Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝተሸመ ተኸተሎ።

ንዝተሸመ ተኸተሎ። 2ይ ክፋል   30-11-13። “ነገር ምርጫ ኮይኑ  ሰብና ድማ  “ሰይጣንዶ  መልኣኽ ትመርጽ”? ተባሂሉ እንተዝሕተት ብዘተፈጥሮ መልኣኽ ምሓረየ  እብ ል። እናሓንሳብ  ግና ኣይኣዝዝ’ምበር  ወዝቢ  እንተኣጓኒፉስ  ምርጫኹም  ጭራሽ  ካብ ክልተ  ሰይጣውንቲ  ጥራይ ሓዲኦም  ምምራጽ  ምስትሕተቱ ንኣየናይ  ዝዓይነቱ  ሰይጣን

ንዝተሸመ ተኸተሎ።

2ይ ክፋል   30-11-13።

“ነገር ምርጫ ኮይኑ  ሰብና ድማ  “ሰይጣንዶ  መልኣኽ ትመርጽ”? ተባሂሉ እንተዝሕተት ብዘተፈጥሮ መልኣኽ ምሓረየ  እብ ል። እናሓንሳብ  ግና ኣይኣዝዝ’ምበር  ወዝቢ  እንተኣጓኒፉስ  ምርጫኹም  ጭራሽ  ካብ ክልተ  ሰይጣውንቲ  ጥራይ ሓዲኦም  ምምራጽ  ምስትሕተቱ ንኣየናይ  ዝዓይነቱ  ሰይጣን  ምመረጽኩም? ዶስ መሰል ተዓቅቦ ክወሃበኩም ሕቶኹም  መንበልበልኩ ማ”?

ኢለ ኢየ ተሰናቢተኩም ቀንየ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናይ ሎሚየይ ጥራይ ኣይኮነን። ባዕለይ ኣብመንጎ’ቲ ክልተ ተገቲሩ እንርእዮ ዘለና  ሓሳባት ማለት፡ ቅኑዕ ሕልና ሃገራውነትን ጓና ተጻብኦ ናይቲ ከይሲ ባዕዳዊ ተጻብኦን ከምሰበይ ኣጸቢቐ ስለዝደኽደኽኩሉ ክሳብ ‘ዚ ሽግር’ዚ ዝፍታሕን ጥጅእ ሕትሞ ተንኮል ናይ ትሕተ-ሃገራውነት መራሒና መጺጹን ነፊሱን ሙሉእ ብሙሉእ ንኢድና ዝ በሃለሉ ግዜን፡ ሂወተይ ሙሉእ ቀጻሊ ክብሎ ኢየ። ንሕጂ ግን ነዛ ናይ ድኹም መልእኽተይ ከቐድም።

ኣብዛ ሽቅልቲ ቅንያት፡ ክቡር ፕረሲደንት ተሓኪሙ ተመሊሱ ስለዝተባህለ ‘ሙሉእ ምሕረት’ ክገብረሉን ክኾነልናን እምነ። እቲ ፍሉይ ተልእኾ ዝነበሮ ሱዳናዊ ኣቀባብላ እናተዓዘብኩ ድማ ድንገት በየናይ ኣእጋር ኣብኡ ከምተበጽሐ ሓሰብኩ። “ሎሚ ዘመንን ኣብቲ ቦታ’ትን ክንደየናይ ኣፊራ ብሰላም ትመልስ እሩቡናለ ከምትህሉ ክትእመን ኢላ” ኢለ ኢየ። መቸም ካባይ ድኣ የድሕንኩም’ምበር ዕሽነት ድማ የሽካዕልለለይ እንድዩ፡ ዘይምቕባጽ ግዲ ኮይኑ ሽዑድማ ብሓሳባተይ ነቲ ጉዕዞ ዳህሰስኩዎ።

እቲ ከምቲ ዪስራኤላዊ ገማግም ባሕሪ /Haifa/ ክለምዕ ዝነበሮ ሓደ ሽሕን ክልተ ምኢትን ኪ.ሜ. ገማግም ባሕርና ከምታ ቀ ደሙ በረኻ ጥራይ ስለዘሎ፡ ነዚ ንምትርጋኡ እታ ኣብ ጐድና ዕርፍን ጠበንጃን ዝተሳእላ ናይ ዓንተቦና ጠሓሒሻ ማኪና ማር ዮ ኣይተራእየትንን። ንሳ’ውን ካብቲ ካብ-ቤት ንደገ ሸፋሕ በዚሑ ተመንይዋ ግዲ ተሓሊላስ ሓንቲ መዓልቲ ብሕሹኽታ ኣመ ሪካ ምድረበዳ ክትስንጥቕ ብምንቃዳ ተሰዊራ ትኸውን። ወይ’ውን ነገር ተሰናኺልዋ ዒላዒሮ፡ ቃኘው፡ ተኸዚና ትኸው። ሓ ርበኛዊት ሓጺን፡ ክሳብ ግዜ-ኮነ ትሕዞ ነዊሕ ገመድን ኣዒንቲ ራሻይዳን ይድፈነላ ጥራይ!!

ዝኾነ ኮይኑ እቲ ሕርሻዊ ኮነትሕተ-ከርሳዊ ሃብትና ንከይንጥቀም ዝመከረ ክቡር መራሒና፡ ሎሚ እታ ትማምቖን ዝተመነያን በረኻዊት ናጽነት ኣይተረካቢትን ኢያ’ሞ እንዃዕ ድማ ብሰሪ ክቱር ስግኣት ድቡቕ ክፍኣቱ ካብታ ዝተፍነገቶ ከተማ ኣስመራን ካብ ብዓለሙን ብዒዱ ኣብታ ሂወቱ ከተማዕቅቦ ወጢኑ ብዶላርን ካልእ ምህርቲ ቢሻን ዝነደቓን ዝወረቓን ሱዳናዊት ሕክም ናኡ ሂወት ክሰኹዕ ቀነየ። ብልክዕ ዝፈልጥዎ ከዕልሉና መቸም ዕድሉ ኮይናቶ ዋላ ምስ ሞተ ኢዩ ዝፈርህ። ምስ ሞተ ከይተረ ፈ ተረፍ ናይ’ዞም ከይነግሩ ዘስግእዎ ዘጋደሞምን ዘስዕቦምን ፈለጥቱ ምስጢሩ ተጋሊጹ ዝኸፍአ ሽግር ከይመጾ ሰጊኡ፡ ከምዛ ሰማይ ከይጸድፋ ብኮፋ ትሓድር ህበይ ተኾድጩ’ዩ  ዝሓድር ኢለሞ። ብዝኾነ እታ ከምዚ ናይ ግብጻውያን ፒራሚድ ሬሳኡ ክትዕቅብ ዝተኣማመነላ ዘሎ መቓብሩ፡ ንዝማልኦም ዘብዐኛታቱ፡ ምስጢራቱን ንብረቱን ክትሰትሮ ትኽእል እንተኾይናስ ጽባ ሕ ክትገሃድ ኢያ’። “ኣያይ” በሃልቲ ክራትዑ እንከለዉ ንሱ ብኡነት ተሓኪሙን ኣዕሪፉን እንተኾይኑ’ውን ደጊመ ‘ሙሉእ ዕረ ፍቲ’ ክገብረሉ ይምነ። እንዃዕ ድማ ኣብቲ ናይ ኣስመራ ፈተነ ቅትለቱ ዝተተጠጃኣሉ መሬት ጎረቤት ሃገር እኒ ኣልኼራት ኣይ ረኸብዎ። እንተኾነስ ከምቲ ዜርካ-ዜርካ ናብ ቤት፤ ኔርካ-ኔርካ ናብ መሬት ዝተባህለ፡ ጎይታ ድማ ዝተፈትሐ መሲልዎ’ም’በር ንርእሱ ብነዊሕ ገመድ እሱር ስለዝኾነ ናብታ ኩሉ ግዜ ብጽልኢ ቀይሕ ደም ዝቐለማ እንዳኡ ክምለስ ግዱድ ኢዩ። እቲ ምስ ሩሕ ዝመስል ኣብ ጎረቤት ዝቐነየ ኣቀባብላ ሻምላዊ ደበላ፡ እልልታን ፋምጣጥን’ውን ድሮ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ርእዩ ስለዝሰኣኖ ኣ  ብምላሹ ኣይረኸቦን ንሓዋሩ’ውን ኣይክረኽቦን ኢዩ። ይኣክል’ንዶ። ኣኸለ፡ ቀንዐ ንበል!

እምበር ብዛዕባ ኣበይ ከምዝቐነየ ድኣ እዛ ሰላማዊት ከተማ ኣስመራ ናይሓዋሩ ደመኛኡ’ዩ ስለዝቖጽራ፡ ብፍላይ እቲ ፍረ ስዉ ር ስርሒቱ ተሳሂልዎ ኣብ ዝሰንፈሉ እዋን ካብ ርእሲ ከተማኡ ክገልል ግዱድ’ዩ። ምኽንያት ኣለዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ብዝተዘርኡ ሓሰውቲ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ኣጸቢቑ ጸላኢኣን ጸላኢቱን ምዃና ይፈልጥ ኢዩ። ህዝቢ ዝጸልእ ሰብ ስለዘይፍቶ እ ቲ በዓል ጽቡቕ ትምኒት ሰብ ዋላ እንተተሻቀለ፡ መብዛሕትኡ ግን ‘ኣበይ ከየብል’ ክብል ተዛንዩ ነበረ። ሓቂ ኣበይ ከየብል። ሽ ፍትነት ዕዉር ኣብሑጋ ካብኮነት መሐከሊት ኢሱ’ውን ኣብዛ ካብ ፎርቶ እንተርሒቓ ካብ ገማግም ዓዲንፋስ ኣጻብዕትኻ ኣብ ሸፋሽፍቲ ኣዒንትኻ ኣኸርኪስካ ጐደናታታ ተማዕድዎ ትንግርታዊት ከተማ ምጽዋዕ ክንሱ እታ ፎርቶ ዝዓስከረት ገዛእ ተቪኡ ስኢናቶ ተጠርቂማ ክትዋላእ ምቕናያ ናይ ሃውሪ ኣይነበረን። ጥራይ’ንዶ ጽንሕ!!!!!!!!!!!!!!!!!!

ከምቲ ናይ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ባጽዕ ኤርትራዊት ቡሹፍቱ ዝቐረጻ መራሒ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ከይተረፈ ኣብኡ ክኸው ን ከምዝሓይሽ ምውጣኑ ግብራዊ ብልጫ ሃልይዎ ዘይኮነ ነታ ዝርካባ እንኮ ነፋሪት ኣብኡ እንተኣዳለዋ ንሱስ ብጥበቡ ኢዩ። ብላዕሊላዕሉ ግን ትርፎ ተሻቒሉ ንዝሻቐሉ ከሻቕል፡ እንታይ ከየማዕሪ? ኣብቲ ቦታ ትንግርቲ ከም በዓል ማሪት ኣብቲ ደንደስ ተኾይጡ ብዘይሰብኣዊ ውቃበ ሓንሳብ ነታ ባሕሪ ክዋገየላ ከምዘምሓሮ ሓንሳብ ድማ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ደሴት ንዘለው ና ይ ብደዎም እሱራት ከላእሞም ክደሊ ብሓሳብ ተዋሒጡ እንከሎ እቶም ምስ ሃዳኖ ክጓየዩ ዝነበሮም ተሃደንቲ ውቁባት ዓሳ ታት ባሕሪ ድማ ሳላ ባህሪያዊ ሃብትና ንኸይንጥቀም ብዝወጸ ፖሊሲ ህግደፍ ተዛንዮም ኣብ ቅድሚ ፕረሲደንትና ከም ቀስቲ ንሰማይ ተወርዊሮም ብርእሶም ክትከሉ እንከለዉ መልሓሶም እናአውጽኡ “ ብደዉ ዝሞተ ካካይ” ዝብልዎ ይመስሉ እንተዝ ብለኩም፡ እቲ ሓቂ ንሱ’ዃ እንተኾነ ሓደ መላገጺ ዘይረብሕ ሰብ ክበሃል ጥራይ ኣይምተጸበኹን።

ኣብዚ ዕርዲ ሓድሽ መግዛእቲ ናይ ጉርሒ ኲናት ንደራገመላ ዘለና እዋን ሕጂ’ውን ነየናይ ክፋል ነብስናን መሬትናን ኣበየናይ ናይ መጣልዒ ጣውላ ተረኪሱ ከምዝብላዕ ስለዘይንፈልጥ ሃለዋትና ንምፍታሽ ተፈትወ ተጸልአ ‘ኢሳይያስ ኣበይ ኣተወ ወጸ፡ ናበይከ ኣበለ ሓመመዶ መተ’ እናተባህለ ከምተራ ሰብ ብደዉ ክዋረድ ኢዩ።

እዞም በዚ ዓቕሚ ብምስኣኑ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ዘዝመሰሎ ዝዛረብን ዝጽሕፍን ዘሎ ሰብ ብትያትሮ ልግጫ “ እንታይ ሕጋዊ ጭ ብጥነት ኣለኩም ኢሳይያስ ልኡኽ ባዕዳውያን ምዃኑ” እናበልኩም ትወራዘዩ ምሁራት መሰል ጥራሕኩም ሕቡኣን፡ መዓልቲ ኮነ ከተራኽበልኩም ኢያ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ኣሉታ ፕረሲደንትና ምዝራብ ከምናይዝኸሰሩ፡ ዘይሃገራውነትን ካልእን እናተ ወርየሉ ባዕልና ሓለዋ ገፊሕ ጋህሲ ጥፍኣት ሰብና ኴንና። እሞ ኣብ ፖለቲካ ተግባር እምበር መረጋገጺ ተግባር ዝምስክር ወረ ቐት ስለዘየለ፡ ኢሳይያስ ተላእከ ኣይተላእከ ተግባራቱ ናይ ባዕዳውያን ናይ ጓኖት ብምዃኑ ብርሰት ሰብኣዊ ዓቕምናን፡ ብድመ ት ሃገርናን እናረኣኹም እንተዘይመስከርኩም መንነትኩም ገለጽኩም እምበር ሓቀኛ ታሪኽስ መዕለቢኡ ኣይክርሕቕን ኢዩ።

እንታይና’ዩ ዓዊሩ? እንታይናኸ ደንዚዙ ጸሚሙ?

ሓንቲ ብሓዳራ ትሕበንን ኣደ ብኩሉ ነገራቱ ልክዕ ኣቡኡ ዝመስል ቆልዓ ክትወልድ ኢያ እትምነ። ከምገለ ኣብ በዓል-ቤታ ዝ ተዓዘበቶ ጉድለታት ዝኣረመ ወዳ ጽባሕ ብጊሓቱ በትርን ዕርፍን ወላዲኡ ዘልዕል ትኾርዓሉ ጠዋር ስድራን ጠርናፊ ህዝቡን ክኾነላ ብዘለዋ ምንዮት ድግድጊት ተዓጢቓ እንዳኣ ተመሓድር ተመርዑን ተደርዑን። ወዮም ተካእቲ ድማ ኣብ ገገዝኦምን ከከም ትዕድልቶም’ዃ እንተነበሩ፡ሰኒፎም ናየባ ከየጥፍኡ ምእንቲ ንናይሓባር ጉዕዞ ተገዛእቲ ምዃኖም ምስክርነት ኣድልዮን።

ነገር ውርሻ ካብተላዕለ ኢለ እንድየ፡ ብሓንቲ ስድራ ዝምሰል ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ከኣ መራሒ’ታ ሃገር ከምቲ ሕቡን ኣቦ ስድራ ዘሕልፎ ውርሻታት ኣለዎ። ገጽ ናይ ኩለን ዓለማውያን ሃገራት እምበኣር ብምስሊ ናይ ኣብ እዋኑ ኣብ ስልጣን ዘሎ በዓል ግ ዜ ኢዩ ዝግለጽ። ንነባሪት ሃገር ዝኸውን ነባሪ ታሪኽን ምዕባለን ተኺሉን ኣውሒሱን ድማ ይትካእ።

እሞ መራሕ ሃገር ምስ ኣባላቱ ከም ወለዲ፡ ህዝቢ (ብፍላይ መንእሰያት) ከምውሉዳት ምስንምስሎም፡ ፖለካዊ ዋሕስነትን ውርሻን ናይዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ህግደፋዊ መንግስቲኸ እንታይ ይመስል? ደጊም ነዚ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዝፈሸለ ስርዓት ብከመይ ንግለጾ?

ነዚ ንምግላጽ ድኣ ቀሊል። ሓሽላኹ፡ መደናገሪ ፡ ሰራቒ መጠፋፍኢ….. ጥራይ ኢልኩም ከይትሓልፍዎ ትኾኑ። እወ እቲ ኣውራኸድኣ ንመዓስ? እቲ ጣልማይ፡ ብሕቱው፡ በታኒ ሃገሩ፡ ሸያጢ ህዝቡ፡ መሳርሒ ባዕዲ፡ ንሃገርና ዘይእንታያ…….

ካብ ከምዚ ዓይነት ቁሩብ’ዃ መደንገጺ ዘይጸፈየ ስርዓት ዝፈርዩ ኣረጋውያን ኮኑ መንእሰያት ብስም ህግደፍ ምእዙዛት ካድረ ታቱኸ እንታይ ትጽበዩ? ሓሽላዃት፡ ሓሰውቲ፡ ወስላታት፡ ኣላኻዕቲ ቤላቤሎ፡ ፈተውቲ ነብሶም ተጸበይቲ ብላዕ፡ ግብሪ ሕር ሞም ብኣፍ ኩሉንሶም፡ ትሕተ-ሃገራውያን ፈተውቲ ነፍሶም፡ ተንበርከኽቲ፡ ቀበርቲ ዝናን ክብርን ሃገሮም፡ ቅሉዋት መንነት..

ሓፋሽ ኣብ ምጥርናፍ ተራ ናይ በዓልግዜ ግና ኣጸቢቑ ይስቆረኒ ኢዩ። እቲ ናብዚ ክፉእ ተመኩሮ ዝደርገመና ክፋል መሪሕነት ውድብ ህ.ግምባር ዳግማይ ብስዉር ስልጣን ከይሕዝ እንተኾይኑ’ቲ መዛረቢ ድማ፡ ቅድም ቀዳድም ቅዉም ነገር ህ.ግ ምፍላ ጥ መዐቀኒ እምነት ናጽነት ኤርትራ ኢዩ። ጉድ ክኾነኩም እቲ ንናጽነት ዝተሰውአ ልዕሊ ሰብዓ ሽሕ መንእሰይ ከንቱ ኮይኑ ብ ሂወት ዝተረፉ ወፋሮ ብዘይናጽነት ከምዝተመለሱ፡ ወዮ ኣብ ዳግማይ ምክልኻል ሃገር ዝሰዓበ ልዕሊ ሰላሳ ሽሕ መንእሰይ ክ ሱር ከምዝኾነ ተመሲሉ ዝወናጨፍ ዘረባታት ንበሃልቱ ስለዝገልጽ፡ እቶም ብዝሓለፈ ንርእሳቶም ብጉድለት ኣበርክቶኦም ተ ሰኪፎም ነቲ ውድብ ብሙሉኡ ገበነኛ ከምስልዎ ዝፍትኑ እንተዘይተሰከፉን ንናይሓባር ረብሓ እንተዝዓጥቁን ምሓሸ። ካብኡ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ድኽነት ድማ የለን።

ንምዃኑ ህግደፍ ዝበሃል ትካል ኣሎ ዲዩ ሎሚ? ድሕሪ ህግደፍ ክንደይ ስዉራን ውሽጣውያን ሰልፍታት ተቐላቒለን ይኾና ት ብሉ? ኩሉ’ ቲ ምስ ህ.ግ. ክሰርሕ ዝጸንሐ ዘበለ ከምዚ ተሓይኹ ዝጥፋእ ብዕሪር ካካይ ክቑጸር ዝሕልን ዘበለ፡ ተጋደልቲ ህ. ግ. ኩሎም ህግደፍ ብምዃኖም ብድፍኑ ክግለሉ፤ ሃገራዊ ኒሕ ተሰሚዕዎም ምስ ህ.ግ. ብዝከኣሎም ኩሉ ክዋስኡ ዝጸንሑ ክ ውገኑ፤ ኩሉ ህዝቢ ህግደፍ፤ ካብኮነ ት’ታ መዝሙር፡ ሰባት ከይተፈለጦም ኣብ መስመር ጸላእቶም ዝስለፉ ገርሀኛታት ካብ ምዃን ኣይክናገፉን ኢዮም። ካበየናይ ዓለም ከኒፉ ዝመጸ ብጹእ ሓይሊ ድኣሉ ንሃገርና ከድሕና?

መልስኹም “ ካባና “ እንተኾይኑ፡ እሞ መን ኢዮም ድኣ’ቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት?

ይቕጽል።

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • yonas27g December 1, 2013

    ጎደፋ ፡ኣይትሰከፍ መን’ዩ ህዝባዊ ጉንባር ፡መን’ዩ ህግደፍ ኣጸቢቅናን ኣዳቂቅናን ንፈልጥ ኢና ፡ኣብ ግንባራት ምስ በዓል ተስፋልደት ስዩም ፡በርህ ቦካሳ ፡ወዲ ኣመሪካ፡ወዲ ኣሽሜ ፡ወዲ ዛግር፡ወዲ ልብሱ፡ስውእ (ጃሩ) ስውእ ኣየለ (ፊዳ) ወዘተ ዝነበርና መንእሰያት እኮ ኢና ኣብዚ ኣብ ዲያስፖራ ዘለና ።ረስዓዮም ኢሰይያስ ዝመራሒኦም ፍሊጶስ-ተክላይ ዉጩ- ወዲ ካሳ-ጎይተኦም መቀለ ማንኪ ክሻ ጎሓፋት ወዘተ እቶም ሃሱሳት ካድራቶምን። ነትኮኾም ተግባሩ ሞኽታ መጋብሩ ተከኽ ተከኸኸኸኸ ……….. ሻቡ ትሪኦ መልሰ ተግባር መንእሰያትን ሕዝብኻን እዚ ወደሓንካ።

  • Stefanos Temolso December 1, 2013

    ወርሒ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ኣብ ናይ ዕለት 06/06/2000 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ንዝነበረ ኵነታት ውግእ ክምልስ ከሎ ዝገበሮ ቃለመሕትት ዮናስ ምስ ኵሉ ኣኽብሮት፡ ወዲልብሱ ኢልካ ክትጽውዕ ኣይተዋሕጠለይን። ግንባር መረብ ሰቲት ኣረኪቡ ዝሃደመ ሰብ ብጅግንነት ክጽዋዕ ዝኽእል ኣይመስለንን። ወዲልብሱ “እከለ ከምዚ በለ፡ እከለ ከምዚ ደገመ፡ ምስ በዓል እከለ ውዒልና ምስ . . .” ካብ ምባል ሓሊፉ ቍምነገር ዘለዎ ሰብ ኣይኮነን። ግንባር ኣረኪቡ ከብቅዕ ድማ 50 ሽሕ ወተሃደራት ወያኔ ቀቲልና ኢሉ ቃለመሕትት ኣካዪዱ። ወርሒ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ኣብ ናይ ዕለት 06/06/2000 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ንዝነበረ ኵነታት ውግእ ክምልስ ከሎ ዝገበሮ ቃለመሕትት ንዝሃቦ መልስታት ተዓዘብ።
    “ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘካየድናዮም ግጥማት ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ኣዝዩ ዘሕብንን ዝለዓለን ዝኸበደን ዓወት ዝተጐናጸፍናሉ ኵናት’ዩ ነይሩ። ኣብ ናይ ሓደ ሰሙን ውግእ ክሳራ ጸላኢ ካብ ሓምሳ ሽሕ ንላዕሊ ከም ዝነበረ’የ ዝፈልጥ።” እቲ ጋዜጠኛ ሓያል ስለ ዝነበረ፡ “ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ከምዚ ዝኣመሰለ ድሙቕ ዓወታት እንተ ደኣ ኣመዝጊብና ስለምንታይ ኢና ካብ ድፋዓትና ኣዝሊቕና?” ዝብል ሕቶ ኣስዒቡሉ። እቲ ውግእ ኣይንታዩን ስለ ዝነበረ ድማ ከይሓፈረ፡ “ጸላኢ፡ ንኽልተ ብርጌዳት ካብ ሸውዓተ ክፍለ ሰራዊታት ንላዕሊ ኣሰሊፉ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ስለ ዝፈነወልና፡ ካብ ሓደ ዕርዲ ናብ ካልእ ዕርዲ እናዝለቕና ንባረንቱን ተኾምብያን ክንሓድገን ክኢልና።” ክብል ምስቲ ቅድም ዝበሎ ዝጋጮ መልሲ ሂቡ።

    • Samsome December 2, 2013

      First of all you need to ask your self. What is the cause of the war, which one benefit from the war(nether), how the war is solved. This war is not the boarder conflict.

  • Stefanos Temolso December 1, 2013

    ዮናስ ምስ ሰናይ ኣኽብሮት፡ ንወዲልብሱ ከም ሓደ ጅግና መራሒ ኵናት ወይ ኣብነታዊ ሰብ ክተቕርቦ ኣይተዋሕጠለይን። ምኽንያቱ ካልእ ይትረፍ ኣብ ሳልሳይ ወራር ግንባር ኣረኪቡ ዝሃደመ ሰብ እዩ። ነዚ ብምንባብ ድማ ክትርዳእ ተስፋ እገብር። ወርሒ ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ኣብ ናይ ዕለት 06/06/2000 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ንዝነበረ ኵነታት ውግእ ክምልስ ከሎ ዝገበሮ ቃለመሕትት ንዝሃቦ መልስታት ንተዓዘብ።
    “ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘካየድናዮም ግጥማት ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ኣዝዩ ዘሕብንን ዝለዓለን ዝኸበደን ዓወት ዝተጐናጸፍናሉ ኵናት’ዩ ነይሩ። ኣብ ናይ ሓደ ሰሙን ውግእ ክሳራ ጸላኢ ካብ ሓምሳ ሽሕ ንላዕሊ ከም ዝነበረ’የ ዝፈልጥ።”
    እቲ ጋዜጠኛ ሓያል ስለ ዝነበረ፡ “ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ከምዚ ዝኣመሰለ ድሙቕ ዓወታት እንተ ደኣ ኣመዝጊብና ስለምንታይ ኢና ካብ ድፋዓትና ኣዝሊቕና?” ዝብል ሕቶ ኣስዒቡሉ። እቲ ውግእ ኣይንታዩን ስለ ዝነበረ ድማ ከይሓፈረ፡ “ጸላኢ፡ ንኽልተ ብርጌዳት ካብ ሸውዓተ ክፍለ ሰራዊታት ንላዕሊ ኣሰሊፉ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ስለ ዝፈነወልና፡ ካብ ሓደ ዕርዲ ናብ ካልእ ዕርዲ እናዝለቕና ንባረንቱን ተኾምብያን ክንሓድገን ክኢልና።” ክብል ምስቲ ቅድም ዝበሎ ዝጋጮ መልሲ ሂቡ።

  • yonas27g December 1, 2013

    እስቲፍኖስ ተመልሶ፡ነቲ ምቕልል ኢሉ ምስ ሰብ ዘለዎ ናይ ምርድዳእ ባሕሪኡ ኢየ ከም መራሂሒ ጽሒፈዮ ንትብሎ ዘለካ ግና ይቕበሎ ኢየ ፡ብዝኮነ ኣብ ነብሶም ስለ ዘይተአማመኑ እንድዮም ኣብ ናይ ባድመ ምፍራስ ክስእል ምስ መጸ ንጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ ሰጊጎሞ ፡ብዝኮነ ጌጋይ ተቀቢለያ ኣለኩ ሽሙ ምስቶም ተዋጋእቲ ምጽሓፈይ ።

    • Samsome December 2, 2013

      First of all you need to ask your self. What is the cause of the war, which one benefit from the war(nether), how the war is solved. This war is not the boarder conflict.

  • Samsome December 2, 2013

    Stfanos or yonas27: First of all you need to ask your self. What is the cause of the war, which country benefit from the war(nether), how the war is solved, analyse your self. This war is not the boarder conflict.So we don’t get any benefit from this war likewise we don’t care how is the hero or not.

POST A COMMENT