Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ ኣርኣያ ፍትሒ” 6ይን መጨረሽታን ክፋል

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ክሳብ ክንደይ መብቲ ናይ ካለኦት ትሕሉን የገድሰካን፤ ክሳብ ክንደይ ንሓለፋ ትጻረር፤ ክሳብ ክንደይ ብሕጊ ትቅየድ፤ክሳብ ክንደይ ሃይባ ፍርዲ ቤት የገድሰካ ፤ ክሳብ ክንደይ ትሕትና ኣለካ፤ ክሳብ ክንደይ ነቀፌታ (ተቃውሞ) ትጻወርን ትቅበልን፤ክሳብ ክንደይ ጸሬ

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ክሳብ ክንደይ መብቲ ናይ ካለኦት ትሕሉን የገድሰካን፤ ክሳብ ክንደይ ንሓለፋ ትጻረር፤ ክሳብ ክንደይ ብሕጊ ትቅየድ፤ክሳብ ክንደይ ሃይባ ፍርዲ ቤት የገድሰካ ፤ ክሳብ ክንደይ ትሕትና ኣለካ፤ ክሳብ ክንደይ ነቀፌታ (ተቃውሞ) ትጻወርን ትቅበልን፤ክሳብ ክንደይ ጸሬ ብልሽውና ኢኻ፤ ክሳብ ክንደይ ሃለዋት ዜጋታትካ ትከታተልን ተማሓይሽን …………… ካብ መዔቀኒ ፍትሓዊ ኣማሓድራ`ዮም።

ኣብ ዝሓለፋ ክፋላት ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ምልክታት ፍትሒ ምስ ምምሕዳር ዑመር እናኣሳሰርና  ክንርእየን ጸኒሕና ። ሎሚ ነልዕሎ ዛዕባ ኸኣ ሓላፍነት ህዝቢ ምውሳድ ንሓደ ፍትሓዊ ሰብ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ፤  ህዝቢ ኸኣ ግቡኡን መስሉን ክርዳእን ክዛረበሉን  ከም ዝግባእ ዝምልከት ክኸውን`ዩ ፡-

  • ሓደ ምሸት ሰይድና ዑመር ኣሜት ተማሓደርቶም ንኽገብሩ እናተንቀሳቀሱ ኣብ ሓደ ገዛ ቆሉዑ ክበኽዩ  ሰሚዖም ተኣለዩ፤ ድሕሪ ሰላምታ ብዛዕባ`ቶም ዝበኽዩ ዘለዉ ቆልዑ  ሓተቱ። ኣደ`ቶም ቆልዑ “ጠምዮም`ዮም” ኢላ መስትሎም ፤እቲ ኣብ ሓዊ ዝተስኽተተ ሸረኽረኽ ዝብል ዝነበረ ማይ ከኣ ንተስፋ ክኾኖም፤ ብኡ ኣቢሎም እንተ ደቀሱላ ኢላ ዝሰኽተተቶ  እምበር ሓርጭ ከም ዘይብላ ፈለጡ። ሓዘን ተሰመዖም፤ ናብቲ ክፍሊ ረዲኤት ከይዶም ዘድሊ ሓርጭን ቅብኣትን ኣብ ዝባኖም ጸይሮም  ፤ ባዕሎም ኣዳልዮም ነቶም ቆልዑ ብኢዶም ኣብሊዖም ከምታ እናበኸዩ ዝመጻእኩዎም እንዳ ሳሓቁ`የ ዝኸይድ ኢሎም ተጸበዩ ፤እቶም ቆልዑ ጸጊቦም ፍኒሕኒሕ ምስ`በሉ ዝኣክል ስንቂ ገድፈሙሎም ክኸዱ እናበሉ ፤ ሰናይ ተግባሮም ዘደነቃ ኣደ`ቶም ቆልዑ ፡-
  • “ እዚ ዝገበርካልና ዑመር ክገብረልና ዝነበሮ`ዩ !“ በለት።

ሰይድና ዑመር ከኣ፡-

  • ” ዑመር  ነዚ ጸገምኩም ይፈልጦ ነይሩ ድዩ “  ?!
  • ”ኩነታትና ዘይፈልጥ/ዘይከታተል እንተዳኣ ኾይኑ ስለምንታይ ሓላፍነት/ና ይስከም ?!!“ በለቶም።

ዝኾነ ኾይኑ ናብ ቦታ  ምምሕዳር ዑመር ጽባሕ ትመጺ፤ ኣብኡ ክጸንሓኪ`የ፤ ……….. ኢሎማ ፤ ንጽባሒቱ ኣብቲ ቦታ ተረኺባ ።  እቶም ናይ ትማሊ ዝሓገዝዋ ባዕሎም እቶም ዝነቀፈቶም መራሒ ምዃኖም ምስ ፈለጠት፤ ሓፊራ  ክትምለስ ድሕርድሕር ምስ በለት ……. “ጽንሒ`ዛ ሓፍተይ !“ ኢሎም ፤ ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ዝነበረ ብራና ዓይነት : ”ኣነ ዑመር ናይ`ዛ ሓፍትና ጥርዓን ወጽዓ ብኽንዲ`ዚ ….. ሓላለይ ገንዘብ ገዚኤ ኣለኹ“ ዝብል ክልተ ዓበይቲ ኣማኽርቶም ዝፈረሙሉ ሰነድ ሰኒዶም፤ ገንዘባ ኣሕቅፎም/ኪሒሶም ኣፋነውዋ።

ክቡር ኣንባቢ፡ እዞም ብዝኾነ ሃስያ ዜጋኦም ንነፍሶም ተሓታትት ዝገበሩ፤ ብዓቢ  ሙቅሉልነት ስንቂ`ቶም ቆልዑ ኣብዝባኖም ዝጾሩ፤ ጊዒቶም ብኢዶም ዘብለዑ  ሰይድና ዑመር ስፍሓት ምምሕዳሮም ብዚ ናይ ሎሚ ኣጸዋውዓ  ሃገራት ፡-

ቱንዝያ- ሊብያ- ግብጺ- ሱዑዲያ- ዑማን- ቀጠር- ኢማራት- ባሕሬን- ኩወት- ዒራቅ- ኢራን- ፓክስታን- ኣፍጋንስታን- ፈለስጢን- ጆርዳን- ሊብናን- ሱርያ- ኣዘርበጃን ……… ወዘተ ዘጠቃለለ`ዩ ነይሩ።ብማዕረ`ዚ ልውሃት`ዚ ዘይድፈሩን ነቀፈታ ዝቅበሉን`ዮም ነይሮም !!! ምስ ተራ ዜጋ ተኻሲሶም ተረቲዖም ንፈራድን ፍርዲ ቤትን ዘኽብሩ`ዮም !

  • እቲ ዝዓበየ ምህሮ፤ቅድሚ 1400 ዓመት ኣቢሉ ሓንቲ ሰበይቲ ዝበለኦ፤ ኣብዚ ዘመና መራሕቲ ዘይኣምኑሉ ተመራሕቲ ዘይብልዎ፡-

ኩነታትና ዘይፈልጥን  ዘይከታተልን እንተዳኣ ኾይኑ ስለምንታይ ሓላፍነት/ና ይስከም ?!!“  ዝብል`ዩ።

 

ኩሉ ግዜ ኣብ መንገዲ ፍትሒ የራኽበና

ኼር ዘለዎ ረሞዳን

AAHafiz (132)14/05/2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde May 15, 2018

    This one we have knows us intimately,he just doesn’t give a damn as long as his stomach is full.

POST A COMMENT