Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢሳያሳዊ ምንቃጽ/ምድራቕ ፍልፍል ኤርትራውነት፡ ውዲት ንትግባረ ኢትዮጵያዊ ኢስትራተጂ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣይድልየናን ኢዩ” – ቀዳማይ ክፋል

ኣብቲ ንናጽነት ዝተገብረ ነዊሕን ጽንኩሩን ተጋድሎ፡ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ መዋዳድርቲ ኣይርከቦን ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ቑልዒ ሓዊ ገድሊ ከይጠፍእ ደጒሉ ዘሕደረ፣ ሰውራ ዘዕቖበ፣ ተጋዳላይ ዘዐንገለ፣ ምስጢር

ኣብቲ ንናጽነት ዝተገብረ ነዊሕን ጽንኩሩን ተጋድሎ፡ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ መዋዳድርቲ ኣይርከቦን ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ቑልዒ ሓዊ ገድሊ ከይጠፍእ ደጒሉ ዘሕደረ፣ ሰውራ ዘዕቖበ፣ ተጋዳላይ ዘዐንገለ፣ ምስጢር ሰውራ ዝዓቀበ፣ ሂወት ደቁን ሂወቱን ንሰውራ ዝለገሰ፣ ንጸላኢ ብዘይዕጥቂ፡ ብጥበብን ብልቦናን ዝመከተን ዝሳዓረን፣ ኮታ ብሓፈሽኡ፡ ንሰውራ ኣብ ማእገሩ ሓንጊሩ ናጽነት ኤርትራ ክውን ዝገበረ ህዝቢ ኢዩ። ኣብዚ ጽንኩሩን ነዊሕን ጉዕዞ ሰውራ እዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ-መዳያዊ ከቢድ ዋጋ ኢዩ ከፊሉ። መንእሰይ ኤርትራ፡ ካብ ጻት ንጻት፡ ዝሸምገሉ/ዝዓበዩ ወለዱ ጠዋሪ ዘይብሎም ራሕሪሑ፣ ወላዲ፡ ትሕቲ-ዕድመ ደቁ ኣለይቲ ዘይብሎም ገዲፉ፣ ተማሃራይ ትምህርቱ ገዲፉ፣ ጓሳ መጋስኡ ጠንጢኑ፣ ሸቃላይ ስርሑ ሓዲጉ፣ ናጽነት ኤርትራ ክውን ንምግባር ናብ ሰውራ ብቐጻሊ ን30 ዓመታት ወፊሩ። ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ሂወቶም በጃ ናጽነት ከፊሎም፣ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰንኪሎም፣ ካልኦት ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ’ውን ተመቍሖም። ኤርትራዊ ንብረት በሪሱ (ዓድታት ነዲዱን ባዲሙን፣ ከተማታት ዓንየን፣ ትሕተ-ቅርጽታት ፈሪሱን ዓንዩን፣ ጥሪትን ኣግራብን ኤርትራ በሪሱ)። ስለዚ፡ ናጽነት ኤርትራ፡ እዚ ኹሉ ኩቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ዓወት ኢዩ ነይሩ። ስለዝኾነ፡ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ብግብሪ፡ ኣብ 1993 ካኣ ብሕጊ ምስተረጋገጸ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ኩሉ ዝኸፈሎ መስዋእቲ፡ ደበስ ዝድበሰሉ መድረኽ/መዋእል ተፈጢሩ ኣሎ ዝብል ተስፋ ነይሩ ኢዩ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • aditekelezan February 25, 2019

    Hagherawi/Aba thimmer,
    ራእሲ ኣሉላ mother Theresa ኔሩ ዝበለ የለን,ከም ኩሎም መራሕትን ጀጋኑን ናይ ባዕሉ ambition ጓቲትዎ እውን ዝገብሮ ነገር ከም ዝነበረ ኣይስሕቶን….ዋላ ኣሉላ ጨቋኒ ይንበር (ምንም እኳ ኣብ ሓማሴን ፍትሒ ከም ኣሉላ ይብሃል እንተነበረ) እቲ ከባቢ ናይ local power struggle ኔርዎ እምበር ኤርትራ ትብሃል ጣልያንን ሚኒሊክን ቆሪጾም ክሳዕ ዝስንዕዋ ኣይነበረትን. ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ እውን ኣሉላ ዓማጺ እንተኔሩ ከም ሰረወታይ ሓማሴናይ ኣከለጉዘታይ ዓማጺ ከምኡ ጌርካ ርኣዮ ምኽንያቱ እቲ ንግስነት ካብ ጽዓዘጋ ናብ ኣኽሱም ይቃያየር ኔሩ እዩ.
    ኣብ ገሊኡ ኣውራጃታትና ድማ ኣንኳይዶ ንኻብ ስግረ መረብ ዝመጸስ ጓልና ንሓማሴን ኣይንህባ ንሰራየ ዝብል ከቢባዊ መርገጽ ኣሎ. ንዕኡ ከም መርትዖ ኣቕሪብካ ክልተ ህዝቢ ክትገብሮ ኣይትፈትን!!!
    by the way
    ንምንታይ እዩኸ ንጉስ ሓማሴን ዕዋኖ ኣብ ኢድካ ኸሎስ ልማኖ ዝተባህለ ንመንን ንምንታይን እዩ ??? ክትዓረቕ ድዩ ኸይዱ ግዝኣቱ ክጸድቀሉ ? ሓደራ እዚኣ ኣብርሃልና,ኣነ ንራእሲ ወልደንክኤል እየ ተረዲኤያ !!!

POST A COMMENT