Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣርከበ

ኣርከበ ግደፍ ብኾበሮ፡ ምስ ድሙቅ እምቡልታ ጥዑም ፋል ጥዑም’ዩ፡ ዋላ ናይ ሕሹዅታ ሎሚ እንተ ኣምለጥካ፡ ካብ ቀርኒ ናይ ኣርሓ መን ኾይና እያ ጽባሕ፡ ኣርከበ ዝፈርሓ ግርም ጽርበት ቃላት፡ ኽኢላ ወረጃ ቀውዒ ምስልምና፡ ኽረምቲ ኣውራጃ ትማሊ ንኣዶሊስ፡ ሎሚ’ከ ንባጽዕ ከምኡ ኢልካ ወጋናት ፈሊኻ ክትቀጽዕ ድሕሪ

ኣርከበ

ግደፍ ብኾበሮ፡ ምስ ድሙቅ እምቡልታ

ጥዑም ፋል ጥዑም’ዩ፡ ዋላ ናይ ሕሹዅታ

ሎሚ እንተ ኣምለጥካ፡ ካብ ቀርኒ ናይ ኣርሓ

መን ኾይና እያ ጽባሕ፡ ኣርከበ ዝፈርሓ

ግርም ጽርበት ቃላት፡ ኽኢላ ወረጃ

ቀውዒ ምስልምና፡ ኽረምቲ ኣውራጃ

ትማሊ ንኣዶሊስ፡ ሎሚ’ከ ንባጽዕ

ከምኡ ኢልካ ወጋናት ፈሊኻ ክትቀጽዕ

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ፡ ንዝበለ ኣቤት

ቐርብ ወረዳ ፡ ድሕሪኡ ንማይ-ቤት

ኣብትርቲ ኢሰያስ፡ ለከ ናይ ገደና

ድልይ ዊዒልናስ፡ ዓይነትኩም ሲኢንና

ብደገኩም ለማጽ፡ ብውሽጥኩም ቦዅባኽ

ቑሩጽ ዊዒልኩም፡ መመሪጹ ዓምባዅ

ሓየት ወዲ ዓሊ፡ ኣንበሳ ናይ ፎርቶ

ድቑስ ዘተስእካስ፡ ከመይ ስምካ ይፈቶ

ዎዮ ጀግነነት ግን፡ ዘይኣክል ንኹሉ

ጠሊሞምዃ’ዶ፡ ኣብኡ ዝወዓሉ

ንኾንቱ ግን፡ ኣይፈሰሰን ደምካ

ሓምሺሽካዮ ኢካ፡ ናይ ኢሰያስ ላካ

ኣንታ ስሑል-ቐርኒ፡ ናይ ውጽዓት ኣርሓ

ቑመትካ ወሲክስ፡ ፎርቶዃ ነዊሓ                              “ሓዎልቲ”

ሎሚ እንተ ኣምለጥካ፡ ካብ ቀርኒ ናይ ኣርሓ

መን ኾይና እያ ጽባሕ፡ ኣርከበ ዝፈርሓ       ……….    መረጸ እስመላሽ     Feb. 27, 2013

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Ghirmai February 27, 2013

    Very nice peom!!!!!!!!!!!!

POST A COMMENT