Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንድሕነት ባይቶ – ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

ይኣክል ንበሎ!! ዘዝሰራሕናዮ ይፍንጥሓና ኣሎ። እስከ ኩላትና ኣባላት ባይቶ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ተቓዉሞ ደምበ ዘይተሰምዐ፡ እቲ ዘይልሙድን ዘይንቡርን ንግበር። ተጋራጭዮም ፋሕ ኢሎም ዘይኮነስ፡ ግርጭቶም ፈቲሖም ተዓሪቖም ንቕድሚት ይደፍኡ ኣለው ዝብል ቃና ንህዝብና ነስምዓዮ። ነዚ

ይኣክል ንበሎ!! ዘዝሰራሕናዮ ይፍንጥሓና ኣሎ። እስከ ኩላትና ኣባላት ባይቶ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ተቓዉሞ ደምበ ዘይተሰምዐ፡ እቲ ዘይልሙድን ዘይንቡርን ንግበር። ተጋራጭዮም ፋሕ ኢሎም ዘይኮነስ፡ ግርጭቶም ፈቲሖም ተዓሪቖም ንቕድሚት ይደፍኡ ኣለው ዝብል ቃና ንህዝብና ነስምዓዮ። ነዚ ኹሉ በብዓመቱ ቁጽረን ዘይፍለጥ ውድባትን ማሕበራትን ዘፋረየ ናይ ኣነነት ቃልሲ ንውጽኣሉ። ኣባላት ባይቶ ክሰልጠና ንሓንቲ መዓልቲ ንሓንቲ ዓመት ኣኣንነትና ንጸግዒ ኣቐሚጥና፡ ነዚ ቃልስና በቲ ኣድልዎ ዘይብሉ ሞጎትን ስነፍልጠትን ክንገጥሞ ንላማመድ። ምኽንያቱ ከምኡ ክንገብር ኢና ባይቶ መስሪትና። ባይቶ ከይፈርስ ስክፍታ ኣሎ። ባይቶ ኣይሰርሐን እኳ እንተተባህለ፡ ንኹለን ብሄራትና ዝጠርነፈ ባይቶ ስለዝኾነ ግና፡ ዓቢ ክብሪ ኣለዎ።

እቲ ንኽንደይ ዓመታት ዝተቓለሰ ተቓዉሞ ደምበ፡ ክሳብ ሕጂ እንታይ ኣፍረየ እንተዝብሉኒ፡ ብሓንቲ ቃል “ባይቶ!!” ብማለት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ መልሰይ ምሰራዕክዎ። ጉድለታት  የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን። እኳ ድኣ እዚ ጉድለታት እዚ ኣብቲ ልሙድ ቃልሲ ናይ ተቓዉሞ ውድባት ክጽንብሮ ይደናደን ኣሎ። እዚ ደምበ እዚ ነንፋንጣኡ እንተዘይኮነ ሓባራዊ ቃልሲ ዘይፈልጥ፡ ክሳብ ዕለት ሎሚ ፍልልያቱ ከምሓድር ዘይከኣለ ደምበ እዩ። ባይቶ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፈተነ ኣትዩ ኣሎ። ቃልሲ ተቓወምቲ ውድባትን ማሕበራትን ከይቀድሕ፡ ማለት ባይቶ ከምተን ውድባት እንዳ ክስቶ ናይ እስቶ ተባሂሉ ከይጽዋዕ፡ ኩሉ ገዲፍና ኣባላት ባይቶ ከነድሕኖ ይግባእ።

እቲ ፈተነ እንታይ እዩ? ባይቶ ከመይ ኢሉ ኣብ ጉባኤ ከም ዝኣቱ ጠፊእዎ ኣሎ። ጠፊእዎ ዘይኮነስ ክልተ ዓይነት ኣረኣእያ ኣምጺኡ፡ ዘይምስምማዕ  ፈጢርሉ። እቲ ኣምርን ህላወን ባይቶ ኣገዳሲ እዩ ዝብል፡ ንቦዅሪ እዝኑ ነዚ ሕማቕ ወረ ዝሰምዐ ተራ ዜጋ ከቕርቦ ዝኽእል ሕቶ እንታይ ኮን ይኸውን? ልቦናን ተሞክሮን እንተድኣ ሃልይዎ “እዚ ባይቶ ሕጊ ዶ የብሉን እዩ? መምርሒ ዶ የብሉን እዩ?” ዝብሉ ሕቶታት እዩ ከቕርብ። ባይቶ፡ መቐየዲ መሪሕነቱ ዝኾኖ ሕገ-ህንጻ ይኹን መምርሒ ኣለዎ። ክንደይ ዝኸውን ኣባል ባይቶ እዩ እሞ ነዚ ሕገ-ህንጻ እዚ ዝፈልጦ? ክንደይ ዝኸውን እዩ ኸ ኣንቢብዎን ተመራሚርሉን ኣብኡ ረጊጹ ዝካታዕ? ዝብል ሕቶ እንተወሲኹ ግና፡ እቲ መልሱ ኣሸጋሪ ክኸውን እዩ። ጭቡጥ ኣብነት ንምጥቃስ፡ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ህጹጽ ኣኼባ ንኽግበር ብ44 ኣባላት ባይቶ ዝተፈረመ ፐቲሽን፡ ሓደ ምስክር እዩ። ኣነ ሓደ ካብኦም እየ። እቲ ሕገ-ህንጻ ብዓረቡን ትግርኛኡን ብጽሞና ኣይተነበን። ብሕገ-ህንጻ ተሓኒቑ ድማ እቲ ዝቐረበ ጥርዓን ክትግበር ኣይተኻእለን።

ብዙሓት ውድባት ክፋናጨላ ሰሚዕናን ርኢናን። ምኽንያት መፈላልይአን ኣብ ዝሓንጸጽኦ ቻርተርን ሕግታትን ረጊጸን ዓንቀጻት እንዳጠቐሳ ክካሰሳ ሰሚዕና ዶ ንፈልጥ? ከምኡ ዝገብራ ነይረን እንተዝኾና፡ ከምቲ ዕድሜአን ሲ ክንደይ ፖለቲካዊ ሕግታት እኳ ተማሂርና ምሃለና። ከምቲ ብዝሒ ምፍናጫለን ናይ ሕጊ ክኢላታት ምኾና። ኣባላት ውድባት ነቲ ውድባዊ ቻርተርን ሕግታተንን፡ ኣባላት ማሕበራት ነቲ ዓንደ-ሕጊ ማሕበሮም ተጻሒፉ ምስ ጸደቐ ኣንቢቦሞ ዶ ይፈልጡ? እንድዒ!! እዚ ሕግታት እዚ ካብቲ ኢሳያስ ኣብ ሳንዱቕ ኣቒሚጥዎ ዘሎ ቅዋም ድኣ ብምንታይ ይፍለ። ብምንታይ ድኣ ንምራሕ ኣሎና? ብምንታይ ከ ንመራሕትና ንቆጻጸሮም ኣሎና?

ቻርተራት ይኹን ሕግታት እንተዝኸበሩ ክሳብ ክንድዚ ፋሕ ጭንግራሕ ናይ ውድባትን ማሕበራትን ኣይምረኣናን ዝብል እምነት ኣሎኒ። ምኽንያቱ መሰረታት ንሕግታት ውድቦም እንተዝፈልጡ፡ ንኽፍንጨል ዝውጥጦም ኣነነታዊ መሪሕነት እንዳወጠሩ  ደው እንተዘብልዎ፡ እቲ መሪሕነት ንመን ሒዙ እዩ ክፍንጨል? ስለዚ ብሕጊ ዘይቅየዱ መሪሕነታት ኣቐሚጥና ክነስና፡ ከምኡ እውን ንዝተሓንጸጸ ሕግታት ዘይንካላኸለሉ ክነስና ግዝኣተ-ሕጊ ጎዲልና እንዳበልና ንቃለስ ዘሎና ተቓውሞ ኢና። ሕግታትና ምፍላጥ ናይ ሕጊ ክኢላታት ምዃን ኣየድልየናን እዩ። ስለዚ ሕግታትና ክንፈልጥን ከነኽብርን ክንከላኸለሉን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኣካል ናይ ቃልስና ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ንሱ ድማ እዩ ንግዝኣተ-ሕጊ ንቃለስ ኣሎና ዘብለና። ንዘይንፈልጦ ሕጊ ምቅላስ ትርጉም የብሉን።

ግዝኣተ ሕጊ ዘይብሉ ሃገር እዩ ዘሎና እንዳበልና ክነስና፡ ዝተሓንጸጹ ሕግታትና ይጠሓሱ ኣለዉ ዝብል ተቓውሞ ምስ እንሰምዕ ከሰንብደና እዩ ዝግባእ። ርግእ ኢልና ድማ ሓቅነቱ ከነረጋግጽ ይግባእ። ምኽንያቱ ፍልልያትና ብሕጊ ክምሓዳደሩ እንተድኣ ዘይክኢሎም፡ ካልእ ኣማራጺ ዝተርፈና ከከም ዝጠዓመካ ምኻድ እዩ። ንሱ ድማ ንኽንደይ ዓመታት ተፈቲኑ ጽቡቕ ፍርያት ኣየምጽአን። ንውድባት፡ እንዳ እስቶ እንዳ ክስቶ እንዳተባህላ ብኣስማት ውልቀ-ሰባት ከም ዝጽውዓ ዝገበረ እዩ።

ነዛ ንእሽቶይ ተፍጻም ክንድዚ ዝኣክል ጽሑፍ እንታይ ኣድልዩ ዝብል ኣይሰኣንን። ምናልባት እንተደጋጊሙ፡ ኣብ ኣገዳስነት ግዝኣተ-ሕጊ ዘሎኒ እምነትን ትኹረትን ንምግላጽ እዩ።ዝያዳ ዘገድሰኒ ድማ ንሱ ብምዃኑ እዩ። ንእሽቶ ተፍጻም ትኹን ገዛፍ፡ ደቃቕ ስልጣን ትኹን ዓባይ ክንቆጻጸረላ እንኽእል ክልተ ኣጋባባት ኣለዉና። ንሳቶም ድማ ግዝኣተ-ሕግን ግሉጽነትን እዮም። ኣብ ዓቢ ምምሕዳር ይኹን ነኣሽቱ እዞም ኣጋባባት እዚኦም እንተድኣ ተጣሒሶም፡ ምእንቲ ድሕነትና ተቢዕና ክንከላኸለሎም ኣሎና። ንኣብነት ካብ ውድባት ሰጊረ፡ ነጻነት እቱው ምስ በለ፡ ማለት ኣብቲ ግዜያዊ መንግስቲ ንመብዛሕትኡ ሰብ ኣዘንጊዑ ዝሕጸነሉ ዝነበረ እዋን፡ ዝተጀመረ ርኡይ ጥሕሰት ግዝኣተ-ሕጊ እስከ ንመልከት።

ቻርተር ይኹን ሕገ-ህንጻ ህግደፍ ሓደ ዜጋ ክልተ ስልጣን ክሕዝ ኣየፍቅድን እዩ። እንተኾነ ግና ኢሳያስ ኣቦ መንበር ናይ ፈጻሚ ኣካል (ፕረዚደንት) ኮይኑ ከብቅዕ፡ ንኣቦ መንበር ናይ ሓጋጊ ኣካል (ባይቶ) ክኸውን ሕጊ ትጥሕስ ኣሎኻ ዝብሎ ኣይተረኽበን። ንክልቲኡ ኣቦ መንበራት ሒዙ ዝተረፎ እንተነበረ ኣቦ መንበር ናይ ፈራዲ ኣካል ምዃን ጥራይ እዩ። ንሱ ኸኣ ነቲ ፈራዲ ኣካል ኣደስኪሉ፡ ናቱ ፍሉይ ቤት ፍርዲ መስሪቱ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ዝወዓለ ኣባል ባይቶ ኤርትራ፡ መብዛሕትኡ ነቲ ሕጊ ኣይፈልጦን ነይሩ ዝብል እምነት የብለይን። እንተኾነ ግና ኣብቲ ጉባኤ፡ እቲ ሕጊ ክርገጽ እንዳረኣዮ እንከሎ ዝተኸላኸለሉ ኣባል ባይቶ ኣይነበረን። እዚ ኣብነት ዘምጽኦ ዘለኹ፡ ንግዝኣተ-ሕጊ እንተድኣ ተኸላኺልናሉ፡ መንግስቲ እንቆጻጸርሉ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ቁምነገሩን ኣገዳስነቱን ንምድማቕ እየ። ነቲ ኣብ ባይቶ ወሪዱ ዘሎ ዘይምስምማዕ ንምትዕብባይን ከም ዘይኮነ ድማ፡ ክትርድኡኒ እደሊ።

እዚ ወሪዱ ዘሎ ግርጭት ንኣንነትና  እንተድኣ ወጊድ ኢልና፡ ክፍታሕ ዝከኣል እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘሎኒ። ስለምንታይ እቲ ጉዳይ ድሕሪ ነዊሕ ምክዋሱ፡ ኣብ መጨረሽትኡ፡ ብኽልቲኡ ዝደለ ዘሎ ውጽኢት፡ ኣብ ጉባኤ ንምእታው እዩ። እቲ ኹሉ ጉዳያትን ሽግራትን ናይ ባይቶ ድማ፡ ኣብ ጉባኤ ተኣትዩ ንምፍትሑ እዩ። ንኣብነት ኣርእስቲ ባይቶ ኣብ ዝተላዕለሉ ግዜ፡ ባይቶ ኣይሰርሐን ዝብል ርእይቶ እዩ ዝስዕብ። ባይቶ ዘይመስሪሒኡ፡ በብደረጅኡ ማለት መሪሕነቱ ኣባላቱ ህዝቢ እውን ከይተረፈ ዝሕተተሉ ሓላፍነት እዩ። እቲ ምትሕትታትን ምቁጽጻርን ምጽብጻብን ምፍርራድን ድማ ኣብ ጉባኤ እዩ ዝፍጸም። እዚ ነጥቢ እዚ ሓባራዊ ኣረኣእያ ብምዃኑ፡ ነዚ ኣቲናዮ ዘሎና ግርጭት ንምፍትሑ ሓጋዚ እዩ።

ብመሪሕነት ባይቶ ዝቐረበ ዛዕባታት ኩሉ ሰሚዕናዮ ስለ ዝኾና፡ ኣብኡ ኣትየ ምጽሓፍ ምድግጋሙ ክኸውን እዩ። ስለዚ  ኣብዚ  ጽሑፍ እዚ ካብ ሓጋጊ ቤት-ጽሕፈት ከምዚ በለ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ድማ ከምቲ ኣቃልሐ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ካብ ምዕላብ፡ እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ ኣብ ዝብል ዛዕባ ክረግጽ እመርጽ።  እንተኾነ ግና፡ ነቲ  ውድዕ ኩነታት ዝፈጠሮ ፖለቲካዊ ባህርያት ተሞክሮና ሰለዝኾነ፡ ከምቲ ዝተረዳእክዎ ኮፍ ኣቢለ  ከቐምጦ እደሊ። ካልእ መረዳእታ ዘለዎ ኣባል ድማ ርእይቶኡ ከካፍለና እዕድም።

ክልቲኦም መሪሕነት ባይቶ፡ ናይ ስራሕ ዕማማቶም ኣብ ሕገ-ህንጻ ባይቶ ብዓንቀጻት ተዘርዚሩ ክነሱ፡ ኣብ ነኣሽቱ ደቓይቕ ስርሓት ዘይኮነስ ብስሩ ኣብቲ ዓበይቲ ብንጹር ዝተዋህቦም ዕማማት ናይ ኢድ ምትእትታዉ ጸገማት ኣሎና ይብሉ። ምኽንያቱ ድማ ኣብ ምሕደራ ባይቶ ዘለዎም ኣረኣእያ፡ ዝተፈላለየ ስለዝኾነ እዩ። ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት ዝልዓለ ስልጣን ኣሎኒ ብማለት፡ ነቲ ምምሕዳር ባይቶ ልክዕ ከምቲ ኣብ ገድሊ ዝነበረ ገይሩ የንብቦ። ሓጋጊ ኣካል ድማ፡ ንባይቶ ከም ሓውሲ መንግስታዊ ምሕደራ ገይሩ ይርድኦ። ዋላ እኳ እቲ ዕማማት ብንጹር እንተ ተዘርዘረ፡ እቲ ኣመላኻኽታ ነንበይኑን ዘይመሳሰልን ስለዝኾነ፡ ግርጭት ከምጽእ ግድን ይኸውን። እቲ መሰረታዊ ዘይምስምማዕ ካብዚ ዝተበገሰ ስለኾነ ከኣ፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዝምድና ሓጋግን ፈጻምን ኣብ ቀዳማይ ኣጀንድኡ ሰሪዑ ክፈትሖ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ንኣብነት ብቐሊሉ ነዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘሎና ግርጭት ኣምጺኡ ዘሎ ነጥቢ ንመልከት። ንዕማማት ፈጸሚ ኣካል ዝገልጽ ዓንቀጽ፡ ፈጻሚ ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ይኽእል እዩ ዝብል ኣይንረክብን። ስለዚ ካብ ዘይጠቐሶ፡ ዘይስርሑ ምዃኑ እዩ ዝነግረና። ኣብ ዕማማት ኣቦ መንበር ባይቶ ግና፡ ኣብ ቀዳማይ ቁጽሪ እቲ ዓንቀጽ ተጻሒፉ ንርእዮ። ብተወሳኺ፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይኹን ኣባላት ባይቶ ንህጹጽ ኣኼባ ዝጽውዓሉ ኣጋባብ፡ እቲ ሕገ-ህንጻ ባይቶ፡ ዓንቀጽ ኣስፊርሉ ኣሎ። እንተኾነ ግና፡ ፈጻሚ ኣካል ነዚ ኣጋባብ እዚ ኣይተኸተሎን፡ ኣየማልኦን ከኣ። ነዚ ኣብነት እዚ እንተወሲድና  ኣበይ እዩ? መን እዩ ኸ? ናይ ስራሕ ምትእትታው ገይሩ ዝብል ሕቶ ንኣንባባይ እገድፎ።

ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ጠንቂ ተበጊሱ፡ ኮፍ ኢሎም ክላዘቡ ዘሸግሮም ሓጋግን ፈጻምን ቤትጽሕፈት ኣለዉና። እንተተላዘቡ ከኣ ዝገብርዎ ስምምዓትን ውሳኔታትን ብምልኡ ዘይትግበር ወይ ከኣ እንዳፈራረሰ ክኸይድ ይርአ። ሓደ ካብቲ ኣብነት ንምጥቃስ፡ ንኣሳናዳኢት ሽማግለ ኣብዚ ዘላቶ ኩነታት ዝደርበያ እዚ ባህርያት እዚ እዩ። ብተወሳኺ ካብ ገድላዊ ልምድታት ዝነቐለ ኣቀራርባን ዝምድና ምስ ህዝቢ ማለት ኣብ ግሉጽነት ዘይግሉጽነትን ዘለዎም ኣረኣእያ ይፈላለዩ። ጉዳይ ባይቶ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ወጺእካ ምዝራብ ጌጋ እዩ ዝብል ፈጻሚ ኣካል ኣሎ። ኣብኡ መሰረት ብምግባር ከኣ ዕድመ መራኸቢ ብዙሓት ይነጽግ። ኣብ ዝመረጾም መራኸቢ ብዙሓት ግና ክቐርብ ይርአ። ሓጋጊ ኣካል ከኣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ወጺእካ ምስ ህዝቢ ምምይያጥ ግሉጽነት ምትግባር ስለዝኾነ፡ ዲሞክራስያዊ መስርሕ እዩ ብማለት ኣብ ዝተጸውዖ መራኸቢ ብዙሓት ክቐርብ ይርአ።

ዕድሚኡ ዘሕለፈ ጉባኤን መሪሕነት ባይቶ እኳ እንተኣሎና፡ ክልቲኡ መሪሕነታት ንባይቶ ኣብ ጉባኤ ከብጽሖ ዘለዎ ድልየት ርኡይ እዩ። ብኣጋባቡ ግና ተፋላልዩ ኣሎ። ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ምጅማር ስርሓ እንከላ፡ ህጹጽ ኣኼባ ክግበር ወሲኑ ንኣባላት ባይቶ ንኣኼባ ንቐሉ ይብል። ብሓጺሩ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይርዋ ወይ ከኣ ኣደስኪልዋ እዩ። ኣጀንዳኻ ንገር እንተተባህለ፡ ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ክፉት እዩ ክብል ጸኒሑ፡ ኣብ መጨረሽታ ግና ኣጀንዳ ኣኼባ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ንምትዕርራይ እዩ ክብል ይስማዕ ኣሎ። ኣብዚ ምብጽሑን ብእኡ ምድራቱን ድማ ሕማቕ ኣይኮነን።

ብወገን ሓጋጊ ቤት-ጽሕፈት፡ ፈጻሚ ኣካል ህጹጽ ኣኼባ ክውስን ሕጋዊ ኣይኮነን ብማለት ዓንቀጻት ሕገ-ህንጻ ባይቶ የቕርብ። ብውሳኔን መምርሕን ናይ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኣሰናዳኢት ተመሪጻ ስርሓ ንኽትገብር ናታ መምርሒታት ተዋሂባ እያ። ምትዕርራይ እንተድኣ ኣድልይዋ ድማ፡ ጉድለታ ተዓራርዩ ንጉባኤ ትምርሓና ዝብል መርገጽ ይገልጽ።

ደጊመ ክጠቕሶ ዝደሊ፡ ካልእ ጉዳያት ኣብ ጉባኤ ምስ ተኣትወ ዝርአ እዩ ዝብል ሓፈሻዊ ርእይቶ ኣሎ። ከምኡ ካብ ኮነ ከኣ፡ እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ኣብ ጉባኤ ንኸይንበጽሕ ዓጊቱና ዘሎ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ማለት ኣብ ጉባኤ በየናይ ኣጋባብ ንኣቱ እኳ እንተኾነ፡ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣለዎ። ንሱ ኸኣ መጀመርያ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ምትዕርራይ ድሕሪኡ ድማ ናብ ጉባኤ ምእታዉ እዩ። ንኣሰናዳኢት ምትዕርራይ ግና፡ እንታይ ጻውዒት ናይ ምሉእ ኣባል ባይቶ ንህጹጽ ኣኼባ ኣድለየ ዝብል ሕቶ ናብ ፈጻሚ ኣካል ዝጽጋዕ ታሪኻዊ ሕቶ እዩ? ኣብኡ ካብ ደረቐ ግና እንታይ ይገበር? ነቲ ህጹጽ ኣኼባ ነዚ ኣጀንዳ እዚ ንምዕዋት ጥራይ ከም ዝጠልቦ ዘሎ እንተድኣ ተረጋጊጹ፡ እቲ ጉዳይ ዝተቓራረበ ይመስል። ብርእይቶይ ኣብዚ ሕድገታትን ተዓጻጻፍነትን ናይ ክልቲኡ መሪሕነት የድሊ።

ኣብዛ ፍልይቲ ተፍጻም እዚኣ፡ ፈጻሚ ኣካል ሕጊ ከምዝጠሓሰ፡ ዘድሊ ኣጋባብ እውን ከም ዘይተኸተለ፡ ሕገ-ህንጻ ባይቶ ምምልካት ጥራይ እዩ ዘድሊ። ሓጋጊ ኣካል፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝገብሮ ዘሎ ሕጋዊ ኣይኮነን ብማለት፡ ኣብ ሕገ-ህንጻ ደሪቑ ደው ኢሉ ኣሎ።እቲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ህጹጽ ኣኼባ መጸውዒኡ፡ ዘቕረበ ምኽንያት የቕርብ ብዘየገድስ፡ ሕግን ኣጋባብን ከምዝጠሓሰ ክኣምን ኣለዎ። እቲ ሓጋጊ ድማ ሕጊ እንተድኣ ዓጺቑ ከሳርሕ ስለዘይክእል፡ ምእንቲ ስራሕ ኣሳልጦ ነቲ ሕጊ ነዚ ፍሉይ ኩነታት ከዝልቖ ምስ ዝኽእል፡ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክብጻሕ ምተኻእለ። ኣተዓራቒ ሃዋሁው ተፈጢሩ ከኣ ኩሉ ዝዓግበሉን ዝካፈለሉን ኣኼባ  ምተኻየደ  እብል። እቲ ሕድገታትን ምትዕጽጻፍን ድማ ኣብዚ እዩ ዝርአ። ስለምንታይ ኣብ ፖለቲካዊ ግርጭት፡ ኣብ ዘዘለኻዮ እንተድኣ ጠረው ኢልካ፡ ዝብጻሕ ቁምነገር የለን። ብምልኡ ሓጋጊ ቤት-ጽሕፈት ዘይብሉ ኣኼባ ምክያድ ድማ፡ ካብ ዘለዎ ተወሰኮ ስለዝኸውን፡ ካብቲ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዘሕለፎም ኣኼባታትን ተሞክሮታቱን ዝያዳ ሓላሊኹ፡ ንህላወ ባይቶ ኣብ ሓደጋ ኸየጻጥሕ ዘሎኒ ስክፍታ እገልጽ።

 

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ

11.27.14.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • saving young bahrenegashes November 27, 2014

    ጀብሃዊ ነበር_____________ ብደርሆን እንቋቝሖን ዝተርበበ
    ዓርኪ ነቓዕሲ ሰባር____________ ምስ መስፍን ሓጎስ ዝለገበ
    ሓጻብ ሽሓን ህግደፍ፣ተዅላ __________ቆርበት በጊዕ እንተደረበ
    ንዓይሲ ኣየጋግየንን___________ ንብዓት ሓርገጽ እንተ ጀርበበ
    የጕህየካ ካብ ጭዋ ህዝቢ ብሌን ሓደ ምታንታ ሙዳዳ ዝተረኽበ !!!

    • ogbai November 28, 2014

      መንደኣ ትባሃል ወደይ ክንድዚ ዛኣክል ፍልጠት ተሸኪምካስ ሸንኮለል ተብለና ክሳብ ሕጂ፡

      እንታይ ደኣሉከ ናብ ጀብሃዶ ሻዕብያ ኢልካ ምሽቃጠ።
      ፋሕ ፋሕ በዚሕና ተባሂሉ ከምዘይ ተሸቀጠ
      ኣስማት ክቡር ኣስማት እንዳኣልዓልካ ወጠጥ መጠጠ
      ስምረት ክይደገፍካስ ንቕድሚ ነይ ውጠጠ
      ከምዙያት ዘራጊ ዘረባታት ዘይጸንሕ ዘይቅመጠ
      ክንዳኻ ዘያኽላስ በኣኻ ይዋዓላ ከም ዝባሃልዶ ትፈልጠ።

      • saving young bahrenegashes November 28, 2014

        ዘራጊ ዴልካኒ፧_________________ እንተደርጓሕኩ ሓቂ
        ዝተራእዮ ዝድርጉሕ_____________ ናይ ድምበዛንም በርቂ
        ጠበቓ መስተውዓሊ_______________ናይ ጉሕጭዓ ወርቂ
        ብዓባየይ ማይቂነጣል _______ናይ ቆረጣ ደቂ ባንዳ መሕቀቒ
        ዓይቢ ዘይብሉ ዓዲ ____ቀበሌ ዘትኸውን ናይ ፋሽሽቲ ጨርቂ
        ኣነስ ኣይዘርጋን ፣ኣውራጃውያን ኣለዉ ዝጠነሱ ናይ ኣቦታቶም ድቂ
        ሓለፍና እንዳበሉስ ጽበት ወደያይ ምዓሮይ ዘማዕብሉ ክንዲ ዕርቂ
        ኣነስ ኣይተፈጥረንን ተዛረብ ኢሉኒ እምበር ካሊፎርንያይ ክሰቲ ዊስኪ
        ሸፋቱ የዔርይዎ፣ብረት ሒዞም ኮለል ደሉ ከምጽኡ እዚ ኩሉ ጭንቂ !!!

        Ogbai You and I are almost talented .Keep up !

        • ogbai November 29, 2014

          ኽቡር ሐው እቲ ትግርኛኻ ቁሩብ ክብድ ኢልኒ ክርዳኦ
          ገለ ዝተረፈ እንትሎ ዝምልኦ
          ኣውራጃ ወዲ ኣውራጃ ይህልዎ ጠንቂ ዘምጸኦ
          እቲ ዝሕተት ዘሎ እዩ ኣገዳሲ ክንርዳኦ፡

          እቲ ሕቶ ካብ ኮነ ሕቶ ዲሞክራሲ
          ደራፊ ይኹን ቀዳሲ ፈላሲ
          ኩሉ ክብ ደለዮ ነቲ ፈውሲ
          እቲ ጠንቂ ይድምሰስ ይፍረሲ፡

          ሽዑ እዩ ክነግስ እቲ ፍትሒ
          ከልግስ ኩሉ እቲ ፍርሒ
          ክጅምር እቲ ቅኑዕ ነግሒ
          ብዓዲ ብውራጃ ሃገራዊ ጸፍሒ፡

          ኩሉ ክተርፍ እቲ ዘርጊ መርጊ
          ኩሉ ክረብሕ በቲ ፍትሒ ዘንጊ
          ማዕረ ማዕረ ከምስኒ ኣድጊ
          ኩሉ ክውንዘፍ ፈርጊ መርጊ፡

          እንተ እቲ ዊስኪ ወዲ ዊስኪ
          ነያይ እካ ኣይጠቐሞን እኖሆ እበኪ
          ኣይ ተብዛሓዮ ደኣ ከብዲ ከይትስልኪ
          ብዓቀኑ ግን ይኹነልካ ንጥዕና ብርኪ።

          ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ
          ዓግብዶ ክብልካ ክትብል ሸፋቱስ
          ዶርጋሓዮ ምድርጋሕስ
          ግና ጽቡቕ ይመስለኒ ልቦና ክትሕውስ።

          ኩሉ ተበግሶናስ
          ኣካኣል ፍታሕ እምብር
          ኣካል ሽግር ኣይንኩን፡

          እምባኣር ንኹልና ይኹነና ዕርቂ።
          በል…ሓደ በለና ክንከይድ ሕጂስ
          ንፈረስካ ዘይበቐካዶ ንዓይ ንሓውኻ
          ክትበቀልይ!
          ከማኡውን ናይ ቀደም ዓርከይ
          ኣዘኪርካኒ ‘ነዚ ኹሉ እንካዕ ኣርከብኩሉ
          እትብል ምቕርቲ ምእዝቲ ደርፊ መሪጸልካ
          ኣለኹ’ሞ ንተሓጎስ ኣብ ዘዘለናዮ
          ክሳብ ኣብ ኣስማሪኖ እንራኸብ። ይቐንየለይ!
          ኣየሳኣእነና!

          • ogbai November 29, 2014

            እታ ደርፊ ናይ ወናም ተክለንኬል ወዲ ገብሩ ማለተይ እየ።

  • keren November 27, 2014

    izi bayto zi nhZbi eritra selam kemtzAlu iyu ilu zhaSb intelo EWano kKewn alewo.
    Itom hiwet kmeslu Bzuh zdekemu moitus tekebru ilom merdOm ngirom iyom.

    iti amaratzi abnet Dr. Tewolde/wedi vacaro-mSab iyu. Kab bayto kedHnena ilka mmBhkaw baaElka nebsKA mdHan eKelil. izi amartzi izi dLyet hizbi mQanu ab gibri teraEun yre-en alo. Iti tzegem bTbaat kMerho zKiEEl akal zeymrKa tiRay U. Iti bayto abUU Hmblil ybel hizbi natu megedi kenadi alewo.

  • efrem jani November 28, 2014

    my dear woldeyesus u are posting very interesting and essential sort research type comment for those seriously following the the current condition of eritrea . as for the antagonistic parties they know their problem but they put higdef case as secondary condition. Hopefully if they glance at this article they might recognize the political joke of monkey and his puppets.my dear woldeyesus please try to elaborate the internal condition of the bayto and continue to do so , don’t worry about the comments because we know who is posting the comment and it is really head ache and they cannot tolerate .

  • windshield November 28, 2014

    As usual we are fedup with ever increasing splintering groups like an amoeba. Very sad not having a strong opposition party that can deliver the country from a dire situation!!!!

  • efrem bayarea November 28, 2014

    Thank you woldeyesus for a thoughtful article. The last 3 years has clearly shown the ineffectiveness of the bayto and had been a major disappointment to me and the eritrean community.  That much should be obvious to all. The long anticipated and sought after congress has again been derailed. Only thru congress can improvements be made both the make up of the bayto but also the rules governing the behavior.
    Maturity of political environment is measured by its ability to create and cultivate coalitions. Bayto is one of the desirable but disappointing coalition. It must not be allowed to disintegrate. But only the bayto members can prove and asure the eritrean people specially the prodemocracy forces that bayto is a responsible organization and will be a viable entity during and after transition to democracy. The public is not in a position to demand bayto perform or be accountable. The political parties do have a say but it is not clear to me how democratic they are. I believe by design the executive is heavily party affiliated and the bayto leadership is mostly without constituency. I urge party members to demand action toward democracy not just follow party line. 

    On one hand getting together and meeting should be encouraged since only through deliberation is where minds meet. On the other hand wouldn’t it make sense to put all energy toward the delayed congress. Congress must be the next step. 
    What separates between democratic and nondemocratic system is adherence to the rule of law. Law must be king. Be mindful of this fact. Expediency is not a good reason to circumvent the rule of law. Law is what binds humanity together. 

    As they say in America ‘be careful what you wish for. ‘ just because there is a meeting doesn’t mean the outcome will be positive. Just remember the last bayto meeting. 
    At this time what is left for me is to pray for Eritrean people’s suffering to be the only air the bayto members breathe for 4 days during the meeting. 
    May Eritrea become the Eritrea many died for.

  • buruk December 1, 2014

    This is not a place to show art.it is not even time for it but what can be done with damn Eritreans.all what we know is bragging and look like lions when actually we are not.instead learning from our mistakes and get united ,we keep repeating the same mistakes.how are we getting rid off EGDEF if we don’t united.we have ONE common enemy and why we can’t be ONE?

  • Tsegai December 5, 2014

    higi zeyeebeyom kemey elom bhigi kizarebu nitsibe? the history of these “opposition” tells us that they consistently victims of their own “constitutions and charters”. they assemble and draft programs and charters every day. and they fight their own charters the next day. I don’t believe they understand what they write. national assembly/congress (whatever adjective they might use), is really big by name. literally, it represents the will of the people. in the oppositions’ case, they think otherwise. what one individual member in the leadership thinks is all about the personal interest or position. personal interest first, law and principles last. the title ” national assembly/congress” is really big. if the theme doesn’t represent the title, it becomes tasteless.

POST A COMMENT