Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ህይስተን ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘለዎም መብጽዓ ኣሐዲሶም

ኣብ ህይስተን ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘለዎም መብጽዓ ኣሐዲሶም ኣብ ህይስተን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብ ቀዳም 23 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኣኽቢሮም። ከምኡውን ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ሊብያን ካለኦት ቦታት ዝሃልቁ ዘለዉ ወገናቶም ብጸሎትን ሽምዓ ብምብራህን ዘኪሮሞም። ኣብ’ቲ ብማሕበር

ኣብ ህይስተን ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘለዎም መብጽዓ ኣሐዲሶም

ኣብ ህይስተን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብ ቀዳም 23 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኣኽቢሮም። ከምኡውን ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ሊብያን ካለኦት ቦታት ዝሃልቁ ዘለዉ ወገናቶም ብጸሎትን ሽምዓ ብምብራህን ዘኪሮሞም።

ኣብ’ቲ ብማሕበር ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኮሚኒቲ፡ ኣብ በርነት ፓርክ ዝተዳለወ ጽንብል፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝበርከተ ናይ መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ናይ ደቂ ኣንስዮ፡ መንእሰያትን ዓበይትን ዝተሳትፍዎ እዩ ነይሩ። ናይ ኢትዮጵያዳን ዳርፉርን ወከልቲ ኮሚኒቲ ተረኸቢም ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም እዮም።

ብርክት ዝበሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንናጽነት፡ ንሓድነት፡ ንፍትሒን ካልእን ዝምልከት ምኽሪን ርእይቶን ኣቕሪቦም። ናይ ኤርትራ ሃገራዊ መዝሙር ብምዝማር ከኣ ናብ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘለዎም ተወፋይነት መብጽዐዖም ኣሐዲሶም። ግጥሚ፡  መግቢኢን  ሉስሉስ መስተንውን ተቀሪቡ ነይሩ።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ማሕበር መደልደሊን፡ መአከቢን ዝኸውን ገዛ ንምግዛእ ገንዘብ ንኸዋጽኡ ተመጻቢዖም።

ኣብ’ቲ ዕለት ኣቦ ወንበር ናይ ማሕበር ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኮሚኒቲ ኣብ ህይስተን፡ ጸሃየ (ቴዲ) ስዩም፡ ነዚ ዝስዕብ መልእኸቲ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።

 

ሰላም-ዝኸበርኩም መራሕቲ ሃይማኖት፡

ዝኸበርኩም፡ ዕዱማት ኣጋይሽ

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣሓትን ኣዋትን

ሎሚ መዓልቲ መበል 24 መዓልቲ ናጽነትና ከነኽብር ኢና። ግንቦት 24, 1991፡ ኤርትራ ሃገርና፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታትን ህይወቶም ከፊሎም ኤርትራ ዝሓረሩላ ዕለት እያ። ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢን ዘሎና ኤርትራውያን፡ ብዝተፈላለየ ባህላዊን ሃገራዊን ንጥፈታት ነብዕላ ኣሎና።

ማሕበር ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኣብ ህይስተን፡ ነዛ ዕለት ከነብዕላ እንኰሎና፡ ነቶም ከም ህዝቢን ሃገርና ኣብ ዓለም ክንፍለጥን ተኸቢርና ወሰንቲ ዕድልና ኰይና ንኽነብር፡ ህይወቶም ዘሕለፉ ጀጋኑ ኣሕዋትና፡ ኣሓትናን ኣቦታትናን ነመስግነላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት ነቲ ወገናትና ዝወደቕሉ ናይ ናጽነትን ምዕባለን ዕላማ ክንዕቅቦ ዳግም ማሕላና ነሐድሰላ ዕለት እያ። ሎሚ ዳግም፡ ከም ህዝቢ ውሽጥና ፈቲሽና፡ ጽቡቕ ጐኒታትና ንዕቅበላ፡ ጉድለታትና ንእርመላ ዕለት እያ። ሎሚ ፍልልያትና ገዲፍና ሓድነትና ነትርረላ ዕለት እያ። ሎሚ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ምባል ገዲፍና፡ ንነብስና ኰይና ንካለኦት ዜጋታትና ክንረድእ ዳግም መብጽዓና ነሐድሰላ ዕለት እያ።

ስለዚ ኸኣ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ዕላማ ንምርግጋጽ፡ ኣገዳስነት ማሕበር ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኣብ ህይስተን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ከምቲ ኣብ ሰነድዚ ማሕበር ዓንቀጽ 2 ሰፊሩ ከምዘሎ ኸኣ፡ ብዘይ ናይ ጾታ፡ ዕድመ፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካን ዓሌትን ኣድልዎ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ፡ ኣገልግሎት ክህብ ዝቐመ ማሕበር እዩ። ኣብ ጽላታት ትምህርቲ፡ ባህሊ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ስፖርትን ካልእን ኣተኵሩ ብዓቕሙ ይንቀሳቐስ።

ነዚ ንምፍጻም ኸኣ ናይ ኩላትና ኤርትራውያንን ፈተውትን ሱታፌን ኣበርክቶን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሕብረተሰብና ዝጭበጥ ለውጢ ከነምጽእ ኸኣ ዘሎና ሰብኣዊ ዓቕሚ፡ ቑጠባዊን ንዋታዊን ትሕዝቶና ከነዋሃህዶ ይግባእ እዩ።

ነዚ ኣብ ዝግበርናሉ እዋን፡ ብሓቂ ወገናትና ክርህዎም ክንርእይ ኢና። ትርጉም ናጽነትና ዝፈጠሮ መንነት ከኣ ኣዕሙቕና ክንርዳእን ከነስተማቕርን ክሕግዘና እዩ።

ንሕና፡ ብዛዕባ ናጽነት እንዳ ተዛረብና፡ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፡ ብሰንኪ ፕለቲካዊን ሃይማኖታዊ እመነቶም ተሓይሮም ዘለዉ፡ ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ ዘለዉ፡ ኣብ ሰሃራ ዝረግፉ ዘለዉ፡ ብዳዕሽ (ኣይሲስ) ዝግፍዑን ዝርሸኑን ዘለዉ ኣሕዋትና እንዳ ዘከርና፡ ናይ ቁጥዐ ድምጽና ከነስምዕ፡ ፖለቲካ ዘይኰነ፡ ሰብኣዊን ዜግነታዊን ሓላፍነትና እዩ።

ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዘሎ ህዝብና፡ ርሑስ ናይ ናጽነት ዕለት ክገብረሉ ብስም ማሕበር ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኣብ ህይስተን ይምነ። ጽን ኢሊኩም ስለ ዝሰማዕክሙኒ የመስግን።

የቐንየለይ።

ጸሃየ ስዩም

05/23/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • wedi Ken May 26, 2015

    Good job Teddy! Please continue your fight & bravery against all odds!

Post a Reply to wedi Ken Cancel Reply