Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢትዮጵያ ምስ ባሕሪ ዘራኽባ 4 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ መስመር ባቡር ምድሪ ኣብ ስራሕ ከተውዕል ተቓሪባ ከምዘላ The Wall Street Journal ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ምስ ባሕሪ ዘራኽባ 4 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ መስመር ባቡር ምድሪ ኣብ ስራሕ ከተውዕል ተቓሪባ ከምዘላ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል wsj ሓቢሩ። እቲ ዘይምዕቡልን ኣረጊትን ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ንቑጠባዊ

ኢትዮጵያ ምስ ባሕሪ ዘራኽባ 4 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጅቡቲ ዝዝርጋሕ መስመር ባቡር ምድሪ ኣብ ስራሕ ከተውዕል ተቓሪባ ከምዘላ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል wsj ሓቢሩ።

እቲ ዘይምዕቡልን ኣረጊትን ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ንቑጠባዊ ምዕባለ ‘ታ ሃገር ዓንቃፊ ኮይኑ ብምጽንሑ፣ እቲ ብመንግስቲ ቻይና ዝድገፍ ተዛዚሙ ዘሎ ፕሮጀክት ንሕርሻዊ ሰደድ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ከደንፍዖ ምዃኑ እቲ ዜና ይጠቅስ።

ኢትዮጵያ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስ ወደብ ጅቡትን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ዘራኽብ ሓድሽ ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ እናስፍሕት ኣብ እትኸደሉ ግዜ፣ ያታውያን ኣፍደገታት ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኤትራውያን ወደባት ባጽዕን ዓሰብን መጻኢ ኣድላይነተን እናሃሰሰ ክኸይድ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኤርትራ ከምዝሓለፉ ዓመታት ካብ ኣገልግሎት ወደባት ክትረኽቦ ዝግብኣ ገዚፍ ኣታዊታት ምብኻና ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ክሳራ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጽቡቕ ቁጠባዊ ገስጋስ ኳ እንተገበረት፣ ብዘይ ሓርጎጽጎጽን ግጭትን ግን ኣይነበረን። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ንርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ያታውያን ናይ ሕርሻ ቦታታት ንምስፋሕ ዝተገብረ ፈተነ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣበጊሱ ናይ ኣማኢት ህይወት ሰብ ለኪሙ እዩ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ኩነታት ንምጕህሃር ብንጥፈት ይንቀሳቐስ ምህላዉ ‘ውን ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ኣርዓዶም September 29, 2016

    ህዝቢ ኢትዮጵይያ ዕድለና ግን ዘይፈለጦ ህያብቱ፡ ልክዕ ወያነ ጎድለታት የብሎምን ማልት ኣይኮነን ግን ካብዚ ድሁል ህግደፍ 90 ሚእታዊት ንሶም ይሕሹ፡ ህሃገሮም ብዝሒ ዩኒቨርስታት ምዕቡል መራኸቢታት ገይሮም ዝመርሕዋ ዘለዉ ኣናብስ ኣፍሪቓ፡

    ኣብ ክንዲ ብዕራይ ትራክተር ክንድዲ ዝበሎም
    ኣብ ክንዲ ኣድጊ በቕሊ ታክሲስታ ስለዝበሎም
    ኣብ ክንዲ ዐረብያ ባቡር ክንዲ ዝበሎም
    ፍንጭራዕ ዝብሉ ዝደፍ ኡ ድራሮም
    ኣታ እዞም ኣምሓራዶ ኦሮሞ ንበሎም
    እንታይ`ዩ መሊኡ እቲ ሓንጎሎም

    ደርጊኦ ይሕሶም እንዳ ጨፍጨፈ
    ኣብ ዘይጠቕም ሂወቶም ዘሕለፈ

    ሃይለስላሰዶ ናፊቖም ዘምልኽዎ ብፍርሒ
    ጣይታ ቓረጣ ዝገበሮም ከም ጸብሒ
    ሕምትኽ ኣቢልዎም ክሳብ ዝጽሒ

    ከም ኣድጊ ጸይሮሞ ክዘሩ
    ብጥምየት ተወዲኦም ዓለም ከዛርቡ

    ወያነ ንእትዮጵያውያን ካብ ሰምይ ወረደ
    ንዕኦም ኮይኑ ንጭኑቕ ህዝቢና ዝኣበደ
    ወይልካ ኦርሞ ኣምሓራ ታ ዳንደ

  • Haile stupid Drue September 29, 2016

    ጽቡቕ ወረ ንኤርትራ ገጽ ወያነ እኻ ይርሕቀልና ግን ኢትዮጲያ ድሕሪ ወያነ ብስምምዕ ክትጥቀመሉ ኢያ ምስ ኡ ከአ ቀጠርን ሱዕዲን አድላይነቱ ስለ ዝፈለጣ ክጥቀማሉ ጀሚረን ስለዚ ወያነ ኩነታት ስለ ዘጽንዑ ካብ ኢትዮጲያ ድሕሪ ምውጾኦም ናይ ባሕሪ አፍደገ ክደልዩ ኢዮም ስለዚ ባጽዕን አሰብን ቁሊሕ ኢሎም ስለ ዘይሪኢዎ ናብ ጁቡቲ ከይዶም ን ኤርትራ ብዐል ቐጠር ሱዑዲ የዕርዮኦ የግፍሖኦ ወያነ ግን ከም አመሎም የባልሽዉ ስለዚ እዚ ጽቡቅ ወረ ኢዩ ን ኤርትራ ገጾም ልምጽማጾም ክንርኢ አይንደሊን፡ኢና እንተ ነቲ ሐዲሽ መንግስቲ ኢትዮጲያ ግን መርሐባ

  • MENKAE September 30, 2016

    The future leaders of Eritrea starts in Sawa they graduate in University of Mekele. Eritrea hejes yeweghalkie yekowen .

  • AMAN October 4, 2016

    ክወግሕ እዩ ። ፀሎት ጥራሕ ንግበር

Post a Reply to AMAN Cancel Reply