Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኡስ ኮሚተ ኣህግራዊ ሰብኣዊ መሰል ፈደራላዊ ባይቶ ካናዳ፡ ዘስካሕክሕ ጸብጻብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ሰሚዓ

ፍልጥቲ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ኤልሳ ጭሩምን ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነን፡ ንኡስ-ኮሚተ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰል ፈደራላዊ ባይቶ ካናዳ ብዘቕረበትሎም ዕድመ መሰረት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ቃል ሂቦም። ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዝወርዶም ኣስካሕካሒ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ መደበር

ፍልጥቲ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ኤልሳ ጭሩምን ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነን፡ ንኡስ-ኮሚተ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰል ፈደራላዊ ባይቶ ካናዳ ብዘቕረበትሎም ዕድመ መሰረት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ቃል ሂቦም። ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዝወርዶም ኣስካሕካሒ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ዘጋጥሞም ብድሆታት ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ካናዳውያን ዝፍጸም በደላት፡ ሓደ ብሓደ ብምዝርዛር ነታ ኮሚተ ብ14 ለካቲት ኣረዲኦም።

ኤልሳ ጭሩም ኣብቲ ዘቕረበቶ ዝርዝራዊ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዶብ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እናዓረገ ከምዝኸደ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንሃገራዊ ጸጥታ ከም መመኽነይታ እናተጠቕመ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝግህስ፣ ነጻ ፍርዳዊ ኣካል ከምዘየለ፣ ማሕበር ወይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ምቛም ከምዘይፍቀድ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ወይ ካብ ሸውዓተ ሰብ ንላዕሊ ምእካብ እጉድ ምዃኑ፣ ሰብ ንዝደለዮ እምነት ሃይማኖት ክስዕብ ከምዘይፍቀደሉ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይተወሰነ ግዜ ተዘርጊሑ ነጻ ጉልበት መንእሰያት ኣብ ዕደና ወርቅን ካልእን ብቀጻሊ ከምዝመዝ፣ ንወለዲ ውላድኩም ሃዲሙ ብዝብል ምስምስ $50 ሽሕ ናቕፋ ከምዝኸፍሉ ከምዝግበር ወይ ከምዝእሰሩ፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ከምዘለዉ፣ ልዕሊ 300 ቤት ማእሰርቲ ኣብታ ሃገር ከምዘሎ፣ እታ እንኮ ዩኒቨርስቲ ከምዝተዓጽወት፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት መዓልታዊ ካብ ሃገር ከምዝሃድሙ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ግብጺን ካልእ ሃገራትን ዘስካሕክሕ ሽግር ከምዘሕልፉን ቆላሕታ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከምዝተነፍጎምን ወዘተ ሓደ ብሓደ ብምቕራብ መንግስቲ ካናዳ ዝከኣሎ ክገብር 11 ነጥብታት ዝሓዘለ ምሕጽንታ ኣቕሪባ።

ኣሮን ብርሃነ ብወገኑ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ፕረስ ከምዘየለ፣ ኣሰናዳእቲ ናይተን ኣብ 2001 ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ኣብ ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ይበልዩ ከምዘለዉ፡ ድሮ ሓሙሽተ ካብኦም ከምዝሞቱ፣ ኣስታት 30 ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ፣ 11 ካብ ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ነበር ከምዝተኣስሩ፡ 6 ካብኦም ከምዝሞቱ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ ዝፍጽሞ በደላት ሓደ ብሓደ ዘርዚሩ። ቆንስል ኤርትራ ንኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ምፍርራሕ፡ ምብስባስን ምጉብዕባዕን ከምዝነጥፍ፣ ኤርትራውያን ካናዳውያን 2% ብግዴታ ክኸፍሉ ከምዝግደዱ፣ ገንዘብ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ወይ ኣኼባ ክሳተፉ ከምዝእዘዙ፣ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉ፡ ፌርምኦም ኣብዘይኣምንሉ ጉዳይ ከንብሩ ከምዝቕሰቡ፣ ብድሕሪ 1998 ካብ ሃገር ዝወጽኡ ዜጋታት ዝፈጸምዎ በደል ዘይብሎም ክነሶም፡ ገበን ፈጺመ’የ ኢሎም ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡ ከምዝግደዱ፣ ቆንስል ኤርትራ ንማሕበር ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ኦንታርይ (ማ.ኤ.ካ.ኦ.)፡ ኮምኒቲ ኤርትራውያን ኣብ ዊኒፐግ ኢንኮርፐረሽንን ካልኦትን እናተጠቕመ ኣብ ዓመት ካብ $10 ክሳብ $20 ሚልዮን ዶላር ብግዴታን ካልእ ሸርሕታትን ገንዘብ ከምዝእክብ ነጥቢ ብነጥቢ ዘርዚሩ ብምቕራብ፡ መንግስቲ ካናዳ ዕቱብ ኣቓልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ዝጽውዕ 9 ነጥብታት ዝሓቖፈ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብድሕሪ’ዚ ኣባላት’ታ ኮሚተ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝተሰምዖም ከቢድ ቅሬታ ብምግላጽ ሕቶታት ኣቕሪቦም። ተራ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ፣ ንካናዳውያን ዜጋታት ኣገዲድካ ዝግበር ምኽፋል ግብሪ፣ ናይ ካናዳ ዕደና ኩባንያ ነጻ ጉልበት ኤርትራውያን ትምዝምዝ እንተላ፣ ስለምንታይ እዚ ዘሕዝን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝግባእ ቆላሕታ ዘይረኸበ ወዘተ ዝብል ብዙሕ ሕቶታት ኣቕሪቦም። ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩምን ኣቶ ኣሮን ብርሃነን ድማ ንኩሉ ዝቐረበ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲ ብምሃብ ንምርዳእ ክሕግዞም ዝኽእል ተወሳኺ ሰነዳት ኣረኪቦሞም።

ኣብቲ ዝቐጸለ መዓልቲ ምስ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ክቱር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ቆንስል ኤርትራ ደረት ሓላፍነቱ ሰጊሩ ንኤርትራውያን ካናዳውያን ዝገብሮ ምብስባስን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝእክቦ ገንዘብ ብምስትብሃል፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፈጥሮ ዘይምርግጋእ ብምስትውዓል፣ ካናዳ ነዚ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ውሳነ 1907 ከምኡ ውን 2023 ብዝቐልጠፈ ከተተግብሮ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ነቲ ምሕጽንታ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ከመያየጥሉ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

ብድሕሪ’ዚ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ምስ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናልን ማይኒኒ ዎች ካናዳን ተራኺባ ሓጺር ጸብጻብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ከምዘቕረበት ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • HGDF February 17, 2012

    ንምንታይ ደኣ ሎሚ ጥር ኢልካ ናብ ወርቂ ምጉያይ ኮይኑ፧ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምስራሕ ጽርግያታትን ገዛውቲ ናይ ኮሎኔላትን እዮም ተጸሚዶም ዘሎዉዶ ይበሃል ኣይነበረን፧ ካብ ባይቶ ጸጥታ ዘይተረክበ እገዳ ናይ ወርቂስ ካብ መንግስቲ ካናዳ ክርከብ፥ ዝገርም እዩ ሓንቲ ዘመናዊ ኣገባብ ትጥቀም ናይ ወርቂ ትካል ክንደይ ዝ ኣክል ጉልበት ሰብ ከም ትጠልብ ጠፊኡዎምስ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዕደና ወርቂ ይውዕል ኣሎ ተባሂሎም ክኣምኑኩም
    ጸብጻብ ናይ ማሽነሪን ዓቅሚ ሰብን ናይዘን ትካላት ምስ ቀረበሎም ክሳብ ክንደይ ከም ዝንዕቅኩም ኣይትሓስቡን ዲኩም። ነቶም ካብ መጀመሪያ እዋን ናይ ዕደና ወፍሪ ጐይታኩም መለስ ብዝለኣኮም ኣሸበርቲ ዝግበር ዝነበረ ናይ ቅትለት ተግባራትን ካልእ ናይ ሽበራ ስራሕን ንከይግበር ክሕልዉ ተዋፊሮም ዘሎዉ ወተሃደራት እንተኮንኩም ከኣ ናይ ኣሸበርቲ ተሓባበርቲ ምዃንኩም እኩም ትነግሩና ዘሎኩም።

  • ዘመን ኖርወይ February 17, 2012

    በዓል ንስኻስ ኣበይ ዝነበርኩም ኮን ትኾኑ? ኣነ ዝገርመኒ ኣልፊ እራይ ምራይ ሕጂ ግዜ ክጸብብ ምስ ጀመረ፡ ከምቶም ኣብ ግዜ ደርግ ዝነበሩ ኢሰፓታት ነጻነት ምስ ቀረበት ዓቕሊ ኣጽቢቦም ዋጭ ዝብሉ ዝነበሩ ልክዕ ከምኣቶም ኮንኩም ተራኢኹምኒ። ዝገርም’ዩ መቸም፡ ሰብ ብዘይ ሕጊ እናተኣስረ፡ ከም ድላይካ ስራሕ የለ፡ ከም ድላይካ ምንቅስቓስ የለ፡ ፓርላማ የለ፡ ቅዋም የለ! ብዘይፍትሒ መንም ባንዳ ጨርቁ ከም ድላዩ ይኣስር ይፈትሕ! ጕቦ ዘርከበ ይበልዕ! ሓደ ሰብ ድማ ንዕስራ ዓመት ብዘይ ሕጊ ይገዝእ! ነዚ ዲኻ ሕጂ ጽቡቕ ምሕደራ ኣሎ ትብለና ዘለኻ?? ቍሩብ ምሓፈርካ ከማን። ስለ ዝሓፈርካ ግን ህግደፍ ኢልካ ጥራይ ትኣቱ ኣለኻ ኣብ ክንዲ ቀንዲ ስምካ። ምናልባሽ ገብረ ሊባኖስ ወይ ገብረ ኣረጋዊ ትኸውን። ሓሲብካ ተዛረብ! ካብ ህሉው ኵነታት ተበገስ ባቡር ከይትገድፈካ!

    • hggum brhan February 18, 2012

      NSKA BALKA ,ZEMEN NOR WEY,,,,,,, . MEJEMRIA NNEBSKA, DAHAR KEMOU KTBLE.EZI KOLU ZBEKAYO HAQNET ZEYBLU NAB ABAKYUNI TRAY EU KKEWN ZKAL.ZBEDELE YASER.QUWAM HGI YENGS. BNAY MEN HGI DAA TMAHADER ALA ERITREA?AKADAA ZBELETSE KABTI QUWAM NLALI GARA EYA TKEYD ZELA.QUWAM QUWAM TBLU NTEBELETSTI MATSO ZKEFTN WEHSNET MEDENAGERTN ZHB SLEZKONE NETI NEQAA REKIBU HINFISHFSH KEATU ZDELI NKEYREKB TBAHILU TINQAQE SLE ZGBELU ZELO EU.NUSU KEA PARTY DO ADEY MARTA ZEMTSOO EU KMOU ZEBL ZELO.

  • sewit February 17, 2012

    Elsa & Aaron:
    Congratulations. Well done job. You have spoken on behalf of those who are denied their fundamental rights in their own land. Thank you on their behalf.

  • sewit February 17, 2012

    HGDF. I JUST WANT TO UNDERSTAND YOU. ARE YOU TELLING US THAT ERITREANS, WHOM YOU CARE ABOUT, THEIR RIGHTS ARE NOT DENIED?

  • gerimuna February 17, 2012

    To: HGDF Goduf

    Thank you Elsa and Aron a million times.

    What does HGDF mean? Literally H means peoples, why are then our people despised the regime and leave in droves. D means democracy, democratic society is not run by a whim of one person who jails its citizens (Hold it for me) for years with out due process. That is why it is a joke to cover your empty wording HGDF to mask the evil deeds of the regime you attempt to save its face by straying away from relevant issues as few others like you (HGDFites).

  • tesfai kifle February 18, 2012

    Elsa Chirum — is the Marya Theresa of Eritrea. A hope and Light of the thousands of destitutes.

    • elias February 18, 2012

      You are right bro…indeed Eritrean Mother Teresa!!!

Post a Reply to elias Cancel Reply