Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንባይቶ እንዳ’ባ ንበገስ!

ብንኣምን ተኪኤ       ጀርመን፡  17/11/2015 ሓደ ሓደ ጊዜ፡ ሓቂ ክትጉሰ ትርእያ'ሞ፡  በጨቕ ክኣ ይብለካ፡፡ ክሳብ መዓስ'የ ትም ክብል ኢልካ ውን ንነብስኻ ትገንሓ። ዝመስለካ ክትብል ወይ ክትጽሕፍ ውን ትውስን፡፡ “ ዝመኸርናዮ ንልቦና፡ ዝሓጎምናዮ ንጥዕና ይግበረልና “ ኢልካ ክኣ

ብንኣምን ተኪኤ       ጀርመን፡  17/11/2015

ሓደ ሓደ ጊዜ፡ ሓቂ ክትጉሰ ትርእያ’ሞ፡  በጨቕ ክኣ ይብለካ፡፡ ክሳብ መዓስ’የ ትም ክብል ኢልካ ውን ንነብስኻ ትገንሓ። ዝመስለካ ክትብል ወይ ክትጽሕፍ ውን ትውስን፡፡ “ ዝመኸርናዮ ንልቦና፡ ዝሓጎምናዮ ንጥዕና ይግበረልና “ ኢልካ ክኣ ነቲ ዝመሰለካ፡ ብዘይጎድእ መንገዲ ትድሕድሖ። እቲ ለለባሙ ይቕበሎ ወይ ይግምግሞ፡ እቲ ብኣነነት ዝተላዕጠጠ፥ ኣነ ጥራሕ’የ መምህር ዝብል ሰብ ግን፡ ስለ ዝመዓድካዮ ጥራሕ   ይቕየመካ ። ብዙሕ ግዜ ብዓል እገለ ከይቅየሙኒ ኢልካ ትንሕፎምን፡ ዕሽሽ  ትብሎምን’ሞ፡ ስኣን ኣብ እዋኑ እሕሕ ምባል፡ክኣ እቶም ዝጋገዩ ይግብሉ፡፡ ንኩልኻ ለኻኺሞም፡ ህዝብን ሃገርን ከይተረፈ የዕንዉ። “ምስ ጠረጥካ እግሪ ይእከብ፡ ምስ ሰሓትካኸ ምኽሪ ይርከብ” ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝፈጸምዎ ዕንወት፡ ኣብ ዘይዕረየሉ ደረጃ ምስ በጽሔ፡  ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ፡ እሕሕ ከይንብል ነበርናስ እናበልካ ተስተንትን። መዋጽኦ እንተረኸብካ ኢልካ ክኣ፡ “ህዝቢ ንጋባእ ! ንመኻኸር !  ትብል።

እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዚ ኮይኑ፡  ንህዝቢ  ከም እኩብ ሓይሊ፡ ብጅምላ ክትነቕፎ፡ ወይ ውን ክትውንጅሎ ግን ነውሪ’ዩ። ንምንታይሲ፡ ህዝቢ ባሕሪ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ውሽጡ በብዓይነቱ ጸጋታትን ዓቕምን ስለ ዝውንን። ይኹን’ምበር  ናብ ሑቕፉ ኰንካ፡ ንድኻማቱ ብሃናጺ ኣገባብ ክትእምተሉን ምኽሪ ክትልግሰሉን ግን ሓላል’ዩ ።  ከም ትዕዝብተይ እንተ ድኣ ኮይኑ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ካባይ ጀሚርካ፡ መብዝሕትና፡ ናይ ምንባብን ናይ ጽን ኢልካ ምስማዕን ባህሊ ኣዝዩ’ዩ ዝጎድለና ምበልኩ። ከም ተርእዮ፡ ሓይልና ኣብ ምዝራብን ኣብ ምቅዋምን’ዩ ዝመዝን፡ እንተ ተባህለ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ድፍረት ድኣ ከይምሰል እምበር፡ ምንባብ እናኸኣልና ዘይነንብብ ውሑዳት ኣይኮናን፡፡ ካብቶም ውሑዳት ኣንበብቲ’ዮም ዝብሃሉ  ውን፡  ቁሩብ ምስ ኣንበቡ ዘምቦሃቑው ይበዝሑ። ገምጋመይ ጃምላዊ ስለ ዘይኮነ፡ ነነብስና ኣበይ ንሰዂዓ፡ ንዓኻትኩም ክገድፎ’የ።

በሉ፡ ኣየንብቡን’ዶ፡ የንበሃቑዉ’ዱ ኢሉ ዘሊፉና ኢልኩም ከይትቕየሙኒ ፡ ንድፍረተይ ኣቐዲመ እቕረታ እናሓተትኩ፡ ከም መተዓረቒ ብማለት፡ ናይ ምንባብ ሸውሃትኩም ምእንቲ ክትከፍተልኩም ፡  ሓንቲ ምቅርቲ  ዕላል ( Apperetivo ) ክጋብዘኩም ።

ኣብ’ቲ ዝዓቤኹሉ ኣከባቢ፡ ዘጋጠመ፡ ንዓመጽን ንፍትሒን ፡ ብፍቕሪን ብሓልዮትን ዝዳኒ ፡ ዘገርም ፍጻሜ ኣቦታትና’የ ከዕልለኩም።   እቲ ዕላል እንሆ፡  ሰናይ ንባብ።

እቲ ፍጻሜ ልቢ ወለድ ኣይኮነን፡ ብሓቂ  ኣብ ዓዲ ንኣምን (ዓንሰባ) ዝተፈጸመ ሓቀኛ ታሪኽ’ዩ ። ኣብታ ዓዲ፡  ኩሉ ወዲ’ቲ  ከባቢ ዝፈርሖምን ዘኽብሮምን ፡ ኣጅማት ተወልደመድህን ዝብሃሉ፡(ኣቡኡ ነቲ፡ ምስ ጅግና ስዉእ ወዲ ዓፋ ዝተሰውኤ፡ ጅግና ስዉእ ሻምበል መብራህቱ ማለት’ዮም) ምስሌነ ይነብሩልኩም። ከምኡ ውን፡ ሓደ  ኩሎም ካህናት ዓዲ ዝፈርሑዎም ፡ ቀሺ ገብረ ዝብሃሉ፡ ሓያልን ጸጒራምን ካህንን  ነበሩ ። እቶም ሓያል ምስሌነ፡  ነቶም ሓያል ቀሺ፡ ኣባት ነብሲ፡ ምኾንካኒ’ዶ ይብሉዎ። ወዮም ቀሺ፡ ነቶም  ምስሌነ  ስለ ዝፈርሑዎም ፡ ሕራይ ወይ ኣይክኣለኒን ከይበሉ፡ ቅድም ምስ ለባማት ክማኸሩ ይውስኑ። ናብ ሓደ፡ ከንቲባ መስመር ዝብሃሉ ፡ ሓደ ካብ ለባማት ዓዲ ፡ከይዶም ውን ምኽሪ ይሓቱ። ናብ ከንቲባ መስመር ከይዶም ድማ፡ “ኣጅማት፡ ኣባት- ነብሲ ፡ ክትኮነኒ ትኽእል’ዶ ይብሉኒ ኣሎዉ’ሞ፡ ኣነ ክኣ ፈሪሄ፡ እንታይ ተማኽሩኒ “ ይብሉዎም።

ከንቲባ መስመር፡ ንኣጅማት ይኹን ነቶም ካህን ኣጸቢቖም ስለ ዝፈልጥዎም፡  ንቀሺ ገብረ፡ “ ብወገነይ ይትረፍካ ምበልኩ፡ ንምንታይሲ ኣጅማት ሓያል’ዮም፡  ኣይትኽእሎምን ኢኻ” ኢሎም የማኽርዎም ። እቶም ቀሺ ግን፡ ንምኽሪ ናይቶም ወረጃ ሽማገለ ሕራይ ኢሎም ተቐቢሎም ካብቲ ገዛ ይወጹ’ሞ ፡ ኣብ መደቀሲኦም ሕስብ ምስ ሓደሩ ግን ይጥዓሱ፡፡ “ዋእ ኣጅማት ሓያል’ዮም፡ ግን ክኣ ፍትሔኛ እዮም፡ እንተገደደ ጸግዒ’ዮም ዝኾኑኒ፡ ” ኢሎም ፡ ንሕቶ ኣጅማት ብኣዎንታ ይቕበልዎ።ድሕሪ ገለ ዓመታት ፡ ቀሺ ገብረ፡ ልዓታ ዝተሰብረት ብልጽቲ ወርቃዊት ጭራ ስለ ዝነበረቶም፡ ኣጅማት ስልጣኖም ተጠቒሞም ብናጻ ኣዓርዮም ንከምጽኡሎም፡ ይልምንዎም። ኣጅማት ውን ከይተሰከፉ፡ “ጸገም የለን፡ ዝፈልጦም እንዳ ወርቂ ስለ ዘሎዉኒ፡ ብነጻ ኣዓርየ ከምጽኣልካ’የ”፡ ኢሎም ነታ ጭራ ይቕበልዎም። ኣጅማት ፡ ከም ውዕሎም፡ ነታ ጭራ ፡ ኣስመራ ወሲዶም ብግቡእ ብነጻ ኣዓርዮም የምጽእዋ። ወዮም ቀሺ፡ጭራይ ሃበኒ ምባል ኣሰኪፉዎም፡ ክሳብ ኣጅማት እንካ ጭራኻ ዝብልዎም፡ ጭራይ ከይበሉ፡ ትም ኢሎም ይጽበዩ። ጭራ ብኾፋ፡ ምዕልቲ ይሓልፍ ። ኣጅማት ክኣ ብተፈጥሮኦም ፈራሕ ሰብ ኣይፈትዉን’ዮም። ቀሺ ገብረ ክኣ ፡ ካብቶም መን ከማይ ዝብሉ ሓያላት፡ ንዓዲ ዘካውሱ፡ ክነሶም፡ ኣብ ኣጅማት ምስ በጽሑ ፡ ምሕያልስ ይትረፎም፡  ንገዛእ ጭርኦም ሃቡኒ ምባል ትብዓት ይስእኑ።

ነዚ ኩነተ-ራዕዲ’ዚ ዝተረድኡ ኣጅማት፡ ነታ ጭራ ካብ ሳንዱቕ ኣውጺኦም፡ ከም ብሕታዊ ንብረቶም፡ ኣብ ኩሉ መጋባኣያታት እንዳ’ባ፡ ዘው እናበሉ ክጥቀሙላ ይጅምሩ። ዓዲ ብዓዳ፡ ጭራ ናይቶም ቀሺ ምዃና ስለ እትፈልጥ ኩላ ትሒም ትሒም ትብል፡፡ ቀሺ ገብረ ውን ብውሽጦም ይጭነቑ።  ቀሺ ገብረ፡ ትጽቢት ምስ ነውሖም፡ ዝመጸ ይምጻእ ደፊረ ጭራይ ሃበኒ ክብሎ ኣሎኒ ኢሎም ይውስኑ፡፡ ንበይኖም ብሕት ምስ በሉ ክእ፡ ሓውሲ ፈጥፈጥ እናበሉ፡ “ጎይታይ፡ እዛ ጭራ ድኣ፡ !  ረሲዕኩማ ዲኹም፡ ! እ…እ፡  እታ ኣዓርዩለይ ዝበልኩኹም ጭራ ትመስል፡” ይብሉዎም። ኣጅማት ሓውሲ ምጒብዕባዕ ሓዊሶም፡ ነታ ጭራ የማነ-ጸጋም እናወዛወዙ ፡  “ ቐሺ ገብረ  ! ነዛ ጭራ እዚኣ፡ ናተይ ትብላ ኣሎኻ። ሕራይ ንርኢ፡ ናትካ ምዃና ዝምስክረልካ እንተረኺብካ፡ ሃየ ብሰለስተ መሰኻኽር  ኣመስኪርካ ክትወስዳ ትኽእል ኢኻ ፡ ” ይብልዎም።

ቀሺ ገብረ ብወገኖም፡ ገዛ ገዛ እናኣቶዉ፡ ጭራ ጭርኦም ሙዃና ዝምስክሩሉም መሰኻኽር ከናድዩ ይጅምሩ፡፡ መንዩ’ሞ፡  ኣጅማት ዓሚጾሙኻ’ምበር፡ ጭራስ ጭራኻ’ያ ኢሉ ደፊሩ ክምስክረሎም።  ጭራይ ሙዃና ክትምስክረለይ ተባሂሉ ዝተሓተተ ኩሉ፡ “ ንዓይ’ሲ ሸለል ድኣ በለኒ” ኢሉ የድሓርሕር። ቀሺ ገብረ ውን ተስፋ ቆሪጾም ዓሪፎም ትም ይብሉ። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ኣብ ሓደ ውራይ ምስ ከንቲባ መስመር ይራኸቡ’ሞ፡ ብዘረባ ዘረባ ጉዳይ ጭራ ትልዓል።  ብስቕታ ቀሺ ገብረ ዝተገረሙ፡ ከንቲባ መስመር፡  ሕጂ ውን ምኽሮም ይልግሱሎም። ቀሺ ገብረ “ቀደም ውን ኢለካየ፡ ግን ምኽረይ ኣይሰማዕካን፡ ሕጂ ውን ከም’ቲ ቀዳማይካ ድኣ ከትጠዓስ እምበር መማኸርናካ” ይብልዎም ። ቀሺ ገብረ ውን፡ ሎምስ ኣይምተጣዓስኩን ይብሉ።  “በል፡ ኣጅማት ሓያል’ዩ፡ ኣብ መንግስቲ ከሲስካ ፡ ዋላ ሓንቲ ክትገብሮ ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ነጅማት እንዳባ ጥራሕ’ዮም ዘፍርሕዎም። ከምትፈልጦ፡ እንዳ’ባ ( ህዝቢ)  እቲ ዝለዓለ ስልጣን’ዩ፡፡ ህዝቢ ዋና ስልጣን’ዩ ካብ በልና ክኣ፡ ነጅማት  ፈጣሪን፡ እንዳ’ባን ጥራሕዮም ዘፍርሑዎም፡ ኣብ እንዳ’ባ ጥራሕ ኢኻ ክኣ ትኸሶም። እዚ ማለት ድማ፡ እዘን ኩለን ከባቢ ዓድታት ዝእከባሉ ባይቶ ዓዲ፡ ንሰንበት ተቖጺሩ ኣሎ፡፡ ኣብታ ባይቶ ቀሪብካ፡ ኣብ ቅድሚ እንዳ’ባ፡ ደው ኢልካ፡ ብትብዓት፡ ነጅማት ተማሕጺነኩም ኣሎኹ፡ ውሕስ ሃቡኒ በሎም። ብዛዕባ ምምስካር ናባና ሕደጎ። ኣነን ኣቶ እገሌን ሸቃ እገለን ክንምስክረልካ ኢና።  መሰኻኽር ምስ ተበሃልካ፡ ንዓይን፡  ንእገለን ንእገለን ስመየና፡ ኣጆካ”  ኢሎም፡ ኣተባቢዖም የፋንዉዎም።

ቀሺ ገብረ ከምታ ዝተመኽሩዋ፡ ኣብ መጋባኣያ እንዳ’ባ ቀሪቦም፡ ነጅማት፡ ተማሕጺነኩም ኣሎኹ፡ ውሕስ ሃቡኒ ይብልዎም። ኣጅማት፡ ብትብዓትት ቀሺ ገብረ እናተገረሙ፡ “ ድሓን ውሕስ ይተኽለልካ፡ ቅድም ግን ካብ እንዳ’ባ፡ ዝዳንየና ሰብ ንሕቆፍ “ ይብሉ፡፡ እንዳ’ባ ድማ ካብ ሞንጎኦም፡  ሓደ ለባምን ወረጃን  ሰብ፡ ጠሚቶም፡ ነዛ ፍልይቲ ጉዳይ  ዝዳኒ ይመርጹ። ዳኛ ነጅማት ውሕስ ትኸሉ ይብሎም። ብድድ ኢሎም፡ ናብ’ቲ ህዝቢ ቁሊሕ ቁሊሕ ይብሉ’ሞ ፡ ነቶም ንቀሺ ዝመኸሩ ወረጃ ዓዲ፡  ንከንቲባ መስመር፡ ንሱ ዩ መኺሩዎ ኢሎም ስለ ዝጠርጠሩዎም፡ ገጾም ኣሲሮም “ተዋሓሰኒ ኣያ መስመር “ ይብሉዎም። ከንቲባ መስመር ውን ኣይጀጀዉን፡ ብድድ ኢሎም፡ “ ይውሓስ ፡ ኣሕዋት ይሙቱ፡ እዋሓሰካ፡፡  ንዓኻ ነጅማት ድኣ፡ ኣይኮነንዶ ብተራ ጭራ፡ ብክሳድ ሰብኣይ ውን እንተኾነ እዋሓሰካ” ኢሎም ይፍጸሙ። ቀሺ ገብረ ውን ውሕስ ምስ ሃቡ፡ ክሶም የቕርቡ፡ ሰለስተ መሰኻኽር ውን ይረቚሑ።  ከሳስን ተኸሳስን ነገሮም ምስ ኣፍሰሱ፡  ቀዳማይ ምስክር ይጽዋዕ፡፡

ከሳሲ፡  ንቀዳማይ ምስክር ብስሞም ጸዉዖም “ትፈልጠለይ፡ እዛ ጭራ እዚኣ፡ ናተይ ናይ ቀሺ ገብረ ሙዃና፡ ንሰብ እንተወገንካ፡ ግብ!  ንሓቂ እንተወገንካ ድማ ክብ ትብል፡ ትፈልጠለይ፡ ይብሎዎም። ምስክር ዝፈልጥዎ ክምስክ ሓፍ ምስ በሉ፡ ኣጅማት ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሎም ዓይኖም ኣፍጢጦም ክጥምትዎም ምስ ተዓዘቡ ፡ ብዛዕባ ዋንነት ጭራ ክንዲ ዝምስክሩ፡ “ ዋእ ኣታ ቀሺ ገብረ፡ ኣብዛ ዓዲ ብሰላም ክንሰፍር ኣይደሌኻናን እመስለኒ” ኢሎም ምስክርነቶም ወዲኦም ኮፍ ይብሉ።

ካልኣይ ምስክር ውን ይቐርቡ፡ ከሳሲ ትፈልጠለይ ይብሉዎም። እዚኦም ውን ዓይኒ ኣጅማት ከም ዘይምሕርኦም፡ ስለ ዝረኣዩ፡ ብዛዕባ’ታ ጭራ ክንዲ ዝምስክሩ፡  ርእሶም ሓኸፍ ሓኸፍ እና’በሉ  “ ኤእ ! ሓቂ ክንዛረብ፡ ሓዴኹምሲ ተጋግዩ’ሎ” ኢሉም ኮፍ ይብሉ።

ሳልሳይ ምስክር፡ ከንቲባ መስመር’ዮም፡፡ ምስክርነቶም ክህቡ ውን ይቐርቡ፡፡  ንሶም ውን ከምቶም ክልተ ብጾቶም፡ ትፈልጠለይ ምስ ተባህሉ፡ ብድድ ኢሎም፡  ” ስማዕ ቀሺ ገብረ!  ኣምሆ፡ ኣጅማት፡  ኣባት ነብሲ ኩነኒ ይብሉኒ ኣሎዉ ምስ በልካኒ፡ ኣይትኽእሎምን ኢኻ፡ ይትረፍካ ኢለካ’ዶ፡ ሎሚ ድኣ እንታይ ግበሩ ትብለና ኣሎኻ’ሞ ” ኢሎም ንቦትኦም ተመሊሶም ኮፍ ይብሉ።

ካብ ሰለስቲኦም መሰኻኽር፡ ዋላ ሓደ’ኳ፡ ኣነጺሩ፡ “ እዛ ጭራ ናይ ቀሺ ገብረ ምዃና እዝጊ ኣፍለጠኒ፡ ወይ ድማ እዝጊ ነየፍለጠኒ፡” ዝበለ ኣይነበረን። ብልቦናን ብኣኽብሮትን ግን ፡ ገለ ሓቂስ ኣሚቶም’ዮም። እስከ በሉ፡  ኣብ ዘይተነጸረ ምስክርነት፡ ዳኛ እንታይ ክፈርድ ምተጸቤና ? እስከ ንነብስና ናብ ቦታ ዳኛ ነቐምጣ፡  ነዛ ዋንነታ ብመሰኻኽር ዘይተረጋገጸላ ጭራ፡ ንመን ምፈረድናያ። እንትዒ !!

ነቦታትና ግን ፡ ፍትሒ ከንግሱ ኣይጸገሞምን ። ንብዓል ስልጣን ከሲሶም ክዳንዩ ዘይጸገሞም፡ መዋጽኦ ክረኽቡ ኣይጸገሞምን። ባይቶ ዓዲ ዝሓቆፎ ዳኛ፡  ብድድ ኢሉ፡ ካብ’ቲ ባይቶ፡ ሰለስተ ለባማት ዓበይቲ ዓዲ  ይጽውዕ’ሞ፡ እንታይ እንተ ገበርና ይሓይሽ ይብሎም፡፡ ነጅማት ጸዊዕና ኣማኽሩኒ ንበሎም ኢሎም ክኣ ይሰማምዑ። ነጅማት ውን ይጽውዕዎም ።  “ ኣጅማት፡ ካባኹም ካብ ኣጅማት ተወልደመድህን ዝልብም ሰብ የብልናን’ሞ፡ እስኪ ነዛ ጉዳይ ከመይ ምፈረድኩማ ኣማኽሩና “ ድማ ይብሉዎም።   ኣጅማት ብወገኖም፡ እንዳ’ባ ክሳብ ክንደይ ከም ዘኽብሮም ዳግማይ የረጋግጹ። ብድድ ኢሎም ድማ “ሕራይ ፍቓድ እንዳ’ባ እንተ ኾይኑስ ድሓን” ይብሉ።  ብቐደሙ ውን ፍትሒን ትብዓትን ክምህሩ ዝገበርዎ ድራማ፡ ስለ ዝነበረ፡ ደስ እናበሎም’ዮም ነቲ ሓሳብ ክቕበልዎ ። ዘረብኦም ብምቕጻል  ”  ክብረት ይሃበለይ እንዳ’ቦይ ፡ ክትደፍሩኒ ስለ ዘይደሌኹም፡ እታ ጭራ ኣይናትካን’ያ ኣይበልኩሙኒን፡፡ ብውሕሉል ሜላ  ግን፡ ነታ ሓቂ ኣሚትኩሙለይ ኢኹም ። ብቐደሙ ውን፡ ኣነ ጭራ ስኢነ ፡ ወይ ውን ጭራ ቀሺ ገብረ ተመንየ ፡  ኣይኮንኩን ኣመስኪርካ ውሰዳ ዝበልኩዎ። የግዳስ እዚ ሓያል’ዩ እንብሎ ቀሺ ገብረ’ኳ፡ ንገዛእ ጭርኡ፡  ሃበኒ ምባል ዝፈርሄስ ፡ ዓደ’ቦይ ሕማም ፍርሂ ለኺፉዋ ከይከውን ስለ ዝተጠራጠርኩ፡ ክፍትሽ  ስለ ዝደሌኹ’የ ከምኡ ጌረ ፡፡ እቲ ዋና ስልጣንን መማእዘኒ ፍትሒን፡ ዝኾነ ህዝቢ ዓደቦይ ፡ ከም ቀደሙ ምስ ስሪኡ’ዶ ይህሉ፡ ብግብሪ ከረጋግጽ ደልየ ።

ዓቕሚ ዓደ’ቦይ ክፍትሽን ፡ ኣነ ውን ካብ ዓደ’ቦይ ክመሃርን ስለ ዘሎኒ’የ ክኣ፡ ጭራኻ ኣመስኪርካ ውሰድ ዝበልኩዎ። እምበር እታ ጭራስ፡ ብሓቂ ጭራ  ቀሺ ገብረ’ያ፡፡ እንሆ ደስ እናበለኒ ጭርኡ ይህቦ ። ኩልና ክንመሃረሉ ዝግብኣና፡ ሓቂ ግን ኣሎ። ሰብ ብፍርሒ ርዒዱ፡ መሰሉ ይኹን ንብረቱ ንማንም ኣሕሊፉ ክህብ የብሉን።  ሓደ ሰብ ፡ ብንጽል ፍትሒ ስኢኑ፡ ክብደል ከሎ፡  ህዝቢ ሱቕ ኢሉ እንተ ርእዩ፡ ጽባሕ እታ ግፍዒ ገኒና ፡ በብሓደ ኣብኡ ክትበጽሕ ምዃና ብኣጋ ክርድኦ ኣሎዎ ።  ከምዛ እዞም መሰኻኽር ኣቦታትንስ ብልቦና ዝገበርዋ፡ ኩሉ ንሓቂ ደው ክብል ኣሎዎ። ማንም ሰብ፡ ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ፡ ስልጣኑ ብዘየገድስ ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ’ምበር፡ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ማንም ሰብ ንመሰሉ፡ ባዕሉ እንተ ዘይሓቲቱላ፡ መሰልካ’ያ ኢሉ ዝተዂበሉ ዳኛ የለን። ፍርሕን መሰልን ፡ ክልተ ፍጹም ዘይቃደዋ፡ ተጻረርቲ ስለዝኾና ንመሰልና ብትብዓት ዋጋ ክንከፍለሉ’ዩ ዝግባእ፡ ኢሎም ህዝቦም መሃሩ ንሶም ውን ካብ ህዝቦም ተማህሩ ንብለኩም።

እዛ ሓቀኛ ታሪኽ እዚኣ፡ ኣብ ዓዲ ንኣምን ድኣ ትፈጸም እምበር፡ ኣብ ኩሉ ዓድታት ኤርትራ  ተመሳሳሊ ተረኽቦታት ከም ዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ ንምንታይሲ ኣቦታትና ብባህሪኦም ኣቦታት ፍትሕን ዲሞክራስን ከም ዝነበሩ ታሪኾም ይነግረና’ዩ።

መሲልካ ወይ ክኣ ተሪኽካ፡  እንታይ ኣምጻእካ ከም እትብሉኒ ርግጸኛ’የ። ኣነ ውን ተዳልየሉ ስለ ዝኾንኩ፡ መልሰይ እንሆ። ኣብ’ታ ባይቶን ኳዂቶን ኢለ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ዝዘርጋሕኩዋ ጽሕፍተይ “ መራሕትና ይኹኑ ውድባትና፡ ፍርያትና ስለ ዝኾኑ፡ ንዓና’ዮም ዝመስሉ ኢለ ነይረ። እሞ ኣቦታትና እዞም ኣብ ላዕሊ ታሪኾም ክግለጽ ዝጸንሔ ለባማትን ፍትሔኛታትን ካብ ኮኑ ድኣ፡ ንሕናኸ ኣይደቆምን ማለት ዲና። ዶስ እታ” ወዲ ሓዊ ስ፡ ሓሙኹሽቲ” እትብል ምስላ ለኺፋትና’ያ። ኣቦታትና ፍትሒ የንግሱ፡ ንሕና ግን ብዓመጽ ንገዝእ። ኣቦታትና ንዝተጋገየ፡ ብኣኽብሮትን ብልቦናን ይእርምዎ፡ ንሕና ግን ብቕርሕንቲን ብጸርፍን ኣብ ምትፍናን ንጽመድ። ኣቦታትና ምኽሪ ለባማት ተጠቒሞም ሽግራት ይፈትሑ፡ ንሕና ግን ኣብ ክንዲ ለባማት ነማኽር፡ ሓሰውትን ሃሱሳትን ከድንቑና ንደሊ። ኣቦታትና ሕግን ልዕልና ህዝቢን የኽብሩ፡ ንሕና ግን ሓይልን ውደባን እምበር ፡ ንህዝቢ ትርጉም ኣይንህቦን ።  አረ ሎሚ ሎሚስ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ዘይተወደበ፡ ከም ህዝቢ ኣይንፈልጦን ኢና ዝብል ጉዳም ፖለቲካዊ ቁንቁኛ ንሰምዕ ኣሎና። ካብ 5 ዘይበዝሑ ዝኣባላታ ውድብ ከይተረፈት፡ ንህዝቢ ከተስተናዕቕን ክትውንጅልን ምርኣይ ልሙድ ተርእዮን ሃየንታን ኮይኑ’ሎ። ህዝቢ በርቢርካ ዘይውዳእ ዓቕሚ ዚዓቀበ፡ ዓሚቚ ባሕሪ ምዃኑ ዝተዘንግዔ ይመስል ?  ህዝቢ ዋና ታሪኽን ሰርሕ ቅያን ምዃኑ ከመይ ይዝንጋዕ።

መቸም ከምቲ ኣረጊት ላምሲ” ጊዜ ርኢኻ ሕለበኒ” በለት ዝብሉዋ ፡ ኣብ ሓደ ግዝኣተ-ሕጊ ዝቦኾሮ ሕብረተሰብ ፡ ሓሰውቲን ዓመጸኛታትን፡ ንግዝይኡ ፍሩያት መሲሎም ስለ ዝረኣዩ፡ ኣንፈትና ከነመዓራሪ ጊዜ ኣይሓገዘናን ክኸውን ይኽእል። ሓሓሊፎም ድኳናት ሓሶት ዘቑሙን ፥ በለካ ለኽዓካ  እናዘርኡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘናቑቱን፡ መጋበርያ ዓመጽቲ ኮይኖም ውን ንንጹሃት ዝውንጅሉን፡ ስለ ዝበዝሑ፡ ዝዳንየና ስኢና፡ ጊዜ ዘርዩና ይኸውን’ዩ ። እወ ሓቂ’ዩ፡  ዓዲ ብሓሰውትን ብ ዓመጽትን ተሓሚሳ’ያ ። ዓዲ ብምልእታ ወይ ህዝቢ ብሙሉኡ ግን ሓሳዊን ዓመጸኛን ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። በዞም ሓሰውቲን ዓመጸኛታትን ተዳሂሎም ፡ ርእሶም ኣድኒኖም ሱቕ ስለ ዝመረጹ’ዮም ዝኾኑ’ምበር፡ ሃሰስ ኢልካ ብዙሓት ለባማትን ኣማኸርትንሲ ዝስኣኑ ኣይመስለኒን። ሃገርን ህዝብን፡ ብንህብን ቆፎን’ዮም ዝምሰሉ። ካብ ቆፎ ንህቢ፡ መዓር ከም ዝብርበር፡ ካብ ህዝቢ ድማ፡ ምቹእ ባይታ እንተፈጢርካሉን፡ ብልቦና እንተበርቢርካዮን፡ ብዙሕ ለባምን ፍትሔኛን ክርከብ’ዩ ። አረ ለንቀነስ ይመልኣዮ ድኣ’ምበር፡ ምሁራትና፡ ካብ’ቲ ንዓመታት ኣድብዮሙሉ ዝነበሩ ድፋዓቶም፡ ኣብ በሪኽ ይወጹ ኣሎዉ። ኣካዳምያውን ሕጋውን ምኽሮም ንምልጋስ፡  ኣብ መድረኽ ዝቀላቐሉ ዘለዉ’ዮም ዝመስሉ። ከምቶም ናይ ዓሚ፡ “ተዋሓሰኒ ፍሊጶስ፡ ተታሒዝና ክንሙንቆስ” ዘይኮኑስ፡ “ዝኣረገ ኣገባብ ቃልሲ፡ ስለ ዘየዓወተና፡ ህዝቢ ዘማእዝኖ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝነድቕ ኣገባብ ውከላ፡ (Bottom-up) ክተኣታቶ ዝመኽሩ ለባማት፡  ክብገሱ ንርኢን ነንብብን ኣሎና። ዋላ ንደንጒ፡ህዝቢ ዘየማእዝኖን ዘይቆጻጸሮን ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ካብ ስርዓተ-ምልኪ ሓሊፉ ፍትሒ ከንግስ ከም ዘይክእል ፡ ንብዙሓት ዝተሰወጠና ይመስል።

ገለ ካብ’ዞም ለንቀነ  ዝቀላቐሉ ዘሎዉ ተስፋታትን ተበግሶን ንምጥቃስ፡

  1. ኣብ ሓያሎይ ስተይትስ ኣሜሪካ ዝቖማ ዘሎዋ፡ ናይ ደለይቲ ፍትሒ፡ ህዝባውያን ማእከላት።
  2. ኣብ ስካንዲናቭያን ዝቖማ ዘሎዋ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት።
  3. ኣብ ኤውሮጳ ዝበጋገስ ዘሎ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ምጥርናፋት፡
  4. ኣብ ውሽጢ ኣባላትን ደገፍቲን ባይቶ ኣዋሳ፡ ዝርኤ ዘሎ ኣራሚ ተበግሶታት፡
  5. ከምኡ ውን ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ድኣ’ዩ እምበር፡ ከም ብዓል ” ድምጽና” (our voice) ዝኣመሰሉ  ናይ ምሁራት ምትእኽኻብ   ” ቅኑዕ ዕላማን፡ ቅኑዕ እስትራተጂን ቅኑዕ ሜላን፡ ቃልሲ” ዝብል ወሓለ ጽሑፍ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ (bottom-up) ዝዝርጋሕ መስርሕ ኣወኻኽላን፡  ትልሚ ዲሞክራሲን፡ ብዕምቆት ተተንቲኑ ርኢና።  እቲ ጽሑፍ ፡ ከም ጽሑፍ መጠን ዝወጾ የብሉን፡ ውሓለ ጽሑፍ’ዩ ።ነዚ ዕላማን እስትራተጂን ሜላን ተባሂሉ ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ዘሎ ፡ ሰፊሕ ክለሰ-ሓሳባዊ ትንተና፡ ኣብ ባይታ ብከመይ ትቕይሮ’ዩ እቲ ሕቶ። ሕመረት ናይ’ቲ ጽሑፍ ከምዚ ይመስል፡፡

“እቲ ዝኣረገ ኣገባብን ፥ ፍጹም ሃገር ዘዕኑ ዘሎን ፥ መንገዲ ህግደፍ ፥ መንገድና ኣይኮነን። እቶም ልዕሊ ፍርቂ ዕድሚኦም ንሃገርን ህዝብን ዝተቓለሱን፥ ክብሪ ዝግብኦምን ተቓለስቲ፡ ደምበ ተቓውሞ ውን፡  ዝተጠቕሙሉ፡ ግጉይን ኣረጊትን ኣገባብ ቃልሲ ፡ ንሶም ሞሶኦም ኣይረኸቡሉ፡ ንዓና ውን ከም ህዝቢ ስለ ዘየዓወተና፡ እቲ መንገዶም መንገድና ኣይኮነን። እዞም ውድባት’ዶ ሰልፍታት’ዶ እንብሎም ምትእኽኻባት እዚኣቶም፡ (ውሑዳት ቅኑዓት ገዲፍካ) ካብ ፋሕ ብትን ምባልን፡ ካብ ብሓቲ ባህርያቶምን ወጺኦም፥ ህዝቢ ዝደልዮን ፥ ነዊሕ ዝተጸበዮን ለውጢ ከረጋግጹልና ኣይክኣሉን። ትጽቢት ክኣ ዶብ  ኣለዎ፡  ደጊም ሕጂስ ይኣክል፡ ንጉዳይና፡  ከም ህዝቢ መጠን፡ ባዕልና ክንብገሰሉ ኣሎና ። ስለ’ዚ ፡ እዞም ብኢዶም ዘውዲ ስልጣን ዝደፍኡ መራሕትኹም ኢና ዝብሉና ዘሎዉ  ዘይኮነስ፡ ንሕና ህዝቢ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኢድና መሊስና፡  ነቲ ብዙሕ ዘሳቐየና ዘይተፈትሔ ግድል፡ ባዕልና ግቡእ መልሲ ክንረኽበሉ ንበገስ።

ዝገርም’ዩ፡ ብቑዕ ፖለቲከኛ ካብ ከርሲ ህዝቢ ጥራሕ፡ በርቢርካ ከም ዝውለድ ዝዘንግዑ ክመስሉ፡ ህዝቢ ካብ ፖለቲካ፡ ኢዱ ከውጽእ ኣሎዎ፡ ይብሉና። ፖለቲካ  ፡ ፍሉይ ሕዛእቲ ውድባት፡  ወይ ፍሉይ ሕዛእቲ ሰልፍታት’ዩ፡  (ዘይተወደበ ስለ ዘይዕወት፡ ውዱባት ንሕና ጥራሕ ኢና ብማለት)፡  ህዝቢ ፖለቲካ ኣይምልከቶን’ዩ ዘስምዕ፡ ብድዔ ዝተሓወሶ ዘረባታት፡ ውን ብተደጋጋሚ ካብ ምሁራት ኢና በሃልቲ ከይተረፈ ንሰምዕ ኢና። እዚ ውን ዘየገርም ኣይኮነን። መን’ዩ ፡ንህዝቢስ በቲ ዘርብሖ መንገዲ ፡ ክውደብ መሰል የብሉን ዝበሎም። መን’ዩ ኸ ህዝባውያን ሲቪክ ማሕበታት ይኹና ማሕበረ-ኮማት፡  ንፖለቲካ ጠቀስ መሰላት ክጣበቓ ኣይክእላን’የን ዝበለ። እቲ ጉዳይ፡ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን እንተኾይኑ፡ ምንጪ ስልጣን ባዕሉ ህዝቢ’ዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ መብዝሕትኦም እንፈልጦም ፖለቲከኛታትና፡(ንገለ ገለ ቅኑዓትን ፡ ውፉያትን ተቓለስቲ፡ ግን ክኣ ዝተጠቕሙሉ ግጉይ ኣገባብ ቃልሲ ዘየዓወቶም  ገዲፍካ)፡  ልዕሊ ረብሓ ህዝብን ሃገርን፡ ጉጅላዊ ረብሕኦም ዘቐድሙ’ዮም። ገለ ገሊኦም’ሞ ክኣ  ፡ በቲ ኣብ ዘበነ ጀብሃ፡ ይኹን ኣብ ዘበነ ሻዕብያን ኣብ ህግደፍን  ዝደለብዎ ሃብታም ማክያቬላዊ ተሞክሮታት ክፍኣትን ጥልመትን፡ ተዓጢቖም፡ ቃልስና ንቕድሚት ምንቕ ንከይብል፡ ሓኒቖም ዝሓዙና’ዮም። ቅድም ቀዳድም፡ መብዝሕትኤን ካብዘን ዝብሃላ ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን ደንበ ተቓውሞና፡ ብስልኳታት ህግደፍ ዝተለኽፋ’የን፡ ድሓር ውን ኣባላተን ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ራእዪ ዝጎድሎም፡ ብጸቢብ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ስምዒታት ዝጽለዉ’ዮም እንተበልና ዘጋነንና ኣይመስለናን፡ ንምንታይሲ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ፡ ነዚ ተርእዮታ’ዚ ስለ ዘንጸባርቕ።

መብዝሕትኦም ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ጉጅላዊ ረብሕኦም’ዮም ዘቐድሙ ክንብል ከሎና፡ ገለ ገለ ውፉያትን ንጹሃትን የለዉን ማለትና ኣይኮነን።  ብኤርትራዊ ሃገራዊ ራእዪን ፡ ብስልጡን ስነ ምግባርን፡  ዝግዝኡን፡  ምእንቲ ህዝቦም ሃገሮምን ረዚን ዋጋ ዝኸፍሉን፡ ኣኽብሮት ዝግብኦም ጀጋኑ ተቓለስት ከም ዘለዉ ዘማትእ ኣይኮነን። ይኹን እምበር እዚኣቶም ውን፡ ብደረጃ’ቲ ተወፋይነቶም፡ ጉዕዞኦም ገምጊሞም፡ ዘዓውት ኣገባብ ቃልሲ ኣብ ክንዲ ምቕያስ፡ በቲ ዝኣረገን ከም ዕንክሊል ኣብ ክቢ ጥራሕ ዝዘውር ኣገባብ ቃልሲ ብምጥቃሞም፡ ፍረ ቃልሶም ክሓፍሱስ ይትረፍ፡ ህዝባዊ ሞሳ ውን ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ንሓዝነሎም ኢና ፡፡

መብዝሕትኤን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ብስልኳታት ህግደፍ ምልካፈን ከይኣክል፡ ኣባላተንን መርሒነታተንን ውን ካብ ድሑርን ትሕተ ሃገራውን ዝምባሌታት ነጻ ኣይኮናን ተባሂለን’የን ዝሕመያ፡፡ እዚ ኣገባብ ቃልሲ’ዚ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንሃገረ ኤርትራ፡ ካብ ሕሰምን መከራን ከድሕኖ ኣይከኣለን። እዚ ክንብል ከሎና፡ ንስለ መረረ ወይ ውን ንስለ ነቐፌታ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ ቃልስና፡ ብህግደፍን መሰልቶም ክጭወን ክብረዝን ንርኢ ስለ ዘሎና’ዩ። ኣብ ባይታ ዘሎዋ መብዝሕትኤን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኤርትራ ውን፡ ነቲ ዝተበገሳሉ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ረሲዔን፡ ኣብ ሓድሕደን፡ ኣብ ኢደን ንዘየሎ ስልጣን ክመናጨታ ንዕዘበን ስለ ዘሎና፡ ደም እናጠዓመና ኢና ነቲ ሓቂ ንድሕድሖ ዘሎና።

ስለ’ዚ ኢና ክኣ፡ ሕጂኸ ናበይ ብምባል፡ ን ሕሉፍ  ተሞክሮታትና ገምጊምና፡ ካብ ጌጋታትና ብምምሃር፡ የዔውት’ዩ እንብሎ ሓድሽ ኣገባብ ኣወዳድባን ጥርናፈን ክንቅይስ፡ ተገዲድና ዘሎና። ግዝይኡ ዘሕለፈን ዘየዓወተናን  ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ( Top-Down) ዝወርድ፡  ናይ ኣዛዝን ተኣዛዚን ኣገባብ ቃልሲ ከብቅዕ ኣሎዎ። ነቲ ዋናን መማእዘኒን፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝኾነ፡ ሰፊሕ ህዝቢ፡ ዋንነት ስልጣን ዘረጋግጽ፡ ካብ መሰረታት፡ ማለት ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ( Bottom-Up) ዝድይብ መስርሕ ፖለቲካዊ መሳልል ቀይስካ፡ ህዝቢ ደረጃ ብደረጃ ብዝመረጾም ባይቶታት ኣቢልካ  ስልጣን ፡ ናብ’ቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ክርከብ ኣሎዎ።

ብሓጺሩ፡ፖለቲካዊ ራእይና፡ ነቲ ብዙሕ ጉልበትን ዓቕምን ፈሲሱዎ፡ ከዓውተን ዘይክኣለ፡ ዝኣረገ ናይ መበል 19 ክሳብ ቀዳማይ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመን ኣገባብ ቃልሲ ፡ ብሓድሽ ኣገባብ ቀይርካ፡ ህዝቢ ዝሰረቱ፡ ህዝቢ ዝውንኖ፡ ሓያል ህዝባዊ ቃልሲ ንምልዕዓልን ፡ ዕድመ ህግደፍ ኣሕጺርካ ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን’ዩ። ኣብ’ዚ ሓደ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይብልና ጉዳይ ኣሎ፡” ነቶም ፖለቲካ፡  ንፖለቲከኛታት ጥራሕ ግደፍዎ”፡ እናበሉ ዝብድዑልና፡ ውዱእ መልሲ ኣሎና። መጀመርያ፡ ሕቶ ሰልፍታትን ስልጣንን፡ ሰዓቱን መዓልቱን ሎሚ ኣይኮነን። ሃገርን ህዝብን ምስ ኣድሓንካ፡ ኣብ ነጻ ሃገር ኰንካ ዝሰላሰል ስራሕ እምበር፡ ናይ ሎሚ እዋናዊ ሕቶናስ፡  ኩሉ ዓቕምታትካ ኣወሃሂድካ፡ን ህዝብን ንሃገርን ምድሓን’ዩ።

ዕድል ስለ ዘይተረኽበን ፡ ገና ውን ስለ ዘይተበርበረን እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ  ቀንዲ ወናኒ  ዕቑር ፖለቲካዊ ዓቕሚ ምዃኑ፡ ብዓል ጆርጅ ዋሽንቶንን ሌኽ ዋለሳን ህያው መሰኻኽር”ዮም። ጆርጅ ዋሽንቶን፡ ካብ ተራ ሓረስታይ’ዩ  ዝብገስ፡፡  ህዝብን ሰራዊትን ኣወሃሂዱ ተቓሊሱ  ዝተዓወተ ሓያል ወዲ ህዝቢ’ዩ ነይሩ፡፡ ህቡብ ፖለቲከኛን፡  ቀዳማይ መራሕን ናይ ኣሜሪካ ክኸውን ውን በቒዑ፡፡ ፖላንዳዊ፡ ሌኽ ዋሌሳ ፡ ውን እንተኾነ፡  ተራ ናይ ፋብሪካ መካኒክ’ዩ ነይሩ፡፡ ሰራሕተኛታት ጠርኒፉ ተቓሊሱ ስለ ዝተዓወተ’ዩ፡ ክኣ ህቡብ መራሒ ሃገር ክኸውን ዝበቕዐ ። ኤርትራ ውን ዕድል ተነፊጉዋ፡  ከምኡ ውን  ኣይተበርበረትን እምበር፡ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብሃራት መራሕቲ፡ መኻን ክትከውን ኣይትኽእልን’ያ።

ከም ርእይቶና፡ ብርግጽ ህዝባዊ ስልጣን ዘረጋግጽን ናብ ፍጹም ዓወት ዘብጽሓናን ኣገባብ ቃልሲ እንብሎ፡ ካብ ታሕቲ ካብ መሰረታት ህዝቢ ዝብገስ፡ በብደረጅኡ ካብ ከተማ ጀሚሩ፡ ናብ ከባቢ፡ ካብኡ ድማ ብሃገርን ኣህጉርን ብህዝቢ ዝመራረጽ፡  ባይቶታት ብምቛም፡ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዘማእክል ሓደ ሓያል  ኣህጉራዊ ኤርትራዊ ባይቶ ምቛም’ዩ።

ይቕጽል

ብንኣምን ተኪኤ (ጀርመን)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • mihreteab November 22, 2015

    it is good point

  • ሳሙኤል ገብረሂወት November 24, 2015

    የቐንየልና ኣቶ ተኪአ ንኣምን – ናይ ብሓቂ ብእሩምን ጽፉፉን ቃላትን ሓሳባትን እተነድቀት፧ ሓያል መሃሪትን ሓባሪትን ጽሕፍቲ ኣቕሪብካልና እሞ ብኣብነትን ፍጻሜታትን እተሰነየ ኣስተምህሮ ወስከና፡፡

  • Medhanie Welday November 25, 2015

    Hallo Ato Neamin Tekie,you started a good Idea about Eritrea and its People,the so called Oppositions Parties who fought resentlessy for nothing if at all only for their power bit the power is in the hands of the Eritrean people and not very few opposition leaders they are cowards except for few of them who fought honestly……but keep this discussion and real story of Eritrea and Eritreans with regards

    Medhanie Welday

  • a.berhane November 25, 2015

    ኣቶ ንኣምን የቐንየልና።ከምኡ ጽፉፍን ረዚንን ጽሑፍ ወስኸና።

  • Semharrr November 27, 2015

    Thank youንኣምን ተኪኤfor telling us the plain truth. Thank you ንኣምን ተኪኤ for standing for justice, freedom, liberty and equality. Thank you for exposing the mad dog, tyrant, dictator Isayas and his blind followers HIGDEF.
    The mad dog Isayas took down the Eritrean Liberation flag in 1993 and replaced it with his own burned flag.
    Our original flag that we had from the beginning of the formation of Eritrea, the flag that united us and took us from 1952 all the way to victory 1991 then to 1993. The mad dog Isayas not only took down our original flag but he also dissolved our historical Eritrean provinces in 1993 and replaced them by his own Zobas.
    Our people are ready to liberate our villages, our counties, our provinces, our land and our people.
    The mad dog Isayas in 1993 dissolved the law of the land “HIGHI INDABA” “Eritrean constitution” and replaced it by his own MAFIA Law.
    Our courageous people will soon be marching to dismantle the mafia law and implement HIGHI INDABA and our constitution.
    2015 is the year that we dismantle the crazy mad dog ድያብሎስ Isayas wedi Medhin Berad, and his blind followers HIGDEF.
    Down to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!
    Victory to our people!

Post a Reply to assenna Cancel Reply