Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንድሕነት ኤርትራ’ዶ ንድሕነት ኢሳያስ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ደረጀ ደምሴ ወዱ ንጀነራል ደምሴ ቡልቶ ምስ ኣብ ደገ እትርከብ ብእሳት እትፍለጥ ናይ ‘ኢትዮጵያውያን’ ተለቪዥን ቃለ-መሕትት ከካይድ ተከታቲለዮ ኔረ። (ደምሴ ቡልቶ ሓደ ካብ ንስርዓት መንግስቱ ክሳብ ግዜ ሞቶም ዝገልገልዎ ዓበይቲ ጀነራላት ኮይኑ፣

ኣብዚ ቀረባ እዋን ደረጀ ደምሴ ወዱ ንጀነራል ደምሴ ቡልቶ ምስ ኣብ ደገ እትርከብ ብእሳት እትፍለጥ ናይ ‘ኢትዮጵያውያን’ ተለቪዥን ቃለ-መሕትት ከካይድ ተከታቲለዮ ኔረ። (ደምሴ ቡልቶ ሓደ ካብ ንስርዓት መንግስቱ ክሳብ ግዜ ሞቶም ዝገልገልዎ ዓበይቲ ጀነራላት ኮይኑ፣ ኣብቲ ኣብ ጉንቦት 1988 ኣንጻር መንግስቱ ሃይለማርያም ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብምስታፉ፣ ምስ ካልኦት መሳርሕቱ ብጭካኔ ዝተቐትለ ምኩር መኮንን ኢዩ ኔሩ።) ቃለ መሕትቱ ነቲ ኣብ ግዜ ዕልዋ 1988 ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ዘተኮረ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝሰማዕናዮም ዕላላት ዝሓሸ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ኣቀራርባ ዝነበሮ ይመስል። ደረጀ ኣብ መጽናዕቱ ሶማል፣ ሻዕብያን ወያነን ኣብዚ ኹሉ ዝተኻየደ ኩናት 5 ጀነራላት ጥራሕ ክቐትሉ ከለዉ፣ መንግስቱ ሃይለማርያም ግን ኣብ 17 ዘመነ ስልጣኑ  55 ጀነራላት ቀቲሉ፣ ካብ ኤርትራ ምስ ዕልዋ ብዝተኣሳሰር ጥራሕ 430 ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኣሲሩ ካብ ስራሕ ዓዲ ኣውዒሉ ኢሉ። ስለዚ ይብል ደረጀ መንግስቱ ሃይለማርያም ኢትዮጵያ ኣብ ስዕረት ንኽትወድቕ ቀንዲ ተሓባባራይ እምበር ንኢትዮጵያ ተከላኻላይ ኣይነበረን። ቀንዲ ተሓታቲ ናይ ኢትዮጵያን ወተሃደራታን ስዕረት ኣብ 1991 ድማ መንግስቱ ባዕሉ ምኻኑ ብስነፍልጠታዊ መንገዲ ተንቲኑ። ብርግጽ መንግስቱ ኣብ 1988 ተዓልዩ ኔሩ እንተዝኸውን ምናልባት እቲ ድሕሪኡ ኣብ ጎቦታት ከረን፣ ጊንዳዕ፣ ኩበይ፣ ዓዲረሶን ጎላጉል ማይዕዳጋን ብክልቲኡ ወገን ዝወደቐ ኣእላፍ ተጋዳላይን ወትሃደር ኢትዮጵያን ምደሓነ ኔሩ። ስለዚ ውልቀ መላኽነት መንግስቱ ንክልቲኡ ህዝብታት ለኪሙ’ዩ ከይዱ።

ታሪኽ፣ ታሪኽ እካ እንተኾነ ካብ ታሪኽ ዘይምምሃር ዝኸፍእ ነገር ግን የለን። ምኽንያቱ ንታሪኽ ክትደግም ኩሉ ግዜ ኣብ ታሪኽ ስለ እትነብር። እዚ ሕጂ ኣብ ዝባን ኤርትራውያን ሸይሸይ ዝብል ዘሎ ናይ ኢሳያስ ስርዓት ብምንታይ’ዩ ካብ ናይ መንግስቱ ስርዓት ዝፍለ? ናይ መንግስቱ ስርዓት ንኢትዮጵያ ለኪሙ ዝተዓዝረ ስርዓት እንተደኣ ኮይኑ፣ ናይ ኢሳያስ ስርዓት ንኤርትራ ለኪሙ ክጠፍእ ምኻኑ ከመይ ጌሩ ይጠፍኣና? ደረጀ ናይ 55 ጀነራላት ምቕታል ንኢትዮጵያ ዓቢ ክሳራ ከምዝነበረ ምግላጹ ብርግጽ ሓቁ’ሎ። ምስ ዕብየትን ብዝሒ ህዝብን ኢትዮጵያ ኣነጻጺርካ ክትርእዮ ከለኻ ግን፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቅዝፈት ናይ መኮንናት፣ ምሁራትን ሚኒስተራትን ብዕጽፍጻፍ ካብ ናይ መንግስቱ ይበዝሕ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ በደል ኣይኮነን’ዶ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ’ውን መዳርግቲ የብሉን። ነቲ ትማሊ መንግስቱ ጌርዎ ኢልና ዝኾነንዮ እከይ ተግባራት፣ ሎሚ በቲ ናትና እንብሎ ስርዓት ብዘይ ዋላሓደ ፍልልይ ክትግበር ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንዕዘብ ኣለና። ስለዚ ዝጠፈአ ምስጠፈአ ናይዚ ኩሉ ዕንወት ተሓታቲ ኢሳያስ ኢዩ ኔሩ ካብ ምባል፣ ሕጂ ከሎ ገና ናይዚ ኹሉ ጥፍኣት ተሓታቲ ንስኻ ኢኻ’ሞ ውረድ ምባል’ዶ ኣይምሓሸናን?

ከም ሰባት ረሳዕቲ ኢና’ሞ፣ ምናልባት ረሲዕናዮ ከይንኸውን፣ እስኪ ሓደ ሓደ  ምስዚ ናይ ደረጀ ዝመሳሰል ኣብነታት ነልዕል። እቶም ብመንካዕን የሚንን፣ ካልእ ኣብ በበይኑ እዋናት ብውልቅን ጉጅለን ኣብ ሜዳ ዝሃለቑ ገዲፍና ኣብዘን ዝሓለፈ 22 ዓመታት ጥራሕ ክንደይ ዝኣኽሉ ንሃገርን ህዝብን ዝኾኑ ሰባት ኣጥፊእና ኣለና? ድሕሪ ሕቶ-ለውጢ ጉጅለ 15ን ካልኦት ንለውጢ ዝድግፉ ውልቀሰባትን ኤርትራ ኣበየናይ መዓሙቕ ኣትያ ኣላ? ልዕሊ 10,000 እሱራት እትውንን ሃገር፣ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ብቐሊሉ ክትረኽቦም ዘይትኽእል ምሁራት፣ ኣብ ክንዲ ዓዶም ዝሃንጹን ህዝቦም ዘገልግሉን ኣብ ፈቀዶ ናይ ምዕራብ ሃገራት ዝዘረወት ሃገር፣ ምስ ቁጽሪ ህዝባ ኣነጻጺርካ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘለዋ ሃገር ወኒንካ ካብ ምኻድ ንላዕሊ ኢሳያስ እንታይ ክገብረና ንጽበ? እዚ ኩሉ ካብ ስራሕ ጎዲሉ ባኺኑ ተሪፉ ዘሎ ኤርትራዊ፣ ኣብ መዓላ ህዝብን ሃገርን ውዒሉ ኔሩ እንተዝኸውን ኤርትራ ሎሚ ኣበይ ምበጸሐት? ሓደ ድሕሪ ሓደ ብተርታ ካብ እንጠፍእ ሆሆ ኢልና ብሓንቲ መዓልቲ’ዶ ነዚ ዓሻ ስርዓት ምብራር ኣይምሓሸናን?

ሕጂ’ውን ከም ትማሊ እዚ ናይ 21 ጥሪ (ስርሒት ፎርቶ) ሰባት ክበልዕ ጀሚሩ’ሎ። እቲ ትማሊ ንጉጅለ 15 ‘ከሓድቲ ሃገር’ ኢሉ ዝኸሰሰ መስጦፋን፣ ኣብ ጽንኩር ኩነት ‘ርዒዶም’ ኢሉ ዘእወየ ዓብደላ ጃብርን ሎሚ ብ‘’እስላማዊ ጥሩፍነት’ ክኽሰሱ ንሰምዕ ኣለና። እቲ በዚኦም ጀሚሩ ዘሎ ምእሳርን ምሕቃቕን ደቂ ሃገር ሕጂ’ውን ወሰን ኢሉ ኣብ ካልኦት ክልሕም ኢዩ። ከምቲ ናይ ኣመሪካ ናይ 9/11 ኣጋጣሚ እንተተረኺቡ እሞ ከኣ፣ ናይ ዓለም ኣቓልቦ ናብኡ ስለዝኸይድ፣  ህዝቢኤርትራ ብምልኡ ከይእሰር የስግእ ኢዩ። ስለዚ እቶም ፍትሒ ዝሕላገትና፣ ሕጂውን ከምትማሊ እቶም ተኣሲሮም ዝበሃሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሶም ክምልሱ እምበር፣ መቓልሕ ኢሳያስ ክንመልስ ከቶ ኣይትጸበዩና ንበሎም። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ዝደናገር ሰብ የለን። ከምቲ ደረጀ ኢትዮጵያ ብሰንኪ መንግስቱ እያ ተረኹምሻ ዝበላ፣ ሕጅውን ኤርትራ ብሰንኪ ኢሳያስ ጥራሕ ኢያ ትርኹመሽ። ዕድል ጌራ ኢትዮጵያ ብኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካብ ምርኹማሽ ድሒና ኣላ።  ኤርትራ ኣየናይ ዕጫ ኢዩ ክበጽሓ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ምሕሳብ ከድልየና ኢዩ። እዛ ኣብ ፎርቶ ዝተወለዐት ሽግ እንተደኣ ክትቅህም ሱቕ ኢልና ሪኢናያ፣ ነዛ ሕጂ ጀሚሮማ ዘለዉ ረሳሕ ካርታ ካብ ምንብልባል ዓዲ ኣይክውዕሉን ኢዮም። ኣብዚ ሓሸውየ’ዚ ኣቲኻ ምኹዳድ ድማ ንኢሰያስ ምድሓን እምበር ከቶ ንኤርትራ ምድሓን ኣይኮነን። ስለዚ ዝጠፈአ ምስጠፈአ ናይዚ ኩሉ ዕንወት ተሓታቲ ኢሳያስ ኢዩ ኔሩ ካብ ምባል፣ ሕጂ ከሎ ገና ናይዚ ኹሉ ጥፍኣት ተሓታቲ ንስኻ ኢኻ’ሞ ውረድ ንበሎ።

ሃገር ለኪሙ ዝጠፈአ’ምበር ሃገር ኣልሚዑ ዝወደቐ ውልቀ-መላኺ የለን። ኢሳያስ ውልቀ-መላኺ ምኻኑ ሎሚ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኣሎ። ዋላ ምስ ደገፍቱ’ውን ኣብዚ ሕቶ’ዚ ፍልልይ የብልናን። ፍልልይና ንሳቶም ብዛዕባ ጽርግያ ንሕና ድማ ብዛዕባ ሰብ ምዝራብና ጥራሕ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ወጻኢ ናይ ኢሰያስ ናይ ልቢ ደጋፊ የለን። እቲ ደጋፊ ዝመስለና ዘሎ ብመሃያ ወይ ድማ ብዓዲ ምኻድ ዝተታሕዘ ጥራይ ኢዩ። ድሕሪ 21 ጥሪ ከኣ ድሮ እቲ ሰንኮፍ ዝነበረ እምነቶም ጠንጢኖም ምሳና ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ክወጹ ጀሚሮም ኣለዉ። ሎሚ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ኣይኮነን’ዶ ኤምባስታት ዝከላኸል ሰብ ክርከብ፣ ኣፍ ኣውጺኡ ዝድግፍ እካ ክትረክብ ኣጸጋሚ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ስለዚ ዕድመ ውልቀ-መላኺ ብንጹር ኣብ ክንርእየሉ እንኽእል ኩርባ ተሰቒልና ከለና በዛ ኣልዒልዋ ዘሎ ረሳሕ ካርታ ከይንግዳዕ ኢደይ ኢድካ ኢልና ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብቲ ባዕሉ ዝፈሓራ ጉድጋድ ንቕበሮ።

ሙሉጌታ ዓንዱ
ለንደን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
53 COMMENTS
  • Dani February 11, 2013

    Woyane is the reason for our freedom. Sorry I just realized… The story I heard was the other way round… We help Woyane… My black ass…. They helped us… Wether u like it or not… Why can we beat them if we teach them…we r so fool…. And arrogant..it’s true… We e ferhat… Telkeyekey geyeromuna… Kkk

    • belay nega February 11, 2013

      SO WHAT IS UP? DANI THE COURAGEOUS

    • done doing wrong February 12, 2013

      you are an a****** hole so many young people dying and you saying this stupid

    • GULLIBLE PEOPLE February 12, 2013

      Dani,
      Remmember to use your Eritrean brain /mentalitty ,Tactical withdrawal & “MeKhalif” should not misunderstood with running shitty. The latter one happens to Ethiopians ,although 2000 changed all this ,i hate 2000.
      We were black Vietnams & Israelites..Remmember “were”is more important than “are”,.
      Dani ,stop being logical you are making us loose our Eritreanism.

      • belay nega February 11, 2013

        2000 was Eritrea verses usa

  • Kone Selam February 11, 2013

    Message for Higdef supporters It is crime to support a criminal . Higdef’s regime is number one criminal in this century . Supporting criminal is crime !!!

  • dodofo February 12, 2013

    “tell the truth and sleep on the railway.” I recall this Proverbs in order to bring the reality of the war between Ethiopia and Eritrea. This article fair and true I appreciate just continue to teach the society at large.

  • Dani February 12, 2013

    Mr Belay Nega

    What about the COURAGEOUS???????

    • belay nega February 11, 2013

      you admitted no one is courageous

  • MelkamKere February 12, 2013

    Mengistu was not a worst for eritrea..he was simply fighting shifta shaabyia and all the brutes it had incurred on the people stems from this fact. Even then, the derg was much tolerant towards eritreans than the rest of ethiopians. Mengistu fed eritreans than to everyone else..
    Now shut up and “enjoy” the fruits of “independece”, a version of Isaias the devil

  • I Asafaha February 14, 2013

    ሙሉጌታ ዓንዱ ናይ ብሓቂ ዝንኣድ ጽሑፍ፣ ብስነ ፍልጠት ዝተደገፈ ረዚን ትንተና ኢዩ’ሞ ኣብ ኣእምሮ ኩሉ ኤርትራዊ የስፍሮ።

  • adhanom February 14, 2013

    mulgeta ab ab amete mhret gega alo eliwa mengsti nay mengistu gnbot 1989 eyou neru meremta bizikone ezitshfkayo zeleka dima naybahaki mesitni keslo

  • Aksumite Kingdom March 6, 2013

    Do you know guys, Aksumite kingdom is our civilization? But Shabia told us only his history so we are not proud of our previous civilization. The kingdome has 5 major cities, and three of them are Eritrea including Adulis port and it used to govern the Eastern part of Africa, and part of the middleeast and very powerful in trade and governance. So what is the point? We Eritrean always blame the people who are very close to us for every mistake and curruptions done by our leaders. whether u like it or not, the current governemnt is the worst governemnt Eritrea has faced and they always tell Eritrean history from their perspective Eritrea was not created in 1961. Our grand parents used to live in peace and civilization centuries ago. That is our culture and identity. Our culture and identity is not created by Shabia

POST A COMMENT