Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኢሳያስ ኣንብብሉ

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 22 ሓምለ፡እዚ ዝስዕብ ጥቕስታት ነልሰን ማንዴላ ኣስፊራ። ትምህርቲ ዓለም ክትቅየረሉ ትኽእል ሓያል መሳርሒ ኢዩ። ናጽነት ማለት ብመቑሕ ዘይምእሳር ዘይኮነስ ናይ ካልኦት ሓርነት ምሕላውን ምኽባርን ማለት ኢዩ። ስም ንኽትፈጥር ምስ ጸላኢኻ ሓቢርካ ምስራሕ ክትክእል ኣሎካ ሻቡ

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 22 ሓምለ፡እዚ ዝስዕብ ጥቕስታት ነልሰን ማንዴላ ኣስፊራ።

  • ትምህርቲ ዓለም ክትቅየረሉ ትኽእል ሓያል መሳርሒ ኢዩ።
  • ናጽነት ማለት ብመቑሕ ዘይምእሳር ዘይኮነስ ናይ ካልኦት ሓርነት ምሕላውን ምኽባርን ማለት ኢዩ።
  • ስም ንኽትፈጥር ምስ ጸላኢኻ ሓቢርካ ምስራሕ ክትክእል ኣሎካ ሻቡ ሽርክነት ትምስርት።
  • ንግዜ ብብልሒ ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣሎና፡ቅኑዕ ነገር ክትሰርሓሉ ግዜ ወትሩ ብሱል ኢዩ።
  • መሰለይን ክብረተይን ክግህስ ዝፈተነ ሰብ ንምሸቱ ወዳቓይ ኢዩ።
  • ጀጋኑ ምእንቲ ሰላም ይቕረ ንምባል ኣይፈርሑን።

እዘን ተዘርዚረን ዘለዋ ጥቕስታት ንኢሳያስ ከም መልኣከ ሞት ዘባህርረኦን፡ነዚኣተን ንከይፍጽም ሃገር ኣብ ጠርጦስ ኣእትይዋ ኣሎ።

1.ኢሳያስን ጉጅለኡን መንእሰይ ኤርትራ ተማሂሩ ንነብሱን ሃገሩን ከይከውን፡ኣብ ወተሃደራዊ ስልጠናን ጊላዊ ዕዩን ከምዝጽመድ ገይሮም።ሞያ ምምህርና ዝተጸልአን ዝተፈንፈነን ንክኸውን መማህራን ስማዊ ደሞዝ ከምዝወስዱን ኣብ ኣህላኺ ጉልበታዊ ዕዮ ከምዝዋፈሩን ብረት ዓጢቖም ዘወን ከምዝብሉን ገይሮሞም።እከይ ተግባራቶም በዚ ከይደረቱ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዕድል ትምህርቲ ረኺቦም ንሃገሮም ከገልግሉ ዝተበገሱ ሰባት እውን ዝተፈላለየ ዕንቅፋት ብምፍጣር ከይኣትው ከልኪሎም።

ነታ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ፍልጥቲ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዮም ኣብ ፈቐድኦ ብወተሃደራት ዝምርሓ ስማውያን ኮለጃት ከፊቶም ቆብዕን ካባን እናልበሱ ብዲግሪ ብዲፕሎም ተመሪቖም ብምባል ብሓንጎል ህዝቢ ኣብ ምጽዋት ይርከቡ።ዓለም ብተክኖሎጂን መራኸቢታትን ትሕምበበሉ ኣብ ዘላ ጊዜ፡ኤርትራ ነቲ መሰረታዊ ጠለባት ወዲሰብ መግቢ፡ ማይ፡ኣገልግሎት ኤለትሪክ፡ጥዕና ምርካብ ከም ፍሉይ ሓለፋ ኣብ ዝውሰደሉ ጸልማት መዋእል ወዲቓ ኣላ።መርኣያ ናይዚ ግጉይ ኣካይዳኦም ድማ መንእሰያት እንተላይ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑን ኣረጋውያንን ጠዋሪ ስኢኖም ከፋት ኣብ ዝረኸቡላ ንሃገሮም ክቦ ደርብዩምላ ይስደድ ከምዘሎ ምስትብሃል ኣኻሊ ኢዩ።

2.ኢሳያስ ናይ ካልኦት ሓርነት ምሕላውን ምኽባርን ዘይፈልጥን ንሰባት ብመቑሕ ኣሲሩ ንዘልኣለም ክነብር ዝሓልም እከይ ፍጥረት ኢዩ።እታ ኣብ ዓለም ብዘይሕጊ ብዊንታ ሓደሰብን ጉጅለኡን ትግዛእ ሃገር ኤርትራ ኢያ።እቲ መባእታዊ ካብ ፈጣሪ ዝተለገሰሉ ጸጋ ከም ሓዳር መስሪቱ ከይወልድን ከይዘምድን ዝተኸልከለ ህዝቢ ብዛዕባ ሓርነት ክዛረብ ይትረፍ ኣብ ድቃሱ ከምዘይሓልሞ ብሓይልታት ጸጥታ ጽዑቕ ምክትታ ይግበረሉ።ህዝቢ መሰል ሃይማኖት፡መሰል ምጽሓፍን ምዝራብን፡መሰል ምንቅስቓስ ተሓሪሙ ኣሎ።

3.ኢሳያስ ምስ ጸላኢኡስ ይትረፍ ምስ ፈታዊኡ ማለት ፈታዊ እንተልይዎ፡ብሓባር ክሰርሕ ዘይደሊ ስሱዕ ኢዩ።መገዱ ከመዓራርይ ዝምዕዶ ወይ ሓበሬታ ዝህቦ ንኢሳያስ ደመኛኡ ኢዩ።ኣብ ኣኼባ እቶም ከቢቦሞ ዘለው ጉጅለ ንሱ ዘይሰማማዓሉ ርእይቶ ዘቕርብ ጸላኢኡ ኢዩ።ነቶም ምስኡ ብደም ዝመሓሉ፡ከም መራሒ ኣኽቢሮም ሓንጊሮሞ ዝኣተው ሃንደስቲ ወጠንትን ኩናትን ፖሊቲካውያን መራሕትን ንገለ ቀቲሉ ንገለ ኣብ ዒላዒሮን ካልኦት ኣብያተ ማእሰርትን የሳቕዮም ኣሎ።

4.ቅኑዕ ክትሰርሓሉ ጊዜ ወትሩ ብሱል ኢዩ።ኢሳያስ ጊዜ ዝጥቀመላ ካራ ንምስሓልን መቓብር ንምፍሓርን ጥራሕ ኢዩ፡፡ጊዜ ብሱል ኣይኮነን ብምባል ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ዲሞክራስያዊ መሰላት ሓኒቕዎ ኣሎ።ዶብ ከይትሓንጸጸ ቅዋም ኣይትግበርን፡ምርጫ ኣይካየድን፡ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ኣይግበሮን፡ምንቅስቓስ ኣይፍቀደን፡እሱራት ኣይፍትሑን ወዘተ ወዘተ፡፡ቅኑዕ ስለዘይሰርሕ ድማ ኣብ በዓቲ ጊዜ ኣዝጊቡ እከያት እናመሃዘ መዓልቱ ይጽበ ኣሎ።

5. መሰል ሰብን ክብረትን ዝግህስ ንምሸቱ ወዳቓይ ኢዩ።ኢሳያስ መሰል ህያው ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡መሰል ሬሳ ዝግሃሰ ሰብ ኢዩ።ዓለምና ካብ ዘፍረየቶም በጋሚንዶታት ብሽም መራሒ ኣብ መንበረ ተኾዲሙ ዘሎ ሓደ ኢሳያስ ኢዩ። ንሱ ክብረት ካህንን ሸኽን ግሂሱ፡ንሰብ ሻም ሽማግለታት ዘፋኾሰ ነውራም ፍጥረት ኢዩ።ኣወዳድቓኡ ድማ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ብሓይሎም ተመኪሖም ቆርበት ሰብ ዘበላሸው መራሕቲ ከምዘይፍለ ፍሉጥ ኢዩ።ወትሩ ተረጊጹን ተዋሪዱን ዝነብር ሰብ ስለዘየልቦ።

6.ጀጋኑ ምእንቲ ሰላም ይቕረ ንምባል ኣይፈርሑን።ኢሳያስ ይትረፍ ንዝበደለ ንዘይበደለ ይቕረ ምባል ዘይፈልጥ ዕቡይ ሰብ ኢዩ።ኣብ ናይ 40 ዓመት ታሪኹ ንዝተቓወምዎ ብምእሳርን ሃለዋቶም ብምጥፋእን እንተዘይኮይኑ ይቕረ ኢሉሎም ዝበሃል ኣይተሰምዐን። ደም ኢሳያስ ብቂምን ቅርሕንትን ብሕነ ምፍዳይን ዝተወሃሃደዩ።ጽላሎቱ ስለዘይኣምንን ፈራሕ ስለዝኾነን ከምይቕረ ምባል ተፍርሖ የላን።ኣብ 2001 ኣቦና ሱናበራ መሓመድ ዳመናን ካልኦት ዓበይቲ ዓድን ምስቶም ሕቶኦም ብሕጋዊ መገዲ ዘቕረቡ ኣባላት ባይቶን ሚኒስተራትን ዕርቂ ክገብር ስለዝሓተቱ ኣሲሩ ብምስቓይን  ሞቶም ኣቃላጢፍዎ።

ነልሰን ማንደላ ምስ ቶም ን27 ዓመታት ዝኣሰርዎ ጸዓዱ ዕርቂ ገይሩ ንደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ጎደና ሰላም ክትምርሽ ዝገበረ ዓለምና ዝፍረየቶም ብርቂ ሰብ ኢዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበረሉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን እንተላይ እቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ዝተወልዱን ዓሌታዊ ስርዓት  ደቡብ ኣፍሪቃ ዘይገረፎም ጥዋፍ ብምብራህን ጸሎት ብምግባርን ጥዕና ተመንዮምሉ፡፡ ኣዒንትን ኣእዛንን ዓለም ድማ ንኩነታት ብተገዳስነት ተኸታቲለንኦ፡፡ነልሰን ማንደላ ንዕርቅን ሰላምን ምስ ጸዓዱ ኣፍሪቃውያን መስመሩ ኣትሒዙ፡ኣብ ስልጣን ንኣርባዕተ ዓመት ጸኒሑ ብፍቓዱ ካብ ፖሊቲካ ዓለም ዝተኣልየ ኣፍሪቃውያንን ዓለምን ዝኾርዑሉ ሰብ ኢዩ፡፡እነሆ ድማ መበል 95 ዕለት ልደቱ ብክብርን ዓጀባን ጸንቢሉ።ህዝቢ ኤርትራ ግን ዕድመ ኢሳያስን ጸልማት መግዛእቱን ክሓጽረሉ ወትሩ የጻሉት ኣሎ።

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • NEW HOPE ERITREA July 23, 2013

    ¨ኣሞራታት ሲናይ ….ብታሕጓስ ዓልሉ
    መንእሰያት ኤርትራ ብሰብ ድያስፖራ ዝተታለሉ
    ተወሪርና ኢሎም ሰብ ታክሲ ዶላራት ዘዋጽኡሉ
    ህዝቢ ኤርትራ ምጥፋእ ምዳዳ ዝተበገሰሉ
    ሺላታት ሓዊስኩም ብስጋ መንእሰያት ኣብዕሉ
    ዓድና ገዚፍ ሰብ እምበር ዓቢ ስለ ዘይብሉ ።¨

    ገዛይ ጓሕጕሑዎ፣ዌልፌር ቼከይ ይዘመት
    እሰሩኒ ብምራን ___ ሕነቑኒ ብገመድ
    ብሂወተይ እናሰማዕኩ ቅበሩኒ ኣብ ሓመድ
    ኣብ እቶን ወርውሩኒ ስጋይ ብሓዊ ይንደድ
    ክብረተይ ሕሱርዩ ፣ኣይትጸውዑ ቀባራይ ዘመድ
    ገሃነም ፈጢረሉ ዝተማባጻዕኩሉ ገነት
    ናይ ሓሶት ቃልሲ ሽም ቀሹ ሽፍትነት ።

    ባቡር ትጨፍልቐኒ ስሒባ ካብ መገዲ
    ማካይን ይርገጻኒ ፍያት፣ቮልስዋጌን፣ኣውዲ
    ኣሲርኩም ምስ ደቀይ ጠርዙኒ ዓዲ
    ርሱን ሞጎጎ ጠፍጢፍኩም ግበሩኒ ሞጕዲ
    መንእሰያት ዘሕረርኩ ኣብ ዕርዲ ጎዳጕዲ
    ዓጋመ ከጥፍኡለይ ዝሰደድኩ ብሰልዲ
    ብሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ከዕዝርዎም ብውርዲ
    ኢሳያስ እንታይ ጌሩ ኣይትቐልጥፉ ንፍርዲ
    ካብ ጊዜ ሽፍትነት ዕላምኡ ኣቢሲንያዊ ዘውዲ
    ኣነ እየ መቕተሊኦም ደቂ ኤረይ መንዩ ሕኒ ኦም ዝፈዲ፧ !!!!!!!!!!!

    መንያ ኣብቲ ሲናይ በረኻ ተእዊ ፧
    ኣጥባታ ብጋንቾ ,ጨረር ዝብል ብሓዊ
    ንዓሰርተ በደዊን ብብልዕታ ተርዊ
    ወዲ´ውን ይዕመጽ ኣሎ ስብእነቱ መጃጀዊ
    መርዓት ቀይርዎ ግብረ ሶዶም ዓረባዊ
    ኣጆኹም በልዎም ኣይበክን´ዩ ኤርትራዊ
    ንወያነ ንጸርፎም ኣለና መታን ቁስሎም ክሓዊ
    ተምቤናይ ስለ ዝኾነ እዩ ፣ኢሳያስ ሓሳዊ
    ኢልና ንፈግኣሎም ኣለና ዌብሳይት መርሃዊ
    ብኢንተርነት ከነውግዞም ኢና ፣መንግስታቶም ክሳዕ ዝደዊ !!!

    መሳኪን መናእሰይ ዓደይ ፣እቶም ናብዚ ዘብጽሑኹም ´ውን ሓላፍነት ኰወስዱ ኣይደልዩን እዮም ።ደቆም የዕብዩ ኣለዉ ።ግን ነጻነትና ወያነ ከየባላሽዎ ይሕልዉ ኣለዉ።ኣይደቀሱን እቲ እዚ ኩሉ በረኸት ዘምጽኣልኩም ነጻነት__ኢሳያስ ጨውይዎ እምበር መንፈሳዊ ቅዱስ ዝነበረ ውድብ´ዩ ይብልኹም ኣለዉ።

  • Kalighe July 24, 2013

    “መንእሰያት ዘሕረርኩ ኣብ ዕርዲ ጎዳጕዲ
    ዓጋመ ከጥፍኡለይ ዝሰደድኩ ብሰልዲ
    ብሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ከዕዝርዎም ብውርዲ
    ኢሳያስ እንታይ ጌሩ ኣይትቐልጥፉ ንፍርዲ
    ካብ ጊዜ ሽፍትነት ዕላምኡ ኣቢሲንያዊ ዘውዲ
    ኣነ እየ መቕተሊኦም ደቂ ኤረይ መንዩ ሕኒ ኦም ዝፈዲ፧ !!!!!!!!!!”

    NEW HOPE ERITREA

    You are good at hiding poison in every topic posted here:

    1. “ዓጋመ ከጥፍኡለይ ዝሰደድኩ ብሰልዲ”.
    – you are accusing people of willing to kill ‘agame’, for collecting money to defend their country (In times of war, people have to defend their country, even when the rulers are bad).

    2. “ኢሳያስ እንታይ ጌሩ ኣይትቐልጥፉ ንፍርዲ, ካብ ጊዜ ሽፍትነት ዕላምኡ ኣቢሲንያዊ ዘውዲ,ኣነ እየ መቕተሊኦም ደቂ ኤረይ መንዩ ሕኒ ኦም ዝፈዲ” .
    – So, according to you, it’s not Iseyas to blame, for so many people who died in the war, because during “gedli” actually he was working for Ethiopia, but the we the people.

    Intaway mukhaney men yifelit ilka’ndikha, seb titzerif, tedenaghir zelekha.
    Felitnaka alena …. bel daxan

  • Semhar July 24, 2013

    THIS IS OUR TIME!

    It’s better late than never!

    The time has come for change in Eritrea!

    Let’s march for freedom in Eritrea and all over the world!

    Please do not forget to bring our Liberation Flag for the freedom march!

    Thanks and may God bless ጅግና፡ ኤርትራዊ ስዉእ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ and his courageous comrades who marched with their tanks from Sorona, Akeleguzay to FORTO, Asmera to liberate our land and our people.

    The mad dog, the evil spirit ሕስረት ዝለመደ ዕባይ እንዳ ስዋ Isayas and his blind followers the PFDJ and their burned flag will be smashed!

    Eritrea will be free and our liberation flag will rise up again!

    Let freedom ring in Akeleguzy!
    Let freedom ring in Barka!
    Let freedom ring in sahil!
    Let freedom ring in Senhit!
    Let freedom ring in semhar!
    Let freedom ring in Seraye!
    Let freedom ring in Denkel!
    Let freedom ring in Hamassien!

    2013 freedom will ring allover ERITREA!
    ERITREA will be the Land of the FREE and the home of the BRAVE!

POST A COMMENT