Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ለቘታ!! – ብ ዘመን

መቸም ቀጣፊ ሰብ ኣይሓንኽን’ዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ምስኪናይ ህዝቢ ኤርትራ ቃለመሕትት ናይቲ ቀጣፊ ኢሳያስ ክሰምዕ ቀንዩ። ከም ሓቂ ንሰብ ምጽራፍ ጌጋ’ዩ፡ ንኢሳያስ ግን ጸርፊ ዘይኮነ ካልእ’ውን ይግብኦ። ኣቱም ሰባት! ኣብ ኣብ ህይወተይ ከም ኢሳያስ ዘይሓንኽ

መቸም ቀጣፊ ሰብ ኣይሓንኽን’ዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ምስኪናይ ህዝቢ ኤርትራ ቃለመሕትት ናይቲ ቀጣፊ ኢሳያስ ክሰምዕ ቀንዩ። ከም ሓቂ ንሰብ ምጽራፍ ጌጋ’ዩ፡ ንኢሳያስ ግን ጸርፊ ዘይኮነ ካልእ’ውን ይግብኦ። ኣቱም ሰባት! ኣብ ኣብ ህይወተይ ከም ኢሳያስ ዘይሓንኽ ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን። እቲ ኣብ ሜዳ ከለና እዞም ሕጂ ኣብ ዒራዔሮ ዳጕኑዎም ዘሎ ሊቃውንቲ ከይዕዘቡዎ፡ ብዓቢኡ ድማ ተጋደልቲ ከይክዕቡዎ ግዲ ይስከፍ ነይሩ፡ ከምዚ ሕጂ ዝዛረቦ ዘሎ ክትሰምዖ ኣእዛንካ ዝዅርኵሕ ቃላት ኣይዛረብን ነይሩ። እንተ ሎሚ ዳርጋ ጨሪሹ ናብ ሓደ ዕቡድ ወይ ኣእምሮኡ ዝተመዛበለ ሰብ ተቐዪሩ ኣሎ። ምስኪናይ ህዝቢ ድማ እናለመዶ ስለ ዝኸደ ነቲ ዘይመስልን ቍምነገር ዘይብሉን መደረኡ ብዙሕ ኣየስተውዕለሉን ዘሎ። በንጻሩ እዞም ትፋኦም ዘልምጹ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኣጫፈርቲ ህግደፍ ሰሚዕካዮዶ ኢሳያስ ዝተዛረቦ? ንኣመሪካ ዝገበራ፡ ብዛዕባ ማዕድን ዝበሎ ወዘተ ክብሉ ቀንዮም።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግን ካብ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝወጹ መንእሰያት እንተ ተመሊሶም ዝሓቶም የሎን፡ ኣድላዪ እንተ ኾይኑ’ውን ኣዋጅ ክወጽእ ይኽእል’ዩ ክብል መዲሩ። ካብዚ ዝኸፍእ ናይ ምጥፍፋእ ዘረባ ክህሉ ኣይክእልን። ስርዓት ህግደፍ ብሓሶትን ምንድልሓቕን ዝተነድቀ ስለ ዝኾነ ግን ከምኡ እንተ በለ ንዑኡ ሓደ ንቡር ነገር’ዩ። እቲ ዘገርም ገለ ሰባት ነዚ ሰሚዖም ክደግሙዎ ክትሰምዕ ከለኻ’ዩ። ዓሚ ከምዚ እዋን’ውን ነዚ ዝመስል ዘረባ ተዘሪቡስ ገለ መሳኪን ሰባት ካብ ኖርወይ ከይተረፈ ናብ ኣስመራ ከይዶም። ኣብኣ ግን ረኺቦማ። መሳኪን ተዳጕኖም!! ኢሳያስ ሓቂ እንተ ኣሊዩዎ ነቲ ናይ ስደት ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ነገር ክኣልዮ ክኽእል ኣለዎ። መንእሰያት ኤርትራ ስለምንታይ ትንፋሶም ጨቢጦም ካብ ሃገር ብምውጻእ ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ? ስለምንታይ ኣደዳ ሞትን መቕዘፍትን ይኾኑ ኣለዉ?? እቲ ጠንቂ እንተ ተፈቲሑ ናብ ስደት ከምርሑ ስለ ዘይክእሉ፡ እቲ ዝሓጸረ ፍታሕ ሕግን ፍትሕን፡ ሰላምን ቅሳነትን፡ ህንጸትን ልምዓትን ዝሰፈኖ ሕብረተሰብ ክትሃንጽ ምብጋስ’ዩ ነይሩ። እከይ ጥራይ ዝዕላማኡ ኢሳያስ ግን ከምስል ኣብ ሳዕቤን ክዛረብ ፈቲኑ። ብዓንተቦኡኸ ብዛዕባ ስደት ዝነበሮ መልሲ ከመይ ይመስል ምባል ጽቡቕ ይመስለኒ። ኣብ ዝተፈላልየ ግዜ ንዋሕዚ ስደት ኣመለኪቱ ዝመለሶ ምስ እንዕዘብ ነዚ ዚስዕብ ንረክብ።

  • ኣንጻር ኤርትራ ዝዓለመ ብናይ ኣመሪካ ሲኣይኤ ዝተወደበን ዝምወልን ንመንእሰያት ናብ ደገ ንኽውህዙ ዝገብር ፕሮግራም ኣሎ። ኣብዚ ንጥፈትዚ ካብ ኤርትራ ጀሚርካ ክሳብ ኤውሮጳን ኣመሪካን መነመን ከም ዝዋስኡ ኣጻሪና ፈሊጥናዮ ኣለና።
  • መንእሰያት ናብ ዘበሉ እንተበሉ ንሃገሮም ኣሕሊፎም ዝህቡ  ኣይኮኑን። ጽባሕ ንግሆ ተመሊሶም ናብ ሃገሮም ብምምጻእ ኣብ ልምዓት ክሳተፉ’ዮም። ስለዚ፡ ከም ዓቢ ጸገም ኣይንርእዮን ኢና።
  • እዞም ሕጂ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ዝሃድሙ ዘለዉ ዜጋታት ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጽንኵር ኵነታት ክብድሁ ዘይከኣሉ ሓተላ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾኑ ካብ ኣብዚ ኮይኖም ሽግር ዝፈጥሩልና እንተ ኸዱ ዕዳ ቀለለ ኢና ንብል።
  • ሃገር ንምህናጽ መስዋእቲ እናተኸፍለ እጃምካ ኣብ ክንዲ ምብርካት ጁባኻ ክተርጕድ ካብ ሃገር ብዘይ ሕጊ ምዅብላል ብሕጊ ስለ ዘሕትት እዞም ሃዲሞም ዝኸዱ ከም ከዳዓት ኢና ንርእዮም። ውዒሎም ሓዲሮም ክሕተቱ’ዮም።
  • ኤርትራ ናይ ቍጠባ ስደተኛ’ምበር ናይ ፖለቲካ ስደተኛ የለን። እዚ ድማ ኣብ ኵሉ ሃገር ዘሎ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይኮነን።

ከምዚ ዓይነት መልሲ ክህብ ዝጸንሐ ሰብ ብኸመይ መንገዲ ሕጂ ካልእ ዘረባ ክዛረብ ይኽእል። ብዓቢኡ ግን ኢሳያስ ካብቶም ዓበይቲ ሓሰውትን መንደላሓቕትን ናይ ዓለም ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ዝኣምን ሰብ ናይ ደናቁር ደንቆሮ ጥራይዩ ክኸውን ዝኽእል። ገለ ሰባት ኣዋጅ ክነውጽእ ንኽእል ኢሉ ዝብል ዘረባ ክደግሙ ይስምዑ ይኾኑ። ኢሳያስ ግን ክንደይ ኣዋጅ ክንደይ ሕጊሞ ዘየፍረሰ። ኣብቲ ሕጂ ዝስርሓሉ ዘሎ መሰጋገሪ ሕጊ ኤርትራ ደኣ’ሞ ሓደ ሰብ ካብ 48 ሰዓታት ንላዕሊ ብዘይፍርዲ ክእሰር ኣይክእልን ይብል’ንድዩ! ኢሳያስ ግን ንንጹሃት ሰባት ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ብኣራዊታዊ መንገዲ ሰብ ኣብ ዘይረኽቦም ዳጕኑዎም ኣሎ። ስለዚ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ንቅጥፈት ኢሳያስ ኣስተውዒሉ ክዕዘብን ኣብ መጻወድያ ካብ ምእታው ክጥንቀቕን እላበው።

 

ሓውኩም ዘመን

ካብ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • SINGAPO-ERIREAN January 22, 2012

    “ኣንጻር ድልየትኩም ዘሸፈቱኹም
    ኣልሸባብሲ ተሓጕሶም፣ ሓዚና እንደ´ሞ ኣደኹም”

    ደርጊ ጸሊእኩሞ፣ ክትሰግሩ ንሱዳን
    ኬላታት ሰጊርኩም መርሚርኩም ደቒቓን ሰዓታን
    ብጽምእን ጥሜትን ኣብ ኩርባን ኣብ ሜዳን
    ስድራኹም ክትሕግዙ ወጻኢ ብምኽዳም
    ዕጡቓት ሰብ ብረት ፣ ሰብ ክሹፍን ሽዳን
    ብሓይሊ ዘወንበዱኹም፣ ብታህዲድ ብምግልዳም
    ካትምን፣ስዓትኩምን ሃጊሮም፣ ዘሕደሩኹም ግዳም
    መርዚ ድሙ-ድሙ ናይ ሽፍትነት ዕብዳን
    ስዉኣት ዝሰመየኹም ከለኹም፣ ቅቱላት ምዉታን
    ደም ነቢዔልኩምየ፣ ካናዳ፣ ኣሜሪካን ኡጋንዳን
    ግብጽን ኣልሸባብን የመስግኑኹም፣ ደምኩም ብምቕዳም
    ኣደኹም ግን ቅሂማ ፣ ብሓዘንን ማዳን !!!!!!!

    ካብ እንቋቝሖ ተመን፣ ርግቢት ዝጽበዩ፣ ገልዕታትኒ ገልዳማትኒ´ዮመ !!!!

  • Abnet Tesfai January 22, 2012

    the youth is divulging the secrets of DICTATOR ISSAYASS in http://www.meskerem.net/paltalk!!!!!

    • Ahmed saleh January 23, 2012

      Wow, is it necessary all those foul mouthed language in front Eritreans who participate on reading in this forum ?

    • Abnet Tesfai January 23, 2012

      hggum brhan
      if you have the mettle go to BADME and shout AGAME!!!!!
      fesawi! meriet eritrea agame dekisulu kelo agame ela aytitsaref.
      sebaay entkoinka brien hizka kid sighoghom.
      mushmush hadami!!!!!

  • simeriiiiiiiiiiiiiiiiiiiiiiiiiii January 23, 2012

    YA instead of calling those who left the country release those who r in prison.

  • saba January 23, 2012

    hggum brhan go back and start elementary school again if ,ifffffffffff your stone age brain accepts English.

  • tesfaldet January 24, 2012

    some thing wrong in this is picture no body is going to put the lion of nakfa in prson he puts tireitors sellouts kedaat in conteiner & eraero where they diserve

  • tesfaldet January 25, 2012

    let me tell you some thing funny in this pictrue it shows the lion of nakfa esayas is in prison well that is wishifull thinking jast let me tell you astory in one town there was this cat he finsh all the rats in that town one day the older rats have ameeting how to be safe from the cat & they agree that they have to put abell in the cats neck so they can hear him coming then one rat ask the older rats whome one of us is going to put the bell in the cats neak so my point is wishing is good but who is going to put the lion of nakfa in prison

  • samrawit January 27, 2012

    dear tesfaldet first of all try to imrove your english pls…………what a shameful tigrigna ke tizareb do tikewin miskinay ?

  • Taddesse T Gebremussie January 27, 2012

    Selamawit be brave liones ANBESIT GULEY HABROM.
    Those who never pay the price of Eritrean freedom they can say any thing they don’t know why we pay our blood 30 years is not for our benefit for Eritreans all not for Dictators,e g,I don’t have personal with AGDF MENTEL Isayas party it dath not represent us EPLF Members of the past we finish our job we want to our pravet life 80% of us.
    Naw we are caming back to poletics slowly we don’t suport kiling each ather we need civil dis-obidence to do all Eritreans ,becouse ,KIDAN IS OLD ELF.Eritreans respect each ather we need civil movment for dimocracy ,Saudi is using Jeberti,wach out.Ali Abdo is in side driving ISAYAS .The fool so called generals, SBHAT,FILIPOS,WUCHU,HAILE CHAINA wach out why are you there reamember our patriotes HADERA SWATNA.
    Eritreans need change with out blood among us.EPLF Members we do’t want to kil each ather.we dont want our yung jeneration to go out of their country .you canot rule the country give pawer to the people as we agree in 1978.
    Eritrean scholars must cam together to save our country from blood shed.Those in Diaspora you have great reasponsblity. RADIO ASSENNA,RADIO WEGAHTA ATHER RADIO STATIONS YOU HAVE REASPONSIBLITY TO MOVE CIVIL DIS-OBIDENCE AS,Mahtema Gand do for India.

    • Ahmed saleh January 28, 2012

      Taddesse
      That is true, we did our part when we were youngs and we went to our private lifes but
      those thugs who betray the principle and the promise we vow to our beloved
      Martyrs force us back to join again on this political struggle for democracy. As you put it, me too I wish not to see onother blood shed from our youngs.

POST A COMMENT