Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንቕሓትና ነዕብይ ሳልሳይ ክፋል – ጎዲምና ከንተርፍ ንበራበር

ጎዲምና ከንተርፍ ንበራበር ኣብ ቀዳማይ ክፋልን ፡ ዓማጻይ ኣብ ዝዕመጹ ሰባት ክጥቀመሎም ይኽእል ‘ዩ ኢለ ዝሓሰብክዎም እከይ ጥበባትን ሳዕቤኑን፡ ከምኡ ‘ውን እቶም ግዳያት ዝኾንና ኣብ ምንታይ ክንነቕሕ ከምዘለና ንኣንባባይ ክሕብር ፈቲነ ‘ለኹ። ኣብ ካልኣይ ክፋል ከኣ

ጎዲምና ከንተርፍ ንበራበር

ኣብ ቀዳማይ ክፋልን ፡ ዓማጻይ ኣብ ዝዕመጹ ሰባት ክጥቀመሎም ይኽእል ‘ዩ ኢለ ዝሓሰብክዎም እከይ ጥበባትን ሳዕቤኑን፡ ከምኡ ‘ውን እቶም ግዳያት ዝኾንና ኣብ ምንታይ ክንነቕሕ ከምዘለና ንኣንባባይ ክሕብር ፈቲነ ‘ለኹ። ኣብ ካልኣይ ክፋል ከኣ ሓደ ርእይቶ ወሃባይ ብዝሃበኒ ርእይቶ ምርኩዝ ጌረ ካብ ላንጋ ላንጋ ምዃን ክንድሕን ብዝል መልእክተይ ኣመሓላሊፈ ኣለኹ። ኣነ እቲ ቀዳማይ ንቕሓት ኢለ ዝኣምኖ፡ ኣበየናይ መስመር ከምእንርከብ እንድሕር ተረዲእና ንቕሓትና ክብ ኣቢልና ኣሎና ኢለ ይኣምን። ነፍስኻ ፈቲሽካ ኣብየናይ መስመር ከምዘለኻ እንተደኣ ተረዲእና፡ ነቲ ተኣሲርናሉ ዘለና ሰንሰለት ፈንጢስና ንኽንወጽእ ነቲ ሸፊንናን ዘሎ መጋረጃ ክንቅንጥጥ ይሕግዘና። ምኽንያት ነፍስኻ ምፍታሽ ድኽመትካን ሓያል ጎድንኻን ከተለሊ ስለዝሕግዘካ።

ነፍስኻ ኣብቶም ዝጎድሙን ክፋል ሕብረተሰብ እንተሃልዩ፡ ኣብ ቅድሜኻ ቅጅል ዝብሉ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት፡ ንኹሎም መልስታት ከተናድየሎም ይግባእ። መራሕትና ኣብ ውሽጥና ሰፊሮም ከማና ኮይኖም ስለ እንርእዮም ዝበሉና ክንሰምዖምን ክንኣምኖምን ጸኒሕና። ምእማንና ‘ውን ናቱ ዝኾነ ብቁዕ ምኽንያታት ኣለዎ። ሓደ የሕዋትናን ደቅናን ስለዝኾኑ። ካልኣይ ከኣ ትኽ ኢሎም ካብ ቃልሲ ስለዝመጹ። ሳልሳይ ህዝቢ ኤርትራ ብባዕዳውያን መዋእሉ ስለዝተገዘአ። ወዘተ። ካብ ክቱር ምእማን፡ ንኸጉድሙና ይሰርሑ ከምዝነበሩ ግን ኣይገመትናን ኣይፈለጥናን ኣይነቃሕናን ነርና። ፖሊሲታትና (መርገጺታትና) ኢሎም ሒዞም “ዲሞክራሲ! ዲሞክራሲ!!” እንዳሉ ኣንዳዘመሩ ዝመጹ ‘ሞ ብባዶ ሰለስተ ዝኣወጅዎ ከስርሓናን ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት ነይሩና። ንሶም ግን ብግምጣሉ ሰሪሖም። እቲ ንነዊሕ ጊዜ ክንዲ ድሞክራሲ ዜጋታት ከይፈላለየ ዘገልገለ ሕጊ እንዳባ ተናሽዩን ደስኪሉን። ህዝቢ ኤርትራ ጊላ ኮይኑ፡ ከይዛረብ ተለጉሙ፡ እቲ ምሑር፣ እቲ ለባም፣ እቲ ዓቢ ዓዲ ርእሱ ከድንን ብዑቱብ ተሰሪሒሉ። ሰሊጥዎም ከኣ።

ብተዘዋዋሪ ንሕና ባዕልና ምልኪ ንኽነግስ፡ ውልቀ መላኺ ንክሻድን ዓቢ ተራ ተጻዊትና። እቶም ንኽንጎድም ዝተፈረድና ንኽንጎድም ብፍታውና ኣፍቂድናሎም። በብግዚኡ ንዝፍጠሩ ግናይ ተግባራትን ጌጋታትን ኣክንዲ ዓገብ ንብል ኣመኽኒና ሸፊናሎም። ስለዘይጠዓሞም ‘ዩ፣ ኣብ ናይ ወያነ ኣይውግእ ኣይኩናት ሃዋሁ ስለዘለዉ ‘ዮም፣ ጉዑዞና ጉዑዞ ኣባ ጎበየ ‘ዩ፣ ንኩሉ ቀስ ኢልና ከነረኻኽበሉ ኢና፣ ወዘተ ዝብሉ ሕልኩሳት መመኽነይታታት ባዕልና ሚሂዝናሎም። እንተ ተዳሂልና ፈሪህና እንተ “ብእንታይ ገደሰኒ” ብዘስምዕ ኢድና ኣጣሚርና ተዓዘብቲ ማዕዶ ቃልሲ ብምዃን ተጸበይቲ ዓወት ካልኦት ኮይንና። እቲ ዝኸፍአ ነቶም ሓቂ ክነግሩና ዝፈተኑ “ከም ተበለጽቲን ሓሰውቲን ቆጺርና” ኣናሽናዮም።  ተዓዘብቲ ማዕዶ ብምዃን፣ ብዝመሃዝናዮም ሕልኩሳት መመኽነይታታትን ሓቂ ንኸይንሰምዕ ኣእዛንና ብምዕጻውናን ከኣ፡ ንሳቶም (እቶም ጉጅለ ኢሳይያስ) ኣብ ሊዕሌና ከምድልየቶም ክዕንድሩልናን ኣዝዮም ንኸጉድሙናን መንገዲ ኣጣጢሕናሎም። ንሶም ኣብ ዕላምኦም ንሕና ከኣ ኣብ ምሽቃዕናን ምዕሻውናን ቀጺልና። ንሶም “እቲ ከልቢ ይነብሕ፡ እቲ ግመል ጉዕዙኡ ይቕጽል” እንዳበሉ ኣላጊጾምልና። ንሕና ከኣ ብዕሽነት ጎዲምና። ስሒንናያ ከኣ።

ኤርትራዊ መፈተኒ ቲዎሪ ማኦ ኮይኑ። ቲዎሪ ማኦ ኣብ ኣናጹ ዝተፈተነ ኣብ ሕንፍሽፍሽን ወኸባን ሰረት ዝገበረ ዓይነት ምሕደራ ‘ዩ። እቲ ዝሓስብ ርእሲ ኣብ ወኸባ የእቲኻ ብዛዕባ ንዑኡ ዝጠቅም ነገር ከይሓስብ ትገብሮ። እዚ ሒጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃዋሁ ንሱ ‘ዩ። ዝዓበየ ዝነኣሰ፣ ሰብኣይ ሰበይቲ፣ ወዱ ጓሉ፣ ብሓባር ደድሕሪ ናይ ማይ ቦጥ ክጎዩ ይውዕሉ ኣለዉ። ኤለክትሪክ መጺኣ ኤለክትሪክ ከይዳ ክብል ይዝምር ኣሎ። መወዳእታ ዘይብሉ ንኹሉ ዝልክም ተዓሊም “ጋም ፊት” ክብል ይሓጊ ኣሎ። ኣብ ባይታ ውጺኢት ዘይተራአየሉ ማእቶት ይወፍር ኣሎ። ፍታሕ ብዘይርከቦ ናይ አሕዋት ባእሲ ኣብፈቀዶኡ ቤት ፍርዲ ኮለል ክብል ይውዕል ኣሎ። ወዘተ። ኤርትራዊ ግዳይ እዚ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።

ኤርትራዊያን ጊዜ ምስነውሓና፡ ዘለናዮ ምድረ ዕሽነት ምስተሰቆረና እንተኾነ ‘ውን እቲ መስርሕ ምጉዳም ብዝሓየለ ቀጺሉ። እቲ ኣጉዳሚ ፍርሂ ዘሪኢልና። “ትሒም ዝበለ ኣብኣ ትረኽባ” ዓይነት ምሕደራ ሜላ ተኣታትዩ ከምዝደሃኽ ኮይኑ። ብዘይፍርዲ ኣብ ፈቀዶ ቤት ማሕቡስ ይድርበ። ኣብዘይወዓሎ ከምዝወዓሎ ኣሚኑ ከምዝፍርም ይግበር። ጥዑይ ከይሓስብ፡ ብሕንፍሽፍሽን ዝሩግን ምሕደራ ከምዘማርር ይግበር። ዘየሎ ነጎዳ ፍርሂ እንዳምጻኻ ኣብ ውግእን ወረ ውግእ ከምንጽመድ ኮይኑ። ሓኪም ከምዝኣዘዘልካ ፈውሲ “ዝርው” ተኣዚዚሉ። በዓል ሞያ ብኽእለቱን ሞዩኡን ዓቅሙን ከይሰርሕ ተኸልኪሉ። ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ ከይበልዕ ተኸልኪሉ ጥራይ ዘይኮነ ተጸባይ ካብ ካልኦት ክኸውን ተፈሪዱ። እቲ መስርሕ ናብ ፍጹም ምድሃል ምቅያር ‘ዩ። እቲ ዝደሃል ከኣ ተዳሂሉ። ብጥቕሉ ጎዲሙ ጎዳዲሙ ክንብሎ ንኽእል።

እቲ ዘሕዝን እቲ ጎዳሚ ከኣ ተገዛኢ እቲ ፍርሂ ምዃኑ ‘ዩ። ዘለዎ ኩነታት እንዳፈለጠ ምስቃጥ ኮይኑ። ነጎዳ ድምጹ ተለኵቱ። ዝርጉሕ ኢዱ ተዓጺፈን። ጎያያይ ኣእጋሩ ተኾርሜን። እቲ ዝኸኣለ ተሰዲዱ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ካብቶም ዝተሰዱ “ኢዱ ነዊሕ ‘ዩ” ብዝብል መድሃሊ ፕሮፓጋንዳ ባዶ ሰለስተ ማዕረ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ መብዛሕቲኦም ተቃውሞ ከርእዩ ዘይምፍታኖም ‘ዩ። እቲ ሕቶ ሕጂ ‘ውን ኣብ ስደት ምጉዳምና ክቅጽል ‘ዩ? ዝብል እዩ፡ ወይስ እቲ ምጉዳም ዘምጽኦ ኣበር ዩ? “ታጥቦ ጭቃ” ይብሉ፡ (ተሓጺብካ ናብ ጭቃ) ማለት እዩ እቲ ኹነታት። ናብቲ ዝነበርካዮ ምምላስ ምስምንታይ ይቁጸር። ተመሊስካ ባርያ እቲ ጉጅለ ምዃን እንታይ ይበሃል? እቲ ክንሓስቦን ክንዝክሮን ዝግበኣና እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ክኾኑ ይግባእ። ንዕኦም ክንጣበቀሎምን ካብቲ ዘለዉዎ ደልሃመት ከነውጽኦም ክንቃለሰሎም ንዓና እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ። እንድሕር ኣድሓሒርና ደኣ መን እዩ ክቃለሶሎም? ተገዛኢ ባርያ እቲ ጉጅለ ምዃንን ኣማዕዲኻ ምዕዛብን ነቲ ዝነበርካዮ ምኽሓድን ካብቲ ክትገብሮ ዘሎካ ምልጋስን ምጥላም እቶም ዝሰቃዩ ዘለዉ ግዳያት ‘ዩ። ነውሪ ምጥላም!! ኣይንጥለሞም፡ ተስፋ ንኹኖም። ንንቃሕ!!።

እዚ እዋን እዚ ባና ለውጢ ዝፈለመሉ ይመስል። ምንቕስቃስ ጀነቫ ዓቢ ምልኽት ተስፋ እዩ። ሕጂ ይኣክል!!! ንበል፡ ሃየ ንበራበር። እዚ ጊዜ እዚ ክንከስሮ ዘይግበኣና ናይ መጻኢ ዕድልና መሪሕ ‘ዩ። ተነቃፊ ጊዜ ስለዝኾነ እቲ ጉጅለ ኢሳይያስ ከይጨወዮ ነቂሕና ክንሕልዎን ክንጥቀመሉን ይግበኣና። ልዑል ጥንቓቀ ዘድልዮ እዋን ከኣ ‘ዩ። ጎዲምና ከይንተርፍ ንቅሓትና ነዕቢ። ንምጉዳምና ነፍሰ ተሓታትነት ከይህለወና ንፍስና ንፈትሽ። እንተወሓደ ብቃልስና ከነመስክር ናይ ዓቅምናን ክእለትናን ንፈትን።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ሓውኹም ደብረ

08/08/2015

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • hmam lbi August 9, 2015

    Debre,

    If we do not unite ,we are done.

  • k.tewolde August 10, 2015

    a very small nation less than the size of the state of Pennsylvania , led by a college dropout surrounded by bunch of rag tags , God knows what their background is, the news of human catastrophe that is spilling out of it’s guts has captured the international news more that of global warming .One of the reasons is we are so complicated , that we don’t mean what we say, and we don’t say what we mean, and we have left the world in awe asking ‘WHAT IS THAT YOU WANT?’.

POST A COMMENT