Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኢሳያስ ዝፈልጥዶ’ሎ ኣብ ማእከልና? ስለ ምንታይ? የጥፍኦ ከም ዘሎ ንህዝብና!

ንኢሳያስ ዝፈልጥዶ’ሎ ኣብ ማእከልና? ስለ ምንታይ? የጥፍኦ ከም ዘሎ ንህዝብና!   ንኢሳያስ ዝፈልጥዶ’ሎ! ኣብ ማእከልና! ነዚ ሕድሕድ ዘጣፋኦ ዘሎ ንህዝብና ዘበን ድዩ ዘሪዩዎ? ሓጥያቱ’ዩ ምውዳእ ኣቢዩዎ! ንህዝብና   ሰማዩ’ኳ ዝረሓቖ ደመና ንነብሶም ዝሓደሩ መራሕቲ ሃይማኖትከ እንታይ ወረዶም! ንኣረመኔ ዘግልግሉ ናብ ፈጣሪ ዝመርሑ

ንኢሳያስ ዝፈልጥዶ’ሎ ኣብ ማእከልና?

ስለ ምንታይ? የጥፍኦ ከም ዘሎ ንህዝብና!

 

ንኢሳያስ ዝፈልጥዶ’ሎ! ኣብ ማእከልና!

ነዚ ሕድሕድ ዘጣፋኦ ዘሎ ንህዝብና

ዘበን ድዩ ዘሪዩዎ?

ሓጥያቱ’ዩ ምውዳእ ኣቢዩዎ!

ንህዝብና  

ሰማዩ’ኳ ዝረሓቖ ደመና

ንነብሶም ዝሓደሩ መራሕቲ ሃይማኖትከ እንታይ ወረዶም!

ንኣረመኔ ዘግልግሉ ናብ ፈጣሪ ዝመርሑ መሲሎም!

 

ኢሳያስ፣ ስለ ምንታይ ንህዝብና የጥፍእ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ብዙሓት ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኢዩ። ተዓዊቶምዶ! ኣይተዓወቱን! ግን ግዜ ዝፈትሖ ጉዳይ ኢዩ። ጻዕሮም ከኣ፡ ኣብ ኢሳያስ ዘንጸባርቖ ባህርን፡ መንነቱን፡ ድሕሪ ባይትኡን፡ ንዓመታት ዝፈጸሞም ግፍዕታት ብምጽናዕን ዝምስረተ’ዩ ክብሃል ይክኣል። ኣብ ቀረባ ግዜ ከኣ፡ ብናይ ወዲ ሰብ ኣእምሮ (ሶሲዮሎጂ፡ ሳይኮለጂ) ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ዘለዎም ኤርትራውያን ሞያውያን ስለ ምንታይ ኢሳያስ ንህዝብና ከጥፍእ ከም ዝተላዕለ ንምፍላጥ ጻዕሪ የካየዱ ምህላዎም ዝዝከር ኢዩ። ገለ’ውን ኢሳያስ ሳዲስት ኢዩ! ሳዲስት ማለት ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ብዘውርዶ ስቓይን፣ ውርደትን፣ ደስታ ዝስመዖን፣ ዕግበት ዝፈጥረሉን ማለት ኢዩ፡ ንኢሳያስ ዘሓጉሶ ከኣንህዝቢ ኤርትራ ምውራድን፡ ምስቓይን፡ ናብራን ሂወትን ህዝቢ ኤርትራ ምዝራግን’ዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ። ኢሳያስ፡ ስለ ምንታይ ካብ ኣሕዋቱ ዝተፈልየ፡ ነብሰ-ፍትወት  ዝዓብለሎ ባህሪ ዘማዕበለን፡ ካብቲ ብህዝብና ከም ንቡር (normal) ዝውሰድ ወጻኢ (personality disorder) ባህርያት ከንጸባርቕ ከም ዝኸኣለን ብትኽክል ንምፍላጥ፡ ከቢድ ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን። ጅግና ብርሃነ ኣብርሀ ከኣ፡ ኣብ ካልኣይ መጽሓፉ ገጽ 154 “ኢሳያስ ብባህርኡ (መላኺ) ዲክታተር ክኸውን ዝድሊ ሰብ ኢዩ።” ብማለት’ዩ ዝገልጾ።

ህዝብና፡ ካብ ሰብ እኽሊ ይምዘን፡ ዝብል፡ ብሂል ህዝብና ከም ዝገልጾ፡ ንቤተሰብን፡ መቕርብን፡ ብኣካል ንዝረኸቦን ዝቐርቦን፡ ናይ ምፍላጥ ክእለት ከም ዝነበሮን ዘለዎን ዝክሓድ ኣይኮነን። ርሕቕ ንዝበለ ከኣ፡ ‘ንወዲ ዓዲ እከለ፡ ወዲ ዓዲ እከለ ይፈልጦ!’ ብዝብል ብልሓት ተጠቂሙ ናይ ዝኾነ ሰብ መንነት ከም ዘጻሪ’ዩ ዝፍለጥ። ንመንነቱ ንዝሓብእ ጠዋይ፡ ሹቕ ዝኣከቦ ዘበናይ፡ ናይ ምፍላጥ ክእለት ከም ዘይብሉ ግን ታሪኹ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ንመንነቱን ዕላምኡን ሓቢኡ ብጥንቃቐ ዝንቀሳቐስ ኢሳያስ ምፍላጥ ስለ ዘይከኣለ’ዩ ከኣ፡ ወዲ ላምና መሲሉና! በላዒና ስለ ዘዕበና ጠፍ! ጠፍ!’ እናበለ ናብ ዝሰምዕ ዘእዊ ዘሎ። ሞቱን ህየቱን ኣብ ኢድ ዝተማህሩን ዝነቕሑን ደቁ ምዃኑ ከኣ ዝስሓት ኣይኮነን። ህዝብና፣ ካብ ፈታዊ ዝመስል ጸላኢ ምከልኻል ስለ ዘይክእል’ዩ ከኣ፡ ካብ ፈታውየይ ሓልወኒ እምበሪ፡ ንጸላእስ ኣለኒ በትሪ! ዝብልን ዝምህለንን። ካብታ ዝፈርሃ ከኣ ክወጽእ ከም ዘይከኣለ’ዩ ከኣ መሪር ሃለዋቱ ዘረጋግጽ። ኢሳያስ ብዘይፈልጦ መጺኡዎ።

ኢሳያስ፡ ሓደ ካብቶም ብልኡል ሃገራዊነት ንሜዳ ኤርትራ ዝውሕዙ ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት መሲሉ’ዩ ናብ ገድሊ ዝተሰለፈ። መንነቱ ስለ ዝሓብአን ስለ ዘይፈለጦን’ዩ ከኣ፡ ከም ሓደ ተጋዳላይ ውላዱ ሓሲቡ ዘለዎን ዘይብሉን ሃብቱን ንብረቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህወቱ ከይተረፈ ኣብ ኢድ’ዚ ጠላምን ሳዲስትን ዝኾነ ኢሳያስ ክሳብ ትኣቱ ዝተሃመለ። በዞም ዘምልኹዎን፡ ልክዕ ከም ጎይትኦም ሳዲስትን መጋበሪን ዝኾኑን ዝጠፍእ ዘሎ። ሃገርና ንጎይትኦም ተኸቲሎም፡ ዝሓልዩሉ ደቁ ተመሲሎም፡ ብሩህ መጻእን ተስፋን ህዝቢ ቀቢሮም፡ ዘሽካዕሉላን፡ ህዝባ ኣብ ሃገሩ ክነብር ዘይክእለላ ሃገር’ያ ኮይና ዘላ። እናሳዕስዑን እናጣቕዑን ንህዝቦም ናብ ጥፍኣት ዝመርሑን መጋበሪ ዝኾኑን ኢሳያስ ብኸመይ ከም ዘለልዮምን ዝኸትቦምን እንድዒ። ናይዞም ኣብ ወጻኢ፡ መሰሎም ተኸቢሩ ብሰላም ኣብ ዓዲ ሕጊ ደቆም እናምሃሩ ዝነብሩ፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላሙን ናብርኡን ተዘሪጉ፡ ይበታተንን ይበርስን ከም ዘሎ እናረኣዩን፡ እናሰምዑ፡ እናፈለጡን፡ ጽቡቕ ኣሎ!” ዝብሉን፡ ንህዝቦም መጽነቲ ነዚ ኣረመኔ ስርዓት ዶላርን ዩሮን ዘቕብሉን ተግባር ከኣ ይገድድ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኮይኖም ጥፍኣት ህዝቦም ዘቀላጥፉ ዘለዉ ከኣ፡ ናይቶም፣ ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ! እናበሉ ምእንቲ ህዝቦም ዝሓለፉ ጀጋኑ ኣዕጽምቲ ከይወግኦም ከሎ፡ ናብ ልቦም ዝምለሰሉ መዓልቲ ይሃቦም፡ ምሕረት የውርደሎም’ዩ  ክብሃል ዝክኣል።

ኢሳያስ ንሜዳ ክስለፍ ከሎ፡ ሓደ ብቐረባ ዝፈልጦ፣ ‘እዚ ዝመጻኩም ዘሎ ተጋዳላይ፣ ፈላላዪ፡ ቂመኛ፡ ተንኮለኛ፡ ህልኸኛ … ! ስለ ዝኾነ ንሰውራና ከይፈላሊ ከየዳኽም  ተጠንቀቑ!‘ ዝብል መልእኽቲ ንሜዳ ከም ዝሰደደ ኢዩ ዝፍለጥ። ሽዑ መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ ዝነበሩን፡ ነዚ መልእኽቲ ዝተቐበሉን ግን፡ ናይዚ መልእኽቲ ክብደትን ሳዕቤንን ስለ ዘይተገንዘቡ ይኹን ብካልእ፡ ንኢሳያስ ብኣግኡ ክፈልጥዎን ክዓግቱዎን ኣይከኣሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንክፉእ ባህሩ ዝሕግዝ ክፉእ ብልሓትን ምህዞን ክስውኸሉ ንቻይና ሰዲዶሞ። ካብቲ ናይ ማዎ ጨካን ደሳዊ ስርዓት፡ ዘይፍጸም ተስፋ ብምሃብን፡ ንዘይተማህረን ዘይነቕሐን ህዝቢ ዘተሃራርፍን ስርዓት፡ ዝኸፍአ ተማሂሩ ስለ ዝተመልሰ፡ ኣብ ግዜ ገድሊ ብዙሕ ዘተሃራርፍ ተስፋታት ብምንዛሕ ንሰባት የደናግርን የታልልን ከም ዝነበረ’ዩ ዝፍለጥ። ሓደ ተጋዳላይ ዝነበረ፡ ኣብ ራድዮ ኣዝማሪኖ ክዛረብ ዝሰማዕኩዎ፡ ከም ኣብነት ክጠቅስ። “ናጽነትና ምስ ጨበጥና ኣሽንኳይ ሰባ፡ ኣእዋም ኤርትራ ጸባ ክሰትዮ ኢዮም!” ንብሃል ከም ዘይነበርና፡ ሎሚ ንምስርሒ ገዛ ሰብ ስልጣን ቁሩጽዎ ንብሃል ኣለና!” ዝበሎ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ከድሚ ዝነብር ኢዩ።

ኢሳያስ ካብ ቻይና ብኸመይ ኣርዒድካን ፈላሊኻን ምቁጽጻር ከም ዝክኣል ተማሂሩ ምስ ተመልሰ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ተ.ሓ.ኤ ሃዲሙ፡ ምስቶም ተፈልዮም ኣብ ዓላ ዝንቀሳቐሱን ብኣብርሃም ተወልደ ዝምርሑ ዝነበሩን ተጸምቢሩ። ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ተወልደ ከኣ፡ ንሱ ጥራይ ብዝፈልጦ ብልሓት፡ ናይቲ ጉጅለ ዓላ መራሒ ክኸውን ከም ዝኽኣለ’ዩ ዝፍለጥ። ካብኡ ንድሓር፡ ካ ቻይና ዝቐድሖ፡ ብደሳዊ ስነ ሓሳብ ተጥቂሙ፡ ናይ ስለያ መሓውራት ብምዝርጋሕን፡ ንሰባት ሕድሕድ ብምጥልላፍ ናብ ስልጣን ንምድያብን ከም ዝተጥቕመሉ’ዩ ካብ ተግባሩ ምርዳእ ይክእል። ተስፋይ ተምነዎ፣ ‘ክቃወሙ ንዝኽእሉ፣ ብምንጻል፡ ምቕንጻል፡ ምድስካልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ድላዩ ንምፍጻም ከም መጋበገሪ ዝጥቀመሎም ሃሱሳት ብምኽታብ ክእለቱ፡ ናብ ዝለዓለ ስልጣን ክድይብን መራሒ ሃገር ክኸውን ዝኸኣለ እምበር፡ ዝመረጾን ስልጣን ዝተኾበሉን የለን!’ ብማለት ደጋጊሙ ዝገለጾ’ውን ነዚ’ዩ ዘረጋግጽ። ብደም ጀጋኑ ዝመጸት ሃገርና፡ ምጭዋይ፡ ምቕታል እምበር ምምሓር ዘይፈልጥ፡ ብስም ሰላም ዝገደደ ብሰላሕታን ብጋህድን ኩናት ዝእውጅ፡ ደም ህዝባ ሰትዩ ዘይጸግብ ኣራዊት’ዩ ተወሊዱዋ ዘሎ ሃገርና። ስለ ምንታይ! ስለ ምንታይ ኣብ ዝቕጽል።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 22 ነሓሰ 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde August 24, 2019

    After all these years,all the sacrifices and human and material devastation we endured,the social and morale decadence,the erosion of identity and national irrelevance……still the tyrant is the dominant central character in our political ecosystem and continues to bloom like a green algae suffocating the living things underneath and turning the habitat into marshland,we continue to be the agar which gives him sustenance beyond his shelf life knowingly or we don’t know any better. A 70+ elderly man! over half a century! we still talking about him like a young rock star who just burst into the stage! something ain’t right,we better frisk ourselves. There are better things we should be doing and writing about instead trying to autopsy an atrophied brain of a shrewd tyrant.

  • Tsaadaqalai August 24, 2019

    You know why the impostor isaias has been systematically decimating our people and yet you want some body to tell you what you already know. Unfortunately, such lack of resolve to loudly say the obvious has become the hallmark of Eritreans, of whom the worst are the people with social media outlets, who , with the same breath utter contradictory words like atsnati and wlqe-melaki to describe the impostor. Atsnati means Genocidal, while wlqe-melaki can mean either benevolent dictatof or tyrant and yet they use them interchangeably as if they have synanomous meaning. No wonder the impostor isaias is still alive and well destroying our country, and our people are turned into despicable spectators of their demise.

    • k.tewolde August 25, 2019

      “our people are turned into despicable spectators of their demise.”>> Wow it hurts! it is a chronic pain that never goes away if you are a true blue Eritrean.

Post a Reply to Tsaadaqalai Cancel Reply