Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣርባዕተ ሐዋርያት

ኣርባዕተ ሐዋርያት                           ዕለት 14.06.2014     ኣርባዕተ ጓሶት ንህዝቦም እንታይ በሉ፡ ኣባጊዖም ከይብትበታ ብቶኻሉ፡ ንቅድሚት ወጺኦም ክካላኸሉ፡ ናይ ሓቅን ርትዕን ዋልታኦም ገተሩ።     ብሃይማኖት ሎሚ ኮሪዕና፡ ካቶሊክና፣ ተዋህዶና፣ ከኒሻና፣ኣስላምና፡ ብሓቅን ርትዕን ክንጓዓዝ ሰላም ክወርደና፡ ሓላፍነትና ተረዲእና  ክንገብር ሕልና።     ናብ ዓለም  ዘምጻእናዮ የብልናን፡ ካዓለም ንወስዶ እዉን የብልናን፡ ስለምንታይ ድኣ፧ _

ኣርባዕተ ሐዋርያት  

                        ዕለት 14.06.2014

 

 

ኣርባዕተ ጓሶት ንህዝቦም እንታይ በሉ፡

ኣባጊዖም ከይብትበታ ብቶኻሉ፡

ንቅድሚት ወጺኦም ክካላኸሉ፡

ናይ ሓቅን ርትዕን ዋልታኦም ገተሩ።

 

 

ብሃይማኖት ሎሚ ኮሪዕና፡

ካቶሊክና፣ ተዋህዶና፣ ከኒሻና፣ኣስላምና፡

ብሓቅን ርትዕን ክንጓዓዝ ሰላም ክወርደና፡

ሓላፍነትና ተረዲእና  ክንገብር ሕልና።

 

 

ናብ ዓለም  ዘምጻእናዮ የብልናን፡

ካዓለም ንወስዶ እዉን የብልናን፡

ስለምንታይ ድኣ፧

_ ንኽሕድ፣ ንጠልም፣ ንሓዉና፣ ሓፍትናን፡

_ ደቅና ኮይኖም  ቀለብ ዓሳን ኣሞራን፡

_ ምእንቲ ገንዘብ ንመጥባሕቲን ካራን።

 

 

ብልሽዉና ሳዕሪሩ ታሕቲ ታሕቲ፡

ዓሚጽካ ቐቲልካ ምድላብ ኮይኑ ሃብቲ፡

ዘይቢሉ ቑጽጽር ሓታቲ ይኹን ተሓታቲ።

 

 

እወ! ሰባት ምስኮኑ ኣነ ጥራሕ በሃልቲ፡

ርእሶም ዘይገትኡ ዕቡያት ተጃሃርቲ፡

ስነምግባር  ሃይማኖት ዘይብሎም ተቐየምቲ፡

በብሓደ ዝኩብኩና ናብ ሞት ናብ ማእሰርቲ።

 

 

ስልጣን ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ምኻኑ ተረሲዑ፡

ንፈተዉቶም ክጥቀሙ ብግቡእ  ዘይግቡእን ክምንዝዑ፡

ንዕዘብ ኣሎና ንጥሙይ ኣመጊጎም ክድልቡ ክምጥዑ።

 

 

 

ስድራቤት

ክፈል ኣብ በረኻ ክትቆርር፡

ክፋል ኣብ ገዝኣ ተኾርሚያ ክትብህርር፡

ክፋል ኣብ እስርቤታትን ሰደትን ከተስቖርቑር፡

ተበታቲና ብናፍቖት ብጓሂ ክሓርር፡

ስለምንታ ዘርእና ዝጸንት ዝበትር።

 

 

ሕማማት

ጸቕጢ ደም ሕ. ሽኮር በዚሑ፡

ሕ. .ልቢ ሰሲኑ  ሕ . .ኤይድስ ኣስፋሕፊሑ፡

ምዝንባል ኣእምሮ ገኒኑ ሰብ ሰኪሑ፡

ወለድን ዓበይቲ ዓድን ንፍትሒ….፣

ንመሰል፣ ንዕርቅን፣ ተንስኡ ኣየትፍርሑ።

 

 

ብኸመይ ንወጽእ ካብ’ዚ ዘለናዮ ዓዘቕቲ፡

ብወገን ሃይማኖት እነተኾይኑ

ብመዕበያ ዝኹስኮስ ሕልና’ዩ ነዊሕ ስልቲ፡

በወገን ፖለቲክ ካኣ

ብጽፉፍ ዲሲፒሊን ምምሕዳር’ዩ ብህዝባዊ መንግስቲ።

.

 

ክቡራት ሐዋርያት ናይ ክርስቶስ ተኸተልቲ፡

መሳልል ናይ ላዕሊ ናይ ታሕቲ፡

ልሳንኩም ነጊራ ፍትሕን ርትዕን፡ መስኪረና ሰማዕቲ፡

የቐንየልና ስለ’ቲ ወርቃዊ ቃለትኩም በብሓንቲ፡

ኣብ ሓቂ ክንረግጽ ምዒድኩምና ንኩልና ስብ ርስቲ፡

ክሳብ ህልቂትና ክይንኸዉን ዑኑዳት፣

ተበለጽቲ፣ ወሰወስቲ፣ ተጠራጠርቲ።

 

እግዝኣብሕር ይሐልኹም ጽኑዕ የርገጹኩም

ኣብ ማዓልታዊ ስራሕኩም

ካአ ኣሳልጦ ይምነየልኩም

ኢስጢፋኖስ መንግስትኣብ

ካብ ጀርመን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ERITRAWIT June 17, 2014

    Well done, they are jeganew we have to support them.

  • special breed June 17, 2014

    excellent poem.keep up

  • special breed June 17, 2014

    hope everything works fine

  • Stefanos Termolso June 18, 2014

    ከቡር ሓው እስጢፋኖስ፡ ይትረፍ ካህናት ነፍስወከፍ ኣብ ኣምላኽ ዝኣምን ሰብ ኣንጻር ዘይፍትሓውነት ክቃለሰ ኣለዎ። ዝበዝሕ ሰብ ግን በለጽ ስለ ዘጥቅዖ ኣብ ክንዲ ንመሰሉ ዝቃለስ ከም ኣባጊዕ ከኹብኮብ ንርእዮ ኣለና። ስለዚ፡ ጳጳሳትን ካሀናትን ተዋህዶ፡ መራሕቲ በትክርስትያነ ከንሻ፡ መሻይኸን ቃዲታትን እስልምና ኣሰር እዞም ኣብነታውያን ጳጳሳት ካቶሊክ ክኽተሉ ለበዋይ አቕርብ።

POST A COMMENT