Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢራን ንኵልየራዊ ንጥፈታታ ከተጕድል ተሰማሚዓ።

ኢራን ኣብ ጀኔቫ ድሕሪ ዝተኻየደ መዓልታት ዝወሰደ ጽዑቕ ዘተ፣ ሎሚ ንጉሆ 24 ሕዳር፣ ንኵልየራዊ ንጥፈታታ ብኸፊል ከተጕድል፣ ኣመሪካ ምስ እትርከበን 6 ወንነቲ ንኵልየር ዝኾና ሃገራት ከምዝተሰማምዐት ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ኢራን፣ ኣምሳያ ናይቲ ኣትያቶ ዘላ ውዕል፣

ኢራን ኣብ ጀኔቫ ድሕሪ ዝተኻየደ መዓልታት ዝወሰደ ጽዑቕ ዘተ፣ ሎሚ ንጉሆ 24 ሕዳር፣ ንኵልየራዊ ንጥፈታታ ብኸፊል ከተጕድል፣ ኣመሪካ ምስ እትርከበን 6 ወንነቲ ንኵልየር ዝኾና ሃገራት ከምዝተሰማምዐት ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኢራን፣ ኣምሳያ ናይቲ ኣትያቶ ዘላ ውዕል፣ ብሰንኪ ኣህጉራዊ እገዳ ክትከስሮ ዝጸንሐት 7 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ቁጠባዊ ንጥፈታት ሕድገት ክግበረላ እዩ።

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ፣ እቲ ውዕል ንኢራን ንኵልየራዊ ኣጽዋር ካብ ምምዕባል ብኸፊል ዝዓግታ ስምምዕ ምዃኑ ብምጥቃስ ብኣውንታ ከምዝተቐበሎ ተገሊጹ።

በቲ ውዕል መሰረት፣ ኢራን ኣህጉራውያን ተኸታተልቲ ንኵሌየራዊ ትካላት ናይታ ሃገር ነጻ ኮይኖም ክዕዘቡ ዝሓሸ ኣፍደገ ክትከፍተሎም፣ ከምኡ ‘ውን ዩራንዩም ናይ ምኽዕባት ንጥፈታታ ከተጕድል እያ።

እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ወንነቲ ንኵልየር ዝኾና 6 ሃገራትን ዝተበጽሐ ኣፈናዊ ስምምዕ፣ ኣብ ዓለም ከም ታሪኻዊ ምዕባለ ናይቲ ቀጺሉ ክስዕብ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝዓበየ ውዕል ብተስፋ ይዝረበሉ ‘ኳ እንተሎ፣ እስራኤል ነቲ ውዕል ብምንቃፍ፣ በቲ ስምምዕ ከምዘይትቕየድ ኣፍሊጣ።

እዚ ናይ ሎሚ ስምምዕ፣ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣህጉራዊ ተነጽሎ ኣጋጢሙዋ ዝጸንሐት ኢራን፣ ካብ ግሉልነት ክትድሕን ኣብ እትገብሮ ጉዕዞ ኣሰር ዘለዎ ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Meretse Asmelash November 24, 2013

    ለውጢ ማለት ከምዚ እዩ። እቶም ዝሓለፉ መራሕቲ ኢራን ንዓለም ከምበርክኹ ዝፈተንዎ ፈተነ ኣይሰርሐን። ብኣምሳይኡ እዃ ደኣ ሃሰያ ኣስዒቡ። ነዚ ዝተረድኤ ሓሰን ሮሃኒ ለውጢ ዝብል ጮርሖ ሒዙ’ዩ ተበጊሱ፣ ብኡ ከኣ ተመርጹ። እቲ ዘገርም ኣብ ውሑድ ኣዋርሕ ንዝኣተዎ ኪዳን ኣብ ተግባር ኣውዒሉ። ጽቡቅ ኣርእያ። እንተ ናይ እስራኤል ነገር ግን ኩሉ ግዜ ዎዮ እዩ። ኣብ ዘይጉዳይና ደኣ ከይንኣቱ’ምበር እስራኤል ሕንቅቅትን ዘይትዓብን ቆልዓ ኣሜሪካ እያ። እንተሓዘለታ ኣውርድኒ ትብላ፡ እንተ ሓቆፎታ ሕዘልኒ ትብላ፡ ሞዅታ ማለት….

  • Antinun November 24, 2013

    I do not care about Iran. I care about Eri and my people.

  • haile November 24, 2013

    We do not about Iran but been filexsible with the world are the best to your nation

    • Awet November 24, 2013

      Really Haile:
      It’s norm and a good thing for Eritrea and Eritreans to learn and stay up to date on the world affair. We need them they need us.

      • samuel November 24, 2013

        we need them ,but they dont need us,,,,,,,,,,,

  • Truly Truly i say to you November 24, 2013

    Meretse Asmelash, i see in your point of view as you have wrong understanding about the matter: So it is better if we concern only about our internal affairs. For all of us it is better if we don´t interfere about external issues. Finally we are writing here not because we politicians are, but when our people exterminating and our nation destroying as citizens because it obliges us and every family direct or indirectly because victimizing by worst ruthless regime it is only.

  • ahmed saleh November 25, 2013

    My stand is against nuclear weapons . But is there is fairness in our world ? How come to let and
    assist ISRAEL to own nuclear weapon and then go after others threatening not think about that ?
    Double standard create an atmosphere of mistrust and suspicion like middle east verse USA government .

  • Zeray November 25, 2013

    አራን ኣህጉራዊ እገዳታት ንዝተገብረላ ብብዙሕ ድፕሎማቲካዊ ክእለት ከተግድሎ ኪኢላ። ብንጻሩ ኤርትራ ድማ ምስ ሃገራት ጽልኢ እንዳፈጠረት ባዕላ ትእገድ፡፡

    Iran is able to diplomatically reduce the sanctions that were put in the past, whereas Eritrea keeps creating a self imposed sanctions by having tantrums with world leaders.

POST A COMMENT