Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝኽሪ ዶ/ር ምስግና ገብረመድህን ብስራት (ወዲ ጀርመን)

ሓውና ምስግና ገብረመድህን ብሕማም ምኽንያት ብዕለት 07/03/2017 ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝዓረፈ ብምዝካር፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱን ደቂ ማሕበሩን ጽንዓት ይሃቦም። ምስግና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብዘሕ ብድሆታት ኢዩ ኣጋጢሙዎ። ግን ንኹሉ ብትብዓትን ትዕግስትን ሓሊፉ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከዕርፍ ካብ ሕቡራት ኣመሪካ


ሓውና ምስግና ገብረመድህን ብሕማም ምኽንያት ብዕለት 07/03/2017 ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝዓረፈ ብምዝካር፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱን ደቂ ማሕበሩን ጽንዓት ይሃቦም።

ምስግና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብዘሕ ብድሆታት ኢዩ ኣጋጢሙዎ። ግን ንኹሉ ብትብዓትን ትዕግስትን ሓሊፉ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከዕርፍ ካብ ሕቡራት ኣመሪካ ጠቕሊሉ ኢዩ ኣትዩ ነይሩ።

ካብቶም ዓበይቲ ምስግና ዝልለየሎም ጠባያት ንምጥቃስ፦

  1. ምስግና ንማንም ከይፈርሐ ብድፍረት ንዝመስሎን ንዝኣምነሉን ርእይቶኡ ካብ ምሃብ ድሕር ኣይብልን ነይሩ።
  2. ምስግና ብጣዕሚ ርህሩህ፡ንዝደኸመ ሰብ በብዓይነቱ ደገፍን ሞራልን ዝህብ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጭንቀት ዝወደቑ ክሳብ ጊዜ ሕልፈቱ ምኽሪ ይልግስ ነይሩ።
  3. ብዙሕን ሰፊሕን ተመክሮ ዝቀሰመ ምስግና ካብ ንእሽቶኡ ጀሚሩ ነብሱ ክኽእል ብዘካየዶ ጻዕሪ፡ ኣብ ልዑል ደረጃ ትምህርትን ስራሕን ክበጽሕ በቂዑ ኢዩ። ማለት ካብ ዓደ ቐይሕ ጀሚሩ ንደቀምሓረ ብምኻድ ኣብ ፈይዝ ምሽን ብምእታው ተማሂሩን መምህር ክኸውን በቒዑን።ቀጺሉ ብኣዲስ ኣበባ ጌሩ ጂማ ምስ ዓለበ እንደገና ብደገፍ ፈይዝ ምሽን ትምህርቱ ወዲኡ ንከንያ ኣምረሐ። ኻብኡ ንደሓር ንሰሜን ኣመሪካ ብምስዳድ ላዕለዋይ ትምህርቲ ቀሲሙ ኣብ ኢቦላ ዩኒቨርሲቲ መምህር ኮይኑ ሰሪሑ። ንማሕበሩ እንዳወከለ`ውን ኣብ ግብጺ፡ሱዳን፡ ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ኣገልጊሉ።
  4. ምስግና ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ሃልይዎ፡ ኣብ ነባራት ኤርትራዊ ውድባት ኣይጠርነፍ እምበር በቲ ዝኣምነሉ መንፈሳዊ መገዲ ንማሕበረ ኮም ኤርትራውያንን ካልኦትን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንብዙሕ ዓመታት ደገፉ ኣወፍዩ ኢዩ። ንህዝቡ ሞራል ምሃብን ተስፋ ከይቆርጽን ድማ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ ።
  5. ካብቲ ኣጸቢቑ ዝደፍኣሉ ዝነበረ ጉዳይ ንፈታትሓ ግርጭታት ዝምልከት ነይሩ። ንሱ፡ ኣብ ይቕረ፡ምይይጥ፡ሕድገት፡ ምክእኣል እዩ ዝኣምን ነይሩ። እዚ ድማ ግርጭታት ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን፡ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ኣብ ሞንጎ ኤርትራዊ ውድባት፡ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታት፡ ዋላ`ውን ኣብ ሞንጎ ስርዓት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ`
  6. ምስግና ንዝኣምነሉ መግለጺ ዝድግፍ ጽሑፋት፡ኣስተምህሮታት፡ቃለ መጠይቓት ብሰፊሑ ኣበርኪቱ ኢዩ። ንኣብነት “ናይ መንፈስ ጭንቀት ኣብ ስደት“ ዝብል መኻሪ ጽሑፍ ብቓንቃታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ እንግሊዚኛ ጽሒፉ። ብተወሳኺ ጭቆና ደርግ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝገልጽ መጽሓፍ ቅድሚ ነጻነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ከሎ ጽሒፉ።ድሕሪ ነጻነት`ውን ጊዜያዊ ሽግራት ኤርትርውያን ዝገልጽ መጽሓፍ ጺሒፉ። ካብቶም ዘካየዶም ቃለ መጠይቕ ንምጥቃስ ሬድዮ ኣሰናን ሬድዮ SBS ኣውስትራልያን ይከኣል። ኣብ ቲቪ-አረ ድማ ዓቢ ኣገዳስነት ዘሕደረ ዘተ ብዛዕባ መንእሰያት ኣካይዱ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ድማ መደረታታን መግለጺታትን ይህብ ነይሩ።
  7. ምስግና ኣብ ምዕቃብ ባህሊ ጽኑዕ እምነት ከምዝነበሮ ደጋጊሙ፡ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ኣጋጣሚታት ይገልጽን ይምሕጸንን ነይሩ።

ብሓጺሩ መግለጺ ሓውና ምስግና ከምዚ ኮይኑ፡ ካባና ብምፍላዩ ካብ ዝያዳ ኣበርክቶ ምኹላፉን ካብ ቤተሰቡ ምፍላዩን ብዙሕ የሕዝን።ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ከምዝዝከር ግን ጥርጥር የለን።

ዘኽብረካ ሓውኻ ጆርጅ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • hidat April 23, 2017

    R.I.P

  • መፍቀሬ ኢየሱስ April 23, 2017

    I would like to share my condolences with the family and the writer, Mr George. May Dr Mesghenna rest in peace in the hands of our merciful and loving God. I read his, perhaps, latest book, and listened to some of his interviews in the past. He was an ardent promoter of reconciliation, and he deeply empathised with our people who are suffering in many ways. His contribution to the awareness of emotional well being stands out for me. From the little that I know of him through reading his work and listening to his interviews at archive.assenna.com I felt that Dr Mesghinna combined honesty,simplicity, psychology/therapy and spirituality coupled with his deep knowledge of the Eritrean culture. May he rest in peace in the hands of God.

  • petros April 28, 2017

    He made a huge contribution to our society. While he was a University professor, he helped many young Eritreans to enroll in US higher academic institutions. His love for our language and cultural values was very impressive. Sad to hear his untimely death. RIP Dr Mesghinna.

Post a Reply to hidat Cancel Reply