Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዘንብብ ኣብ መንደቕ ተጻሒፉ ኣሎ።

ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት ኣብ ቁጠባ፡ፖለቲካ፡ማሕበራዊን ባህላውን መዳያት ቁልቁል ትወርድ ኣላ።ጠንቂ ናይዚ ድማ ብሕማም ስልጣን ዝተለኽፈ ኣካይዳ ኢሳያስን ጉጅለኡን ኢዩ፡፡ንኩሉ እቲ ኢሳያስ ዝተኸተሎ ሰራምን ኣዕናውን ኣካይዳ ንጎድኒ ገዲፍና ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዝፈጸሞ ዕንወት ምምልካት

ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት ኣብ ቁጠባ፡ፖለቲካ፡ማሕበራዊን ባህላውን መዳያት ቁልቁል ትወርድ ኣላ።ጠንቂ ናይዚ ድማ ብሕማም ስልጣን ዝተለኽፈ ኣካይዳ ኢሳያስን ጉጅለኡን ኢዩ፡፡ንኩሉ እቲ ኢሳያስ ዝተኸተሎ ሰራምን ኣዕናውን ኣካይዳ ንጎድኒ ገዲፍና ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዝፈጸሞ ዕንወት ምምልካት ንመጻኢ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝግበር ርክብ ብኢሳያስ ኣይውሰድን ዝበሃል ስጉምቲ ከምዘየልቦ ምዝኽኻር ኢዩ።

ኢሳያስ ንስልጣኑን ዝናኡን ብምቕዳም ብሕታዊ ውሳነ ካብ ምውሳድ ድሕር ከምዘይብል ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ኣብ ዝተቓረበሉ ኢዩ ጀሚሩ።

1991፡ሰራዊት ደርግ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትንፋስ ሓጺርዎ ትልኽ ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ ኣብ ለንደን ምስ መኮነናት ደርግ ኣብ ዝተገብረ ዘተ፡ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ክኣትው ተሰማሚዑ ምንባሩ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝመላለስ ዝነበረ ወኪል እቶም  ንደርግ ንምዕላው ኣብ ዝፈተኑ  መኮነናት ርክብ ዝነበሮ ሻለቃ ዳዊት ወልደገርግስ ገሊጽዎ ኢዩ።

1994፡ኢሳያስ ምስ መራሕቲ ሓደሽቲ ወለዶ ኣፍሪቃ ተጸብጺቡ ብኣሜሪካ ኣብ ዝውደሰሉ ዝነበረ፡ንሰራዊት ሓርነት ደቡብ ሱዳን ንምድጋፍ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት፡ብርጌዳት ኣሰሊፉ ጊደ ሞትን መቑሰልትን ገይርዎም።ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሱዳን ድማ ንተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ሂብዎም።ካባኡ ለዊጡ ድማኣብ 2011 ደቡብ ሱዳን ብረፈረንዱም መጻኢ ዕድላ ንምውሳን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተበጽሐ ስምምዕን  መንግስቲ ሱዳን ንዝተቐበሎ ውሳኔን ሸርሕታት ብምምሃዝ ከጎናድብ ፈቲኑ ፈሺሉ ፡፡

1995:ኤርትራን የመንን ብዛዕባ ደሴታት ዙቑር ሓኒሽ ምስ ተሰሓሓባ እቲ ጉዳይ ብዘተ ክፍታሕ ብመንጎኝነት ፈረንሳዊ ዜጋ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ጥሒሱ ኩናት ወሊዑ፡፡ድሕሪ ሞትን መቑሰልትን ሰራዊት ክልቲኡ ወገናት ድማ ኣብ ሄግ ነዘርላንድስ ዝመደበሩቀዋሚ መጋባእያ መንጎኝነት(permanent court of arbitration)ዝሰፍሐ ክፋል ደሴታት ዙቑር ሓኒሽ ልኡላዊ ግዝኣት የመን ከምዝኾነ ወሲኑ።

1997:ምስ ኤርትራ ብዶብ ይኹን ብታሪኽ ምትእስሳር ናብ ዘይብላ ዲሞክራስያዊት ረፑብሊክ ኮንጎ ናይ ቀደም ዛየር  ወተሃደራትን መሳለጥያን ብምልኣኽ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ሞቡቱ ሴሴኮ ኣብ ምዕላው ተሳቲፉ።ብዋጋ ሂወት ኤርትራውያን ድማ ስሙ ከዕቢ ፈቲኑ ጉንዖ ኣልማዝን ወርቅን ረኺቡ። ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጠ ፕረዚደንት ሎረንት ካቢላ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ኣብ ማዘጋጃ ቤት ኣስመራ(ምምሕዳር ዞባ ማእከል)ኣብ ዝፈሰሰ እንግዶት ንዝተገብረሉ ምሉእ ደገፍ  ምስጋንኡ ኣቕሪቡ፡፡እቲ ካብ ውልቀሰብ ዘይሓልፍ ምትሕቑቓፍ ግን ካቢላ ኣብ 2001 ምስ ተቐንጸለ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኤርትራን ዲሞክራስያዊት ረፑብሊክ ኮንጎን ሽታ ማይ ኮይኑ።

1997፡ ኢሳያስ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ቀሪቡ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎና ዝምድና ካብ ኮንፈደረሽን ንላዕሊ ኢዩ ኣብ ዝበለሉ ብዙሓት ኤርትራውያን ርእሶም ሓኺኾም፡፡መልሓሱን ርእሱን ከምዘይሳነ ድማ ዓመት ድሕሪ ዘረባኡ ቅዲ ካልኣይ ኩናት ዓለም ተኸቲሉ ሰራዊትን ህዝብን ክልቲኡ ሃገራት  ዘይተቐረበሉ መጋርያ ኣጉዱ።

ዘተ ሰላም ረጊጹ ኣኹድር ተረኺቡለይ ክንፈታተን ኢና ብምባል ሂወት መንእሰይ ኤርትራ ንዝበልዐን ቁጠባ ንዝረኹመሸ ኩናት ብብድዐ ቀጺልዎ።መንጠሊና ውርደት ተጎምጊሙ ድማ ነቲ ብኣሜሪካን ርዋንዳን ዝቐረበ ዝተሓሰሞ እማመ ሰላም ሽሙ ቀይሮም ስምምዕ ኣልጀርስ ሰይሞም ዒደር እናጠዓሞ ኣጉሲሞሞ።

2006:ኢሳያስ ነቲ ኣብ ሶማልያ ብእስላማዊ መጋባእያታት ዝካየድ ምንቅስቓስ ብምድጋፉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ ክሲ ሓሶት ብምባል ነጺግዎ።እንተኾነ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኸታታሊ ጉዳይ ሶማልያ ብዘቕረቦ መርትዖ ኢሳያስ ናይ ኣጽዋርን ገንዘብን ሓገዝ ከምዝገብር ተረጋጊጹ።ኣብ 2009  ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ መሸጣ ኣጽዋርን ምንቅስቓስ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ምድስካል ርእሰማልን  ወሲኑ ኣብ 2011 ድማ ነቲ ተናኻሲ ባህርያት ኣይገደፈቶን ብምባል ነቲ እገዳ ኣጽኒዕዎ።ኢሳያስ ምስቶም ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ሂቡ ንእከይ ተግባር ክምልምሎም ዝጀመረ ሶማልያውያን እውን ብምጉንፋጡ ገዲፎሞ ተበታቲኖም።ሶማልያ ድሕሪ 22 ዓመት ዕግርግር ሰላም ኣስፊና መንግስቲ ምምስራታ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብሓጎስ ኣብ ዝተቐበለሉ ኢሳያስን ጉጅለኡን ገብኢ ሒዝዎም።

2007፡መንእሰያት ኤርትራ ካብ ጊልያነት ንምምላጥ ኣብ ዝገብርዎ ፈተነ፡ሓለፍቲ ወተሃደራት ኤርትራ ኣሽሓት ዶላራት ብምምንዛዕ ከምዝሰርሑ ጸብጻባት የመልክቱ፡፡ኣብተን ብነጋዶ ሰባት ዝውነና ካብ ሱዳን ናብ ምስሪ ኤርትራውያን ዝነበርወን መካይን ኣጽዋር ጽዒነን ከለዋ ብለይቲ ብሚሳይል ከምዝተወቕዓ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ምግላጾም ህግደፍ ኣብ መሸጣ ሰብን ኣጽዋርን ኢድ ከምዘለዎ ዘነጽር ኢዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።

2008:ዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ውግእ ባድመ፡ሕማሙ ደጊስዎ ኢሳያስ ወተሃደራት ብምልኣኽ ግዝኣት ጁቡቲ ጥሒሱ ሑጻ ንምውሳድ ብዝብል ጉልባብ ኣብ ራስ ዱሜራ ዕርድታት ብምህናጹ ምስዛ ንእሽቶ ግን ከኣ ጎድኒ ዘለዋ ሃገር ክርቢት ሸርጢጡ።ንሱ ነቲ ኣብ ቃልዕ ዝተኻየደን ኣማኢት ወተሃደራት ዝሞቱሉን ዝተማረኹሉን ውግእ ክሒዱ ምስ ጂቡቲ ሽግር የብልናን ጸላእቲ ዝሃንደስዎዩ ብምባል ብመንጎ ኣስናኑ ሓስዩ፡፡ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ሕቡራት ሃገራት ዓይንኻ ምስበልዎ ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ብመንጎኝነት ቐጠር  ዝቐረበ እማመ ከይሓነኸ ተቐቢልዎ።

ኣብ መጋቢት 2013 ካብ ስልጣኑ ዝተዓልወ ፕረሲደንት ማእከላይ ረፐብሊክ ኣፍሪቃ ቦዚዘ፡ህግደፍ ነቶም ሰለካ(ኪዳን)ዝተሰምዩ ተቓወምቲ ብመንገዲ ጫድ ኣጽዋር ከምዝሸጠ ኣቃሊዑ፡፡ማእከላይ ረፐብሊክ ኣፍሪቃ ከም ዲሞክራስያዊት ረፑብሊክ ኮንጎ ብኣልማዝን ባህርያዊ ሃብትን ዝተዓደለት ሃገር ኢያ።

ጉጅለ ህግደፍ ካርታ ዓለም ዘርጊሑ ዝጥምቶ ነገር እንተልዩ ኣበይ ኣሎ ረጽሚ እምበር ኣበይ ኣሎ ሰላምን ልምዓትን ዝብል ኣይኮነን። ህግደፍ፡ካብ ኣፍሪቃ ሓሊፉ ናብ እስያ ሲሪላንካ ተናጢሩ ምስ ታሚል ታይገርስ ዝነበሮ ርክብ ምስ እንዝክር እዚ ጉጅለ ንረብሓኡ ክብል ዘይፍንቅሎ እምኒ ከምዘየልቦ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ቅዋም፡ብህዝቢ ዝተመርጸ ባይቶ፡ተሓታትነት ኣብ ዘይብላ ብኢሳያስን ጉጅለኡን እትግዛእ ሃገር ሓንቲ መዓልቲ እውን እንተኾነት ከቢድ ጥፍኣት ዝፍጸመላ ከምእትኸውን ንዘንብብ ኣብ መንደቕ ተጻሒፉ ኣሎ።

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • amir May 2, 2013

    Yassin are just idiot and you deserve all this insult whether you are jeberti or not.

    To arrogant and ignorant Wedi Zere I just call him to revise and learn Eritrean history. Jeberti are the ones who stand for the sake of Eritrea since 1940s (Eritrea n eritrawian, mahber fikri hagre and al rabita al islamia). So I can confidently claim they are the core initiators of all Eritrea political movements in that time. And they continue to struggle along their Eritreans brothers until now. You are trying to dismiss jeberti efforts like iseyas did in his answer and questions session in capitol around mid-1990s (check in YouTube). People who are jebertiphobia (ant-jeberti) are the ones who suffer psychological disorder because of their deeds in the past. May be your father and your grandfather were one of the Andnet member (unionist with Ethiopia).

    Finally credit goes to Semhar and others with similar political view.

  • kemal May 2, 2013

    well said friend, I like the sequences and the chronology, accept it forgot the internal instability, killings and the open war with The republic SUDAN, which cost us many innocent lives and create a havoc between the historical relations of the two brotherly people intentionally in 1994 declare war in the name of self defense against both Sudanese and many western Eritrean Muslims, just to create tension between the high land and law lands of Eritrea…in a divide and rule policy of DIA. No body will forget the disappearance of many Muslim intellectuals and business men in one night in a round up in all major Eritrean Cities, extends from Teseney to Senafe and Massawa,including Asmara,Ghindae, Keren, Akordat. It is heard from many ex-halewa sewra that the killing squad killed almost all the innocent Eritreans with out any charges. I personally know many of the orphans made or the kids of those kidnapped ones are at this time well mature enough and some being married and get children; but still all are waiting for justice.

  • Kabbire May 3, 2013

    Why do some Eritreans who hail from Tigray or Wello of Ethiopia, with the proud ancestral languages such as Tigrinia and Amharic, get ashamed to speak in their own Tigrinia or Tigre in Eritrea?
    Why is that the so called opposition are ashamed to broadcast in Eritrean languages such as Tigre, a language of a third of Eritrea and understood by half of Eritrea?
    Why did the retarded leaders in Jebha burn Eritrean language written textbooks such as Tigre?
    Do you expect inferiority laced servants can create any worthy nation by burning and hating their own language?
    Are Eritreans Arab slaves as some people want to be?

Post a Reply to amir Cancel Reply