Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢሰያስ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ተሳዒሩ።

ኢሰያስ ኣፍወርቂ ነቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ዝተፈጸመ ስርሒት ኣመልኪቱ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ክዛረብ ምስ ሰማዕኩዎ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ንኢሰያስን ሓበሬታን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ቃለ ምስክርነት ተዘኪሩኒ። እቲ ሓርበኛ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ኣብ ዘካየዶ ቃለ

ኢሰያስ ኣፍወርቂ ነቲ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ዝተፈጸመ ስርሒት ኣመልኪቱ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ክዛረብ ምስ ሰማዕኩዎ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ንኢሰያስን ሓበሬታን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ቃለ ምስክርነት ተዘኪሩኒ። እቲ ሓርበኛ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ ኢሰያስ ካብ መጀመርያ 70ታት ኣትሒዙ ንሓበሬታ ብኸመይ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኡ የውዕሎ ምንባሩ ክገልጽ እንከሎ፡  “ኢሰያስ ንኹሉ ነገር ዝተዓወተሉ ዘድልዮ ሓበሬታ ኣብ ዘድልዮ ሰዓት ክረክብ ምኽኣሉ ኢዩ። ንሱ ንዘይደልዮም ሰባት ካብ ሓበሬታ ምኹናን ከኣ ኣብ ኢዱ ኢዩ ነይሩ” ኢዩ ዝበለ።

ኣብ’ዚ ሓጺር ናይ 14 ለካቲት 2013 ቃለ መጠይቕ’ውን ኢሰያስ፡ “ሚድያን ዲስኢንፎርመሽንን ኣብ  ኩሉ ተዘርጊሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን” እናበለ፡ ንኤርትራውያንን ኤርትራን ዝምልከቱ ሓበሬታታት ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ክዝርግሑን ክርከቡን ምኽኣሎም ክሳብ ክንደይ ከምዘቖጠዖ ዘየረዳኣና ኣይኮነን። ንእግሪ መንገዱ ድማ መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምጸላኢኡ ከም ዝርእዮ ኣረጋጊጹልና። ኢሰያስ ሓበሬታ ምርካብን ምሃብን ከም መሰልን ግቡእን ዘይኮነ፡ ከም መፋተውን መጻልኢን ጥራሕ ስለዝወስዶ፡ በዚ ናይ ሓበሬታ ዘመን ዝቑጣዓሉ ዘሎ ምኽንያት እቲ ቀንዲ መሳርሒኡ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ ኢዱ ስለዝመለቖ ኢዩ። ምስጢራውነት ስርዓቱ ንጎኒ ገዲፍና፡ደለይቲ ፍትሒ ኣድላይነት ሓበሬታ ስለዝግንዘቡዎን ሓበሬታ ምርካብን ምዝርጋሕን ሕቶ መሰል ምዃኑ ስለዝርድኡን፡ ዝረኸቡዎ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ከብጽሑዎ ምጉያዮም፡ ንኢሰያስ ሕማም ዓሶ ርእሱ ዘዘኻኽሮ ጉዳይ ምዃኑ ክንዝንግዖ ኣይግባእን።

ኣብ’ቲ ንሱ ኣብ ማይ ከምዝኣተወት ኣንጭዋ ድምጹ ኣጥፊኡሉ ዝነበረ፡ ኣብ መንጎ 21 ጥርን 14 ለካቲትን ዝነበረ ናይ ሰለስተ ሰሙን ግዜ፡ መርበባት ሓበሬታ ደለይቲ ለውጢ ብመንገዲ ምንጭታተን ኣቢለን፡ ምዕባለታት ስርሒት ፎርቶ ተኸታቲለን ንኤርትራውያን ሓበሬታ ኣብ ምስናቕ ተጸሚደን ነይረን። ካብ ውሽጢ ሃገር ዝረኸበኦ ሓበሬታት ይኹን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተቓለሐ ድምጺ ደገፍ ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሓድነትን እምቢታ ንውልቀ ምልክን ብምዝርጋሕ፡  ከም ወትሩ ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ ህዝበን ደው ምባል ቀጺለን።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኢሰያስ ድኣ’ዩ ህጣሙ ኣጥፊኡ ነይሩ’ምበር፡ ብመንገዲ ከም በዓል ግርማ ኣስመሮም ዝኣመሰሉ ድንኪታት ልኡኻቱ ኣቢሉስ ዝተፈላለየ ዓይነት ቅድታትን ዓቐንን ዘለዎም ኣልባሳት ክልክዕ ዘይተራእየ ኣይነበረን። ብዕለት 14 ለካቲት 2013 ከኣ እቲ ዕሉል ውልቀ ምልካዊ መራሒ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ፡ ሓደ ኣሰልካዪ ምርኢት ቅዲ-ክዳን ኣቕሪቡልና። ንሱ ኣብ’ቲ ምርኢት ቅዲ-ክዳን ነቲ መደብ ከዳሉ ነዊሕ እዋን ከምዝሓተቶ፡ ኩሉ ዘድልዮ መማላኽዒ ከየማልአ ክርኣየና ድማ ግቡእ ከምዘይነበረ ኢዩ ደጋጊሙ ከረዳኣና ፈቲኑ። ብቓላቱ “እቲ ኩነታት ከይፈለጥካ ትርጓመታት ክትህብ ኣይክኣልን ኢዩ”።

ከምኡ እንተኾይኑ ድኣ’ሞ ዝተፈላለዩ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝርከቡ ልኡኻቱ፡ ብኸመይ መንገዲ ኢዮም ንስርሒት 21 ጥሪ እስላማዊ ባእታ ዝነበሮ ምንዕዓብ ናብ ዘምስሎ መደምደምታ ክበጽሑ ዝኽኣሉ?

ብመጀመርያ ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ምውቓዕ ሓበሬታ ብዙሕ ግዜ ከምዘጋጥም ምዝካር የድሊ። ንኣብነት ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝተፈላለየ እዋና ንውድድራት ድሕሪ ምጋሸን፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምስ ሓተታ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኮይኖም ነቲ ስርዓት ዘገልግሉ ሰበ-ስልጣን ነንሕድሕዱ ዝጋራጮ ሓበሬታት ክዝርግሑ ዝተራእዩሉ ኣገጣሚታት ብዙሕ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢሰያስን ልኡኻትን እዚ ጸገም ኣጋጢሙዎም ክኸውን ይኽእል።

እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ምናልባት ኢሰያስ ልኡኻት ከምዘለዉዎ ረሲዑ፡ ሓበሬታ ከይሃቦም ጸኒሑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካልእ ምኽንያት፡ ንዓኣቶም’ውን ከም ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጸላእቱ መዲቡ ሓበሬታ ኮኒኑዎም ይኸውን። ብዘይካ’ዚ እቲ ቀላይ ክሳብ ክንደይ ዝሑል ወይ ምዉቕ ምዃኑ ክፍቱኑሉ፡ ደፊኡ ናብ’ቲ ቀላይ የእትዩዎም ክኸውን’ውን ዘይክእል ኣይኮነንስ ኢሰያ። ኣብ’ዚ እቲ ናብ ልክዕ ዝቐረበ ምኽንያት፡  ኢሰያስ ፈጺሙ ስለዝሓርበቶ፡እቲ ንልኡኻቱ ከመሓላልፉዎ ዝነገሮም ሓበሬታት ዝረኽቦ ግብረ መልሲ መዚኑ፡ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ብዛዕባ ዘስምዖ ዘረባ ቅድመ-ምድላው ኣብ ምግባር ከኽእሎ ዝተሃንደሰ ምንባሩ ዝግምቱ ወገናት’ውን ኣለዉ።

ኢሰያስ ልኡኻቱ ነቲ በቶም፡ “ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካን ስግረ ዶብን ክፍትሑን” ዘስምዕ መግለጺ ከምዝቃላሕ ዝገበሩ ተባዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝተኻየደ ስርሒት፡ እስላማዊ ኣጀንዳ ከምዘለዎ ኣምሲሎም ዝዘርግሑዎ ሓበሬታ ንህዝብና ኣስሚሩ፡ ንዓኣቶም ተመሊሱ ርእሶም ክሰብሮም ምስ ርኣየ፡ ኣብ ልዕሊ ዘላታ ተወሰኸታ መሊሱ ክድሃል ባህርያዊ ኢዩ። ምኽንያቱ ሓበሬታ ከም ቀንዲ መሳርሒኡ ኣብ ኢድ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ርእሲ ምውዳቑ፡ ድሒሩ’ውን እቲ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ን40 ዓመታት ንህዝብና ዝገዝኣሉ ርኹስ ሜላ ህዝብና ስለዝንቕሓሉ፡ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ተሪፉ።

በዚ ኢሰያስ ኣብ ክልተ ወሰንቲ ግንባራት ተሳዒሩ።  እቶም ተባዓት ሓርበኛታት ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ “እምቢ ንምልኪ” ክብሉ ኣብ ፎርቶ ብተግባር ብዘስምዑዎ  ድምጺ፡ ኢሰያስ ክብዳህ ከምዝኽእልን፡ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻሉን ኣንጻር ውልቀ ምልኪ ኣብ ሓደ ግንባር ዓሪዶም ምህላዎም ክስቆሮ ስለዝገበሩ ግን፡ ቀዳማይን ቀንድን ስዕረቱ ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ 2013 ኢዩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ስርሒት ኣብ’ተን ክልተ ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ግንባራት ዘጋጠሞ ፍሽለት ጎሊሑ ከምዝንጸባረቕ ስለዝገበረ’ውን፡  ምረት’ቲ ስዕረት ምጽዋር ክስእኖ ናይ ግድን ኢዩ።

ብዝኾነ ኢሰያስ ኣብ 14 ለካቲት ነቲ ብተለቪዥን ኤርትራ፡ ኣብ’ታ ታሪኻዊት ዕለት (21 ጥሪ) ዝተቓለሐ፡ ንትግባረ ቅዋምን ምፍታሕ እሱራት ፖለቲካን ዝምልከት መግለጺ ከልዕሎ ዝተጸበዮ’ውን ኣይነበረን። ንሱን ሚኒስተራት ስርዓቱን ኩሎም ኣብ’ቲ ቦታ ከምዝነበሩ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብሓባር ከምዝመኸሩን ክዛረብ ክትሰምዖ እንከለኻ ግን፡ልክዕ ከም’ዚ ሓደ መስሓቕ ዘረባ ዝተዛረበ ክርትም ኢልካ ስሓቕ ኢዩ ዝመጽኣካ። ካብ መዓስ ድኣ’ዩ ንሚኒስተራት ከም መዛኑኡ ብሓባር ምስኣቶም ክመክር ጀሚሩ ኢልካ ክትሓስብ ባህርያዊ ኢዩ። ኮን ዶ ኾን እታ ጉዳይ እንተጸንከረት፡ ከም ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝገበሮ፡ “ንዑ ድኣ በጃኹም በይነይ ኣይትግደፉኒ” ኢሉ ብእጅጎኦም ሒዙ ክልምኖም ሓሳብ ነይሩዎ ኮይኑ? ኢሰያል ልክዕ ከም ኩሎም ቅድሚኡ’ውን ኣብ’ዛ ዓለም ዝተራእዩ ውልቀ-መለኽቲ፡ “ስልጣን ንበይነይ ምማት ምስ ሰበይ” ዝብል ኣካይዳ ክኽተል ናይ ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ እታ ናይ ኩሎም መጽሓፍ ሓንቲ ኢያ። ስልጣን ክሕዙን ስልጣን ክዕቅቡን ህይወት ክንደይ ሚልዮናት ሰባት ከምዘየጥፍኡ፡ኣብ መወዳእታ ነታ ሓንቲ ህይወቶም ከድሕኑ ብድሕሪ ደቆም ክሕቡኡ ኢዮም ዝርኣዩ። ኢሰያስ ካብኣቶም ዝፍለየሉ ምኽንያት የለን። ካብ ኩሎም እቲ ዝሓሰመ ብምዃኑ እንተዘይተፈልዩ ማለት ኢዩ።

እምበኣር ኢሰያስ ኣብ 14 ለካቲት 2013 ከምኡ ኢሉ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ክዛረብ ክትሰምዖ እንከለኻ፡  ልክዕ ከም ኩሉ ካልእ ግዜ ቃለ መጠይቕ ክገብር እንከሎ፡  ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢልካ ትሓተሉ እዋናት ነይሩ። ቅኑዕ ሕቶታት’ውን ኣይተሓተን’ሞ፡ ግን እቲ ዝድርብዮ ዝነበረ ቃላት ፈጺሙ ትርጉም ዝህብ ኣይነበረን። ኢሰያስ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ እንክዛረብ፡ ንስለ ምዝራብ ኢሉ ዝዛረብ ዝነበረ፡ መልኣኹ ዝሃደመ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ዘይስምዖ ሓይሊ ከርኢ ህርድግ ዝብል፡ ዝተደናገረ ሰብ ምንባሩ’ውን ካብ’ቲ ቃለ መጠይቕ ምርዳእ ይክኣል ነይሩ ኢዩ።

ሓቂ ኢዩ ኢሰያስ፡ ነቲ ኩነታት ከነኣእስ ኩሉ ዝክኣሎ ክገብር ፈቲኑ ኢዩ። ይኹን’ምበር ኣይተዓወተን። ምኽንያቱ ንሱ ንባዕሉ’ውን ነቲ ብመልሓሱ ዝዛረቦ ዝነበረ ከይኣመኖ ኢዩ ተሪፉ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ምሩጻት ንነጻነቱ ዝተላዕሉ ጀጋኑ ከፊሉ፡  ብግደኡ ንኢሰያስ ኣብ መዳይ ሓበሬታን፡ ምፍሻል ፈላሊኻ ግዛእን ረቲዑ ኣምበርኪኹዎ ኣሎ። እዚ ምሉእ ዓወት ዝኸውን ግን፡ እቲ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንህጹጽነት ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ግምት ብዘእቱ መንገዲ  ናህሪ ውሲኹ፡ ኣብ ምዕራፉ ብምብጻሕ ሕድሪ ሰማእታት ምስ ዝትግብር ጥራሕ ኢዩ።

ኤደን ኢያሱ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT