Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ን ዚምባብወ ን 37 ዚመርሓ ሮበር ሙጋበ በቲ ዓንዲ ሕቖ ስልጣኑ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ Zanu-PF ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ።

ን ዚምባብወ ን 37 ዚመርሓ ሮበር ሙጋበ በቲ ዓንዲ ሕቖ ስልጣኑ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ Zanu-PF ብምሉእ ድምጺ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምብራሩ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ዝሰጎጎ `ሞ ካብታ ሃገር ተሰዲዱ ዝቐነየ ምኽትሉ ነበር ኤመርሰን ሙናንጋዋ

ን ዚምባብወ ን 37 ዚመርሓ ሮበር ሙጋበ በቲ ዓንዲ ሕቖ ስልጣኑ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ Zanu-PF ብምሉእ ድምጺ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምብራሩ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ዝሰጎጎ `ሞ ካብታ ሃገር ተሰዲዱ ዝቐነየ ምኽትሉ ነበር ኤመርሰን ሙናንጋዋ ከም ዝተክኦ ምዕከናት ዜና ዚምባብወን ዓለምን ኣቃሊሐን።

ወዲ 93 ዓመት ሮበር ሙጋበ ጽባሕ ሰኑይ ሰዓት 10:00 ንጉሆ ከም ፕረዚደንት ዚምባብወ ስልጣኑ ብወለንታ እንተዘይለቒቑ ክኸሰስ ምዃኑ `ውን ሰልፊ Zanu-PF ኣጠንቂቑ።

እቲ ብኣማኢት ላዕለዎት ሓለፍቲ Zanu-PF ሎሚ ሰንበት 19 ሕዳር ኣብ ሃራረ ብድምጺ ዝተወሰነ ስጉምቲ ምስጓጒ፡ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን  ኣትሒዙ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ሰራዊት `ታ ሃገር ካብ ስልጣን ክወርድ ዝገበረሉ መጸዋዕታ ኮነ ትማሊ ቀዳም ህዝቢ ዚምባብወ ሰራዊት ንዚወሰዶ ስጉምቲ ብምድጋፍ ዘካየዶ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ምስማዕ ዝኣበየ ሙጋበ ሃለዋቱ ናብ ዝደኸመ ደረጃ ወሪዱ፡ መወዳእትኡ ውርደትን ሕስረትን ናብ ዝዓብለሎ መስርሕ ምልቃቕ ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይእምቱ።

እቲ ብ ምርጫ ተጎልቢቡ ብደገፍ Zanu-PF ን 37 ዓመታት ስልጣን ገቢቱ ዝጸንሐ፡ ኣብ መወዳእታ ስልጣን ናብ ብዓልቲ ቤቱ ኣዝቢሉ ናይ ስድራቤት ክገብሮ ዝወጠነ ሮበርት ሙጋበ በዚ ተዋሂቡዎ ዘሎ ገደብ ግዜ ፕረዚደንትነት እንተዘየረኪቡ እቲ ንሰሙን ዝኣክል ደስኪሉ ዝጸንሐ ፓርላማ ዚምባብወ ሰሉስ ተጋቢኡ ንምኽሳሱ ስጉምቲ ክወስድ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ካብ ዚምባብወ ዝመንጨዉ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ፈጻሚ ስማግለ Zanu-PF ነታ መቓቓሊት ኢሉ ዝወቐሳ ስልጣን ክትወርስ ኣንቂዳ ዝነበረት ብዓቲ ቤቱ ንሙጋበ ግሬስ ሙጋበ  `ውን ካብቲ ሰልፊ ከምዘባረራ `ውን ተፈሊጡ።

ማዕከናት ዜና ዓለም ንምንጭታት ሰራዊት `ታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ሮበርት ሙጋበ እቲ ምምንዛዕ ስልጣን ዘይሕጋዊ ምዃኑ፡ ክሳብ`ቲ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምጉቱ ይቕጽል ከምዘሎ ኣገንዚቦም።  ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ ተስፍኡ ካብቶም ወተሃደራዊ ዕልዋ ከምዘይድግፉ ዝእመነሎም፡ እቲ ጉዳይ ብቕዋማዊ መንገዲ ክፍታሕ ክከራኸሩ ዝጸንሑ መራሕቲ ከባቢ ደቡብ ኣፍሪቃ `ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ባይታ ግን ነቲ ሰራዊት ሰበገሶ ህዝቢ ዝደገፎ ንሙጋበ ካብ ስልጣን ናይ ምእላይ ናህሪ ክዳረጉዎ ኣይከኣሉን። ድሮ ከም ፖሊስ ዝኣመሰሉ ትካላት ጸጥታ እታ ሃገር ደገፎም ንሙጋበ እናሃፈፈ ክኸይድ ከሎ፡ ደገፍቱ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን `ውን ተኣሲሮም ስለዘለው፡ እቲ ሓይሊ፡ ጉቦን ናይ ዘበነ ሓርነታዊ ቃልሲ ንየታን ሓዋዊሱ ን ኣስታት 40 ዓመታት ስልጣን ዝገበተ ሮበርት ሙጋበ ዕምረ-ስልጣኑ ናይ ሓጺር እዋን ጉዳይ ምዃኑ ፍጻሜታት የመልክቱ ኣለዉ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT