Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ኣብ ሃገረ-ኤርትራ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ዕለተ-ሞት እያ።” – ናይ ጸዋዒት መልእኽቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራ

ናይ ጸዋዒት መልእኽቲ ካብ ህዝቢ ሃገረ ኤርትራ፡ ኤርትራ   እቶም ዝሰምዓ ኣእዛንን ዘቕልባ ልቦናን ኣእምሮን ዘለዎም ደቂ ሃገረ-ኤርትራ ንኽፈልጡ፡- “ኣብ ሃገረ-ኤርትራ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ዕለተ-ሞት እያ።”   ዝተፈተኹም ደቅናን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኤርትራውያን፡ ወላ’ዃ ይኽወለኩም እዩ እንተዘይበልና፡ ከነፍልጠኩም

ናይ ጸዋዒት መልእኽቲ ካብ ህዝቢ ሃገረ ኤርትራ፡ ኤርትራ  

እቶም ዝሰምዓ ኣእዛንን ዘቕልባ ልቦናን ኣእምሮን ዘለዎም ደቂ ሃገረ-ኤርትራ ንኽፈልጡ፡-

“ኣብ ሃገረ-ኤርትራ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ዕለተ-ሞት እያ።  

ዝተፈተኹም ደቅናን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኤርትራውያን፡ ወላ’ዃ ይኽወለኩም እዩ እንተዘይበልና፡ ከነፍልጠኩም ዝደለና ከቢድ መልእኽቲ ኣሎና፦ “ኣብ ሃገረ-ኤርትራ፡ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ዕለተ-ሞት እያ”፤ ሞት ብሞቱ፡ ሰብ ዘይፈልጦን ዘይእወየሉን ንቡር ዘይብሉን ሞት!! መዓልታት መጭወይትን ማእሰርትን ሞትን እግርኻ ናብ ዝመርሓካ ምጥፋእን እምበር፡ ዕለታት ህይወትን ሰላምን ፍትሓዊ ፍርዲቤትን፡ ንዕቤትካ ስሪሕካ ዘይእተወላን፣ ተስፋኣን መጻኢኣን ንኽቕተል ዝተሓበሰትን፡ ሃገር እያ። ነጋን ዘሎና ከይመስለኩም፤ ካልእ ዘለዋ የብላን። እቲ ቐዳሞት ኣቦታትና፡ ንህዝቡ ብፍትሒ ዘየገልግል ዘይእሩም ምሕደራ ኣመልኪቶም “ዘይነግስ እንተነገሰስ፡ ኣይምፈረደን ምሓረደ” ዝበልዎ፡ እንሆ ነዚ ብዓይንና ካብ እንርእዮ ነዊሕ ኮይኑ’ሎ። ሎሚ፡ እቲ ዝድንግጽ ወዲ ኣዳምን፡ ንወለዱን ህዝቡን ደቁን ዝሓልን ዝኣልን ዝመሰለና፡ ወድናን ሓውናን ኢሳያስ አፈወርቂ፡ ንትንፋስ ህዝብን ሃገርን ኣብ ኢዱ ዓሚኹ፡ ኣብ ሞንጎ ባህርታት ኣጋንንትን ሓላፍነት ዘይስከም ስሕታንን ዘሎ ኩነት ዓሪጉ’ሎ። ክምለሰሉ ዝኽእል ሓይሊ’ውን ዳርጋ ዘለዎ ኣይመስለናን። እዚ ብመሪር ወስዋዕትን ገድልን ደቁ፡ ከም ዓለሙ ሃገር ክኸውን ዝኸኣለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ገምገም ገደል ጥፍኣት በጺሑ፡ ዘድሕኖ እንተረኸበ የማዕዱ’ሎ፤ ኣድሑኑና፡ ሓቢርኩም ነዚ መዓትና ጽረጉልና፡ ንብለኩም ኣሎና።

ኣብዚ ሳምንታት’ዚ፡ መላእ ኤርትራዊት ስድራቤት፡ ከምኡ እቶም ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘለዎም ህዝቢ ዓለም’ውን ምሳና፡ ብሞት ኣማኢት መንእሰያትን፡ ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ደቅና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ዓቢይ ሓዘን እያ ዘላ። እቲ ፍሉይነት ናይዚ ግን፡ አብ ሓንቲ ዕለት ኣማኢት መንእሰያትና ዝጠፍእሉን፡ ኤርትራውያንን ዓለምን ዝተዛረብሉን ዝበኸየሉን ሰለዝኾነ’ምበር፡ ምስቲ ንኤርትራውያን ኣብ ሲና ክወርዶም ዝጸንሐን ዘሎን መቕዘፍትታትን ኣስካሕካሒ ዓመጽን ደሚርካስ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ’ውን፡ ዝፈልጦን ዝተዛረበሉን ዝበኽየሉን ስነስርዓት ቀብሪ ዝገበረሉን ሰብ ዘይብሉ፡ ብዙሕ ከምዘሎ ትዝንግዕዎ ኣይንብልን። ጠንቂ እዚ ኹሉ ድማ፡ ፍትወት ስልጣን ኢሳያስን፤ ምእንትዚ ዝገብሮ ዘሎ ብልሹው ምምሕዳር ኤርትራን እዩ። ስለዚ፡ ክቡራን ኤርትራውያን፡ ካብ ነዊሕ እዋን እዚኹሉ እናወረደና ከሎ፡ እቲ ስቕታ’ውን ናብ ልማድ ገጹ ይሰጋገር ስለዘሎ፡ ሕጂውን፡ ድሕሪዚ መሪር ሓዘንን ብኽያትን፡ ንጠንቒ ብኽያትናን ጥፍኣትና፡ መሰረታዊ ፍታሕ ከይደለናሉ፡ ብስቕታ ንኽንነብር ንሓስብ ከይንህሉ ብዙሕ ኢና ንስከፍ። እዚ ናይ ምጽቃጥን ስቕታን ምግድዳዕን ባህሪ እዚ፡ ካብ ነዊሕ ታተ እናበለ ዝመጸን፡ ከም ቅቡል ባህሊ ክንለብሶ እንፍትን ዘሎናን፡ መሰረት ጥፍኣትና ንኸይከውን ምስትውዓል የድሊ’ሎ። ካብዚ ተበጊስና እምበኣር፡ ነዛ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ናብ ገለ ውሑዳት ደለቲ ፍትሕን ሰላምን ለውጥን፡ ድሒርና’ውን፡ ናብ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተመዘዙ፡ ኣቶ ዶ/ር የሱፍ ብርሃኑ፡ ከም ትበጽሕ ዝተገብረት ናይ ጸዋዒት መልእኽቲ፡ ደጊምና ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክትበጽሕ ንድሊ ኣለና።

ኣብ ሃገረ-ኤርትራ እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ዕለተ-ሞት እያ። ኤርትራ፡ ቦታ ጨወይትን ማእሰርትን ሞትን ራዕድን፡ ቦታን ተግባርን በደዊን በረኻ ሲናን፡ ዝተፈላለየ ናይ ጥፍኣትና ምስጢራዊ ተግባራት ዝካየደላን ዓውዲ እያ። ሰብ ተጨውዩ፡ ንሱ ዝኣንፉ ካብዝጠፍእ፣ መንእሰይ ካብዝነፍጽ፣ ስድራቤት ካብ ትበታተንን ትስንክልን ዓመታት ሓሊፉ። ዝበዝሑ ሓለፍቲ’ዛ ሃገር፡ ሰብኣዊ ርሕራሐን ሃገራዊ ሓልዮትን፣ ዓዳዊ ሃይማኖታዊ ባህላዊ ስነ-ምግባርን ዝጎደሎም፣ ክብሪ ሰብን ትርጉም ሕግን መቐረት ፍትሕን ዘይብሎም፣ መቕጻዕቲ ሰብን እንስሳን ዘይፈላልዩን፡ ዝሩጋትን ፈራሓትን መራሕቲ እዮም። ስለዚ፡ ኦ ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ደቅናን፡ ኩልኹም ደቂ ሃገር ብዘይ ኣፈላላይ፡ ሓቢርኪም ህዝብኹም ከተድሕኑ ንምሕጸነኩም ኣለና። ሎሚ ዝደንዘዘ ሕልና፡ ዳግማይ ትንሳኤ ክህልዎ ኣይንጽበን። እስከ ከም ቤተሰብኩም ክንወቕሰኩም፡- “ህዝብኹም ንምምሕዳር ድኣ’ምበር፡ ንህዝብኹም ካብ ጥፍኣትን ከቢድ ሓዘንን ጸልማትን ንምድሓን፡ ዝፈላሊ ፖለቲካ ክህልወኩም ይኽእል ድዩ?” ኣይትንኣሱ፤ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያትኩም፡ ሃብቲ’በር ሽግር ክኸውን ኣይግባእን። ግዜ ከይሰጎመ፡ ነቲ እዝግን ሰብን ዝፈትዎ፡ ዓለም’ውን ካባና ካብ ደቂ ሰላም ትጽበዮን ትሓቶን ዘላ ንምምላሽ፡ ህዝብኹም ከተድሕኑ ንምሕጸነኩም ኣሎና። ዓቕሚ ከምዘለኩም ድማ አይንጠራጠርን። ምእንቲ እታ ዓባይ ገዛኹም ገዛ-ኹልና ዝኾነት ሃገርን፣ ምእንቲ እቶም ምእንታኣ ብዘይ ገለ-ዓስቢ ህይወቶም ዝበጀዉን፣ ስለ’ቲ ዝረድኦ ስኢኑ፡ ዝሳቐን ናብ ተስፋቁርጸት ገጹ ዝኸይድ ዘሎን ህዝብኹምን፣ ስለ’ቶም ጨሪሾም ኣርሒቖም ዝጠፍኡ ዘለዉን ዝመኽና ዘለዋን ደቅኹም ኢልኩም፡ ነነፍስኹም አንጺሕኩም ተኸባበሩ፤ ተፋቐሩ፤ ቂምን ቅርሕንትን ደርቢኹም ኣብነት ኩኑ፤ ንቅዱምን ድሑርን ሃገራዊ መደባት፡ በቦትኡ ሂብኩም ብግብርን ብትሕትናን ስርሑ። ዓወት የጓናጽፍኩም፤ ሰላምን ፍቕርን ንኹልና።

ካብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ዝሰግኡን፡ መሰረታዊ ፍታሕን: ዘመን ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ዝጸምኡን፡ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ኣደታትኩምን ኣቦታትኩምን – ካብ ሃገረ ኤርትራ፡ ጥቅምቲ 2013።

[- ኤርትራ፡ ጥቅምቲ 2010-2013 ዓ/ም -]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • sewra November 8, 2013

    timely message from our brothers and sisters in Eritrea. unity is key. but it has to include those within as well. we as a people need to get united in order to get rid of eseyas and his regime. all Eritreans within or without Eritrea need to stand up and get united. let’s ask ourselves, “what are we waiting for?”
    down with eseyas and his regime!
    victory to the oppressed people of Eritrea!

Post a Reply to sewra Cancel Reply