Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዘይመውትፈውሲ ኣለዎ።

እወ፡ ብርግጽ ንዘይመውት መድሃኒት ኣለዎ! እምበር ኣስከሬን ናይዚንርእዮ ዘለና ህጻን መንእሰይ መሪሕ ፍትዊስ ብርግጽ ኣብ ድም ጹ ይራአየና ነይሩ። መዓስ ኣስከሬኑ ጥራይ፡ ብቐንዱ‘ምበር ብሰሪ ደላሎ ፖለቲከኛታት ሃገርና ዉልዶ ኣካላቱ ተተመዝሒቑ ክሽየጥ፡ ብሰንኪ‘ቶም ኣዒንቶም ብዶላር ዝዓወረ

እወ፡ ብርግጽ ንዘይመውት መድሃኒት ኣለዎ! እምበር ኣስከሬን ናይዚንርእዮ ዘለና ህጻን መንእሰይ መሪሕ ፍትዊስ ብርግጽ ኣብ ድም ጹ ይራአየና ነይሩ። መዓስ ኣስከሬኑ ጥራይ፡ ብቐንዱ‘ምበር ብሰሪ ደላሎ ፖለቲከኛታት ሃገርና ዉልዶ ኣካላቱ ተተመዝሒቑ ክሽየጥ፡ ብሰንኪ‘ቶም ኣዒንቶም ብዶላር ዝዓወረ ኣብሶርያን ሊብናንን እናተዛወሩ ኣቐዲሞም ብመሸጣ ኩሊት ናይተን ብሂወት ተሪፈን ጸገማ ተን ክፍለጥ ዝተኻእላ ግዳያት ደቂ-ኣንስትዮና ዝጀመረ ስዒቡ ነዚ ናይሎሚ ተረኽቦ ዝሃንደሱን ከምጥዑያት ድማ ፍቐዶ ኤውሮጳ  ተዘርጊሖም ከምሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝመስል ብርዒ ክሓናጥጡ ዝውዕሉ ዘለዉ ሃዋርያ ሲኦል ደላሎ ብርሰት ዝኾኑ ገበነኛታት ዝትግበርን ዝእለን መሸጣ ኣካላት ኤርትራዊ ዜጋ ርኢናዮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ክሕደት ሓሓቝፎም ኢዮም ህግደፋውያን ጻድቃናት ክ መስሉ ዝመጻደቑልና ዘለዉ።

ብዛዕባ መሪሕ ፍትዊ እንታይ ከምዝተሰማዓናን ከምዝመሰለናን ክትፈልጡ ንእትደልዩ ግዱሳት፡ እዛ ናይሎሚ ቅነ “ወይዘሮ ወርቅሃን ዕስራ ሰነን“ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዘርግሐት ፈነወ ከተረጋግጸልኩም ትኽእል።ኣብኡ ብዘይካ‘ቲ ናይታ መሰታ መሪሕ እትከውን ተዋ ሳኢት ንኡድ ድራማ፡ ብዛዕባ ዛንታ ናይታ “ሳራ“ ዝተባህለት ሳናቡኣ ካብጥቕሚ ወጻኢ ዝኾነት ጓል ኣሰርተ ዓመት ኣመሪካዊት ዝገ ልጽ ጥዕናዊ ትረኻ ኣሎ። ኣብኡ ወለዲ ሳራ ንጓሎም ዝኸውን ናይ ክንዲ ዕድማአ ሳንቡእ ክርከበላ ከምዝተማሕጸኑ ዝገልጽ ትረኻ ኣ ሎ። ክንዲ ዕድመኣ ዝኸውን ሳንቡእ ንምርካብ ከኣ ቀሊል ኢዩ። መወዓውዒ ምፍናው ጥራይ ባቃ።

ሽዑ ደላሎ ስራሕ ብምርካቦም ባዕላቶም ክጓየዩ ኢዮም። መቀያየሪ ኣካላት ሰብ መቸም ካብ ሲና ተበጊሱ ኣብ ዕዳጋታት ኒውጀርሲን መሰልታን ከምዝተዘርግሐ ኣመሪካዊ መጋቢ ዜና /ሲኤንኤን/ከይተረፈ ባዕሉ ተብቲብዎ ኢዩ። እሞ መን ኢዮም‘ቶም ተጠቀምትን ግ ዳያት ግዲ? ምስሊ ሳራን መሪሕን‘ሞ ኣብቅድሜኹም ኮፍ ኣብልዎ። ሳራ ክትድሕን ዘይንጸልኦ‘ዃ እንተኾንና ብዋጋ መሪሕ ክኸውን ግን ብዘይካ‘ቲ ንጽንተትና ዝዓለመ እኪት ህግደፍ መን ይቕበሎ?

ሽዑ ኢዩ እታ ዉልዶ ሰዊት ኣካል መሪሕን ካልኦት ግዳያትን ከምዝቕንጠባ ተራእይዎ እቲ ሓቀኛ ኤርትራዊ ዜጋና ዝተጓየየ። ሽዑ ኢ ዩ‘ውን ኩሉ ዜጋና ነዚ ታሪኽ ስለ-ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ከምኣውራ ታሪኽና ክኾነልና በቢክገብሮ ዝኽእል ዝተቓለሰ። ንኣብነት ገለ ካ ብቲ ንፍትሓውነት፡ ሕጋውነትን ግዝኣተ-ሕግን መንግስትና ካብዘለና ባህጊ ቅዱምን ድሓርን ካብ ዝተጻሕፈ ንምዝካር ዝኣክል፡ሎሚ ቅነ ሓደ “ዘይቀሰነ“ ብዝብል መጸውዒ ዝጽሕፍ ደራሲ በቲ ሙኡዝ ኣገላልጻኡ ከምዚ ኢሉ፡-

“ቅዋማዊ መንግስቲ እንተተኽለስ፡ ኮን ዶኾን፡ ነዚ፡ ዓለምና ዳር-ምስ-ትርኢት ርኢና ኢላ ዝመስከረትሉ፡ ምሻጥ ናውቲ-ከብዲ ኣሓትና ን ኣሕዋትናን  ኣስዒቡ ዘሎ፡ ጻኦተ-ስደት ህዝብና፡ ተገዲሱ ደው የብሎ ብዝብል ተስፋ’ዩ። ኮን ኾን፡ እቲ ሽዑ ዝትከል መንግስቲ፡ ‘ንፒክኒክ  እዮም ከይዶም’ ብዝብል ዘረባ-ንዕልቲን  ኣቃጫጭን ዘይኮነስ፡ ስደት፡ናይ ብሓቂ  ጽንታ ህዝብን፡ ብርሰት ሕብረተስባት ኤርትራን ሙዃኑ ገሊጹ፡ ደው ንምባሉ ድማ፡ ለይትን መዓልትን ዝጽዕት፡ መንግስቲ ብዙሓት እንተኾነልና ኢሉ’ዩ“።

ኣንታ ነዛ ዝጸምለወት ውጻእ መዓት ነብሲ ሕዝካ ናብዛ ዓለም ዳግማይ ሳልሳይ ዝተፈጠርካ ክቡር መሪሕ ፍትዊ፡ ንስኻ‘ውን ከምቲ ቃል ኣቦሓጎኻ ብርግጽ ንዘይመውት ፈውሲ ከምዘለዎ ከምዝኣመንካ ርጉጽ ኢዩ። ኣምላኽ ድማ ነቲ ዘይመውት ብጥበቡ ኢዩ ፈው ሲ ዝሰደሉ። ወነንቲ ሰብ ንጹሕ ሕልና ገሊኦም /ገሊአን/ ብዲቕ ዝበለ ሃገራዊ ፖለቲካ ተጣባቕነት ሰብኣዊ መሰላት ተሟጒቶም። ገ ሊኦም /ገሊአን/ ነቲ ኣውያትናን መኸተናን ዓፊኑ ብዘይመላስ ኣውያት ከብርሰና ዝዓለመ ከይሲ ፖሊሲ ኤሌክትሮኒካዊ ዓፈና ፈንጢ ሶም ከም ንደማመጽ ዝመከቱ ተቓለስቲ፡ ገለ ድማ ብማሎም/ማለን/ ዝተጓየዩ ሃገራውያን  ኮታ ኣብ ባህልና ዝገበረ ዘበለ ‘ገይረ‘ ‘ዃ ዘይበሃል እንተኾነ ብጩቡጥ ግን ኩሉ ገግባሩ ገይሩ።

ንከንቱ ኣይነበረን እቲ ናይ ሂወት ኣድሕን ናይ ‘ዎ….የ‘ ኣውያት። ንከንቱ ኣይነበረን‘ቲ ፍቐዶ ዓለማዊ ቤት-ጽሕፈታት ብድፍረትን ጋ ህድን ምጭባጥ። ንከንቱን ንዙረትን  ኣይኮነን እቲ ገንዘብካ፡ ግዜኻን ጉልበትካን ዝበልዕ ኩሉ ምእንቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝግበር ዘ ሎ ዓለም- ሰንጠቕ ሰላማዊ ሰልፍታት። ንሱ ዓይነት ምሕቡር ተግባራት ድማ ጽባሕ ብጊሓቱ ንህግደፍ ካብታ ተሸጒጥላ ዘሎ በዓቲ መዝሒቓ ከምትንሕንሖ እናተኣማመንኩ፡ ንግዚኡ ብስምካ ንኩሎም ድቃስ ዝሳአኑ ዝግባእ ምስጋናይ ክበጽሓለይ እምነ።

ንስኻ መሪሕ ፍትዊ እምበኣር ተኣምር ፈጣሪ ኮይኑስ፡ ልክዕ ከምቶም ብወዝቢ ካብ ‘እንዳተዓገስ‘ ዝወጹ ንጣርያ፡ ከምቶም ብትንግ ርቲ ካብ ነበልባል ኲናት ዝመሎቑ ትራፍያ ኮንካስ ስምካ ድማ መሪሑ ኣሎ። ስዒቡ ስራሓትካ ክመርሕ ኢዩ። ምትራፍካ መቸም ን ተወሳኺ ከቢድ ሓላፍነት እምበር ዘደቅስ ኣይኮነን። ከመይኣቢሉ? ብዋጋኻ ጁባታት ደላሎ ብዶላራት ክሓብጥ፡ መንግስቲ ህግደፍ ገይሩ ከምዘይገበረ እቲ ዕምርን ዕድልን መሪሓት ብኡ ኣቢሉ ክጸንት፡ ምስጢራት ራሻይዳን ካድረታቱን ክስተር ማለት ዘበት!!

ጽባሕ ዕስራ ሰነ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ስዉኣት ኢዩ። ንስኻ ድማ ምስቶም ኣፍ ዘለዎም ስዉኣት ተሰሊፍካ ካብቲኩሉ መዓት ንዘትረፈካ ፈጣርን ኩሉ ገባር ጽቡቕን ምስጋና ብምቕራብ ኣሃዱ ዳግመ-ፍጥረትካ ብሰላም ጀምሮ‘ዚ ወደይ። ዕድመን ጥዕና ፈጢርልካ ከምተ- ረካቢ መጠን ንረኸብቲ ዝብድህ ዓቕሚ ረኺብካ ንረኽብታት ትብድህ ይግበርካ።

 

ኣሜን!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ጎደፋ፡

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Kabbire June 19, 2013

    እቲ ካብ ኩሉ ዝሕዝን ነዚ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ግፍዕን ጭካነን ናይ በደዊን ራሻይዳን ሃገራት ዓረብ መንግስታቶም ይኹን ጋዜጣታት ተሌቪጅን ከምኡ ውን ምሁራቶምን መሃይሞምን ሰሚዖም ምጽቃጦም እዩ። እዚ ነቶም ግዳያት ኣብ ግዝኣት ዓረብ ዓሰርተ ግዜ ምቕታል ማለት እዩ።

  • Kabbire June 19, 2013

    A Darfur man who suffered so much in the hands of the Islamist regime Omar al Beshir once said that the selfish Arab comes to your village only to rape your wife and children, to kill the man or take him to slavery, and to burn down your language, history and heritage so as to wipe your identity.

Post a Reply to Kabbire Cancel Reply