Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢሰያስ ደላዪ ሰላም ድዩ?

ኢሰያስ ደላዪ ሰላም ድዩ? ኢሰያስ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጕዳይ ባጤራን ንግዳዊ ምልውዋጥን ስለ ዘይተሰማምዐ ኣብ ግንቦት 98 ባይቶ ወይ ካቢነ ሚኒስተራት ዘየጽደቖ ኵናት ዶብ ወሊዑ። ነቲ ኵናት ወሊዑ ንስዑድያ ከም ዘይገሸ ድማ፡ “ደቂሰ ጸኒሐ ሃንደበት ሳባ

ኢሰያስ ደላዪ ሰላም ድዩ?

ኢሰያስ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጕዳይ ባጤራን ንግዳዊ ምልውዋጥን ስለ ዘይተሰማምዐ ኣብ ግንቦት 98 ባይቶ ወይ ካቢነ ሚኒስተራት ዘየጽደቖ ኵናት ዶብ ወሊዑ። ነቲ ኵናት ወሊዑ ንስዑድያ ከም ዘይገሸ ድማ፡ “ደቂሰ ጸኒሐ ሃንደበት ሳባ ምስ ነገረትኒ ሰንቢደ” ክብል መስደመም ዘረባ ኣስሚዑ። መስኪናይ ኢሰያስ ነዚታት ክፍጽም ከሎ መሳርሕቱ ወይ ህዝቢ ዘይፈለጦ እዩ ዝመስሎ።፡ ወይ ከኣ ወላ ይፍለጡ ኣበይ ኣዲኦም ከይበጽሑ ኢሉ ይኸውን። ብዝኾነ ሕጂ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ነቲ ዝነበረ ኵነታት ክንግምግሞ ከለና ሓደ ንጹር ስእሊ እዩ ዘግህደልና። ንሱ ድማ ኢሰያስ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ሓደ ቃለመሕትት መሊቝዎ ግዲ ኾይኑ፡ “ጠንቂ ናይቲ ኵናት ጕዳይ ዶብ ኣይኮነን፡ ናይ ዓያሹ ኵናት’ዩ ድማ ነይሩ” ዝበሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝደገሞ፡ መበገሲ ናይቲ ኵናት ጕዳይ ዶብ ኣይነበረን። በንጻሩ፡ ንሰላም ብምሕሳም “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ኣይክትበርቕን’ያ ማለት’ዩ፡” ክብል ዘየድልዮ ናይ ብድዐ ዘረባ ደርብዩ። ኣብ ዓለም ፍጹም ጎብለል ህዝቢ፡ ወይ ከኣ ክዋጋእ ዘይክእል ሰነፍ ህዝቢ ዝብሃል የሎን። ንዅሉ ኵነታት’ዩ ዝውስኖ። ከምዚ ናትና ኣብ እዋን ሰውራ ዝተራእየ፡ ቬትናም፡ ሞዛምቢክ ኣንጻር ሓያላት ደባይ ኵናት ኣካዪደን ተዓዊተን’የን። የግዳስ ኣብ ሰውራ ምዕዋት ሓደ ነገር’ዩ፡ መንግስቲ ተኺልካ ሃገር ምስ ሃገር ምውጋኣ ድማ ካልእ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ክልተ ሃገራት ክዋግኣ ከለዋ ከም ብዝሒ ህዝቢ፡ ቍጠባ፡ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣን ስፍሓት መሬትን፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዓቕሚ ወዘተ ዝኣመሰሉ ረቛሕታት ኣብ ግምት ክኣትዉ ኣለዎም።

ኤርትራውያን ወላ ብደረጃ ሃገር ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ዓውደውግእ  ክንስዕር ጸገም ኣይምኾነን፡ ምስ ሓደ ዓቢ ሃገር ዝተናውሐ ደማዊ ኵናት ክነካይድ ግን ቍጠባዊ፡ ሰብኣውን ሎጂስቲካውን ዓቕምና ዘፍቅዶ ኣይኮነን። ኣብ ባይታ’ውን ብጭቡጥ ተራእዩ እዩ። እዚ ማለት ግን ኢትዮጵያውያን ጀጋኑ ኤርትራውያን ኸኣ ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ዘይብልና ሕማቓት ኢና ማለት ኣይኮነን። ንብዙሕ ነገራት ዘማልእ ሕጊ ኵናት ዝብሃል ነገር ኣሎ። ካብዚ መጎት’ዚ ክወጽእ ዝፍትን ሓይሊ ንዕርበቱ እዩ። ኣብ ዓለም ዝተራእየ ታሪኽ ኵናት ድማ ነዚ እዩ ዝምህረና። ናብ ኢሰያስ ምስ ንመለስ። ኢሰያስ ሓደ ባሃም ስለ ዝኾነ ምስ ኢትዮጵያ ኵናት ክውልዕ ከሎ፡ “ወያኔ ደኣ ተመሃሮና’ንድዮም ነይሮም፡” ካብ ዝብል ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ነቲ ናይ ዓያሹ ዝበሎ ኵናት ወሊዑዎ። ክውልዖ ኸሎ “ንወያኔ ክንድምስሶም ኢና፡” ሽዑ ብዘይካ ኣላሽ ምባል ኣብ ዝበጽሑዎ የብሎምን ዝብል ናይ የዋሃት ኣተሓሳስባ ነይሩዎ ይኸውን። ኮታ፡ እቲ ኵናት ደማውን ነዊሕን ክኸውን፡ ወያኔ ድማ ኣብ ህልኽን ትምክሕትን ብምእታው ስኖም ነኺሶም ዝዋግኡ ኣይመሰሎን። ከም ተመሃሮኡ መጠን ኣዝዩ ትሑት ግምት ሂቡዎም። ተማሃራዩ መምህሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘይፈልጥ መምህር ኮይኑ። ከም ሳዕቤን ድማ ኣብ ክልቲኡ ግንባራት መሬትና ኣምሊስና ኢሉ ንግዜኡ ቀሲኑስ ክጀሃር’ውን ጀሚሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብኡ ናብኡ ብባይቶ ስለ ዝመሓደር ብመንገዲ ባይቶኡ፡ “ኤርትራ ወራር ብምክያድ ልኡላዊ መሬትና ደፊራ፡” ብምባል ደረት ግዜ ብምፍላይ ካብቲ ብወራር ሒዛቶ ዘላ ቦታታት ክትወጽእ ወይ ከኣ ሳዕቤኑ ክትሽከም ምዃኑ መግለጺ ሂቡ። ኢሰያስ ግን ክኢለዮ ኢሉ፡ “ጥራዩ በርሚል ዝያዳ ድምጺ ይፈጥር፡” ዝብል ናይ ዓዋሉ ዘረባ የስምዕ ነይሩ። እቲ ሃዋህዉ ብወረ ኵናት ዘቕቢቡ ኣብ ዝነበረሉ ወቕቲ ኣብ ኡጋዱጉ ኣብ ዝተገብረ ናይ ዕረቂ ዘተ ዓረቕቲ፡ “ነናብ ዝነበርኩሞ ቦታ ተመልሱ’ሞ ሽምግልና ክንጅምር፡” ዝብል ናይ ሰላም እማመ ኣቕሪቦም። ካብዚ ዝበልጽ ሰናይ ሓሳብ ኣይነበረን። በዓል ድሩዕ፡ “ነዚ እማመ’ዚ ንቀበሎ” ክብሉ ኸለዉ እቲ ገና ደም ዘይጸገበ ኢሰያስ ግን ቍልቍል ዝኣፉ ዕጭ ሓንፊፉ። ከም ሳዕቤን ድማ ኣብ ሳልስቱ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ፈንዩ። ካብ ክልቲኡ ወገን ከኣ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ብከንቱ ሃሊቑ። እቲ ዘገርም ግን ኢሰያስ፡ ባድመ ከም ሎሚ ዝተታሕዘት ንጽባሒቱ ጋሕጋሕ ምድሪ ናብ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ኮፊ ኣናን፡ ነቲ ተሓሲሙዎ ዝነበረ እማመ ኡጋዱጉ “ተቐቢለዮ፡” ዝብል ህጹጽ ናይ ቴለፎን መልእኽቲ ኣተሓላሊፉ። ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ዝብሉኹም ከምዚ እዩ። ይትረፍ ሓደ ምኩሕ፡ ነዊሕ ተሞክሮ ኣሎኒ ዝብል መራሒ ሃገር’የ በሃሊ፡ ሓደ ደንቆሮ’ውን ከማኡ ኣይገብርን’ዩ። ንባዕሉ ተዋሪዱ ነቲ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣዋሪዱዎ።

ሽዑ ወያኔ መፍቶቶም ወዲኦም፡ እታ ወዲሻውል ንባድመ ምስ ሓዝናያ ደሪፉሎም ዝነበረ፡ “ሕጂዶ ይሓይሽ ዋይ! ዋይ! ሕጂዶ ይሓይሽ! . . .” ትብል ደርፊ ከቃልሑን ንኢሰያስ ከባጭዉሉን ቀንዮም። እቲ ዝገደደ ግን ብድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ “ሓይልታት ወያኔ ማዕበል ብማዕበል ስለ ዝደፍኡ ሰራዊትና ካብ ድፋዓት ባድመ ክለቅቕ ተገዲዱ’ሎ” ዝብል መግለጺ ክወሃብ ምእዛዙ ነይሩ። ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ድሩዕ፡ “ኣዝሊቕና ኢና’ምበር ኣይተደፋእናን፡ ዝተማረኸና ንብረት’ውን የሎን፡” ኢሉ ነገር ከዕሪ እንተ ፈተነ ኢሰያስ፡ “ናይ ብሓቂ ተማሂርና” ብምባል ኣይሓገዞን። ካብቶም ተመሃሮና ዝበሎም ተማሂርና ክብል ኣሚኑ። ድሕርዚ፡ ንልዕሊ ዓመትን ሰለስተ ኣዋርሕን ብዘይካ፡ “እኒሀ ፈረስ እኒሀ ሜዳ፡ ዘድልየና ብረት ሸሚትና ኣለና፡” ዝብል ንሃልኪ ሬድዮን ጋዜጣን ዝኸውን ፈኸራ ካልእ ኣይተሰምዐን። ኣብ ግንቦት 2000 ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ፈንዩ። ዳርጋ ንሓደ ሲሶ መሬት ኤርትራ ብምቍጽጻር ድማ ክሳብ ባረንቱን ተሰነይን በጺሑ። ሽዑ ይዝከረኒ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ተሰናቢዱ። ኢሰያስን እቶም ኣብ ዳንኬራ ዝነበሩ መራሕቲ ኵናት ኢና በሃልትን ከይተረፉ ንሳሕል ገጾም ንኸንሳሕቡ ኣብ ሓግዝዶ ኣብ ሩባ ዓንሰባ ድፋዕ ንሓዝ? ዝበሉሉ እዋን ነይሩ። እዚ ዅሉ ካብ ምንታይ ነቒሉ እንተ በልና፡ ከም በዓል ዑቕበ ኣብርሃ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን ዝኣመሰሉ ምኵራት መራሕቲ ኵናት ደስኪሎም ስለ ዝነበሩ ዝብል መልሲ ኢና ንረክብ። ሰራዊት ኤርትራ ዓቕሙ ገይሩ መራሕቱ ግን ኣይሓገዙዎን።

ናብ ስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ንመጽእ፡ እቲ ናይ ዕርቂ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ኣብ ሚያዝያ 2002 ኮሚሽን ዶብ ውሳኔኡ ሂቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ መጀመርያ ባድመ ንዓና ተዋሂባ ዝብል ናይ ምድንጋር መልሲ ሂቡ ከብቅዕ፡ ነዊሕ ጸኒሑ ግን “ንውሳኔ ዶብ ብዘይቅድመ ኵነት ተቐቢልናዮ ኣለና፡ የግዳስ ዘተ ንግበር” ዝብል ዘረባ ኣቕሪቡ። ኢሰያስ ድማ “ዘተ ዝብሃል ነገር የሎን ቅድም ካብ መሬትና ልቐቑ፡” ዝብል ደረቐ መልሲ ሂቡ። ብሰንኪ ብዘይካ ንስልጣኑ ንህዝቡ ሓልዮት ዘይብሉ መራሒ እየ በሃሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣይሰላም ኣይኵናት ዝብል መግለጺ ዝተዋህቦ ናይ ስቓይን መከራን እዋን ክሳቐ ጸኒሑ። ሕጂ ደኣ እንታይ ስለ ዝተረኽበ እዩ ኣብ ባይታ ዝኾነ ለውጢ ከይተራእየ ናብ ኣዲስኣበባ ዝኣክል ሰብ ሰዲድና ዝብሃል ዘሎ? “ልኡላዊ መሬትና ተጐቢጡ ከሎ ኣይንዛተን ኢና ይብሃልዶ ኣይነበረን?” መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መሬትና ለቒቑ ድዩ? ኢሰያስ ነቲ ተሓሲሙዎ ዝነበረ ሰላም፡ ካልእ ይትረፍ “ካብ ባድመ ውጽኡ’ሞ ድሕሪኡ ክንዘራረብ ከይበለ፡ ንሰሙን መመላእታ ድሕሪ ምዕጥጣይ፡ ኣብ ሓደ መንጎኛ ሃገር ዘይኮነስ ብቐጥታ ናብ ኣዲስኣበባ ልኡኽ ክሰድድየ ብምባል ነቲ ናይ ሰላም ተበግሶ ምቕባሉ ንብዙሕ ሰብ ኣብ ግምታት ከም ዝኣቱ ገይሩዎ። እቲ ግምታት ነዚ ይመስል፡-

  • ኢሰያስ ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ስልጣኑ ጥራይ ስለ ዝሓስብ ነዚ ሱርበተኻዊ ዝመስል ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሰላም ተበግሶ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ዕጭ እንተ ሓንፊፉ ምስቲ ኣብዚ ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኵነታት ከም ዘየዋጽኦ ስለ ዝፈለጠ እዩ።
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዘቕረቦ ናይ ሰላም ተበግሶ ህወሓት ብምሉእ ልቢ ስለ ዘይተቐበሎ፡ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ህወሓት ሕነኡ ንኽፈዲ ወይ ድማ “ባእሰይ ምስ ወያኔ እዩ ነይሩ’ምበር ምስ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ኣይኮነን” ብምባል፡ ንመራሕቲ ወያኔ ክንጽል ሓሲቡ። ምኽንያቱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ’ውን ናይ ሰላም ውዕል ብዘይ ቅድመ ኵነት ተቐቢልናዮ ስለ ዘለና ንዘራረብ’ዩ ኢሉ ነይሩ። እቲ ዘረባ ሕጂ’ውን ንሱ እዩ።
  • ኢሰያስ ከም ሓደ ሰላም ዘይደሊ መራሒ ስለ ዝፍለጥ፡ ብፍላይ ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ቍጠባውን መዳይ ተነጺሉ እዩ ጸኒሑ። ስለዚ፡ “ኣነ ብሰንኪ ወያኔ እየ’ምበር ሰላም ልዕሊ ሰብ እደልያ፡” ብምባል ነቲ ዝጸንሖ ሕማቕ ምስሊ (IMAGE)ንምትዕርራይ ክጥቀመሉ ደልዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ በዓል ስዉኣት ኣብ ዝገበሮ መደረ ከይተረፈ ንእግረ መንገዱ ንወያኔ ክወቅዕ ብምፍታን ከም ኣመሉ ቍሩብ ክህውትት ፈቲኑ ነይሩ። ስለዚ፡ ንተበግሶ ሰላም ምቕባሉ ስልጣኑ ንምድልዳል’ምበር ሰላም ደልዩ ኣይኮነን።

መደምደምታ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመታት ኢሰያስ፡ “ወያኔ ልኡላዊ መሬትና ገቢቶም ስለ ዘለዉ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ወያኔ ጸቕጢ ስለ ዘይገበረት፡” ትብል ሓንቲ ደርፊ ጥራይ ክደርፍ ይስማዕ ነይሩ። ከም ሳዕቤን ድማ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸር ደረት ግዜ ብዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ዝተሳቐየ መንእሰይ ኣደዳ ስደት፡ ግዳይ መፍቶ ጨውይትን፡ ግዳይ ዓሳታት ማእከላይ ባሕርን ኮይኑ። መስኪናይ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ልኡላዊ መሬቱ ዝወረዶ ጸገም ኣይነበረን የሎን’ውን። ቀንዲ ጸገሙ ኢሰያስ እዩ። ኢሰያስ ክቱር ኣብ ስልጣና ናይ ምጽናሕ ህርፋን ስለ ዘሎዎ፡ “ሕጂ ምቹእ ኵነታት ከሎ ኵነታተይ ንምትዕርራይ ክጥቀመሉ ኣለኒ”  ብምባል፡ ነቲ ናይ ቀደም ደርፉ ረሲዑ ማዕረ “ናብ ኣዲስኣበባ ልኡኽ ንሰድድ” ኣለና ክብል ተዛሪቡ። እቲ ኣመና ዘጕሂ፡ ነዚ ተበግሶ’ዚ ምቕባሉ ዘይተርፎ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ስዱሽተ ገይሩዎ እንተ ዝነበር ንመንእሰይን ህዝብን ኤርትራ ክንደይ ሰናይ ምኾነ። በዚ ይኹን በቲ ህዝቢ ኤርትራ እንኮ ባህጉ ሰላምን ምርግጋእን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ምምጻእ ሰላም’ውን ቅዋም ክትግበር’ሞ ፍትሒ ክነግስ፡ መሰሉ ክሕሎን ብዘይፍርዲ ምእሳር ክተርፍን፡ ዶብ ዘይብሉ ኣገልግሎት ክተርፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ብናጻ ክንቀሳቐስን ክሰርሕን ወዘተ ይደሊ። ስለዚ፡ ኢሰያስ ደላዪ ሰላም እንተኾይኑ ነዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ድሌት ህዝቢ ምስ ክፍጽም ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክገሃድ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ናይ ሰላምን ፍትሕን ኣየር ከተንፍስ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝቢ ክምሰለሉ ኣምላኽ ይተሓወሶ ንብል። እቶም ንሰላም ዝደልዩዋ ተዓወትቲ እዮም።

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ተሞልሶ

ኖርወይ

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Gezae June 22, 2018

    I am an independent ie I follow principle rather than group affiliation because principles are easy and consistent. Thus, even though there is no genuine party in Eritrea I I understand some people are heavily invested in their ideologies. They consider them to be indivisible from their identity. So any failler on their ideology or program is an assault on their identity.

    I know public opinion citizens’ attitudes about political issues, leaders, institutions and events serves as a political basis of support for contemporary politicians. Because we have placed too much value on groups and people instead of principles. We have vested far too much time and tears in those two things. When our “side” fails us, we don’t want to admit we were wrong. It is too much to ask of most people. They would have to begin to question everything they have ever believed. Most people don’t want to do that.
    .
    Well for one, many of their political beliefs including the ones littered with absolutes and nonsensical animosities were basically coerced into their subconscious thought processes before they could develop the critical thinking skills to resist and question those beliefs. As a result, they went all through way viewing everything from narrow but penetrating perspectives that caused them to scour acutely for evidence that supports their beliefs with telescope-precision—while ignoring the mountains of evidence that might exist in the peripheral.

    Finally they become highly proficient at finding evidence that supports their ludicrous beliefs but their viewpoints are so constricted that they can’t see the forest for the trees. So that people have to admit that they might be wrong.and listen to the talking head then actually have to think.

    • Simon G. June 22, 2018

      Gezae,
      Let me tell you man, you have no principle, at all.
      Any Eritrean who supports the criminal DIA has no principle. Period.

  • Godaif June 23, 2018

    Zegenfo Zedagmawi writes on his/her Facebook pages:
    ====================================================
    ኢትዮጵያውያን እቲ ብመሪሕነት መንእሰያት ቄሮ-ፍኖ ዝጀመረ ፖለቲካዊ ናዕቢ ናብ ዕውት — ሰላሓታዊ-ኣብዮት — ከም ዝስገረ ብዙሓት መስኪሮም።
    ንጽባሕ ቀዳም ድማ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብጀካ ኣብ ከተማታት ትግራይ: ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓቐን
    ሰላሓታዊ-ኣብዮት ብምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር እዩ።
    ከም ስልጣን ካብ ሃጸይ ሃይለሰልሴ ናብ ደርጊ ፤ ካብ ደርጊ ናይ ወያነ ፤ ሕጂ ድማ ካብ ወያነ ብሰላሕታ ኣብዮት ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኽ ተሰሪሑ።
    እዚ ግን ሓዲሽ ኣይኮነን። ጀብሃ ንሓራካ በሊዓ ንህዝባዊ ግምባር ክትውሕጣ ክትግዕር ከላ ፣ ብህዝባዊ ግምባርን ወያነን ተሓይኻ ፤ ዓረባዊ ሕልሚ ጀብሃ ከም ጨው ሓቒቑ።
    ህግደፍ ድማ ንህዝባዊ ግምባር ውሒጡ ሕጂ ምስ ድነ ሞት ተፋጢጡ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ ይርከብ።
    ህዝቢ ኤርትራ ብህዝቢ ኢትዮጵያን ዓወት ሰላሕታዊ-ኣብዮቱን ይሕጎስ : ይቐንእ።
    ኣብዮት ሮቮሉሽን Revolution ማለት ኮይኑ ካብ “ኣበየ” ዝብል ቃል ናይ ትግረ-ትግርኛ ይውለድ።
    ረኣየ ኢሉ ርእዮት ፤ ኣበየ ኢሉ ኣብዮት።

    ኢትዮጵያውያን ብናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋታት ታሪኽ መንነት ውርሻ ሕቡናትን ኩሩዓትን ህዝቢ ምዃኖም ብዙሓት ኣህዛብ ይምስክሩ።

    ================================================

    • AHMED SALEH !!! June 23, 2018

      Godaif
      ZEGERM IYU , KEMTI ZIBELKAYO KULU TARIKH ALEWO . HIGI DIMA HILMI
      TIGRAI-TIGRIGNI KEM CHEW HAKIKA .

  • Simon G. June 23, 2018

    The question was ኢሰያስ ደላዪ ሰላም ድዩ?
    I say hell, NO!

    • Gezae June 23, 2018

      For a long time, it was widely believed that Einstein failed math. In fact, the opposite is true. By the time he was 15, Einstein had already mastered differential and integral calculus, and he came up with an alternative for the Pythagorean theory for fun.
      .
      Similarly, why you not able to remember that the people of Eritrea by the leadership EPLF/PFDJ/PIA fight to win side by side with Ethiopian people for peace, freedom, and reconciliation.. Beyond that referendum, the initiation or designation of the socio-economical integration the true precedent of yesterday. So why you think no now and tomorrow?

  • Amanios June 23, 2018

    ብሓቂ ይበል ትንታኔ፡ ስተፋኖስ ተመልሶ።
    ኣብ ክንዲ ንሰላምን ሕውነትን ዝዕድም፡ ነቶም ቀንዲ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነት ክዉን ንክኸውን ኣኽኢሎም ዘለዉ ኣሕዋትና ተጋሩ፡ ወያነ እናበለ፡ ንሱ ከም ተዓዋቲ፡ ንሳቶም ከምዝፈሸሉ ጌሩ ከቕርብ ፈቲኑ። ዕላምኡ ናይ ውልቁ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምድላብ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብቀንዱ ተሓሪምዎ ዘሎ ስሪዓተ-ሕጊን ዲሞክራሲን እምበር፡ መጣልዒት ስልጣኑ ዝነበረት ቁሽት ኣይኮነትን። ነዚ ቀንዲ ሕቶ ህዝቢ ግን ከም ጸልማት ስለዝፈርሆ፡ ኣብቲ መደርኡ ዋላ ሓንቲ ቃል ብዛዕብኡ ኣይተዛረበን። እቲ ሕቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂኸ ንግዝኣተ-ጸላም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክሳዕ መዓስ’ዩ ክጻወሮ?

  • meretse June 23, 2018

    I met one blind supporter of DIA yesterday, and I asked him — how he and alike feel about traveling to Addis Ababa. He proudly answers my question _ because we believe the Game is Over. What Game? The Wayanes or according to his vulgar word (the servants/kedemti) are fired by the new government. Wait, wait I said, “you think the wayanes are not Ethiopians anymore? or what? …..and do you also think the war instigated to kick the wayenas out of Tigray or Ethiopia. He says, remember we never had any problem with the rest of the Ethiopian population except with the Weyanes. Because I was left stunned with his response I asked him one final question: “what is the population of Eritrea? At first he tried to answer my question with a WHY question. I said answer my question. He is approximately five million. Five million alive or dead, I asked. It took him a while to understand my question and said, “you are crooked like Hilleary Clinton” Enda Shabia ati Habal Belia keytqdmeki eyu negeratom kulu.

    • Simon G. June 23, 2018

      ኣንታ ሰመረ ሓውና፣
      ብለባምካ! These are the dumb of dumbest people we have to deal.
      Gave over! Which game? For which game is that we have lost many thousands of your Eritreans?
      These people (if we dare to call them that), their only job is to repeat what the criminal in Adi Halo has to say. This is the bitter truth.
      If tomorrow, somehow when he is drunk, isayas utters like Weyane are our friends, how long do you think that same guy you try to ask would take him to repeat that same statement. in seconds, he would start saying that and adding a little if his own.
      ———————————–
      BTW, did you see that their lobbyist, Bronwyn Bruton, said yesterday? Amazing!
      Eritrea’s high delegates were in DC and they told her issyas’ main concern is the unity of Ethiopia. The boarder thing can stay and it is not the priority.
      Who do you think this guy works for? Those dumb and dumber followers think he is the Eritrean president. Still…

      • Simon G. June 23, 2018

        Sorry, meant መረጸ 🙂

POST A COMMENT