Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ኢሰያስ: ሰብ መሰል እንስሳ፡ንህዝቢ ኤርትራ ነንሕድሕዱ ከም ዝብኢ ክዋዳእ፡ ተላኢኹ ዝመጸ ኢዩ።” – መልኽእቲ ሓደ ዝጎሃዩ ‘ቦ

ክቡራትን ፍቱዋትን ደቂ ኤርትራ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፍ ምስ ሓደ ተባዕ ኣቦ ናይ ዕድመ ብዓል ጸጋ ዚኾኑ ዝገበርኩዎ ዕላል ኢዩ።እዞም ተባዕን ብዓል ሓቦን ዝኾኑ ኣቦን፡ኣነን ድማ ኣብ ሆላንድ ንነብር።   ዚኸበርካን ዚተፈተኻን ኣማኑኤል ወደይ   ብመጀመርያ እቲ ንወዲ

ክቡራትን ፍቱዋትን ደቂ ኤርትራ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፍ ምስ ሓደ ተባዕ ኣቦ ናይ ዕድመ ብዓል ጸጋ ዚኾኑ ዝገበርኩዎ ዕላል ኢዩ።እዞም ተባዕን ብዓል ሓቦን ዝኾኑ ኣቦን፡ኣነን ድማ ኣብ ሆላንድ ንነብር።

 

ዚኸበርካን ዚተፈተኻን ኣማኑኤል ወደይ

 

ብመጀመርያ እቲ ንወዲ ሰብ ዓንዲ ሕቆ ሕይወት ዚኾነ ጥዕና’ዩሞ፡ኣብሕይወትካ ምሉእ ጥዕና፡ ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቃሳትካ ድማ ዓወትን ኣሳልጦን እናተመነኹ፡ እግዚኣብሔር ድማ ብጽላሉ ክሕልወካ ናይ መዓልታዊ ጸሎተይ እዩ።

ኣነ ብሕይወት ክሳብዘለኹ ኣብ ጎድንኻ ኣሎኹ፡እዚ ጸልማት ድነ ክቅንጠጥ ኢዩ፡ ክወግሓልና’ዩ ኣጆኻ ዝወደይ።እዚ ትገብሮ ዘለኻ ሰናይ ግብሪ ንህዝብኻን ንሃገርካን ኣምላኽ ብዕሉ ጽላሉ የንብረልካ።

እዚ ገበል ኣፍዑት ኢሰያስ ዚብሃል ለይትን መኣልትን ክውሕጦን ክቀትሎን፡ ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ፡ ከም ገጻብ ኣድጊ፡ ጭርናዕ ኮንካ ኣብ ቁስሉ ኮፍ ኢልካ ቦግቦግ ተብሎ ኣለኻ። ምስ ተሓባበርትኻን ህዝብኻን ድርብይ ክተብሎ ቀሪብካ ኢኻ።ነቲ ጽቡቅ ትገብሮ ዘለኻ፡ምእንቲ ውጹዕ ተእውዮ ዘለኻ፡ ኣፍ ውጹዓት፡ምርኩስ ድኹማት ኮንካ ንፍትሒ፡ንመሰል፡ ንዲሞክራሲ ስለ ትጭድር ዘለኻ ኣምላኽ ክሕግዘካ ኢዩ፡ ኣምላኽ ዓስቡ ክህበካ ኢዩ።እሾኽ ብበላሓ ትፍጠር ከም ዝብሃል፡ እዚ ረሳሕ ስርዓት ከም ሳዕሪ ሮማዲ ኣስፋሕፊሑ ንህዝብና ዚሳቅዮ ዘሎ፡ ንስኻ’ውን በሊሕ እሾኽ ኮንካ ትሳጽዮ ኣለኻ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓዘቅትን ታኼላን፡ ጸሊም ናብራን ወጺኡ፡ ህዝቢ በብሃይማኖቱ ምስ ኣምላኹ ክራኸብ፡ ቅዋም ወይ ሕገ መንግስቲ ተተግቢሩ፡ ንመራሒኡ ቆጽሊ ኣንቢሩ፡ መራሒኡ መሪጹ ብዲሞክራስን ፍትሕን ቀሲኑ ክነብር፡ ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ፡ ዝኾነሉ ጊዜ የምጽኣሉ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ክንዲ ዘኾለሰ ኢዱ ተነኺሱ፡ እዚ ኣይኮነን ሞሳኡ ኤርትራዊ። ኣታ ህዝቢ ንዘመናት ተጮቂንካ ኢኻ’ሞ፡ኣዕርፍ ክብሃል’ዩ ዝግብኦ ኔሩ። ሕጂ ግን ብኣንጻሩ፡ንሪኦ ኣለና ኣዴታትን ኣቦታትን፡ ሕቆኦምን ኣእዳወሞን ነቂዑ፡ ወሊዶም ኮስኪሶም ዘዕበይዎም ጀጋኑ ደቆም ኣወዳቶምን፡ ኣዋልዶምን፡ ደሞም ኣፍሲሶም፡ ኣዕጽምቶም ከስኪሶም ዘምጽኡዋ ናጽነት፡ብኢዱ ድማ ንስውኣት ክሒዱ፡ ሓርነት ህዝቢ መንጢሉ፡ መሳኪን ወለዲ ኣብ ማል(እንስሳ) ቀይርዎም ይነብር ኣሎ።

ኢሰያስ ዝብሃል ሰብ፡ ሰብ መሰል እንስሳ፡ንህዝቢ ኤርትራ ነንሕድሕዱ ከም ዝብኢ ክዋዳእ፡ ተላኢኹ ተመሪጹ ዝመጸ ሰብ ኢዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ወዲ ከበሳ መሲሉ፡ ኣብ ማእከል ኣትዩ ፋሕ ብትን፡ ዘይምስምማዕ፡ ዘይምክብባር፡ ዘይምጽውዋር ባህሪ ወይ ጠባይ ኣብ ሕብረተሰብና ኣእትዩ፡ንገዛእቲ ከም ዝጥዕም ስትራተጅኡ ሓንጺጹ ተሃንዲዱ ዝመጸ ምጻእ ኢዩ። ልኣኽቱ ድማ ሚንስተር ወይ ኣማሓዳሪ ናይ ኤርትራ ዝነበሩ፡ ኣስራተ ካሳ ኣብ ቃኘው እናተራከበን፡ምስ ሓወብኡ ሚንስተር ኣብርሃ ዝብሃልን ካልኦትን ኣማሓደርትን እናተራኸበ’ዩ ስርሑ ዘገልግል ዝነበረ፡ ስለዚኢሰያስ ንኤርትራ ኣይውለዳ ብስጋ፡ ኣይንጸፋ ብኣልጋ፡ ስለዝኾነ’ዩ ድማ፡ማይ ዘይኮነ ደም ዘንብዓና ዘሎ፡ ስለዚ ህዝብና ክነቅሓሉ ዘሎዎ ነዚ ተረዲኡ፡ ኣረኣእያና ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ፍልልያትና ግን ክጸብብ ኣሎዎ፡ ምእንቲ ውጹዕ ህዝቢ።

ኣምላኽ ጥዕናን ዕድመን ይሃበኒ ኣብ ዚመጽእ ዝፈልጦ ታሪኽ ብሰፊሑ ክዝርዝር ኢየ። ክሳብ ሽዑ ግና ዕድመን ጥዕናን ንኹልና፡ ሰላምን ሓነትን፡ ፍትሕን ዲሞክራሲን፡ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ።

 

ካብ ደላዪ ለውጥን፡ ፍትሕን

ማይክል ተኽለ(ብራዘር)

06-05-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
85 COMMENTS
  • Bilen May 8, 2014

    Dear my Brother Suli,
    Assenas articles are like cancerogen to you. Please dont read assena. I concern of ur healthy. u are alone here. or do you wont to join us, u are welcome my dear, dont waste ur golden time. unless it is better to read meskerem, alenalki…..

  • Nahom May 9, 2014

    Dear Bilen

    Sulaiman in a previous post confessed that his family members are serving

  • Nahom May 9, 2014

    Dear Bilen
    continuation

    Sulaiman in a previous post confessed that his family members are serving the mafia regime in different levels, and this is his reason to support the dictator. But he will join us once the predator dissolves, detains or kills one of his family members.

  • keih May 10, 2014

    haki beleka

  • hmmm May 10, 2014

    Mighty

    You call that a dream? That is more like a nightmare. I hope that dream won’t come true. I don’t want Isayas to die of natural causes. I would like to see his come out of a rat hole like Sadam before he is captured and hanged. If not I can settle for a death like Gadafi begging for his life as he is shattered with bullets.

  • silent May 11, 2014

    ወይ ሰብ ዘይሰምዖ ዘይብሉ ! አረጊት ጽውጽዋይ ከም ሓዲሽ ዛንታ ምቅራብ ያኢ ቁምነገር ተረኺቡስ ንኸዳዓት ክጠቕም..ሃይሃት !!!
    እታ ጽብቅቲ ናይዚ ምህዛዊ ሽማግለ ንአዳላዊ አሰና፣ ጭርናዓ ስለ ዝበሎ አዩ፣ ናቱ ሂቡዎ…..

  • sandro May 11, 2014

    silent moron! deqiska keleka whj ywsedka mber naka da entay knbleka. donkoro!

    • wedi Keren May 12, 2014

      sielnt moron ናይ ብሓቂ ምስ መርገጽካን ኣዘራርባኻን ዝሰማማዕ ስም ምምራጽካ ዝምስገንን ዝነኣድን ኢዩ፡ ታሪኽ ናይ ገበርቲ እከይ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣብ ክንዲ ቅርሕንቲ ምትእምማን ኣብ ክንዲ ጽልኢ ምፍቅቃር ኣብ ክንዲ ቅልውላው ቅሳነት ኣብ ክንዲ ዓመጽ መሰል ምሕላው ኣብ ክንዲ ኣቦይ ጽናሕ ኣነ ክዛረብ ኢሂን ምሂን ምባል ኣብ ክንዲ ናብ ገድልን ህጉምን ደልሃመትን ኣብ ጥጡሕን ብርሃንን ቅርዓትን ምንባር ኣብ ክንዲ ኣፍን ኢድን ጋዜጠኛታት ምዕባስን ምእሳርን ነጽ ፕረስ ምስ ዝገብር’ዩ ዝርሳዕን ዝሃስስን፡ ግን ወግሐ-ጸብሐ ከም ወጮ እንተ ቀጺሉ ነቲ ክርሳዕን ክሃስስን ጀሚሩ ዝነበረ ኣነስታይ መንሽሮ ዝዓይነቱ ቁስልን በሰላን ስለ ዝጎድእ ናቱ ታሪኽን ኣመጻጽኣን ዝፈልጡ ኩሎም ከቃልዕዎን ምስጢሩ ከቃልዑን ሎሚ ኢዩ ግዜኡ፡ ስለዚ ኣብ ክንዲ ሃለውለው ጽን ኢልካ ከም ዕረን ዓንደልን እንዳ መረረካ ነቲ ሓቂ ንምስማዕ ብሃንቀውታ ተጸበ ምናልባት እታ ጮግራፍ (ኩርማጅ) ናይ’ዞም ክቡር ኣቦ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም ንዓኻ’ውን የርከበልካ ወይ ኣርኪቡልካ ከይኸውን። ሰናይ ቅነ

  • Bilen May 11, 2014

    Dear Nahom,
    it is true, what u said. what a pity to wait till dictator kills or ditains once of the member family then to Oppose him. to me it is meaningless & selfishness. A Person with healthy brain & who lives in freedom like in europe or USA must have to think, why is he/she living there? How is to enjoy democracy?….. or just to compare the live within and outside Eritrea specially in western.
    so sorry to ur people. I hope & pray that God show us his love & forgivness.
    God bless my poeple

POST A COMMENT