Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣህጉራዊ እገዳ ሸመታ ኣጽዋር ጥሒሱ ብዝብል ጥርጣረ ጉዳዩ ብጸጥታ ኖርወይ ዝምርመር ዘሎ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ዜጋ ኖርወይ ተኸስተ ተስፋሚካኤል ናይ ኢሳይያስ መጋበርያን መሳርሕቲ ወልዱ ባርያን ምዃኑ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘጽንዖ ኣህጉራዊ እገዳ ሸመታ ኣጽዋር ጥሒሱ ከይከውን ተጠርጢሩ ብሓይልታት ጸጥታ ኖርወይ ዝምርመር ዘሎ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ዜጋ ኖርወይ፣ ተኸስተ ተስፋሚካኤል ዝተባህለ እሙን ተለኣኣኺ ወልዱ ባርያ

እቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘጽንዖ ኣህጉራዊ እገዳ ሸመታ ኣጽዋር ጥሒሱ ከይከውን ተጠርጢሩ ብሓይልታት ጸጥታ ኖርወይ ዝምርመር ዘሎ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ዜጋ ኖርወይ፣ ተኸስተ ተስፋሚካኤል ዝተባህለ እሙን ተለኣኣኺ ወልዱ ባርያ ምዃኑ፣ ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ‘ውን ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎ መጋበርያ ከምዝኾነ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኖርወይ ተጠቒሱ ከምዝነበረ፣ 17 ዋንነተን ናይ ሰራዊት ኖርወይ ዝኾና ዓበይቲ መካይን፣ ወተሃደራዊ እንታይነተን ንምኽዋል ኣብ ከባቢ ዱባይ ናይ ሲቪል ሕብሪ ተለኽየን ናብ ዱባይ ዝተላእካ ተመሲለን ናብ ኤርትራ ክኣትዋ ተዋዲደን ከለዋ ተኸታተልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ረኺቦመን ነይሮም። ቀንዲ ተዋስኣይ ናይቲ ስራሕ ተኸስተ ተስፋሚካኤል ምዃኑ ከኣ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም። (ነቲ ብማዕከናት ዜና ነርወይ ዝተዘርግሐ ዜና ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ)

ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ምንጭታት ብተመሳሳሊ ጥበብ ድሮ 112 መካይን ናብ ኤርትራ ኣትየን ኣለዋ። እተን ኣብ ዱባይ ተረኺበን ዝብሃላ ዘለዋ ተረፍ ናይተን ተኸስተን ህግደፍን ብምስጢር ዘእተዉወን ተሽከርከርቲ እየን።

ተኸስተ ተስፋሚካኤል ኣብቲ ንተግባራት ወልዱ ባርያ ንምቅላዕ ኣቐዲሙ ኣብ demo.archive.assenna.com ተዘርጊሑ ዝነበረ ሓበሬታ ‘ውን መሳርሕቱ ምዃኑ ተጠቒሱ ኣሎ።

(ነቲ ንወልዱ ባርያ ብዝምልከት ተዘርጊሑ ዝነበረ ሓበሬታ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Hailom N. September 27, 2013

    Yes not only tha there are every where in the World. When you have no CONSTITUTION NO CHECK AND BALANS YOU WILL BE RUN BY CONTROBAND STILL 1980,S MINED.

  • COW FACE September 27, 2013

    ጽጋብ ኣብ ኣፈይ ድዩለይ______ክትፎ ጥረ ዝሕላ
    ሎምስ ጠምየ፣ጸሚኤ፣ተገሪፈ፣ጨንየ ፋኛቱራ ማይበላ
    ሕራይ ኮንኩ ነ ፈሽኳል ነ _____ናይ ታሪኽ ሓተላ !!!! ሓሻካ

    ኣነ ጋሕባ ___________________እሰያስ መዓረስ
    ክም ፊስቶ ዝምላእ____________ከም ግራት ዝሕረስ
    ብሓሶትን፣ምህዞ ታሪኽን__________ ሓንጎለይ ዝውረስ
    ሓምሳ ዓመት ተወጢሔ _____ ናይ Emotion ፈረስ
    ንበጊዕ ሰጕጐ ________________ዝሓቁፍ ንመፍለስ
    ነጻነትን ራህዋን ተሓሲመ _______ብጸብሒ ባርነት ዝስለስ
    ክቕጥቀጥ ግደፉኒ______________ብደቂ በረኻ ክሕመስ
    ጽጋብን ክብረትን ተፊእካዶካ ዶ _ጥሜትን ሕስረትን ይኹለስ
    ዩኒቨርሲታት ነጺግዶ ካርሸሊታትን ብበደዊን ምጭማቕን ይምረጽ
    ግደፉኒ ክስሕኖ ________ ዝኣጎድኩዎ፣ግሃነምእሳታዊ ረመጽ
    ክልተ ዓመት ተጸመሙኒ እሞ___ከም ሃገር ክብተን’የ ክርመስ !!!!!

    ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ደራሲ ሓውኩም ፣
    ገጽ ላም (COW FACE) aka ናይ ሓሶት ሃገር ንቑልቁላ (FAKE COUNTRY COLLAPSING)

    • weredemhret September 27, 2013

      Your crap has no relevance to the topic whatsoever. Surely, though, it seems you write while chasing LICE in your back!

      • COW FACE September 28, 2013

        Respected Weredemhret,

        As I had the right to type “the crap”, you have the right to hate it & even challenge it .
        However if you could tell me which part you do not think is correct I could learn to correct my mistake.
        Or could it be you failed to comprehend the lamentation & took it too literal ,in any case not all of us went to classy schools.

        In any case my respect.

  • Footscray September 28, 2013

    ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ምንጭታት ብተመሳሳሊ ጥበብ ድሮ 112 መካይን ናብ ኤርትራ ኣትየን ኣለዋ።

    Shaebia mekayn aykonen neferti ke’tu zKhilkilo kemzeyele teregagixu maletyu.

  • yukunno ghirmay tesfamariam September 28, 2013

    ወኖ
    አስመራ ተተቀየመትከ
    ንጸጋም
    ጸጋም
    ተበላ።
    ሕንቅንቅ
    ተላ።
    ንብዓትኪ ዓንዲዳ።
    አይክእሎንየ።
    ተሓቍፈ።
    ዋላ
    ተጨፍጪፈ።
    ዕራርቦ
    ተስምር
    ንመርቅን።
    አስመራ
    ተዕርብ
    ንመርቅን።
    መርቅን
    ዕርቂ ያ
    ቀ ን ጢ ያ።
    ጠ ኒ ና ።
    አ ስ መ ራ ጢ ኖ
    ጨ ሊ ፋ
    ዘይትኽእሎ
    ከም የለ ማ ኖ።
    http://www.youtube.com/watch?v=SEZ8dqCiBD4

Post a Reply to Footscray Cancel Reply