Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

አንቲ ግቦት….

መስከረም ”ኻሕ” በለት ንግንባት ወለደት ሴኔ እውን ግደኣ ኣሸሓት ኣጉባዝ ወሰደት ናጽነት ረኺብና ተደቢስና ክንብል ከሪምና ግን ኸፊእና ካብ-ንብለሲ ዓመታት አቑጽርና እቲ ካልእ ሴኔ ምስ ሰወደት ምሰ ሰነነት ምሰ ስስዓ ጥልመት ሽርኽነት ገጠመት አሻሓት ወሲዱ ገና ከይካሓነት ክጻውንቲ ደለየት ምንም ከይናሓፈት ደም ገንሸል

መስከረም ”ኻሕ” በለት ንግንባት ወለደት

ሴኔ እውን ግደኣ ኣሸሓት ኣጉባዝ ወሰደት

ናጽነት ረኺብና ተደቢስና ክንብል ከሪምና

ግን ኸፊእና ካብ-ንብለሲ ዓመታት አቑጽርና

እቲ ካልእ ሴኔ ምስ ሰወደት ምሰ ሰነነት

ምሰ ስስዓ ጥልመት ሽርኽነት ገጠመት

አሻሓት ወሲዱ ገና ከይካሓነት

ክጻውንቲ ደለየት ምንም ከይናሓፈት

ደም ገንሸል ግንባት ገና ከይዘፈፈ

ገዛ ዝአተወ ገና ከየዕረፈ

ንኩናት ደአ ሰደድኽዮ ሰኸሙ ከየራገፈ

ይአኽሎ ከይበልኪ እቲ ዝሓለፈ

ኣንቲ ግንባት ዘይአኽለኪ ዝወሰድክዮ ትማሊ

ዘይትብና ግዳ ዋጋ መስዋእነት ኸርትት ገድሊ

በጃኪ አይፋልክን ግንባት ገጽኪ አይትኸውሊ

ዋጋ ሰማእታትና መኸራ፡ስቓይ ስደት ትዕድሊ

ቀያሕቲ ኸፊልናስ ድክነት ተግዝሚ

ኣንቲ ግንባት ክንደይ ከ? ትጭክኒ ክንደይ ትሓስሚ

ብሰንክኺ ተሳቒና መሪሩና ገድሊ

ለካሚትና ሃስያኪ ዘይበሊ

ኣሙዕትካ ዝቐርጽ ናትኪ ዝኽሪ

ኣሕ እብል እነኹ መሪሩኒ ኸትሪ

አጉባዝ ተጥፊኢ ብዘይወሕስ-መስካሪ

ኣንቲ ግንባት ዋጋኺ ስእነ እነኩ ኸሰርኩ

ፍረ ደም ኣያይ መሰለይ ምስ ተመንጠልኩ

ጨኒቅኒ ኣንፈተይ ምስ አጥፋእኩ

ስቓይ በርቲዕኒ እቓዝም እነኩ

ሞራለይ ሰፊፈ እነኹ የዕነኒ

ጎኒ ሲእነ ኣዊያተይ ዝሰምዑን ዝርድኡ

ጸገመይ በርትዑ እነሆ አብ መወዳእትኡ

ኾይነ እነኹ ጠጠው ዝበለ ኣእሙርኡ

በሉ የሕዋት ንተሓጋገዝ ብፍቅሪ ንሕና ብንሕና

ገለ ፍረ ስውእ ማልስ እንተረኸብና

ግንባትን ሴኔን ካብ ጨኸናልና

ንጠመር ብሓደ ክንመልስ መሰልና

 

Dr. Zeweldi

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Mike April 30, 2016

    Dr.Zeweldi ኣእምሮካ እምባኣር ፈዚዙ ሞራለይ ውን ተሰቢሩ ትብል ኣለካ ።ሞራል ክትረክብ ክትሰንቅ እኮ ሃገርካን ህዝብካን ጠሊምካ ምስ ጋና ምስ ጸበብቲ ርእሲ ተቃሊስካ ሞራል ክትረክብ ኣይትሕሰብ ።ንስካ ውን ኣብቲ ሓሸውየ ናይ ጸበብቲ ርእሲ ተለካ ሕማም ካንሰር ኣለካ ማለት እዩ ፎሲ ውን የብላን ።ፎሳ ከምዛ ተስተማስላ ዘለካ እያ ፎሳ ንባዕልካ ውን Dr እየ ትብል ዘለካ ግን ትምህርትካን ምስ መን ተጸንቢርካ ትሰርሕ ከም ዘለካ እንተዝርዳኣካ ጹሑፍ ን Assena ኣይምሰደድካን ናይ ሓስት ገዛ ስለ ዝኮነት ።ስለዚ ኣይተስተማስል ዓዲ ኣለካ እቶ ግን ሕማምካ ፈዊስካ መርሓባ ኣይኮነን ኣብቲ ዘካዮ ኣሪግካ ትረፍ።

    • Berhe Tensea May 3, 2016

      Mike,
      I really really feel sorry for you, because you are too stupid to understand the plight of the Eritrean people, mind you few weeks ago the dictatorial regime has killed the young in Asmara and terrorized baal ady Amleset, Mebrat Fato, and hundreds of children.
      Dr Zeweldi is a human being and a father and afamily man, and knows God and the judgment day.
      He has the moral judgment .
      He doesn’t want want to account later on, you are a well known tatula and remember that you can’t hide you IP IP is the witness.
      I hope and wish you a very deep agony and sorrow in the near future and be more than equal to what our people are feeling at this time.

  • Berhe Tensea April 30, 2016

    May is the month that martyrs were gift was stolen from the hands of the Eritrean people. This month is the begging of the agony and suffering of the people unseen in its entire history.
    How can one celebrate independence under PFDJ.
    The result of independence is that, torture, hunger, the building of hundreds of prisons, uncontrolled migration of the people, the total control of the youth in concentration camps, the sale of eritrean vital organs, the shooting and disappearance thousands of innocent Eritreans.
    As far as I am concerned, I am only in mourning on this month.

  • Berhe Tensea April 30, 2016

    Thank you for this wonderful poem. Keep it up.

POST A COMMENT