Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንወ/ሮ መድህን..!

ንወ/ሮ መድህን..! ህግደፍ ተጨኒቑ ፍጹም ኣዕወንዊኑ ልዕሊ እምባሶይራ በሪኹ ገበኑ ካብ ሰብ ከይክዉሎ ገለ ሸፋፊኑ ክፉኡ ዝኸድን ዓለባ ስኢኑ ኣደድ ክፉእ ትርኢት ወጺኡ ዕርቃኑ! እታ ምኽኒት ሓሶት መሰንቖ ባድመ ዓለም ብቕኒታ ወትሩ እናጸመመ እዚ ዓማጺ ጉጅለ ሕድሪ ዝጠለመ መብጽዓ ሰማእታት ስለ ዘይፈጸመ ህዝብን ሰራዊትን ኢዱ

ንወ/ሮ መድህን..!
ህግደፍ ተጨኒቑ ፍጹም ኣዕወንዊኑ
ልዕሊ እምባሶይራ በሪኹ ገበኑ
ካብ ሰብ ከይክዉሎ ገለ ሸፋፊኑ
ክፉኡ ዝኸድን ዓለባ ስኢኑ
ኣደድ ክፉእ ትርኢት ወጺኡ ዕርቃኑ!
እታ ምኽኒት ሓሶት መሰንቖ ባድመ
ዓለም ብቕኒታ ወትሩ እናጸመመ
እዚ ዓማጺ ጉጅለ ሕድሪ ዝጠለመ
መብጽዓ ሰማእታት ስለ ዘይፈጸመ
ህዝብን ሰራዊትን ኢዱ እናሰለመ
ይበታትን ኣሎ ከም ደበና ግመ!
ብስም እዛ ሃገር ህዝቢ ኣደናጊሩ
ኣብ ስልጣን ኪነብር ክሳዕ መቓብሩ
ህግደፍ ናብ ጸላእቱ ኣእዳዊ ቀሲሩ
ህዝብና ዘጥፍኡ ካብ  ናጻ ሃገሩ
ኣመሪካን  ወያነን’ዮም ኢሉና ደፊሩ!
እዚ ኣረጊት *ሓንዘር ዘይከኣሎ ምምራሕ    *ቅንፍዝ
ንህዝቢ ምስ ከልኦ ብቕሳነት ምስራሕ
ናብ ስደት እንተ ወጸ ህይወቱ ንምምራሕ
‘ግለት’ዩ!’ ኢሉዎ ካብ ገንኢ ዝቕዳሕ!
እንታይ ዘረብኡ እዩ’ዚ ቀይናን ጽዋ
ግለት’ዶ ይቕዳሕ’ዩ ቅድሚ ስዋ
እቶም ትጠራጠሩ ግን ደገፍቲ ናይ *ባልዋ    *ኣርሓ መፍለስ
ንወ/ሮ መድህን በራድ እስከ ሕተቱዋ
ናይ ሓተላን ግለትን ተመኩሮ ኣለዋ!
እቶም ግለት እተባህሉ ግን ካብ ገንኢ ዝወጹ
ትማል ርኢናዮም  ዓለም ከናዉጹ
እቶም ደለይቲ ፍትሒ’ወ ናብ ጀኔቫ ዝመጹ
*ደማሒ ዘጥፍኦም መሰሎም ረጊጹ        *መላኺ
ኣብ ሃገሮም ኮይኖም ዓዶም እንተ ዝሃንጹ
ጎቦ ኣይምተረፈን ኣእማን ተገይጹ!
እቶም ጅጋኑ’ወ ወራድመርዓ መርዑ
ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝብና ከጽንዑ
ገበንን ኣበሳን ምልኪ ዘቓልዑ
ግቡኦም ፈጺምም ሃገሮም ዘኹርዑ
ዓወት ሓርነቶም ፍትሒ ምስ ተጎንዑ
ጽባሕ ክሓፍሩ’ዮም ሎሚ ዘጣቕዑ!
*እልበትና ኪውስኽ ኣብ ክንዲ ዝንኪ  *ሓሳር መከራና
ኣደ ከይትሕጐስ ብሓዘን ክትበኪ
ይቐጽል ንኽብሉ ምሕደራ ናይ ምልኪ
ናብ ጀኔባ ከይዶም ዝጽዕቱ ንሃልኪ
ኤርትራ ሃገረይ *ሃዚላት ወሊድኪ          *ዓያሹ
ንባልዋ ዘምልኹ ቀታሊ ቅዋምኪ!
ህዝቢ እናጠፍአ ብመሬት ብባሕሪ
ንስልጣን መላኺ ክልቅቡ ዕምሪ
ሓሶት ክምስክሩ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ
ናብ ጀኔቫ ዝኸዱ ናብ ናይ ጥፍኣት ወፍሪ
ሰባት ኣይንብሎምን ተቐበልቲ ሕድሪ
ጥሪት ናይ ህግደፍ’ዮም ተመገብቲ ሳዕሪ!
እዞም እንስሳታት’ወ ምስሊ ሰብ ዝቕርጾም
ንቪላን ሰርቪስን ካብ ህዝቢ ኣብሊጾም
መሰሎም ገፊፉ መላኺ ክረግጾም
ናብ ጀኔቫ ከይዶም ዘስምዑና ድምጾም
ገና ኣይፈለጡዎን ጽባሕ ከም ትመጾም
ክርዳድ ናይ ስርናይ እዮም ረሲዕና ንቕበጾም !
ክብርን ምስጋናን ነቶም ምእንቲ ንዋየ ጥሪት፡ ንሓቂ ሓሶት ዘይበሉ ደለይቲ ፍትሒ!
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 27-06-2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • k.tewolde July 2, 2015

    mesinas, my late mother would have referred this segment of eritrean people [hegdefits] as [betkitat]. at this point and time anybody that even remotely supports this brutal regime which had the eritrean people on a choke hold, does’t have the conscience that our forefathers instilled in us.love your poem.keep spreading the good news.

  • ERITRAWIT July 3, 2015

    Dehayka tefena kenew kubur haw Mesinas dehayka msemana ka tehgesna.
    Nezen Radiotatna ba aytzhalen nab hzben Ezney kebsha.
    nay lomey melktey ka nbeynew eu ybele.

    • Mesinas July 3, 2015

      ሰላም ክቡር ሓው ተወልደ፣ ከምኡውን ክብርቲ ሓብቲ ኤርትራዊት። ክብርቲ ሓብቲ ኤርትራዊት ከመይ ቀኒኺ? መልእኽትኺ ብኽብርን ምስጋናን ተቐቢለዮ ኣለኹ። ጽቡቕ ኣለኺ ከም ቀደመይ ይምርሽ የለኹን። ስለ ዝደኸምኩ ግን ኣይኮንኩን፤ ብኻልእ ምኽንያት’ዩ፣ እምበር ብርዐይስ ምስ ኩነታትን ግዜን መመሊሳ ስለ ትሳሓል ዓቕመይ ዚፈቕዶ ኣበርክቶ ንኽገብር ፍጹም ጸገም የብለይን።

      እዚ ናይ ምዝሕታለይ ምኽንያት ከኣ ምምሕያሽ ወይ ለውጢ ሓቲተሉ ስለ ዘለኹ መፍትሒ ኪረክብ ተስፋይ ልዑል’ዩ። መፍትሒ እንተተጌሩሉ ከኣ ከም ቀደመይ ኣበርክቶይ ክቕጽል’የ ማለት’ዩ። እዚ ማለት ግን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣንጻር ምልኪ ንሓርነትን መሰልን ምቅላሰይ፣ ክሳዕ መወዳእታ ከምዘይክማህ ከረጋግጸልኪ እፈቱ ክብርቲ ሓብቲ። ደጊመ ዘመስግነኪ ሓውኪ መሲናስ።

      • ERITRAWIT July 3, 2015

        Mesinas yekeneley tegedeska melsey mhabka. B 22 ab Geneva 3 nay keshey ztekedenew meskele B hade edom,sheytan B kale kesasew zwalew ba gele belom Bhlfey byeman zelew 8 dekom hezom B 80 hager gedefom Europe zhademew ewom.
        Ezees amlak do yfetwo
        Bele gele belom ab hzbey Ezey ka absahaya.

        • Mesinas July 4, 2015

          ብሓቂ ዝገርም’ዩ ኤርትራዊት ሓብተይ። ህዝብና ኣብ ስደት ስለ ዝሰፈረ’ሞ ንኣኡ ንምግልጋል ብዝብል ምኽንያት፡ ጉጅለ ህግደፍ ብካድርነቶም ሓርዩ ናብ ናብ ወጻኢ ሃገር ዝለኣኾም ቀሺ፡ ካብታ ናይ ሓሳረ መከራ ሃገር ምስ ወጹ፡ ደሓር ድማ ብጉቦን ብስርቅን ደቆም ስድርራኦምን ኣኪቦም ብሰላም ይነብሩ ኣለዉ። እዞም ብስም ኣቕሽሽቲ ዝስመዩ ካድራት ህግደፍስ ድማ ስቓይ ኤርትራውያን ይቐጽል ኢሎም ኣንጻር ሕልናኦም ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ሓሶት ክምስክሩ ክትርእን ክትሰምዕን ከለኻ፡ ብዓብይኡ ንነብሶም ከምኡውን ነታ ነገልግላ ኣለና ዝብሉዋ ቤተ ክርስትያን ውርደትን ሕስረትን ሙዃኑ ኣዝዩኡ የሕነካ!

          መራሕቲ ሃይማኖት!

          መራሕቲ ሃይማኖት መምህራን ናይ ህዝቢ
          ኣብያተ ጸሎትና ብመንፈስ ከይዓቢ
          ሓሊኹ ሒዙዎ ናይ ሃገርና *ኩቢ *ንሓድሽ ብቚሊ ዘራእቲ ሱሩ ዚበልዕ ሓሰኻ
          *ሮሶብ ንኪቕንጠጥ ናይ ስቓይና ሰርቢ *ጸሊም ጽዑቕ ደበና
          ጸሎትኩም ኣዕርጉ ንኡስኩም ምስ ዓቢ!

          ኣብ ክንዲ ሓገዙ ንምስፋሕ እምነትና
          ካብቲ ገንዘብ መባእ ወፈያ ህዝብና
          *ሕልቢ ከም ዝሃበ ምቐሉኒ ዝብለና *ዘርኢ ዝሃበ ሰብ፡ ብዓል ፈረቓ
          ጉዳመኛ ስርዓት ዘይሓፍር ረኺብና!

          ካብ ጥፍኣት ክትድሕን እዛ ብርኽቲ ዓዲ
          ህዝብና ከይሕየር ወትሩ ብዘይ ፍርዲ
          ዕድሚኡ ከብቅዕ ናይ ሓደራ ቀይዲ
          ካህናትና ጸልዩ ኣዚሙ *መረግዲ! *ብጸናጽልን ብኾበሮን ዚዝየም መንፈሳዊ ዜማ
          ሃገር ርእሳ ኣድኒና ክትረግፍ ከም *ጭዕዲ *ዝነቐጸ ዕሙር ሳዕሪ
          ነዚ እኩይ ስርዓት ኣሳሪ ሓራዲ
          ገበን’ዩ በሉዎ *እጨጌ ምስ *ቃዲ! *ናይ ቤተክህነት ጠቕላሊ ዳኛ *ናይ ምስልምና ዳኛ

          መላኺ *ኣብሊስ እዩ እምነት ዘየብሉ *ድያብሎስ፡ ሸይጣን
          ፓትርያርክ ዝኣስር ኣምላኽ ዘገልግሉ
          ግዜ ኣውደኣመት ኣብ መገሻ ምውዓሉ
          ደም ንጹህ ዝጐስዕ ቅተል ዝኣመሉ
          ከመይ ጌርኩም ኢኹም መራሒ’ዩ ትብሉ!?

          እተን ማዕከናት ዜና ብስምና ጸዊዑ
          ቃልና ዘየቃልሕ ድምጽና ሰሚዑ
          ብጥሜት እናሞትና ከብድና ጠልቂዑ
          ጓይላ እናተኸለ ይብለና ሳዕስዑ!

          ፋሲካ እንተኾነ ትንሳአ የሱስ
          ካህን ኪሰብከና ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ፡
          ሮሞዳን እንተኾነ ፍትሓት ጾመ ልጓም
          *ሙላህ ኪምህረና ቊርኣን ብምትርጓም፡ *ናይ ምስልምና ካህን
          ዋላ ሓንቲ ሰዓት ኣብ ሚድያ ቀሪቦም
          ህዝብና ክምህሩ ዕድል ዘይህቦም!

          ሸኻትናን ካህናትናን ሞያኦም ኣኽቢሮም
          ቃል ኣምላኽ ክሰብኩ ንህዝቢ ኣፋቒሮም
          ቤት ጸሎት ሃኒጾም ዝፈትሑ ሽግሮም
          ቀዳሞት ገዛእትስ ኣመንቲ’ዮም ኔሮም!

          ኣንታ ሎሚ ደኣ እንታይ እዩ ወሪዱና
          እምነት ኣልቦ ስርዓት ነጊሱ ኣብ ልዕሌና
          ገበን ተቖጺሩ ናብ ጸሎት ምኻድና
          ኣብ ጉድጓድ ሰፊሮም *ቆሞስ መሻይኽና*ሓላፊ ምሕደራ ቤተክርስትያን
          ጠበቓ ንጹሃን ኣያ ካብ ሰኣንና
          ጎይታ ሰማይ ምድሪ ምሕረትካ ሃበና!

          ካብ ሓውኪ መሲናስ 04-07-2015

          • ERITRAWIT July 5, 2015

            Thank you Brother Mesinas.

Post a Reply to ERITRAWIT Cancel Reply