Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣመሪካ ናይ ቀውፊ ድምጻ ብምዕቃብ ሰፈራ እስራኤል ብባይቶ ጸጥታ ዝዅነነሉ ኩነታት ከምዝፈጠረት ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኣመሪካ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻይደ ንጉዳ ሰፈራ እስራኤላውያን ዝምልከት ድምጺ፣ ናይ ቀውፊ ድምጻ ዓቂባ ሰፈራ እስራኤል ብባይቶ ጸጥታ ዝዅነነሉ ኩነታት ብምፍጣር፣ ባይቶ ጸጥታ ድሕሪ 36 ዓመት ንፈለማ እዋን ንእስራኤል ዝነቅፍ ውሳኔ

ኣመሪካ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻይደ ንጉዳ ሰፈራ እስራኤላውያን ዝምልከት ድምጺ፣ ናይ ቀውፊ ድምጻ ዓቂባ ሰፈራ እስራኤል ብባይቶ ጸጥታ ዝዅነነሉ ኩነታት ብምፍጣር፣ ባይቶ ጸጥታ ድሕሪ 36 ዓመት ንፈለማ እዋን ንእስራኤል ዝነቅፍ ውሳኔ ከሕልፍ ዕድል ከምዝሃበት ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጀሚን ናታንያሁን ምሩጽ ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን እዚ ኩነታት’ዚ ከይፍጠር ሓያለ ጻዕሪ ኳ እንተካየዱ፣ ምምሕዳር ኦባማ ግን ካብቲ ነቲ ንእስራኤል ዘውቅስ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ኣይተዓግተን።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሳማንታ ፓወር፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ “እቲ ናይ እስራኤላውያን ንጥፈታት ሰፈራ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍሊስጤምን ብዘተ ክብጻሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ዘዐንቅፍ፣ ተስፋ ሰላምን ምርግጋእን ናይቲ ከባቢ ዝዘርግ ተርእዮ እዩ” ኢላ።

ካብተን 15 ኣባላት 14 ነቲ ውሳኔ ደጊፈን፣ ኣመሪካ ድማ ድምጻ ዓቂባ እቲ ውሳኔ ምስ ሓለፈ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን እስራኤል ንኣመሪካ ብጥልመት ናይታ ኣይሁዳዊት ሃገር ከምዝኸሰሱዋ ሲ ኤን ኤን ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ኦባማ እስራኤላውያን ኣብ መሬት ፍሊስጤም ዝገብሩዎ ዘሕጋዊ ሰፈራ ክቃውሞ ጸኒሑ እዩ። ብሰሪ ‘ዚ ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ሕዱር ዘይምቅዳው ጸኒሑዎም እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT