Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ መሓመድ እድሪስ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሑ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ናስታት 35 ዓመት ከም ኣባል ህዝባዊ ግንባር ተቓለሰ ኣቶ መሓመድ እድሪስ ያውጅ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሑ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ። ካብ 1980 ኣትሒዙ ኣብ ማሕበር

ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ሕብረት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ናስታት 35 ዓመት ከም ኣባል ህዝባዊ ግንባር ተቓለሰ ኣቶ መሓመድ እድሪስ ያውጅ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሑ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ካብ 1980 ኣትሒዙ ኣብ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ብደረጃ መሪሕነት ኣባል ባይቶ ከምኡ ‘ውን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ መሓመድ እድሪስ፣  ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመሪር ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረኽበ ዓወት ጠሊሙ ሕጊ ኣልቦ ዝኾነ ስርዓት ብምትካል ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ጻማ ናጽነት ስለዝነፈጎ ነቲ ስርዓት ክገድፎ ከምዝወሰነ ኣገንዚቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ኣቶ መሓመድ ዝሃቦ ቃል ንምስማዕ ኣብዚ ቪድዮ ጠውቑ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
54 COMMENTS
  • Masawa May 10, 2015

    ዝኸበርካ ኣምባሳዶር መሓመድ እድሪስ ያወጅ፤ እንቋዕ ካብ ናይ ህግደፍ ናይ ሕልና ማእሰርትን ሰልሰለትን ሓራ ወጻእካ።
    ንስኻን ቤተሰብካን ብሰላምን ራህዋን ኣብ ዓዲ ሰላምን ፍትሕን ክትነብር ኩሉ ሰናይ እምነየልካ።

  • Hana May 10, 2015

    congratulations, this is a good decision you,at least you are free from this criminal regime who lost his mind.

  • ertra n ertrawyan May 10, 2015

    ክቡር ኣምባሳደር እንቋዕ ናብ ልብኻ መለሰካ። እንቋዕ ምስቲ ሞቱ ኣኺሉ ዘሎ ስርዓት ኣይተቐበርካ። ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ከም ዝብሃል ፡ሕጂ ጥራይ ንህዝብኻ ክሓስ። ነቶም ብስስዐ ኣዒንቶም ዓዊሮም ዘለው ድማ ከማኻ የማስሎም። ብጫ መብራህቲ ተወሊዑሎም ኣሎ ስለዚ እታ ቀያሕ ከየርከበቶም ከማኻ ንህዝቦም ይቕሬታ ሓቲቶም ናብ ቃልሲ ህዝቢ ክጽምበሩ ይመኽሮም።

  • mahari May 10, 2015

    Well come
    ኣብ ዓዳትናስ እንታይ ዝብል ምስላ ወይ ደርፊ ኣሎ
    ኣንገብ ዶ ክብለካ ማሓመዶ ኣንገብ
    ከብድኻን ብርክኻን ካብ ዝላገብ
    ካብ ሰበይቲ ወድኻ ካብ እትምገብ
    ኪድ እምበር ዓለም ዶ ትጽገብ
    ክሳብ ሎሚ ዝጸናሕካ እኳ ዓገብ ይብሉ ዓድና፡፡
    መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ከይትብሉስ ንሓውና ሕጂ ናብ ደምበ ምልኪ ምምጻእካ ዘሕጉስ ኢዩ ክሳብ ሕጂ ምጽናሕካ ድማ ዓገብ እንዳበልኩ ናብ ደምበ ፍትሒ ምምጻእ ጥራይ እኳ ዓቢ ነገር እንተኾነ ካቢኡ ንላዕሊ ምስራሕ ይጽበየና ኣሎ፡፡ ዝተረፍኩም ድማ ካብ ሓውና ተማሂርኩም ስጉምቲ ክትወስዱ ንምሕጸነኩም፡፡
    ሓንቲ ናይ ክርስትያናት ጥቕሲ ውስኽ ከብል የሱስ እንታይ ቢሉእመስለኩም ሓደ ሰብ ኣዝዩ ኣዝዩ ብዙሕ ኣበሳ እኳ እንተገበረ እሞ ኣብ መወዳእታ ተጣዒሱ ይቕረታ እንተ ሓተተ ኩሉ ሓጥያቱ ይድምሰሰሉ እሞ ምስ ጻድቃን ይሕሰብ ካልእ ሰብ ድማ ኣዝዩ ኣዝዩ ብዙሕ ጽቡቕ እንተገበረ እሞ ንኹሉ ጽቡቕ ገዲፉ ሓጥያት ክገብርን ኣብ ሓጥያት ክነብርን ምስ ዝጅምር ኩሉ ሰናዩ ይድምሰሰሉ።
    ስለዚ ሓውና ደጊም ኣበሳኻ ተደምሲሱ ኢዩ፡፡

  • Suleiman Salim May 10, 2015

    ጥሮታ ቅድሚ ምውጻእካ ቦታ ጥሮታ ምንዳይ ነውሪ ኣይኮነን። ንስጋዕ ሕጂ ዝገበሮ ኣገልግሎት ነመስግኖ።

  • ኣርዓዶም May 10, 2015

    ኣቶ ኣምባሳደር
    እንቝዕ ናብ ልብኻ መለሰካ፡ ቓንዛ ህዝብኻ ተረድኣካ፡ ዋላ`ኵ ነቲ ብተደጋጋሚ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዘቓልሐ ድምጺ ውጹዕ ህዝብን ደለይቲ ፍትሒን ጎሲኻ፡ ነቲ ስርዓት ከተታቲ እንተጸናሕካ፡ ኣማሲኡ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ርኢኻ ምስ ተረድኣካ፡ ካብ`ታ ምውቕቲ ኦፊስካ ናብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ምጽንባርካ፡ ሰናይ ገበርካ።

    ልክዕ ኢዩ፡ ብዙሓት ተቓለስቲ ንፍትሒ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዋ፡ ሕጂ ናብ ደምበ ደለይቲ ሓርነት ክጽንብረካ ዝገደደ ቕንዲ ምኽንያት ግን ስለዘይተፈልጠ፡ ሎሚ ንስኻ ምስ ስድራኻ ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ንሓርነት ክትጽበ እምበር፡ ሎሚ ጣልቓ ወይ ብስም ሓርነት ተላዒልካ ናብ`ቶም ኣናብስ ደቒ ህዝቢ ኣብ ቕድመ ግንምባር ዘለው ክትጽንበር ኣይንደልን ኢና። ምኽንያቱ ተልእኾኻ ከመይ ምዅኑ ኣብ ብዙሕ ነገራት ንግንባር ወይ ንሰራዊት ከተገልግል ምቹእ ስለዘይኮነ። ሎሚ ንስኻ ንቓልሲ ህዝቢ ክትመርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ዝኣምነካ የለን፡ ስለቲ ናብ ደለይቲ ሓርነት ህዝብኻ ማለት ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ወጽዓ ህዝብኻ ተረዲኡካ ካብ ኣገልግሎት ውልቐ ምልካውያን ምውጻእካ ግን ነመስግነካ።

  • Almaz Gual Asmera May 10, 2015

    ክቡር ኣምባሳድር መሓመድ ስለቲ ታሪኻውን ቅኑዕን ውሳኔኻ ኪትምስገን ይግብኣካ። ምስቲ ገበኑ ከቢድዎ ናብ መቓብር ዝጠንን ዘሎ ልሙስ ስርዓት ኪትብሎ ዝኸብደካ ናይ ውሑዳን ጉጅለ…ኣንቛዕ ኣይሞትካ። እታ ጽባሕ ንኹሉ ሕዝባ ኣስላማይ ክርስትያን፡ መታሕት ከበሳ፡ ኩለን ብሄራትናን ኣውራጃታትናን ትሓቢነን ዝነብራላ ዲሞክራሳዊትን ፍትሓዊትን ሃገር…ኪትህልወና እንተኾይኑ …ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ብዘይ ኣፈላላይ ብማዕረ ንሳተፈሉ ናይ ቃልሲ መድረኽ እንተተዳልዩ ጥራይ’ዩ። ልምዳውያን ተቓለስቲ ፍትሒ ብዓቕሞም ኣበርኪቶም እዮም፡…ተጋደልቲ ሕዝባዊ ግንባር ነበር’ውን ከምኡ…እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ትርግታ ሕዝቢ ረኺቡ…ንማዕበላዊ ሕዝባዊ ቃልሲ ዘበራብር ኪርከብ ኣይተኻእለን።…እቲ ምኽንያት ድማ ንጹር እዩ…ዳግማይ እምነት ሕዝቢ ኪኽሰብ ዝክኣል…ብዙሓት ዝሳተፍዎ…ድልየት ብዙሓት ዚረጋገጽ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝፍጠር…ኩላትና ክንሳተፍ ከሎና እዩ። ምንጽጻግ ሕማም ኮይኑ ሓርነትና የዶናግይ ኣሎ። ማንም ኤርትራዊ ንማንም ኤርትራዊ ኪነጽግ መሰል ከምዘይብሉ ምፍላጥ ስለዝተሳእነና እዩ። ንዓይ ዘይመስል ጸላእየይ እዩ ምባል ናይ ጸበብቲ ጸቢብ ኣተሓሳስባ እዩ። ስለዚ ብዝደለኻዮ መገዲ እጃምካ ብምብርካት ዳግማይ ኪትጋደል ንጽበየካ። ንሕዝብና ትፈልጦ ምሕባር ንገዛእ ርእሱ ዓብዪ ቃልሲ እዩ። ንዓኻን ስድራኻን ጽቡቕ ትምኒተይ እገልጽ።

  • Tesfit May 10, 2015

    ክሳብ ሎሚ ኣበይ ጸኒሑ?
    ግርምባ ምስ ሓለፍትኻ መምስተቐያየምካ ሙኽብላል።

    • Timnit May 10, 2015

      Bravo brother Tesfit, you are the only one so far who asked a valid question, ‘where has he been’?
      I don’t see why I should congratulate this opportunist old man defector who served the regime without any objections or noises for years and for far too long and now suddenly at his convienence (probably once he got all his family out of Eritrea) decides after all he loves and cares about Eritrea. We have an old saying in Tigrigna “KiwiEyeka bimanka kiziHilelikan biedika” should NOT be the case. God bless Eritrea.

      • AHMED SALEH !!! May 11, 2015

        Do not generalize to put every Eritrean who serves his country in category with
        those corrupted officials . Give the blame to whom it belongs . We know many
        of them contributed with intention to bring better future of the country and we
        know the powerful higher up forces who took the country hostage .

  • Michael Haile May 10, 2015

    ክቡር አንባሳደር እንቃዕ ናብ ልብኻን ህዝብኻን ተመለስካ፣ሕጂ ዉን ነቲ ጎዲሉ ዘሎ ሓርነትን ፍትሒን ዲሞክራሲን ሕጊን ንምትግባር አሃዱ ብምባል አብ ደንበ ፍትሒ ደዉ ብምባል ነቲ ብኩራት ዲፕሎማሲ ተኪእካ ንሓቂ ክትሰርሕን ንህዝብኻ ክትክሕስን ንላበወካ።

  • Danny May 10, 2015

    congratulation, Mr. Ambassador you made the right decision, cuz the regime lost in touch with his own people.

    God Bless!

1 2 3 5

POST A COMMENT