Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዑ’ባ! ክንደይ ትጭክኑ

ንዑ’ባ! ክንደይ ትጭክኑ መስከረም 11/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ህግደፋውያን ክንደይ ትጭክኑ ቤተ-ሰብኩም ማሲኑ ማህሚኑ ኣደን ኣቦን የብልክምን ዲኹም እቶም ወሊዶም ደቀይ ዝበሉኹም     ረሲዕኩማ ኣዴኹም ሰግለለት     ኣባዲትኩም እሩሩ ዝበለት     ወላዲኹም ባዕሉ ’ፈልጥ ኢልኩም     ተቐጥቂጡ ቅጫ ዘምጽኣልኩም ክንደይ ትጭክኑ’ታ! እዛ ኤርትራ ብዙሕ’ያ ኸፊላ እምበርዶ ’ስኻትኩም ኔርኩሙላ እዚ

ንዑ’ባ! ክንደይ ትጭክኑ

መስከረም 11/2018

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ህግደፋውያን ክንደይ ትጭክኑ

ቤተ-ሰብኩም ማሲኑ ማህሚኑ

ኣደን ኣቦን የብልክምን ዲኹም

እቶም ወሊዶም ደቀይ ዝበሉኹም

    ረሲዕኩማ ኣዴኹም ሰግለለት

    ኣባዲትኩም እሩሩ ዝበለት

    ወላዲኹም ባዕሉ ’ፈልጥ ኢልኩም

    ተቐጥቂጡ ቅጫ ዘምጽኣልኩም

ክንደይ ትጭክኑ’ታ!

እዛ ኤርትራ ብዙሕ’ያ ኸፊላ

እምበርዶ ’ስኻትኩም ኔርኩሙላ

እዚ ኹሉ ክድፈን ብሓመድ

ኣይነበረኩምን ’ድዩ ሓደ ዘመድ

    ታሪኽ የብልኩምን ናይ ሰውራና

    እዚ ኹሉ ባርዕ ክወርደና

    ሰብ ክበርስ ክትርእዩ ከለኹም

    እንታይ ትብል እታ ሕልናኹም

ክንደይ ትጭክኑ’ታ

ቤተ-ሰብኩም ከም እኽሊ ኽሽመት

ንግደት ሓሲብኩሞ ነቲ ስደት

ፍጥረት ኣዳም ከም ሓሰር በኒኑ

ወፊሩ ዝኣቱ ተሳኢኑ

    እንስሳ’ውን ስደት ለሚዱዎ

    እንታይ ይግበር ተዂሲ በዚሑዎ

    ሕልና የብልኩምን ዘመዛዝን

    ብዕንቅፋት’ኳ ሰብ ዝሓዝን

ኣታ! ክንደይ ትጭክኑ!!

ሓትነኹም ትስእኖም ወሊዳ

ንማለቱ ኾይኑ ወዮ ኸብዳ

ኣሞታትኩም ኩለን ጸልሚቱወን

ጨው ተፊአን ንብዓት ነጺፉወን

    ሓወቦኹም ወዲቑ ናብ ልዳት

    ደቁ ተገፊፎም ብዕቡዳት

    ኣኮኹም ተዀርምዩ ተዋሪዱ

    ’ቲ ባሕሪ ኸብድኹም ናበይ ከይዱ?

ክንደይ ትጭክኑ’ታ!

ንስኻትኩም ብዕሪር ትሕይኹ

ሓረግ ወለዶኹም ተበቲኹ

ንስኻትኩም ንደመር ትብሉና

ኣዳም ክኣ ትለኽፎ ስኢና

    በጃኻትኩም እዝንኹም ሃቡና

    እንዳፈተናኩም ትጸልኡና!!

    ክሒድኩማ ዝወለደትኩም

    ዘይወለደትኩም ትሕሸኩም

ክንደይ ትጭክኑ’ታ!

ሓደዶ ’ይነበርናን ብንጒህኡ

ከመይ ገይሩ ሕውነት ጠፊኡ?

ስምናዶ ’ይነበረን ተጋዳላይ

ካበይ ድኣ መጸ ኣፈላላይ?

    ክንዲ ’ብ ዓራት ኣብ ድፋዕ ንድቅስ

    የማን ጸጋም ብሓባር ንትኲስ

    ተጣሊምና ታሪኽና መኺኑ

    ወዮ ህጁም ሽንቲ ገመል ኰይኑ!

ክንደይ ትርስዑ’ታ! ክንድ’ዚ ጭካነ!

ውሕጅ ደም ከፊልና ብሓበራ

ንሃገርና ንህዝቢ ኤርትራ

ተጋዲልና ከየበልና ሰለም

ኣብ እርጋንና ሕጂ ንጠላለም!

    ዓሚ እንዲያ’ታ ነይራ ቅድሚ ዓሚ

    ሓንቲ ዓይነት ተኸዲንና ረስሚ

    ህጻውንቲ ስኢኖም ዝብላዕ

    ብደቅኹም ትጻወቱ ጠላዕ

ክንደይ ትጭክኑ’ታ ወረ ክንደይ ትርስዑ!

ኣረገውቲ ስኢኖም ዝቋረፍ

ተዘኒብና ምስ ሰይጣን ክንስለፍ

ካበይ’ዩ መጺኡ ሕማቕ ልምዲ

ንማህጸኑ ዝፍንፍን ወላዲ

    እንተድኣ ዘይትርእዮ ኰንካ

    ውላድ’ሞ እንታይ ይዓብሰልካ

    ወረ በጃኻትኩም ኣስተውዕሉ

    ሃገርኩም ክትጽውዕ ኣቤት በሉ

ካብ ምጭካን እንታይ ትርኽቡ’ታ!

በጃኻትኩም ስምዕዎ ኣውያትና

ኣርክብዎም ነቶም ዝመጹና

እንታይ ክዓብሰልኩም ትሕክሉ

ኣብ ዘይቤትኩም ትሓድሩ ትውዕሉ

    ኣውያት ናይ ህዝብኹም እባ ስምዑ

    እቶም ዝተረፍኩም ቶሎ ንዑ

    ተዀርምዩ ኩሉ ርእሱ ’ድኒኑ

    ይደብስኩም ዝብል ተሳኢኑ

ኣታ! ክንድ’ዚ ጭከና ካበይ መጸ?

እንታይ ማለት ደቅኹም ትሰጉ

መሲሉኩም ደኾን ዘይትኣረጉ

ሃገርኩም ክትሽየጥ ትህውትቱ

መሲሉኩም ደኾን ዘይትመቱ

    ንዑ’ባ ዘረባ ሰብ ስምዑ

    መስጣ ህዝቢ ጽባሕ ከይትነብዑ

    ሕማቕ ታሪኽ እንታይ ይዓብሰልኩም

    ኤርትራ ሃገርኩም ትሕሸኩም

ኣይትጨክኑ’ባ!

ብዙሓት ጨካናት ርኢናዮም

ብሓባር ዶ’ይኰናን ስዒርናዮም

ስለምንታይ ልቢ ዘይትገብሩ

ካብ ምሳናስ ምስቶም ዝተሳዕሩ!

    እዚ ኹሉ ድኻም ሩባን ኲርባን

    ካብ ምትኳብሲ ይሓይሽ ምልማን

    ዘብልዓኩም ሰንኪቱ ብኢዱ

    ባዕሉ ይፈልጥ ኢልኩሞ ትኸዱ

ክንደይ ትሓስሙ’ታ ወረ ክንደይ ትጭክኑ!

ተጋዲልና ክንስዋእ ክንክርትት

ካብ ዘርኢ ጣፍ ዝበዝሕ ጠያይት

ኤርትራና ብተዂሲ ነዲዳ

ለይትን ቀትርን ብቦምባ ነጎዳ

    ኩሉ ሰጊርናዮ እንዳበልና

    ሕጂ ክኣ ንደግሞ ትብሉና

    እንታይ ኰንኩም ልቢ ዘይትገብሩ

    እንስሳ’ኳ ዝበኽዩ ዝግዕሩ

ዓገብ! ክንዲዚዶ ይጭከን ኣታ!

በሉ ድሓን፦ እንተ ተጠዓስኩም ትኸብሩ

           እንተ ጨከንኩም ክኣ ትሓስሩ

           ድሕሪት’ዩ ዝተርፍ ከዳዕ ዘይእመን

           ተገፊፉ ከም ዕፋፈት ተመን።

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde September 13, 2018

    ‘NZEISEMAAKA GEDAM AYTMAHLEL’>>> our fathers used to say,when somebody have a weak heart,can be easily enticed like a child with small worldly perks like a car,a house,a position of power,even a permission to visit his/her own home and they are willing to sleep with the enemy in exchange,you ain’t going wake them up.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply