Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣበሩ ካብ ምእማን፡ ንኻልኦት ክውንጅል ዝቀዳደም ስርዓት

መደበር ተለቪዥን ስርዓት ህግደፍ፡ ብ30 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዝመሓላለፈቶ ዜና፡ ኣብ ከተማ ዓዲዃላ 02 ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ንብረትን መንበሪ ኣባይትን ጉድኣት ከምዘወረደ ብተንቀሳቃሲ ስእሊ ዝተሰነየ ሓበሬታ ኣቅሪባ። ኣብቲ ዜና፡ ህዝቢ

መደበር ተለቪዥን ስርዓት ህግደፍ፡ ብ30 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዝመሓላለፈቶ ዜና፡ ኣብ ከተማ ዓዲዃላ 02 ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ንብረትን መንበሪ ኣባይትን ጉድኣት ከምዘወረደ ብተንቀሳቃሲ ስእሊ ዝተሰነየ ሓበሬታ ኣቅሪባ። ኣብቲ ዜና፡ ህዝቢ ኣብ ናሕሲ ኣባይቲ ብምድያብን ኣብ መሬትኑ ኮይኑ፡ ብሳንኬሎታት፡ ጀሪካናትን መገለል ማይን ተጠቂሙ ብዘይ መከላኸሊ ምስ ትክን ሓውን እናተቃለሰ፡ ነቲ ባርዕ ከጥፍእን ንብረት ክወጽእን ተራእዩ። ብመሰረት’ቲ ዝቀረበ ዜና፡ ብዕድል ኣብ ህይወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ’ኳ እንተተገልጸ፡ ንድኻ ደርሆ ትጸድፎ ከምዝብሃል፡ ነቲ ብኽቱር ድኽነት ዝጣራዕ ዘሎ ህዝብና፡ ንዓመታትጨቅቕ ኢሉ ዘጥረዮ ንብረት ብሓንቲ መዓልቲ ብሓዊ ክህሞኽ፡ ግዳም ሓደር ክኽውንን እንከሎ ንምትክኡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ህዝብና ኣብ እዋን ራህዋን ጸበባን ብመን ሕራይ ዘርእዮ ምድግጋፍን ትብዓትን ንቡር ስለዝኾነ፡ ንጽቡቅ ባህሉ ምትንታን ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ዝሕዝን፡ ኣብቲ ዝተቃልሐ ዜና፡ ንጋሕማጥ ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ ዳግም ዘነጽር ሓበሬታ ምዝርግሑን ንግዳያት ባርዕ ሓዊ ምውንጃልን’ዩ። ሓላፊ ሕግን ስርዓትን ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ ኣቶ ፍስሃየ በራኺ፡ ነታ ከተማ ዝተመደበት ዘመናዊት መጥፍኢት ሓዊ ማኪና ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ቦታኣ ብዘይምርካባ እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ህጹጽ ፍታሕ ክርከብ ከምዘይተኻእለ ገሊጹ። ዝገርም’ዩ! ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ” ከምዝብሃል፡ ነታ ከተማ ዝተመደበት ዘመናዊት መጥፍኢት ሓዊ ማኪና ብዘይ ተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ቦታኣ ኣይተረኽበትን ክበሃል፡ ዘሕፍርን ሓላፍነት ዝጎደሎን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብገበንን ሓላፍነትን ዘሕትት’ዩ። ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ ስለዝኾነ ግን፡ ምልካዊ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብፍላጥን ብሸለልትነትን ዘነውርን ዘስካሕክሕን ገበናት እንተፈጸመ፡ ዝሓቶ ኣካል የለን።

ስርዓት ህግደፍ፡ ሓጋጊ፡ ፈራድን ፈጻምን ኣካል ስለዝኾነ፡ ቃሕ ዝበሎ ክትግብር ወይ ድማ ጸማም እዝኒ ክህብ ስልጣን ኣለዎ። መጥፍኢት ሓዊ ኣብ ቦታኣ ዘይምርካባን ነቲ ብሓዊ ዘጋጠመ ክሳራ ኣብ ምግታእ ከይኣክልን፡ ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ ሰርገንቲ መሓመድ ኑር መሓመድ ዓሊ፡ ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ሓዊ ብሸለልትነትን ሓላፍነት ዝጎደሎን ኣጠቃቅማ ዕትሮ ጋዝ ምዃኑ፡ ብዘይ ምጽራይን ውሳኔ ቤት ፍርድን፡ ህዝቢ ከም ገበነኛ ፈሪድዎ። እቲ ሓቅን ክውንነትን፡ ኣሽምባይ ኣብ ንእሽቶን ዘይማዕበለትን ከተማ ዓዲ ዃላ፡ ዋላ ዓበይቲ ከተማታትን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወንን፡ ስርዓት ህግደፍ ገንዘብ ምግሓጥን ትካላት ምዕጻውን እምበር፡ ብዛዕባ ድሕነት ህዝቢ ይኹን ቅድመ ጥንቃቀ ቅንጣብ ሓልዮት የብሉን። ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ሰባት ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡን ናይ እምነትን ክሕደትን ቃሎም ክህቡ መሰል ከይረኸቡ ከም ገበነኛታት ምጽላም ንቡር’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ዝርከቡ ጉጅለ 15፡ ጋዜጠናታትን ካልኦት ዘጋታትን፡ ምኽንያት መእሰሪኦም ከይተገልጸ፡ ናይ ምክልኻል መሰል ከይተዋህቦምን ዝጣበቀሎም ጠበቃ ከይተሃህቦምን፡ ሃገር ክሸጠ፡ ምስ ግብረሽበራ ርክብ ገይሮምን ንብረት ኣጠፋፊእምን” ብዝብል በይንኣዊ ክስን ቃል እሱራት ከይተሰምዐን፡ ገበነኛታት ኢኹም” ተባሂሎም ብዘይ ፍርዲ ይሳቀዩ ኣለዉ። ኣብ መዋእል ስርዓት ህግደፍ፡ ክሱስ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ቃሉ ክህብ ገበኑ ክግለጸሉን ፍርዲ ክወሃብ ካልእ ሰብኣዊ መሰሉ ክሕለወሉን ዘበት’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ እዚ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ስለዘየለ’ዩ ድማ ስርዓት ህግደፍ ውልቀ መላኽን ረጋጺ ህዝብናን ዝብሎ ዘሎ። ብርግጽ፡ ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ ሰርገንቲ መሓመድ ኑር መሓመድ ዓሊ፡ ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ሓዊ ብሸለልትነትን ሓላፍነት ዝጎደሎን ኣጠቃቅማ ዕትሮ ጋዝ ምዃኑ መርትዖ ኣቅርብ እንተዝብሃል፡ ከምቲ  ጉድለቱ ካብ ምእማን ንሰባት ምውንጃል ዘቀለሉ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ምጉት ካልእ መልሲ ክህብ ኣይክእልን’ዩ። ብቀንዱ እቶም ንብረቶምን ኣባይቶን ከሲሮም ዘለዉን ከም ገበነኛታት ዝተቆጽሩን ግዳያት ባርዕ ሓዊ፡ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ብናጻ ቃል ምስክርነቶም ክህቡ እንተዝፍቀደሎም፡ መልሶም ብኣንጻር’ቲ ሰርገንተ መሓመድ ዓሊ ዝሃቦ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።  ስርዓት ህግደፍ ዝበዝሕ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ጉዳያት ብምስጢርን ስቅታን ስለዝሕዞ፡ ከምዚ ኣብ ከተማ ዓዲዃላ ዘጋጠመ ዕንወት ባርዕ ሓውን ካልእ ጸገማት ህዝብን ብዙሕ’ዩ። ሓደ ሓደ እዋን ስርዓት ህግደፍ፡ ፍጻሜታት ምዕባጥ እንተዘይመሪጹ፡ ኣበሩ ካብ ምእማን፡ ንኻልኦት ክውንጅልን ሓቅታት ክጥምዝዝን’’ዩ ዝቀዳደም።

 

           ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 1 ጥሪ 2018

 

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • k.tewolde January 2, 2018

    Can the residents sue for failure to respond and loss of property against the authority and properly compensated? it is a hypothetical question.A year ago a five alarm fire consumed a 2 block area of business district in the city where I live where one firefighter lost his life and 2 were critically injured battling the fire, the owners sued the city for delay of response got handsomely rewarded along their private insurance.Look at the stark difference ‘failure to respond’ vs ‘delay in response’, between ‘adi halo’ and ‘adi rule of law’. Thanks Tsilal.

    • k.tewolde January 2, 2018

      In other words, anyone who lives here and supports the brute and incompetent regime in Asmara is not only participating indirectly in crimes committed against the Eritrean people,he/she is living a double standard.

    • ሃብተ January 2, 2018

      ውሃ ሃላይ ዝማዕበላ ሃገራትን ዘይማዕበላ ሃገራትን እንታይ ማለት ምኻኑ ትርግሙ ድዩ ጠፍኡካ?

      • ስለፍትሒ January 2, 2018

        ሃብተ፡ ንስኻ እምበር ዕነ!
        ንምክልኻል ሓደጋ ተባሂላ ዝተመደበት መኪና፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ቦታኣ ስለዘይተረኽበት ንብረት ህዝቢ ብሓዊ ክህሞኽ፡ ህይወቶም ካብ ሞትን ስንክልናን ንስክላ ክተርፍ ብሸለልትነት ከቢድ ጌጋ ንዝፈጸሙ ሰባት ክሕተቱ ይግባእ ንዝብል ሓሳብ ምስ ምምዕባልን ዘይምምዕባልን ክተተኣሳስሮ ትፍትን።
        ንምዃኑ፡ ዋርድያ ንዘውጻኻዮ ወተሃደር ሓለዋኡ ብምግዳፉ ጸላኢ ከዕነወካ ከሎ ናይ ዘይማዕበለት ሃገር ወተሃደር ስለዝኾነ ኢልካ ካብ ተሓታትነት ናጻዶ ምገበርካዮ፧
        ንስኻ ሓደ ካብቶም ኣብ ጽኑዕ ሰፊሮም ብጥፍእት ጭቁን ህዝቦም ዘባጭዉ ቆራዲድ ከይኮንካ ኣይትተርፍን። ሕልና ግበር፡ ኣስሓኮ፡ ሰብኣዊ ርህራሄ!!!

        • k.tewolde January 3, 2018

          Silefithi,one of the best and fitting answer I ever came across so far and it came in the sweetest melody- Tgrigna. Habrom zihawey.

  • Tesfom January 3, 2018

    ኣንታ ጽላል ካን እዚ ዝሰሓነ ውልቓዊ ጽልእኻስ ዓቐኑ ሓሊፉስ ኩላ ዘጋጠመት ትዕበ ትንኣስ ኣብ ክሳድ ህግደፍ ምጥንጣን ኮይኑ ሓዳርካ። እቲ ሃዊ ባርዕ መብዛሕትኡ ከምእንፈልጦ ብሸለልትነት ከምዝብገስ ፍሉጥ እዩ። ሸለልትነት ድማ ምስ ሰብ ምዃን ዝመጽእ ድኽመት እዩ። ጽንሕ ኢልካ ሕዝቢ ኣስመራ እንትሸዉ የብዝሕ ኣሎ። ንፉስ ካብ ሴሜን ናብ ደቡብ እነፍስ ኣሎ ኣብ ክንዲ ዝነፍስ ንሰማይ ኢልካ ነዚ መንግስቲ እንተ ኸሰስካዮ ኣየገርምን እዮ። በጃኻ ዝብላዕ ተዛረብ። ጉድለታት መናብርቲ ወዲ ሰብ እዮም። ከምዝን ወዲኸምዝን ቖጺርካ ኣዉድኡን እዮም። ደሓር ድማ ኤርትራ ታተ ትብል ዘላ ዓዲ እያ። ናይ ኤርትራ ተለቪዥን ምክትታልካ ግን ምስጋና ይግበኣካ እዩ።

    • k.tewolde January 4, 2018

      ‘ደሓር ድማ ኤርትራ ታተ ትብል ዘላ ዓዲ እያ።’ Let me correct the statement,it is called arrested development,27 years and counting in the animal kingdom including the Homo sapience at least it got to start walking not to mention running.As long as HGDEF is in charge it will keep on crawling- backwards.When you gonna stop making excuses for something grossly inedible.

      • Tesfom January 5, 2018

        k.tewolde . ነብሲ እዚ ሰብኣይ እኮ ኢሉካ እዩ፣ ኣካይዳና ኣካይዳ ጎብየ እዩ። እዚ ኽብል ከለኹ እቲ ነጥቢ ከተሕልፎ እትደልዮ ዘለኻ ከነኣእሶ ደልየ። ኣይኮንኩን። እዚ መንግስቲ ዘለዎ ጉድለት እንተ ዝነግረካ እዋእ ተስፎም እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ። ኣነ ከም ደለይቲ ራህዋን ፍትሕን መጠን ኣቓልሳ ስልትና ክቕየር ኣለዎ በሃላይ እየ። ጌጋታት ደጋጊምካ ዝዓበየን ዝንኣሰን ምዝርዛር ፍታሕ ኣይኮነን። ካልእ መገዲ ክንምህዝ ኣሎና። ኣብ ዝቕጽል ሓሳበይ ብመልክዕ paper ከቕርቦ እየ ኣብ ኣሰና ተኻታተል።

        • k.tewolde January 5, 2018

          Tesfom,don’t take this personal,the fact that you were trying to ridicule one of the prominent and prolific literary contributor to this medium is unsubstantiated,that is why I answered to your post,otherwise I am up for new ideas,innovative approaches,a breakthrough that disrupts this political stalemate…….I am all ears.

          • Tesfom January 5, 2018

            k.tewolde
            I don’t take it personal and your comments are always constructive. My problem with the so called opposition is their fighting mechanism. You said “you were trying to ridicule one of the prominent and Prolific literary contributors to this medium is unsubstantiated” I call this contributor” ኣብ ዓዲ ዑውራት በዓል ሓደ ዓይኒ ይነግስ”.. l consider myself as a one of the silent majority, but not anymore. I feel the time has come to corner HIGDEF to be accountable to all the unjust that exerted upon our people. The way the opposition handled wasn’t effective and that’s why their struggle couldn’t bring change. So my theory is let’s do the” ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ”. The bottom line is let’s strategize how to force HIGDEF to implement constitution and the rule of law by forming independent judicial system and forth. That’s what we should focussed on. Then we as people we should be able to bring the criminal elements to justice.

  • ስለፍትሒ January 3, 2018

    ሃብተ፡ ንስኻ እምበር ዕነ!
    ንምክልኻል ሓደጋ ተባሂላ ዝተመደበት መኪና፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ቦታኣ ስለዘይተረኽበት ንብረት ህዝቢ ብሓዊ ክህሞኽ፡ ህይወቶም ካብ ሞትን ስንክልናን ንስክላ ክተርፍ ብሸለልትነት ከቢድ ጌጋ ንዝፈጸሙ ሰባት ክሕተቱ ይግባእ ንዝብል ሓሳብ ምስ ምምዕባልን ዘይምምዕባልን ክተተኣሳስሮ ትፍትን።
    ንምዃኑ፡ ዋርድያ ንዘውጻኻዮ ወተሃደር ሓለዋኡ ብምግዳፉ ጸላኢ ከዕነወካ ከሎ ናይ ዘይማዕበለት ሃገር ወተሃደር ስለዝኾነ ኢልካ ካብ ተሓታትነት ናጻዶ ምገበርካዮ፧
    ንስኻ ሓደ ካብቶም ኣብ ጽኑዕ ሰፊሮም ብጥፍእት ጭቁን ህዝቦም ዘባጭዉ ቆራዲድ ከይኮንካ ኣይትተርፍን። ሕልና ግበር፡ ኣስሓኮ፡ ሰብኣዊ ርህራሄ!!!

  • Daniel January 4, 2018

    27 amet tate tbl antekoyna aza hager amo polio hamima ala

    • Tesfom January 5, 2018

      ዳንኤል! ዘገም እልካምስራሕ እምበኣር ምስ ፓልዮ ቖጺርካዮ። እሞ እዛ ዓድስ ብኽልተ እግራ ጠጦዉ ኢላ ከም ሮኬት ክትውንጨፍ ተቐሪባ ኣላ። ዎዎዎዎ ኣይትሕረቑ ክጻወተኩም ኢለ እየ።

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply