Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ላምፐዱዛ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ ዘስዓቦ ሓዘንን ሕርቃንን ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ናብ ናዕቢ ከምዝተሰጋገረ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ፣ ብ3 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ሓዘንን ሕርቃንን ናብ ናዕቢ ድሕሪ ምስግጋሩ ፖሊስ ቶኽሲ ብምኽፋቶም ናይ 4 ስደተኛታት መውጋእቲ ከምዘጋጠመ ምንጭታት ካብቲ

ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ፣ ብ3 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ሓዘንን ሕርቃንን ናብ ናዕቢ ድሕሪ ምስግጋሩ ፖሊስ ቶኽሲ ብምኽፋቶም ናይ 4 ስደተኛታት መውጋእቲ ከምዘጋጠመ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ትማሊ 6 ጥቅምቲ ማይ ዓይኒ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር ዘጋጠመ ናዕቢ መጀመርያ ብዝኽሪ ሽምዓ ናይቶም ግዳያት እዩ ጀሚሩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝወደቑ ኤርትርውያን፣ ዳግመ ምጥያስ ናብ ሳልሳይ ሃገር (Settlement) ደንጕዩዎም ዓቕሎም ኣጽቢቦም ናብ ሊብያ ሃጽ ምስ በሉ ዘጋጠሞም ሓደጋ እዩ ብዝብል ስምዒት እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ኣራን UNHCR ን ኣእማን ምስ ደርበዩሉ ኸኣ እዩ እቲ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ ናብ ናዕቢ ተሰጋጊሩ።

እቲ ኣብ መዓስከር ማይዓይኒ ዘጋጠመ ናዕቢ ሃዲኡ ‘ኳ እንተኾነ፣ ሎሚ ውን ኣብ ዓዲ ሓርሽ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር ተመሳሳሊ ኩነታት ተፈጢሩ፣ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣትዮሞ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ቤተሰቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ ናይ ዝሞቱ 49 ኤርትራያን መርድእ ተነጊሩ ኣብ 24 ዝብሃል ቦታ ዳስ ሓዘን ተተኺሉ ብሓባር ይሕዘነሎም ከምዘሎ፣ ሎሚ ሰኑይ ንጉሆ ‘ውን ኣብ ቤተክርስትያን መድሂነኣለም ቦሌ ፍትሓት ከምዝተገብረሎም ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Aman October 7, 2013

    Why not oppose the Eritrean butchers’ rule than the Ethiopian refugee camp rule. This is just an act of cowardice nothing else and won’t change anything. The opposition should be staged in the streets of Asmara not in Shimelba or a tiny village in Adigrat which has nothing to do with this tragic event. Shameful act and a news not worth publishing.

  • ganshera anbetha October 8, 2013

    Of course you are right Aman on if the victims were being saved and entered to Europe safely they would be pay 2% tax to PFDJ and assisting the regime to oppress the people inside Eritrea.What I mean that i did not support their life to be lost we all about Eritrean feel condolences but let we challenge the regime to change the situation in the country.The regime almost dead.No electricity,no justice,no medicine,no food, no relaxation,no optimism no Positive things at all

    • Jonas Yosief October 8, 2013

      You are right most of the so called refugees are the ones who joke on the body of thier brothers
      Issayas knows the eriteans as the palm of his hand he knows thier are week simply stuped

POST A COMMENT