Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣስታት 105 ኣባይቲ ህዝቢ ኣብ ጸሎት ብስርዓት ህግደፍ ፈሪሶም

ወልቀ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጸሎት ተባሂሎ ዝፍለጥ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነወ ተፈሊጡ። እቲ ወናኒ መሬቱ ዝኾነ ህዝቢ ከባቢ ኣስመራ፤ ንዝተዓደሎ ጤሳ በብዝጥዕሞ መገዲ ፈርቂ በጽሒቱ ሸይጡ፤ ነቲ ፍርቂ በምስራሕ ዝሰርሖ

ወልቀ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጸሎት ተባሂሎ ዝፍለጥ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነወ ተፈሊጡ። እቲ ወናኒ መሬቱ ዝኾነ ህዝቢ ከባቢ ኣስመራ፤ ንዝተዓደሎ ጤሳ በብዝጥዕሞ መገዲ ፈርቂ በጽሒቱ ሸይጡ፤ ነቲ ፍርቂ በምስራሕ ዝሰርሖ ኣባይቲ ከምዝኾነ ይፍለጥ። ካብዘን ዝሓለፋ ወሱናት ኣዋርሕ ጀሚሩ ግን፤ እዚ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣብ ምፍራሰ ነቲ ሕዝቢ ዝደኸመሉን ንዋቱ ዘፍሰሰሉን ኣባይቲ እዩ ዝሸባሽብ ዝጸንሐን ዘሎን። ከም መቀጸልታ ናይዚ ኣረመናዊ ተግባራቱ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምዕናው መንበሪ ኣባይቲ፤ ሎሚ ኣብ ጸሎት ኣስታት 105 ኣባይቲ ከም ዘፍረሰ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እቲ ዝቀጽል መደብ ከኣ ካባቢ ዳዕሮ ቃውሎስ ዝርክብ ልዕሊ 400 ኣባይቲ ከፍርስ ምቅርራባት ይገብር ከም ዘሎ ብተወሳኺ መንጭታት ዓርቢ ሓርነት ኣፍሊጦም ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂውን ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራን ቤት መኻእን ብተመሳሳሊ መግዲ በዘይ ዝኾነ ዕላዊ ሓበሬታ ሓያለ መንበሪ ኣባይቲ በቲ ስርዓት ከምዝዓነዉ ዘፍለጥ እዩ። እዚ ኣረሜናዊ ተግባር ናብተን ኩለን ከባቢ ኣስመራ ዝርከባ ዓድታት ክይበጽሔን ከምዘይተርፍ እቲ ዝበጽሓና ሓበሪታ ይእምት።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ነዚ ግፍዓዊ ኣካይዳ ስርዓት ኢሳያስን መሳርሕቱን፡ ህዝቢ በቃ ይኣክል ብምባል ተላዒሉ ኣብያ ከርእን ኣብ ምእላይ እዚ ኣረመኒያዊ ስርዓት ሎሚውን ከምትማሊ እጃሙ ከበርክት ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ውሽጢን ወጻኢን ጻዊዕቶም የቕርቡ።
ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብና
ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት
ለካቲት 17 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • wediasmera February 18, 2015

    Well said shigey

  • aus 17 February 20, 2015

    Can you verify whether his family house, Isayas and Filipos’s are intact or are destroyed?
    who dares to do that!

  • hogon February 22, 2015

    May God help us to avoid this regime from eis roots and may our peaple live in peace and harmony

POST A COMMENT