Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝተሸመ ተኸተሎ – 3ይ ክፋል

ንዝተሸመ ተኸተሎ።  3ይ ክፋል፡                                    07-12-13፡ ካበየናይ ዓለም ከኒፉ ዝመጸ ብጹእ ሓይሊ ድኣሉ ንሃገርና ከድሕና? መልስኹም “ ካባና “ እንተኾይኑ፡ እሞ መን ኢዮም ድኣ’ቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት? ነበረ መዛዘሚ 2ይ ክፋል። መቸም እዝን ከምኡን ዝኣመሰለ ጽሑፋተይ ሃሎውሎው ክመስለኩም ከምዝኽእል

ንዝተሸመ ተኸተሎ።  3ይ ክፋል፡                                    07-12-13፡

ካበየናይ ዓለም ከኒፉ ዝመጸ ብጹእ ሓይሊ ድኣሉ ንሃገርና ከድሕና?

መልስኹም “ ካባና “ እንተኾይኑ፡ እሞ መን ኢዮም ድኣ’ቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት?

ነበረ መዛዘሚ 2ይ ክፋል። መቸም እዝን ከምኡን ዝኣመሰለ ጽሑፋተይ ሃሎውሎው ክመስለኩም ከምዝኽእል እናመሰለኒ ሃ ጠውቀጠው 3ይ ክፋል መቐጸልታ ኣርእስተይ ከተንብቡ እዕድመኩም ኣለኹ። ብመጀመርታ ግን ፡-

ብወገን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰማዕናዮ ኣኽባርሲ ሞት ናይቲ ኩሉሳዕ “ህዝበይ፡ ሃገረይ” ኢሉ ብተወፋይነት እናመደረን እናተመቑ ሐን፡ ስልጣን ዝሓዘን ዘመሓላለፈን ሕቡን፡ ፍቱውን ውፉይን ጸሊም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተቓላሳይ ፕረሲደንት ኔልሰን ማንዴላ ምዃኑ ሰሚዕናዮ። ከምዝፍለጥ እቲ ብናይ ህሉዋት ጥራይ ዘይኮነ ብዝና ናይ ዝሓለፉ ግኑናት ከይተረፈ ተመንዩ ብቅንኢ ዘን ባሁቕን ዝመጣላዕን ግዙእ ድቡቕ ውዲት መራሒና ብላዕሊ ላዕሉ ሰብ እናመሰለ ብስዉር ብዝፈጠሮ ኣቆናጻቢ ላሕኲ መንቀ ኛነት፡ ኣባላት ህግደፍ ድማ ቁንቁኝኡ ከይፈለጡን ሓርነት ከምዝዓተሩን “ደቡብ ኣፍሪቃውያን’ኮ ኣይተሓረሩን ” ኢሎም ብዘ ይካ ወዲ ወርቂ ማህጸኖም ካልእ ተቓላሳይ ከምዘይነበረን ከምዘይነብርን ብዝመስል ንቃልሲ ማንዴላ ከነኣእሱ ይስምዑ ኣለ ዉ።ብወገን ናይቲ ምስ ኢቲዮጲያ ብስዉር ዝጋባእ ዝህሉ ሰሜን ሱዳናዊ  ዜናኸ እንታይ ዝኣመሰለ ኣኽባር ትጽበዩ ትህልዉ?

ሓንሳብ’ንዶ ጽንሕ’ሞ ናብ ዘንቀልናዮ ኣርእስቲ ንቐጽል ጥራይ።

ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ከተማ ኣስመራ ጸሊም ጽርግያ ሒዝካ ቁሩብ ምስትድፋእ ቀጻሊ ዝነድድ ዘይጠፍእ መአከቢ ጉሓፍ  ኣሎ። እቲ ቦታ’ቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝእለ ኣካል መወገኒ ረሳሕ-መሳሕ ኢዩ። ዞባ መአከቢ /መኸዘኒ/ ድርባይ ምርባይ “ጎዱ ፍ” ክበሃል እንከሎ ወዮ ዝእከብ እራይ-ምራይ ድማ “ጉሓፍ” ይበሃል። ኣየናይ ነየናይ ምዃኑ ንስዃትኩም ዝያዳ ትፈልጥዎ’ም በር፡ /ማለት ንጎሓፍዶ ንጎዱፍ/ ብወገነይ’ሞ ብቋንቋ ጣልያን “ስካሪኮ” ክብልዎ እሰምዕ ነይረ። ፍቕሪ ዘረባ ጣልያን እንተዘየላ ዓዒልልኩም ንሓጻውን ድማ “ራታመ” ክብልዎ ይሰምዕ ነበርኩ። እሞ ስካሪኮ ማለት ንጎዱፍዶ ንጎሓፍ?

እንተላይ መአከብ ብላይ-ምላይ ሓጻውን (ራታመ)፡ “ስካሪኮ” ከምዝበሃል ኣይፈልጦን ኢየ። ከምዝመስለኒ ግና ኩሉ መጉሓፊ ወይ መዕቆቢ ናይ ሓደ ዓይነት ገጽ ኣገልግሎቱ ዝወድአ ሰብ ኮነ ንብረት ብምዃኑ፡ ንርእሱ ቤት፤ መዕቆቢ፤ መጠርነፊ፤ ሰታሪ ወዘተ ክበሃል ይከኣል። ንኣብነት ከም መጠወሪ ኣረጋውያን፤ መዕቆቢ ጽሉላት፤ ዝኣመሰልዎ፡ ሓያል ባጀትን ዕማማት እልያን ዝሓትት መልክዓት ጎዱፍ እናመሰለኒ ክንሱ ብኸምኡ ምጥቓሱ ግና ዘነውር ኮይኑ ይስማዓኒ።

ተዛማድነት ጎዱፍን መቓብርን ንርእሱ ከዛርብ ይኸውን። ብዛዕባ ዕድመኡ፤ ኣመጻጽኣኡ፤ ባህላዊ ሰረቱ ኮነ መጻኢኡ ገዲፍና ብዛዕባ ትርጉምን ጠቕምን ‘መቓብር’ ንምዝራብ ክህልወና ዝኽእል ኣፍልጦ ውሱን ክኸውን ይኽእል። ዝኾነ ኮይኑ ከም ኣረ ዳድኣይ ናይ ልዕልን ትሕትን መሬት ጎዱፍ ምህላዉ ኢዩ። ንምሳሌ ጎዱፍ ምውታን “መቓብር” ክበሃል እንከሎ ተወሳኺ ሳጓ ታት’ውን ክጠብቆ ይኽእል። ከም መቓብር ሓርበኛታት፡ መቓብር ህንዲ፡ መቓብር ወተሃደራት ጣልያን፡ ዝኣመሰለ ማለተይ ኢየ። ይሰውረና፡ መቓብር ሓተላ ኑክሌር ድማ ኣሎ። ብዛዕባ ጎዱፍ ወይ መቓብር ታሪኽከ እንታይ ትፈልጡን ትብሉናን?

ጎዱፍ ህሉዋት ከምዘሎ ድማ ዘጠራጥር ኣይመስለንን። ከም ቤት ማእሰርትታት፤ ቤት ወልፍታት፤ ዝሩዓት ኣህዛብ ኮኑ እንስ ሳታት ክንጠቅስ ንኽእል። ቅኑዕ ትርጉም መዝራዕቲ ከይረሳዕኩም እንተደሊኹም ንመዓስከር ሳዋ ወይ ንባርነት ሃገራዊ ኣገል ግሎት ከም ጎዱፍ ዝገልጽዎ ኣለዉ። ሎሚ’ሞ ኤርትራ ብሃገራ ከምጎዱፍን መቓብርን ህሉዋት ኮነ ኩሉ ነገር ዝጠቕሱዋ ኣለ ዉ። ሓቂ! ኣብግዜ ህግደፍሲ ኩሉ ክበሃል ይካአል።

እሞ እቲ ዝተኣከበ ስንዳው-ምንዳው ኣኺልዎ ድዩ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ተጓሒፉ?

ቅዉም-ነገርን ትርጉምን ስንዳው ካብ ዘይምፍላጥ ዝተላዕለ “እወ፡ ጉሓፍ ድኣ ድርባይ እንድዩ” ኢልካ ክምለስ ይቐልል ይኸ ውን። ብኣውራኡ ጎሓፍ ብኣሉታዊ ኣሰያይማኡ እንተወሲድናዮ ጥቕሚ-ኣልቦ ጥራይ ክመስለና ይኽእል። እንተኾነ ጎዱፍ ናይ ውሱን ዓይነት ኣገልግሎቱ ዝወድአ ነገር መኸዘኒ ጥራይ ኣይኮነን። ብጌጋ ወይ ጥፋእ ይኹን መሰሉ ዝጎሓፍ ‘ውን ኣሎ። ዝኾ ነ ኮይኑ ጉሓፍ ከከም ዓይነቱ ተኣኪቡ ናብ ዳግማይ ጥቕሚ ክውዕል ምስተለለየ ብቐጥታ ዘገልግልን፡ ተሓዲሱ ናብ ንቡር ዝ ምለስን ይምመ። መሰረታዊ መስርሕ ዘድልዮ ዘበለ ድማ ነናብ ዓይነት ፋብሪካኡ ማለት ከም ወረቐት፡ ጎማ፡ ሓጺነ-መጺን ዝ ኣመሰለ ዳግማይ ክምስራሕ ይለኣኽ። እቶም ፍጹም ዝጎሓፉ’ውን መሰረታዊ ለውጢ ተገይርሎም ብፍጹም መቐይሮ ኣብ ዘይ ነበረ መዓላ ዝውዕሉን ዝጠቕሙን ክትርኢ ብልሓት ወዲ-ሰብ ይዓጅብ ኢዩ።

ጉሓፍ ኣሉታኡ በዚሑንብከላ ካብዘጋልጹ ነገራት ላዕለዋይ ኢድ ካብዝሕዝ ኣይወሓደን። ኣብዚ ሎሚ እዋን ግና ይመስገን ፈ ጠራ ዘመናውነት ዓበይቲ ሃገራት ርእሰ-ማል ዝፈሰሶ ጎሓፍ ተመስሪሑ /ሪሳይክል/ ከም ጽዓት ኤለክትሪክ፡ ዱኽዒ፡ መውዓይ  ማይን መሞቒ ኣባይትን ዝኣመሰለ ምህርቲ ዝሕፈሶ ዓውዲ ወፍሪ ኮይኑ ኣሎ። ከም’ኒ ሃገረ-ጀርመን ንኣብነት ናይ ውሽጢ ሃ ገረን ጉሓፍ ውሒድወን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ብልዑል ዋጋ ጉሓፍ ይሽምታ ከምዘለዋ ክትሰምዕ፡ ኪኖ ጽሬት ከተ ማታት፡ ብከላ ዝፍውስ ምህርቲ ዝሕፈሶ መስርሕ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ጎዱፍ ብዝእከብ ጉሓፍ ክንድኡ ጥቕሚ ካብሃለዎ፡ ካብ ጎዱፍ ወይ ዓምዲ ጥሮተኛታት ኮነ ናይ ብጥበብ ውጉናትን ድስ ኩላትን ከድኣ እንታይ ዝኣመሰለ ሞያዊ ፈጠራ /ዳይናሚክስ / ኮን ይህሉ? ማለተይ ብኣብነት ከሰንዮ ምእንትስ ናይ ሃገርና ት ንሳኤ ባቡር ምድሪ ብቐዳምነት ክጠቕሶ ምፈተኹ። ብቕዓት ኣረጋውያን ሕሉፍን ህሉውን ብቀንዱ ድማ ኣርሒቑ ንመጻኢ ዘ ማዕዱ ኣንቴና ለውጥን ምዕባለን እናሃለዎም ኣብምሕደራ ብዘቕረብዎ ሓሳብ ንሕልፈቶም ክምቁሑ እንከለዉ፡ ንትንሳኤ ባቡ ር ምድርና ዝበቅዕ ብሞያኦም ብግብሪ ዝተሰነየ ስልጡን ርኢቶ ምኩራትና ድማ ከይተተግበረ በርዒኑ ከምዝተረፈ ይፍለጥ።

ዝኾነ ኮይኑ ብዛዕባ ጎዱፍ ክንድኡ ካብበልና “ጎደፋ” ኢልካ ስምከ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? ቆልዑ እናመትዎም፡ መታን ካብ ኣዒንቲ ሓሳዳት ክስወሩ ወዘተ ክትብሉ ትኾኑ። ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ግን ኣብ ጎሓፍ ክንድኡ ቅዉም-ነገር ካብ ሃለወን ጎዱ ፍ ድማ መአከብ ጎሓፍ ካብ ኮነን፡ ጎደፋን ጎዱፍን፡ ጎደፋን ጉሓፍንከ ብምንታይ ይዛመዱ? ‘ጎደፋ’ ኢልካ ስም ካብሃለወ’ሞ ከም ናይ ብርዒ መጸውዒ እንተኾይኑ ንነብሱ ከምኡ ኢሉ ዝሰመየ ጸሓፊኸ እንታይ ማለቱኾን ይኸውን? እንድዕሉ!!!!!!!!!!!

እዋኑ እዋን ለውጢ ካብኮነ፡ ኣርእስትና ድማ “መን ኢዮም’ቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት”? ኢዩ።

ኩሉኹም ነዚ ሕቶ “መንእሰይ” ዝብል ንጹር መልሲ ክህልወኩም ይኽእል። ኣብ ንቡር እዋን ካብ ባህላውን ሃገራውን ዋሕዚ ቀጻልነት ህላወ ሕ/ሰብ ዝምድና ኣረጊትን ሓድሽን ከምቲ ድምጻዊ የውሃንስ ትካቦ ዝበሎ ናይ ውረስ ተወራረስ ግድነታዊ ዕማ ም ኢዩ። ነዚኣ ኣጸቢቑ ዝፈለጠ ቀታል ኤርትራን ህዝባን እምበኣር ብዘየወላውል ኣብዚኣ ኢዩ ዓሪዱ። ሰንሰለት ሃገርን ክብር ታታን ንምብታኽን ሃገራዊ ቅርስታት ንምዕናውን ዝከኣል ድማ ኣብ ሞንጎ ጥምረት ዘይብሉ ናይ ወለዶታት ባዶነት እንተተፈ ጢሩ ዝበለጸ ዕንወት ሃገር ኮይኑ ከምዝተራእዮ ተጋሂዱ ብምህላዉ ምፍላጡ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን። ኣብዚኣ ስጥመት ተቓ ለቲ ወሳኒት ኢያ። ኣረጋውያን ሓርበኛታት ኣረከብቲ መድረኽም’በር መረሽቲ ኣይኮኑን። እቲ “መንእሰይ ከምበዓል መድረኽ መጠን በይኑ ስልጣን ክውንን ኣለዎ” ዝበሃል ሓላይ መሰል ቀታሊ ፈጠራ ህግደፍ እምባአር መገዲ ዓወት ኣይኮነን። ንሳቶም መንእሰያት ኣብ ሞንጎ ትውልድታት ርክብን ጥምረቱን ኣጥፊኦም ኣይእኽሊ ኣይዝኽሪ ኮይኖም ከምዝተርፉ’ዩ ተልእኾኦም።

“ልቢ መንእሰይ ኣብ ደረቱ ከምዝተባህለ”…… ኢለ ከድግም ዝሰምዓኒ መንእሰይ፡ ቃላተይ መንጢሉ “ኣብምንታዩ ድኣ ብድሕ ሪት ዲኻ ክሓዝላ ደሊኻዮ” ኢሉ ከባጭወለይ ብምጅማሩ ኩላህና ብዛዕባ ገጥምታት ንኡስ ዕድመ ነናህና ነዊሕ ዛንታታት ኣ ውጋዕና። ሓዴና መንእሰይ ወናኒ ዕቑር ዓቕሚ’ዃ እንተኾነ ከም ኣዝያ ዘመናዊት መኪና ብዘይ ካንዴላ /መተንስኢ ሞቶረ/ ጸ ብጸብናዮ። ገለ’ውን መንእሰይ ምስሓያል ናይምግባር ዕቑር ሓይሉ፡ ብዘይመሪሕ ድስኩል ዓይነይ ጥራይ ከምዝኾነ ገለጽናዮ።

ዓርከይ ድማ ከምዚ ናይ እኒ ስዩም ግሪቢ ተረካብ ኮይኑ ዘረባኡስ ንቀይዲ-በተኽነት ውዑይ ዕድመ ከምዚ ኢሉ ኣዝየመልና፡

“ፍቕሪ ሕሱም ሓራዲ ጎማዲ፡ ዘየስምዕ ዘረባ ወለዲ፤                                                                                ፍቕሪ ሕሱም ከማይዶ ይገብረኩም፡ ከይጸውዐዶ ‘ዎሆይ’ የብለኩም”…..

ቸላዋእ፡ ዝኽሪ ንእስነት ምዉቕ ምሸት’ዩ ዝነበረ። ቁልቁል ገደል ክዝለል፤ ብፍቕሪ ክንጥልጠል፤ እንታይከ ዘይተጠቕሰ ነይር ዎ! ዘይሩ ዘይሩ ግን ንእስነት ድርኺት ዕድመ ኮይኑ ካብ ቅልጡፍ ዊንታ ርእስኻ ምኽኣል፡ ካብ ክቱር ናፍቖት ናጽነት፡ ካብ ቁጽጽር ስድራ ወጺኡ ናብ  ምፍላል ገጹ ዘምራሓሉ እዋን ኣሎ። ኣብ ምሕደራዊ መዳያቱ ድማ ክንዲ ዝኾነ እንተኾነ ጥር ኢ ልካ መሰታ ቀዳሞት /እኩብ ተመኩሮ/ ስለዘይብጻሕ ኣማስያኡ ነገር ብሽማግለታት’ዩ ዝሽምገል። ኣብ ዓዲ ደሞክራሲ ንኣብነ ት ሃገር ዘመሓድሩስ ንሳቶም’ቶም ኣረጋውያን ኢዮም። መራሕቲ ሃገር ሓደ መልክዕ ጉቡኦም /ግቡኣት መንእሰይ/ ምስወድኡ ብኻልእ መልክዕ ዝቕጸል ግቡኦም /ዕማማት ሽምግልና/ ድማ ይቕጽሉ። ዳሕረዋይ ኣብ እርጋኖም ናይ ኣነ-ኣነ፡ ርኣዩኒ-ርኣዩኒ ነገር ዓለም ገዲፎዎምን ገዲፈሞን፡ ካብቲ እናሓደረ ዝቦቐለ ልባቶም /ተመኩሮ/ ብዝነቐለ ጠመተ ንሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓ ይ ቃለሱ። ማእከላት ካርተርን ክሊንተንን ከምዛዕባ እንተወሰድና ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ከምዘሎ እናፈለጥና ከምጽቡቕ ኣብነት ብ ብሱል ዕማማት ኣረጋውያን ክንጠቕሶ ይከኣል። ማለት ብድሕሪ መጋረጃ ሃገር ዘመሓድሩ ኣረጋውያን ብምዃኖም ኣስተዋጽኦ ጥሮኛታት ወሳኒ ከምዝኾነ ህያው ኣብነት ኢዩ። ስልጣን ፕረሲደንትነት ወይ ጠ/ሚኒስተርነት እምበኣር ውሕሉል ተለኣኣኺ ኣረጋውያን ምዃኑ ኢዩ። ሓደራኹም ግን እኒ የማነ ኣህባያት ንኢሱ ከይትነግሩልና! ንሱ ን ’ኣይፋልካን’ ዝበልዎ ዓበይቲ ዓዲ ከምዘጥፍአ መጠን፡ ከምሓድሽ እንተኣልዒልኩሙሉ ሕሱም ዛርቲ ኣጉሪዑ ኣጉሪዑ ደም ብምትፋእ ክልክመኩም ኢዩ።

‘ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል’ ከምዝበሃል መንእሰያት ድማ ኣብ ውሽጢ’ቲ መድረኽ ንእስነት ንባዕሉ ቀጸላታት ስለዘሎ፡ መንእሰይ ዝጸንሐ ተመኩሮን ክብርታትን ዓቂቡ ምስናይ ገዛእ-ርእሱ ብምውሳብ ወናኒ ሓድሽ ተረኽቦ (ለውጢ) ይኸውን።እንተኾነ ‘ቲ መጻኢ ናቶም’ዃ እንተኾነ ዓበይቲ ዘይኣተውዎ ዕማማት ናኣሽቱ ንበይኑ ስንኩል ኢዩ ዝከውን።

ዝብሎ ዘለኹተረዲእኩሙኒ ክትኮኑ ተስፋ ይገብር። መንእሰይ ብልግሲ፡ ብውህብቶ ስልጣን ክሕዝ ክጽበ የብሉን። ንህግደፍ ብኮፍካን ብዘረባን “ስልጣንካ ኣረክበና” ምባል ዘረባ ጥራይ ኮይኑ ጸኒሑ። ቀዳሞት መንእሰያት ንወለዶም ነገር መግዛእቲ ኣረ ዲኦም ናብ ናጽነት ከምዝወፈሩ መጠን፡ ዘመናውያን ድማ ብግብሪ ድገምዎ። ንስኻትኩም መንእሰያት ናይ ለውጢ ሃዋርያት ካብኮንኩም፡ እቲ መንፈስ ሕሹኽታ ካብ ደብረ-ታቦራት ወይ ካብ ዝጠዓመኩም ክትሰምዑዎ ዝሕግዘኩም ግብራውን ነባርን ብልሓትን ትብዓትን ድማ ኣብ ጎዱፍ ኣናድይዎ። ብርግጽ ጎዱፍ ኣረጋውያንን ግሉላትን /ድስኩላትን/ ባሩድኩም (ሓሸዋኩም) ኢዩ።

ኣብ ዝቕጽል ባሩድ መንእሰያት ጎደፋን ጎዱፍን ደቂ ባካሮታት የራኽበና።

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ኣይበልናን'ዶ December 8, 2013

    ሕቶ ንጎደፋ፡…………………………………………………………………..ብዛዕባ ሞት ኒልሰን ማንዴላ ኩሎም ናይ ሃገራትን መንግስታትን ወከልቲ ኣብ ቅድሚ ቪድዮ ካሜራ ኮይኖም፡ዝተሰመዖም ሃዘንን ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ንመንግስትን ንህዝቢ ደቡብ ኣፍሪካ መልእክቲ ከመሃላልፉ፡ስለምንታይ’ዩ ምእንቲ ፍትሕን መሰልን ዝተቃለስኩ ብምባል ምስቶም ታሪኻውያን ሰባት ክስራዕ ህርድግ ዚብል ኢሳያስ፥ንመንግስትን ንህዝቢ ኤርትራን ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ቪድዮ ካሜራ ኮይኑ፡መልእኽቱ ዘየመሃላለፈ።እቲ ንሕና ዚረኣናዮ ንዓመታት ኣብ ከብሒ ተቐሚጡ ዝጸንሃ ናይ ኢሳያስ ስእሊ ዝሸፈኖ መግለጺ ጥራሕ ኢና ሰሚዕና።እዚስ ምናልባት ብሞት ኒልሰን ማንዴላ ኣብ ብርቱዕ ሃዘን ሰለዘሎ ኢሳያስ ማለት ድዩ ካልእ ምኽንያት ኣለዎ።በጃካ ጎደፋ ነዚ ኣረጋጊጽካ ምላሽ ወይ ከኣ ግፍምትካ ክትሕብረና ይጽበ።….ሰላም ንዓኻ…..፡

POST A COMMENT