቐምኹሉን ኢሉ ምስሓተተ እቲ ባንኪ ኣጻሪዩ ሓድነት ዝተባህለት ከምዝተጠቅመትሉ  ከምዝተሓበሮን እንተኾነ ግን እቲ ዘሕፍር ነገር ከይወጽእ በዓል ቤታን ገለ ኮራኩር ህግደፍን ነቲ መንእሰይ በጃካ ባዕልና ከንከፍለኻ ኢና እዛ ምስጢር ከይተውጻኣ ከምዘተባህለን እቶም ምንጭታት ሓቢሮም ።እንተኾነ ግን እቲ ምስጢር ኽሕባእ ከምዘይከኣልን ኩሎም ደገፍቲ እቲ ስርዓት ናይ ቐደም ዘዋጻእናዮ እውን ንሳ ከምዝሰደደቶ ይረጋገጸልና ኣይንኣምንን ኢና ዝብል መረረ ስለዝበዝሐ ጠንቒ መቐየሪኣ ንሱ ኽከውን ከምዝኽእል ይግመት ሓድነት ደሞዛ በቲ ስርዓት ከምትኽፈል ይፍለጥ፡ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ እንዳከዓቦም ኣንዳፈንፈነምን ስለዝኸደ ሓንሳብ ብሃይማኖት ሓንሳብ ብዓዲ ህዝቢ ኣብ ምንቛትን ምፍልላይን ተጸሚዶም ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዶም ከምዘለውን ኣብ ትዕዝብቲ ህዝቢ ኣትዮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናፈረሱ ፈትለኽ ይብሉ ከምዘለዉ ክፍለጥ ተካኢሉ ኣሎ።

ስርዓት ህገደፍ ኣብ ላስቬጋስ ንዕለት 28/01/15 ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮምዩኒቲ ላስቬጋስ ግራንድ ኦፒንንግ ክገብር ኣብ ዝሸባሸብሉ ዘሎ እውን ኣብ ሓደ መዓልቲ ንወዲ ትኹል የምጽኡ ከምዘለዉ ይፍለጥ ።እቲ ምኽንያት ኣብ ጭንቐት ዝርኸቡ ህግደፍን መጫንቕቶምን ናብቲ ብዙሕ ደገፍ ረኺቡ ዘሎ ኾምዩንቲ ሰብ ከይከይድን ቕኑዕ መርዳእታ ከይህልዎን ጸቕጢ ንምፍጣርን ከምዝኾነ ጊሂዱ ኣሎ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ላስቬጋስ ንዊዲታት ህግደፍ ከም መስሓቂ ይጥቀመሉ ኣሎ። ብዙሓት ድማ ኮለኔል ወዲ-ትኩል ቐደም ዘደናገርኻና ይኣኽለካ ሕጂስ ኣይንደናገርን ኢና እቶም ኣብ ሰብዓታት ዝርኸቡ ሓንጎሎም ኣብ ሰብዓታት ዘለዉ ይስምዕካ ዝብል ርእይቶ ይህቡ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ምንቕስቓስ መንእሰያት ላስቬጋስ ነቲ ካብ ፖለቲካ ነጻ ዝኾነ ኮምዩኒቲ ምሉእ ደገፍ ከምዘለዎ እንዳገለጸ ንምዕባሌኡ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ንህዝቢ ላስቬጋስ ይገልጽ። ንደግፍቲ ህግደፍ ድማ ብናይ ሓደ መዓልቲ ሓጎስን ውልቓዊ ጥቅምን ክብርኹም ኣይትሽጡ ኢሉ ይምዕድ።

ምንቅስቃስ መንእሰያት ላስቬጋስ ንለውጢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Solomon January 22, 2015

    you need to deal legally if you have evidence that hgdf is advocating violence. we need to challenge hgdf in all aspect.

  • Hakee zefatu January 22, 2015

    This article is stupid. If our community is free from politics, the writer should not call the supporters of the government HIGDF. Our people and our community is belong to Eritreans. Political parties should stay away from this community. We need to be fair with all individuals political stand. We should have all our people to come to our community regardless of their political and religious stand. WE All are Eritrean

    • yohannes January 24, 2015

      Kem chew hekeak! What u talking and what is on the ground is very different. Don’t call the article stupid. In fact youvare stupid!

  • Hakee zefatu January 22, 2015

    This article is stupid. If our community is free from politics, the writer should not call the supporters of the government HIGDF. Our people and our community is belong to Eritreans. Political parties should stay away from this community. We need to be fair with all individuals political stand. We should have all our people to come to our community regardless of their political and religious stand. WE All are Eritrean in our community center. We stand together against all political activities. HIGDEfawian and opposition groups should go to their own political centers. Leave this community to the ERITREANS. our voice should be strong against this people who are trying to divide us.

  • Dawit January 22, 2015

    ተዓወቱ ዓወት ተደረሩ፡
    ሓድነት፡ዩ”መሰረት ሚስጢሩ፡
    ጻዕረ ሞት ህግደፍ ግዲ ትግበሩሉ፡
    አብ አጋ ዕርበቱ ዝያዳ ምህውታቱ፡
    ስርዓ ቢትቢቶ አኺልዎ ሞይቱ፡
    ሬሳ አብ ቃሬዛ ዬሕዙኑ ጸዎርቱ፡
    አጀኹም ላስ ቬጋስ ማሕበርኩም ይሰስን፡
    ሓድነትና ሪኡ ዘይ ሕጎስ ዘይ ቀስን፡
    አመሉ ምስ መግነዙ አበይን ማዓስን፡
    ብዶሆ በሉዎም ነቶም ማሓ
    ዉሩ፡
    ጸረ ሓድነትና ዲክታተር ዝጸሩ፡

  • yosief z. January 22, 2015

    I salute the young activists of Las Vegas for their courage in deciding to stand up to the deceptive and divisive machinations of the YPFDJ and members of the aging Old Guard who have no hope of ever disentangling themselves from the morass of their antiquated thinking. These elements and the so-called “embassies” that coordinate their activities are the overseas extensions of the brutal regime that continues to enslave our people and destroy our country. As such, they have been entrusted with advancing the financial and political agendas of the regime, spying on key political figures, defaming conscientious activists, infiltrating opposition groups and sabotaging their activities. Challenging, counteracting and neutralizing the activities of these proxies of the system at every opportunity is one of the effective mechanisms by which this despotic regime will eventually be brought down to its knees. Let’s keep the popular struggle alive at every level! Let’s not get distracted by the writings and pronouncements of these evil elements who want to see us waste our time squabble over such petty issues as religion, ethnicity, our “brotherhood” with Tigrayans and Woyane’s “goodwill” towards Eritrea and its people!

  • Dawit January 22, 2015

    ጅግና” አይነብርን

    ጅግና አይ ነብርን ታሪክ ዩነባሪ፡
    ስምዒህ ሰማይ መስክሪ ባ” ምድሪ፡
    አብ ክንዲ ዉጹዓት ዝኸፈተ በሪ፡
    ሂዎቱ ዝሃበ ናይ ወገኑ፡ክብሪ፡
    ወናን ታሪኽ ቅያ ጅግና ወዲ ዓሊ፡
    ቑዱስ፡ዘርኢ ሰናይ ፍርያቱ ቆውዒ
    ምህርቲ እቶትካ፡ንፍትሒ፡ንርትዒ፡
    ጅግና ወዲ ህዝቢ ናይ ዉጹዓት ጸግዒ፡
    21ጥሪ ካላአይ ዓመታ፡
    ቀንዴል መብራህትኻ ዘይ ቅህም ሃልሃልታ፡
    ደጊም ደርሆ ነቆ አብ አጋ ወግሕታ፡
    ታሪኽ ጀግንነትካ ንዎሎዶ ያታ፡

    ሰባር ዕርዲ ወናን ሓቦ፡
    ኩቡር መስዋእትነትካ መን ይረኹቦ፡
    እምኒ ኹርናዕ ጥመሮ መላግቦ፡
    ንስኻ ሓሊፍካ ራህዋ ዝጸበቦ፡
    አሰር ዕላማኽ አለና ንስዕቦ፡
    ሽግ ሓርነትካ እኖሆ የምበልብል፡
    ብናይ ሓባር ቕልጽም ብህዝባዊ ማዕበል፡
    ሓንሳብ ንሓዋሩ ህግደፍ ክቕበር፡
    ንልዕልና ሕጊ ወዲ ሰብ ክኽበር፡
    ንሰላም ቕሳነት ንዕቤት ዛ”ሃገር፡
    ቕሰን ወዲ ዓሊ ንገሮም ንኹሎም፡
    በጃ ዝሓለፉ ምእንቲ ሃገሮም፡
    ፍረ መስዋእትነት ዝተጠልመ ሕድሮም
    ከዳዓት ጠላማት ተጸንቒቑ ዓቕሞም
    ግብአተ መሬቱ መከራ ሕሰሞም፡
    ቑሰኑ ቑሰኑ ህዝብኹም ሰሲኑ፡ሽሕን ዋልታን ኮይኑ፡ዲክታተር ከዕኑ፡
    ንመሰል ማዕርነት ሕጊ ዝሰፍነሉ፡
    ሙሉእ ሓርነትና አኺሉ እዋኑ፡
    ዳዊት ክፍለዝጊ
    ሲያትል፡ USA,

    ጅግና ወዲ ህዝቢ ናይ

    ጸግዒ፡
    21ጥሪ 2ዓመታ

  • fthawi January 22, 2015

    ነጻ ዝኮነ ኮሚኒቲ ክንምስርት ትብሉ ትኮንኩም ላስበጋሳዊያን ህግደፍ እኩን ቤንጠ እኩን ተቃዋሚ እኩን ንኩሉ ነጻ እዩ ክከውን ዘለዎ ኮሚኒቲ ማለት ትርጉሙ ብጉቡእ ክርዳአና አለዎ በጃኩም ርእስና ነስርሐዮ ኤርትራዊያን።

  • bana January 23, 2015

    Kendey mesnakil sel zehalfnayo ezy wen bezy triter kihlef eyu,entaza zereba mo ansahbula miknyatu enferho neger sele zeyele hgdefawyan

  • mahta January 23, 2015

    Bjakum lieli kulu ety ab wshty dketu zshnzelo hzbin mklkaln ntemton nhsebelun ab hmak kunetat nzelo. Hade nkun netom ab dege zeabeu kemu dma bzuh temekuro zeyblom meneesiat arediom. Bfkry ngerwom .

POST A COMMENT