Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣብ ቺካጎን ቶሮንቶን ኤርትራውያን በብኸተማኦም ኣብ ሓደ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተወዲቦም፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብስምረት ክሰርሑ ዝጽውዕ ዕዉት ኣኼባታት ኣካይዱ።

ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣማኗኤል ኢያሱ፣ ብቕድሚ ትማሊ ቐዳም 22 መጋቢት ኣብ ቺካጎ፣ ትማሊ ሰንበት 23 መጋቢት ከኣ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ተኸታታሊ ህዝባዊ ኣኼባታት ብምክያድ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ውድበይ ወድብካ፣ ማሕበረይ ማሕበርካ ከይተበሃሃሉ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ

ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣማኗኤል ኢያሱ፣ ብቕድሚ ትማሊ ቐዳም 22 መጋቢት ኣብ ቺካጎ፣ ትማሊ ሰንበት 23 መጋቢት ከኣ ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ተኸታታሊ ህዝባዊ ኣኼባታት ብምክያድ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ውድበይ ወድብካ፣ ማሕበረይ ማሕበርካ ከይተበሃሃሉ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ዕማም ብምትኳር በብኸተማኦም ኣብ ሓደ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተወዲቦም፣ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምድሓን ብስምረት ክሰርሑ ጸዊዑ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ በቲ ቅንጣብ ሰብኣውነት ዘይብሉ ምልካዊ መግዛእቱ ድሂኹ ሃገራዊ መንፈሱ ስለዘዳኽሞ እቲ ብማእሰርትን ቅትለትን ገዛእቲ ተንበርኪኹ ዘይፈልጥ፣ ኣብ ቅድሚ ምረት ስቓይን ባዕዳውያን መመሊሱ ሃገራውነቱ ዘሐይል ዝነበረ ተባዕ ህዝቢ ተንበርኪኹ ናብ ስደት ይበታተን ከምዘሎ ብኣብነታት ብምጥቃስ፣ ኢሳይያስ፣ ኣብ ታሪኽ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘጋጠሙዎ ጸላእቲ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Chicago_Assennaእቲ ንኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ በረኻታት ትግራይ ኣብ ዝርክቡ መዓስከራት ስደተኛታት ዘስፈረ ኢሳይያስ፣ ንደምሒት ካድረታት ኣስመራ ዝገበሮም ኢሳይያስ፣ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራዊ ፈሊጡ ኳ እንተሎ፣ “ ኢሳይያስ ጸላኢና ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ክሳብ ክንደይ ከምዝጸልኣና ኣጸቢቕና ክንፈልጥ ይግብኣና ብምባል” ንኤርትራ ካብ ብርሰት ንምድሓን ኤርትራውያን ህጹጽነት ናይቲ ኩነታት ተገንዚቦም ብሓባር ክምክቱዎ ኣዘኻኺሩ።

እቶም ካብ ካብ ቺካጎ ከባቢኣን፣ ከምኡ ‘ውን ካብ ሚኒሶታን ኢንድያናን ንሓያለ ሰዓታት ብመካይን ተጓዒዞም ኣብቲ ናይ ቺካጎ፣ ካብ ቶሮንቶን ከባቢኣን ከምኡ ኸኣ ካብ ለንደን ኦንታርዮ ኣብ ቶሮንቶ ዝተረኽቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ‘ውን ጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ኣዝዩ ከምዘሻቕሎም ብምምልካት፣ ቀዳነቶም ብምስራዕ ብስምረት ክሰርሑ ዘለዎም ድልዉነት ገሊጾም።

እቶም ኣብቲ ኣብ ቺካጎ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተረኽቡ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብኡንብኡ ኣብቲ ኣኼባ ዘዋጽኡዎ 4 ሽሕ ዶላር ኣወፍዮም። ኣብ ኣትላንታ ዝነበር ስሙ ቅዕቀበሉ ዝደለየ ግዱስ ዜጋ ‘ውን 100 ዶላር ኣመሪካ ንተመሳሳሊ ዕላማ ኣበርኪቱ። ካብ ለንደን ኦንታርዮ ገይሾም ኣብቲ ናይ ቶሮንቶ ኣኼባ ዝተሳተፉ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ብወገኖም ድምጺ ኣሰና ንምሕያል ሓደ ሽሕ ዶላር ካናዳ ኣወፍዮም።

ኣብ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ዑደቱ ኣቐዲሙ፣ ኣብ ደንቨር፣ ኢንድያናፖሊስ፣ ቦስተን ተመሳሳሊ ኣኼባ ዘካየደ ኣሰናዳኢ ኣሰና፣ ዝመጽእ ቀዳም 29 መጋቢት ‘ውን ኣብ ህዩስተን ቴክሳስ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ኣኼባ ከካይድ እዩ።

Chicago_Assenna2

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • halengi March 24, 2014

    emma genzeb kabei trekb aleka megeshi eti nai wedi ali endabelku zewhllkmodiu walla weyaneeiom zehbkum melsi ithbe alku

    • dermas March 24, 2014

      Helengi…. yirdaeka…. drbay….meskin…. hager bmulau kitwetse zeyrdeaka ….awan!!

    • Asmeret March 24, 2014

      ኣንታ ጨካን ሕልንኡ ዝዓረበ ሃለንጊ፣ ስቅያት መንእሰያት ኤርትራውያን ዘይስምዓካ፡ ንኣማንኤል ዝወሃብ ደገፍ ገንዘብ ንህግደፍ ዘይተዋህበ ዲካ ይሕሪቁካ? ንኣምንኤል ጅግና ዝግበር ሓገዝ ሕጅውን ካብ ግዱሳት ኤርትራውያን ከምዝቅጽል ኣብቲ ኣኬባ ኣይሰማእካን ዲኻ? ብዛዕባ ንወዲ ዓሊ ዝተኣከበ ኣይሰማዕካን ዲካ? ኣብ ውሽጢ ወርሒ ዝኣክል ዶላር ተኣኪቡ ድሮ ስድራቤት ጅግና ወዲ ዓሊ ዓመት ከይመልአ ናብ ኤሮጳ ሰጊሮም!!! ኪምዚ ዓይነት ድዅም ኣተሓሳስባ ሒዝካ ናብዚ ኣይትምጻ፡፡

  • gebre March 24, 2014

    Well done Amanuel Eyassu, this is what we want to see, we need to forward and coordinate our activities with wedi Vacaro,

  • Selam March 24, 2014

    Great Job!! keep it up………..

  • Hidat March 25, 2014

    AMBASADERAT TEDROS ADHANOM TEBTEB MAEKEB KEYELAL!!!!!

  • Solomon March 25, 2014

    Assena Ezi nayza jigna haftna zena dea abey tehabiukum.

    ኣገዳሲ ሓበሬታ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣብ ጂቡቲ
    March 23, 2014 at 11:21am
    ኣገዳሲ ሓበሬታ ጉዳይ ኤርትራውያን ኣብ ጂቡቲ

    ተጣባቒት ሰብኣዊ ክብርን መሰል ሓፍትና ኤልሳ ጭሩም፡ ኣብ ቅድሚ ኤምባሳድር ጂቡት ኣብ ሃገር ስዊዝ ናይ መግቢ ምሕሳም ተቃውሞ ክትገብር’ያ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ካብ ጽባሕ ንግሆ ጀሚሮም ኣብ ዘዝርከብዎ ሃገር ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ጂቡቲ ተቃውሞኦም ከስምዑ ጻዋዒት ይቀርበሎም ኣሎ።

    ድሕረ ባይታ ተቃውሞ ኣብ ኤምባሲ ጂቡት፡
    ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ፡ መንእሰያት ብዝተፈላልየ ምኽንያት ካብ ዝፈትዎም ስድራ ቤቶም ሃገሮም ህዝቦም፡ ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ። እዚ ስለ ዝዀነ ድማ ኤርትራውያን ካብ ምልኪ ሃዲሞም ኣብ ክንደይ ናይ ሂወቶም ዝፈታትን ዘይፈልጥዎ ኩነታት ኣትዮም ይርከቡ። ገገለ ካብ’ዚኦም ንሃገር ጂቡት ዝሰገሩ 267 ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቝባ ዝርከብዎም፡ ን6 ዓመት ዝኣክእል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጂቡቲ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ማእሰርቲ ጂቡቲ ዘጓንፎም ስቕያትን ኣተሓሕዛን፡ ኤርትራውያን ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ሓፍትና ኤልሳ ጭሩም ክሳብ ሕጂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ናይ ውሽጢ ሃገር ሚኒስተር፡ ምስ ናይ ጸጥታን ዓበይቲ ወታሃደራውያን ሓለፍቲ ሃገር ጅቡቲ ብተደጋጋሚ ተራኺባ ዘከያደቶ ዝርርብ ድኻምን ብዘይውጽኢት ተሪፉ። መንግስቲ ጂቡቲ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ “ኤርትራውያን ከም ናይ ውግእ ምሩኻት ስል ዝርእይዎም” ሓተቲ ዕቝባ ኤርትራውያን መንእሰያት ብዘይግቡእ ከም ወታሃደራት ተታሒዞም ኣለዉ። እንተዀነ እቲ ብሓፍትና ኤልሳ ጭሩም ዝቀረበ ጠለብ፡ እዚኦም ወታሃደራት ስለ ዘይኮኑ ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑን ጉዳዮም ከኣ ካብ ማእሰርቲ ወጻኢ ኮይኖም ክከታተሉ ተሓቲቱ፡ ሓታቲት ኤልሳ ጭሩም ነበረት። እዚ ግን ኣውንታዊ መልሲ ኣይተረኸበሉን። ምእንት’ዚ ሎሚ ሓፍትና ኤልሳ ጭሩም ንኩሉ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ነዚ ጉዳይ ንምግላጽ ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ነዚ ጉዳይ ሓገዝ ትሓትት ኣላ።
    እዚ ጉዳይ ኩሉ ኤርትራዊ ስለ ዝዀነ ንምእንቲ ድሕነት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጂቡቲ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ይጽዋዕ ኣሎ።

    ኣንቶንዮ ተስፋይ

  • abeba March 27, 2014

    hasewuti

POST A COMMENT