Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

አገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ

አገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ ሃገርናን ህዝብናን ዝሐልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ብሩህ ስለዝኾነ ምሕባር ዘድልዮ አይኮነን። ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ንነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዝምልከቶን ናቱ እጃምን አበርክቶን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ  ናቱ ዘለዎ ርእይቶን እምንቶን ብነጻ

አገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ

ሃገርናን ህዝብናን ዝሐልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ብሩህ ስለዝኾነ ምሕባር ዘድልዮ አይኮነን። ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ንነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዝምልከቶን ናቱ እጃምን አበርክቶን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ  ናቱ ዘለዎ ርእይቶን እምንቶን ብነጻ ብዘይ ተጽዕኖ ከሳትንፍን ከዋስእን ከም ዘለዎ’ውን ውሁብ ጉዳይ ኢዩ።

አብዚ እምንቶ’ዚ ምርኩስ ብምግባር ከአ ኩሎም እቶም አብ ሃገርና ኤርትራ ፍትሕን ርትዕን ክነግስን፣ ብልዑላውነት ናይ ሰብ ዘይኮነስ ብልዑላውነት ግዝአተ ሕጊ እትመሐደር፣ ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፈና ንኹሉ ከአ ብማዕረ እትሐቁፍ  ደሞክራስያዊት ሃገር ንምግባራ ዝሕልኑ ኤርትራውያን ፣ ነጻ ዝኾነ መዋስእን መዛተይን ህዝባዊ ባይቶ ክምስርቱ አገዳሲን እዋናዊን ጥራሕ ዘይኮነስ መድረኻዊ ግዴታ ኢዩ።

ድሕሪ መቕዘፍቲ ላምፓዱሳ አብ ኩሉ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ፖለቲካዊ ዝንባሊታቶምን ቦታኦምን  ብዘየገድስ ንኹሉ ዝሐቁፍ፣ ነጻ ዝኾነ ናይ  ዘተ ህዝባዊ ባይቶታት አቚሞም ኢዮም። አብ ከተማ ሳን ድየጎ’ውን ግዱሳት ዝኾኑ ኤርትራውያን ተአኪቦም ህዝባዊ ጥርናፈ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝብል መጠራነፊ ስም አውጺኦም፣ ብተመሳሳሊ ተበግሶ ብምውሳድ  ንዝተወደበ ይኹን ንዘይተወደበ ዝጥርንፍ ህዝባዊ ባይቶ ንምቛም ጻዕርታት ከካይዱ ጸኒሖም ኢዮም። ናብ ኩሉ ደላይ ለውጢን ፍትሒን ዝኾነ ኤርትራዊ  ምብጻሕ’ሞ፣ ብኡ አቢልካ ከአ  ዕላዊ ዝኾነ  ህዝባዊ ባይቶን ንዕኡ ዘማእክል ብኹሉ ሰብ ዝተመርጸት ሽማግለ ንምቛም  አኼባ ናይ መላእ ህዝቢ ምግባር አገዳሲን እዋናዊን ምዃኑ ተገንዚቦም፣ እንሆ ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ለውጢን ዝኾነ ተቐማጣይ ከተማ ሳን ድየጎ መጸዋዕታ አኼባ የቕርቡ።

አኼባ ዝግበረሉ ቦታ / PLACE            595 HOTEL CIRCLE SOUTH

MARRIOTT COURTYARD SAN DIEGO, MISSION VALLEY

 

ሰዓት / TIME                    4:30 ድሕሪ ቀትሪ / PM

ዕለት / DATE                    March / መጋቢት  30, 2014

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT