Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንገረኒ ንመን ተሓጺኻ?

ንገረኒ ንመን ተሓጺኻ? 12/24/2013 ረ.ክ.(ባሻይ) ንገርኒ………. ኣንታ ጅግና አንበሳ በረኻ ንገረኒ ንመን ተሓጺኻ? ንገረኒ……… ምሕጻይሲ ተሓጸ ጽቡቕ ትምኒት ጥንቃቐ ግን ግበር ካብ ዕንቅርቢት ይሕነና ’ለዋ ይቝነና ከይዓብጣኻ ወይዘሮ ጽገና ንገረኒ……… ምስ ጸገመን ኢየን ምስ ሕማመን ጽንሕ ኢለን ናብ ሰብኣይ ቀደመን ልቢ ግበር መንእሰይ ኤርትራ ነታ በቕሊ ህበይ ከይትሰራ ንገረኒ……… ይብላ ’ለዋ የማን

ንገረኒ
ንመን ተሓጺኻ?

12/24/2013 ረ.ክ.(ባሻይ)

ንገርኒ……….

ኣንታ ጅግና አንበሳ በረኻ

ንገረኒ ንመን ተሓጺኻ?

ንገረኒ………

ምሕጻይሲ ተሓጸ ጽቡቕ ትምኒት

ጥንቃቐ ግን ግበር ካብ ዕንቅርቢት

ይሕነና ’ለዋ ይቝነና

ከይዓብጣኻ ወይዘሮ ጽገና

ንገረኒ………

ምስ ጸገመን ኢየን ምስ ሕማመን

ጽንሕ ኢለን ናብ ሰብኣይ ቀደመን

ልቢ ግበር መንእሰይ ኤርትራ

ነታ በቕሊ ህበይ ከይትሰራ

ንገረኒ………

ይብላ ’ለዋ የማን ጸጋም ሆይ-ሆይ

ዒላመን ኣይከደን ናይ ብኣምሆይ

ሒዝካ ካብ መጻእካ ወርቂ ሽቦ

ኣጻብዕ ናይ መን’ያ ትርከቦ?

ንገረኒ…….

ብሽም ኲሕሊ ጽብቕቲ ከይትብላ

ማይ ኣቐብል ተሓጸቢ በላ

ብሽም ቝኖ ከይትኣቱ ’ብ ጌጋ

ሳዕሪ’ኮ ይርከብ’ዩ ኣብ ዕዳጋ

ንገረኒ…….

ወለዶ ተስፋና ወራስ ዓራት

እቶ-እቶ ኰይኑ ጥቓ ልዳት

እዚ ምኽረይ ኣብ ልቢ ግበሮ

ታሪኽ ኣሎ አነ ዝዝክሮ

ንገረኒ……..

ዋዛ ከይመስለካ መርዓ ሃገር

ልብኻ ደርቢኻ ከይትቋጸር

መርዓ ’ተደለኻ ለጋብ ሽቦ

ኣብ ሕጸ ተጠንቀቕ ብዓንተቦ

ንገረኒ……..

ትማል-ትማል እዚ ኩሉ ኰደብደብ

ህግደፍ ገዲፎሞ ብዛዕባ ዶብ

ወያኔ-ወያኔ ንጒሆ ምድሪ

ኣበይ ድኣ ከደ ድሕሪ ቀትሪ

ንገረኒ…….

ሕጂ ዘብዘብ ኰይኑ ንኢትዮጲያ

ወዮ መዝሙር ሓሶት ድሮ በልያ

ሕልሚ ወያኔ ድኽምቲ ኤርትራ

ተሪፋኮ ታሕቲ ተቐቢራ

ንገረኒ……….

ንሳ’ያ ሓዳሮም ባይታ-ባይታ

ተጎልቢብካ ከም እምኒ ብርኲታ

ሰብ ቀዳሞት ክንደይ ዘይርኣና

ብዙሕ ኣሎ ኣብ ጽላት ልብና

ንገረኒ…….
ኣላሻውያን ጥላም ዝተበትኮም

ግምጥል-ግምጥል ንሱ’ዩ ሓዳሮም

እምቢ ይብሉሞ ጽንሕ ኢሎም ሕራይ

ኣብ ኣፍ ልዳት ትበላሾ ውራይ

ንገርኒ………

ኣታ ጎበዝ ዘረባይ ስምዓኒ

ዓፍራ ’ይትርገጽ መሲሉካ እምኒ

ንሱ እኮ’ዩ ዘብከየኒ ቀደም

ሕጂ ድማ ካልኣይ ከይድገም

ንገረኒ…….

ይቝጸያ ’ለዋ ዕስለ ’ንስቲ

መነን’ያ ንዓኻ መናብርቲ

ጽቡቕ ደርጊ ስኒ መሊኡ’ሎ

ብፍሽኽታ ጥልመት ከይትዕሎ

ንገረኒ……….

እንተ ኣቲኻያ መርዓ ሓሶት

ጥራይካ ትተርፍ ኣብ ምልሶት

ከይትዕንቀፍ ከይትብል ደርገፍገፍ

ሓቂ ከይመስለካ ገዝሚ ህግደፍ

ንገረኒ…………

ተሪር መድረኽ ኢዩ ኣለልዮ

ኣይተረፈን ጌና ዘበን ዋህዮ

ጥራይ ኢድካ ገዛ ከይትምለስ

እሾዂ ነጊፍካ’ዩ ፍረ በለስ።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Awet Nihafash December 24, 2013

    redie kifle good job brother i really liked the poem,,, nay mintay tsigena dihri hiji,,,,keep it up delay fithi hawna

  • WaEro December 24, 2013

    One of the best tgrina writers.
    Your poems are of my liking.

  • my lovely country December 25, 2013

    እቲ ጅግና ኣንበሳ በረኻ ነታ ምስኡ ዝኣተወት ብጸይቱ ፈቲሑ ኣርባዕተ ሳዕ ተሓጽዩን ተመርዕዩን ብዙሓት ቆልዑ ስለ ዝወለደ ኣየነይቲ ሕጽይቱ ኢዩ እሞ ክሕብረካ ።ዳሕራይ ክኣ እቲ ጅግና ሸምጊሉ ስለ ዝኾነ ንዋርሳይ ንማሕጸኖም ክሳዕ ኣርባዕተ መርዑት ዝሕጸዩ።

    ዓወት ንሓፋሽ
    ውድቀት ንቐዳማይ ካልኣይን ሳልሳይን ሕጸ
    ራብዓይ ሕጸ ተዓዋታይ እዩ

    • Sorobeti December 25, 2013

      My lovely country

      ባርነት፣ ከርተት፣ ስደት፣ ድኽነት፣ ውርደት፣ ሕፍረት፣ ሞት ዝወረሰ ከመይ ኢሉ እዩ ዝምርዖ

    • Redi Kifle (bashay) December 25, 2013

      My lovely country: I respect your opinion, but, because you are focusing on your own subjective factor, you cannot see where the destination of the message is. Try to learn deeply. The poem is more than your defensive mechanism.

      bashay

  • Sorobeti December 25, 2013

    እንታይ እዮም ክጽግኑ

    ካብ ኣርባዓ ዓመት ንላዕሊ ውልቀ ምልኪ ኣብ ደሙ ዝኣተወ ኤሰያስ ክጽገን ማለት ንደርሆ ጸባ ምሕላብ ማለት እዩ።

    ዘበን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ

  • Nahom December 25, 2013

    እዛ ጽገና ትብል ዘረባ በዘይካ ኣብ መርበብ ምስዋር መስከረም ኣብ ካልእ ኣይተራእየትን።
    ወዲ ጀነራል ወይ ከም ኣመሉ ንሞራል ናይ ደለይቲ ፍትሒ ከውድቕ ወይ ድማ መምርሒ ካብቲ ኣገልጋሊ ውልቀ መላኺ ኮይኑ ዘሎ ዓርኩ ተቐቢሉ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ እምበር ህግደፋውያን ገና ከም ቀደሞም ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና፣ ንሕና ምስ መንግስትና ሸጥ መዓንጣና ይብሉ ኣለዉ።

  • Truly Truly i say to you December 25, 2013

    Wow! I not only love the poem; but i very impressed by strong deep message! ናይ ብሃቂ ረዚን መልዕክቲ! ዝፍተወካን ዘይትምነዎን ግጥሚ!

  • Tewelde December 26, 2013

    Dear my lovely country……

    ከመይ ኢሉ ወዲ ሰብ ክሳብ ክንድዚ ጸማም ዝኸውን !
    እቲ መልእኽቲ ፈጺሙ አይተረዳአካን ዘሎ ወይ ድማ ፈጺምካ ካብ ናይ ዓለም መዲያ ሪሒቕካ አሎኻ ብቲቪ ኤረን ብሓዳስ ኤርትራን ጸሚምካ ውይ የዕንትኻ ዓዊርካ አእሙሮኻ ተሽፊኑ ኢዩ ዘሎ ። ጎይቶትካ ጽባሕ ንግሆ ምስ አመሪካ ባእሲ ዘይብሎም ክንሶም ምስ አመሪካ ተዓሪቕና . . . . . . . . . . . አመሪካ ምስ ወያነ ክዓርቁና ኢዮም ወዘተ……ስልጣን ህ ግ ደ ፍ ንምንዋሕ ኢዩ አየናይ እሞ ኪልካዮ ሓሸኻ….. ዓወት ንሓፋሽ… ን መኸተን… እንዳበልካ ከይትመውት ጥራይ !!!!!
    ሓውካ ተወልደ

    • my lovely country December 26, 2013

      ሓው ተወልደ ፣

      ምናልባሽ ኣብ ኣጋላልጻይ ስንኩል ጌረ ኣቕሪበዮ ከይከውን እምበር ናይ እቲ ሽግር ኣቦ ህግደፍ እዩ።እቲ ተቓዋማይ ዝብሃል ዝጠርነፎ መንእሰይ ሓይሊ የለን።እንታይ እየ እሞ ክብል ? ብጭርሖ ንህግደፍ ምጽራፍ ሓቃውን ውድዓውን ኩነታት ይፈትሕ ዶ ? ካብቲ ሕማም እኳ እዩ እቲ ፈውሲ ገዲዱ።መልእኽተይ ድማ ነቲ ዋርሳይ ውን ብዕልግናን ብልሽውናን ክምህርዎ እንተዘይኮይኑ ፈታሒ የለን ንኽብል እየ።

POST A COMMENT