Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብቲ ብ 3 ጥቅምቲ 357 ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ሓደጋ ባሕሪ ላምፐዱዛ ህይወት 47 ኤርትራውያን ዘድሓነት ኢጣልያዊት ተቐማጢት ደሴት ላምፐዱዛ Grazia Migliosini ስለ’ቲ ዝገበረቶ ሰናይ ግብሪ ተሸላሚት ናይ ጀርመን ሽልማት Bambi 2013 ኮይና።

ኣብታ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ 520 ስደተኛታት ጽዒና ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምቝራጽ፣ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ 357 ኤርትራውያን ዝቐዘፈት ጃልባ ተሳፊሮም ንዝነበሩ 47 ግዳያት ካብ ሞት ዘድሓነት ኢጣልያዊት ተቐማጢት ደሴት

ኣብታ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ 520 ስደተኛታት ጽዒና ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምቝራጽ፣ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ 357 ኤርትራውያን ዝቐዘፈት ጃልባ ተሳፊሮም ንዝነበሩ 47 ግዳያት ካብ ሞት ዘድሓነት ኢጣልያዊት ተቐማጢት ደሴት ላምፐዱዛ ሲኞራ Grazia Migliosini ፣ ስለ’ቲ ዝገበረቶ ሰናይ ግብሪ ናይ’ቲ ካብ 1948 ኣትሒዙ ዓመታዊ ዝወሃብ ክቡር ናይ ጀርመን ሽልማት Bambi 2013 ተሸላሚት ክትከውን በቒዓ።

ሲኞራ Grazia ነቲ ንስደተኛታት ምትሕብባር ከይግበረሎም ዝኽልክል ሕጊ ዓዲ ጥልያን ብምጥሓስ ሕልናኣ ዝኣዘዛ ናይ ድሕነት ተግባር ብምፍጻማ፣ ካብ ላምፐዱዛ ናብ ዋና ከተማ ጀርመን፣ በርሊን ምስ በዓል ቤታ ተዓዲማ ነቲ ሽልማት ከምዝተቐበለቶ ነቲ ኣብ Channel 1 ዝብሃል መንግስታዊ ቴለቭዥን ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ዝተኸታተሉዎ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓቢሮም።

ሲኞራ Grazia ነቲ ትማሊ ምሸት 14 ጥቅምቲ ዝተኻየደ፣ ኣብቲ ኣብ ጀርመን ጥራይ ልዕሊ 20 ሚልዮን ህዝቢ ዝተኸታተሎ መደብ ሽልማት Bambi ክትቅበል ናብ መድረኽ ክትመጽእ ዝዓደማ መላለዪ፣ ኤርትራ ብምጥሓስ መሰረታዊ መሰላትን ቅትለትን ዜግታታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወንጀለት ሃገር ምዃና ብምጥቃስ፣ እቶም ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ጭቆና ናይቲ መላኺ ስርዓትን፣ እቲ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከምልጡ ክብሉ ግዳይ ሓደጋ ባሕሪ ከምዝኾኑ ገሊጹ። ሲኞራ Grazia  ብግዲኣ፣ ነቲ ሽልማት ኣብ ዝተቐበለትሉ ኣጋጣሚ፣ እቲ ሰናይ ተግባር ናይ በይና ከምዘይኮነ፣ እንተላይ ናይ ህዝቢ ላምፐዱዛ ምዃኑ ብምምልካት፣ ምድሓን ደቂ ሰብ ሞራላዊ ሓላፍነታ ምዃኑ ተዛሪባ።

ሽልማት Bambi ኣብ ኣህጉራዊ ሚድያን ተለቭዥንን ብሉጽነት ዘርኣዩ፣ ብፈጠራውነቶምን ብልሓቶምን ንህዝቢ ጀርመን ዝመሰጡ ስርሓት ተፈላጥነት ዝረኽቡሉ ዓመታዊ ሽልማት እዩ።

ኣብዚ ትማሊ ዝተኻየደ ጽምብል ሽልማት Bambi ኣመሪካዊት ደራፊት ማይሊ ሲረስ፣ ብዓልቲ ቤት ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ደቪድ ቤካም ቪክቶርያ ቤካም ብፋሽን፣ ውሩይ እንግሊዛዊ ደራፋይ ሮቢ ዊልያምስ፣  ከምኡ ‘ውን ቢል ጌይትስ ዝርከቡዎም ውሩያት ሞያውያን ዓለምና ክሽለሙ ከለዉ፣ ብዙሓት ፍሉጣት ደረፍትን ተዋሳእትን ዕዱማት ኣጋይሽ ኮይኖም ኣምስዮም።

እታ 47 ኤርትራውያን ካብ ሞት ዘድሓነት ሲኞራ Grazia፣ ኣብ ክንዲ ኣብ በርሊን ኣብ ኣስመራ ኳ ክትሽለም ዝግብኣ እንተነበረ፣ ነቶም ሰብኣውነታ ዝፈለጡን ዘድነቑዎን ኣዳለውቲ ሽልማት Bambi፣ ብዓቢኡ ድማ ንዓኣ ብስም እቶም ዝደሓኑ ኤርትራውያንን  እቲ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ዝኸሓዶም፣ ክድሕኑ ዕድል ዘይገበሩ 357 ኤርትራውያን ግዳያትን ምስጋና ይብጽሓዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • open your mind November 16, 2013

    Kab kulil muwal Kisad mihaz.why do we have to go around the bush ?let’s say it straight. Esayas will never give power by a good will.he already committed harenduos crimes and has no way outs from.so he will continue to kill to the last minute. To stop this mother fucker blood sucker devil WE NEED TO KILL HIM .don’t get scared Esayas never been hero he is a thief who stole the name from the heros

    • ADU November 17, 2013

      why don’t you go and kill him then? guregna

  • ashenafi November 16, 2013

    assenn assenna yeqeniyelna.mthbbarkum zbezehe sebna haqi zkone meredaetetat enda habkum kai tehalelkumn dekimna kaibelkumn teredaulna zelekum kbrn msganan nakum.blbi eye zemesgn hiwet tarikna zteshefenena nhna naushtu weledo nezi amrag zkone tarik ms semanao blbi ena senbidna.entimntay si tarikna bkale tarik ab resna asfirnayo sle zneberna.ente lomi gn bakumn bgudusat abeyti ahwatnana neti hatela zkone zrgrag tarik kenestebhleleu zbeqana bakum ena emo bmmsgan tiray knhalfo aymeretsnan gn ke guday zabeye aqemitkas nakum knslm melka zelenayo kaynehss elna enber nai kbret kbri msgnta ktslemu bana weledo lomi nsemameaelu haqi eu.hji gn bzeyka ajokum bertiakum abertiaukumna ekum emo bzey mhlala nqidmit kblekum meritse.ente tsbah gn,zgebr si nedau ney neger kay konenei ngzau aqibeyo aleku!!!!,emo nsle wtsua hizbna nezi hanti zeyfelt sebna lewah tselaeau zeymemi asha hzbi lomi tehababirna nrdayo.ayngadadae kulna aeejamna neberkt belulna nmeneseyat ahatnan ahwatna diasfora.by sesenau nakum,kab hawkum ashye gmg

  • seley November 17, 2013

    pic please

POST A COMMENT