Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሳ’ያ እታ መፍትሕ

ንሳ’ያ እታ መፍትሕ ኩቡራት ኤርትራውያን ኣብ ዘለኹሞ ሰላምታይ ይብጻሕኩም ብዘይ ምግናን እዘን ዝሓለፋ ክልተ ወርሒ፡ ብናተይ መለክዒ፡ ካብ ሊድ ሃገር እንግሊዝ ዝጀመረ መንፈስካን ሞራልካን ስምዒትካን ሰማይ ዘዕርግ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ፡ ብዓይነቱ ፉሉይ ተርእዮታት ዝገብሮ፡  ብተባዓትን በላሕትን

ንሳ’ያ እታ መፍትሕ
ኩቡራት ኤርትራውያን ኣብ ዘለኹሞ ሰላምታይ ይብጻሕኩም
ብዘይ ምግናን እዘን ዝሓለፋ ክልተ ወርሒ፡ ብናተይ መለክዒ፡ ካብ ሊድ ሃገር እንግሊዝ ዝጀመረ መንፈስካን ሞራልካን ስምዒትካን ሰማይ ዘዕርግ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ፡ ብዓይነቱ ፉሉይ ተርእዮታት ዝገብሮ፡  ብተባዓትን በላሕትን ሰራሕቲ ታሪኽ ሓደስቲ ወለዶ ተካእቲ ዝሓለፉ ሓርበኛታት ኣያታቶም ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ዝተጠቕሙሉ ኣገባብ ተቓዉሞ’ዩ። ብሕጽር ዝበለ እቲ ኣገባብ ብልክዕ ንህግደፋዊ ሕማም ክፍውስ ዝኽእል ጹሩይ ፈውሲ ምንባሩ ኢዩ።

ነቲ ደላይ ፍትሕን ደላይ ሓቅን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ንደለይቲ ፍትሕን ደለይቲ ሓቅን መናእሰይ ሓድሽ ወለዶ ከዘኻኽሮም ከዘኻኽረን ዝደሊ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ሽግርና ብሰላም ንፍትሓዮ፡ ንራዳዳእ ማለት፡ ህግደፍ ሓያል ናይ ዓለምና ኢኹም ገለ ስልጣን ኣካፉሉና እምበር ንሱኹም ብዝደለኹሞ ሃገር ትመራሕ ከም ምባል ኢዮም ዝርድእዎ’ሞ፡ ስለዚ፡ እታ ሓንትን መተካእታ ዘይብላን ጉጅለ ኢሳይያስ ዝርዱኡዋን ቋንቋ፡ ቋንቋ ሓይልን ቋንቋ ህዝባዊ ማዕበልን ጥራይ ኢያ። ምኽንያቱ፡ ሰብ ብምንካስ ስጋ ሰብ ዝጣዓመ ከልቢ ሰብ ክርኢ ኮሎ ሰብ ክነክስ ኢዩ ዝጎይ። እንተሃዲምካሉ እንተፈሪህካሉ ውን ፉጹም ኣይገድፈካን ስለ ዝኾነ፡ እታ መዋጽኦ፡ ብትብዓት ብዝሓዝካዮ ኣስናኑ ከተርግፎ ኣፍንጭኡን ማሓዉሩን ክትሰብሮን ጥራይ ኢዩ ዘለካ ክትሰርር ክትድሕን እንተዳኣ ኮንካ።

ንህዝቢ ኤርትራ ገጢሙዎ ዘሎ ከልቢ ግና ዝነክስ ጥራይ ዘይኮነስ ዝውሕጥ ስለ ዝኾነ፡ ንህግደፍ ኣብዝኾነ ቦታ ኣብዝኾነ እዋን ኣብዝኾነ ሳዓት ኣብዝኾነ ሃገር፡ ኣብ መንገዲ ኣብ ገዛ ኣብ እንዳ መግቢ ኣብ ኣኼባ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ እንዳ ሓዘንን መርዓን፡ ንጉጅለ ህግደፍ በቲ ዝርዶኦም ቋንቋ ክንዛረቦም ይግባእ። ስለዚ ጀጋኑ መናእሰያትና በቲ ኣብ ሊድ ሃገር እንግሊዝ ኣብ ኒውዮርክ ኣመሪካ ኣብ ስቶክሆልም ስዊድን ኣብ ጊሰን ጀርመን ኣብ ማልቦርን ኣዎስትራልያን ኣብ ኢትዮጵያን ካልእን ዝተኻየደ ውዕውዕ ተቓውሞ ኣንጻር ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጸባ ሰትዩ ተሓቢኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ኣዴታትና, ኣቦታትና, ኣያታትና, ኣሕዋትና, ኣሓትና, ደቅና ዝተሳተፉዎ ስለዝኾነ፡ ኒሕን ሕልናን ጅግንነትን ኤርትራውያን ደጊም ኣብ ቦቱኡ ከምዘሎ ኣመስኪርኩም ኢኹም ፈታውን ጸላእን ዝምስክሮ።

ብፍላይ ኣንቱም ኣብ ኒውዮርክ ነቲ ትርኢቱ ኣንጭዋ ተግባሩ ኣንጭዋ ዝኾነ የማነ ኣንጭዋ፡ ልክዕ ከምቲ ኣሞራ ነንጭዋ ዝሃድና፡ ደድሕሪኡ ብምስዓብ፡ ናዓ’ባ ገለ ዳኣ ዘይትዛረብ ኣንታ ከዳዕ ኣንታ ኣንጭዋ ንባዓል ጴትሮስ ጠሊምካስ ትዛወር ኣለኻ ደቂ ጴጥሮስ ዘኽቲሞም ወ.ዘ.ተ. ብምባል ዝወሰድኩሞ ሱጉምቲ ዘስማዕኩሞ ቃላት ብሓቂ ንትብዓትኩም ዝበቅዕ ቃላት የብለይን። እዚ ኣንጭዋ ተበላጺ ምስ ባዓል ጴትሮስ ጽግዕግዕ ይብል ከምዘይነበረ ዘበን ተገምጢሉ፡ እቶም ተዋጊኦም ዘዋግኡ ሓንጎልን ማሓውርን ህዝባዊ ግንባር ኮይኖም ነጻነት ኤርትራ ዝፈጠሩ ባዓል ጴትሮስ ሰሎሞን’ሲ ብብዓል ኢሳይያስ ክቕየዱን ዳሃዮም ክሃጥምን ሙጾታት ኢዩ።

እቲ ህግደፍ ክሰርሕሉ ዝጸንሑ መታለሊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን፡ ዝተፈላለየ ኣስማት ዘለዎ ኣኼባታት ብምጽዋዕ፡ እቲ ኣቐዲሞም ብምውዳድ መን እንታይ ይዛረብን እንታይ ይሓትትን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ሃሱሳት ብምዝራእ ዝጥቀሙሉ ስልቲ፡ ኮምኡ ውን ናይ ገንዘብ ወፈያ ብምባል  ኣብ ኣኼባ ኣቐዲሞም ሰባት ብምድላው ንህዝቢ ንምዕሻውን ገንዘቡ ንምሕማጥን ዓመት ሰሪሖም ዘየእትውዎን ኣብ ስራሕ ዓለም ዘየለውን ኣብ ኣመሪካን ዩሮፓን ብትኳቦ መንግስቲ ዝናበሩ ዓዲ ውዒል፡ ነቲ ለዋህ ህዝብና ንምትላል ምእንቲ ንዓኣቶም ተኸቲሉ ገንዘብ ከወፊ፡ ሚእቲ $100 ከወፍዩ ዓቕሚን ድልየትን ዘይብሎም ክንሶም፡ ከታልሉ፡ ኣነን ባዓልቲ ቤተይን ንምክልኻል ሃገር $50,000 $10,000 $5000 $3000 $1000 ወ.ዘ.ተ. ኣወፊና ኣለና ብምባል ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝሶኽዑዎም ዝነበሩ መታለልቲ ጥራይ ከይኣኽሎም፡ ኣብቲ ዝካየድ ኣኼባ በዳሂ ሕቶታት ከየቕርቡ ንዝፈርህዎም ሰባት፡  ናይ ምሕታት ወይ ርኢቶ ናይ ምሃብ ዕድል ፉጹም ኣይዋሃቦምን ኢዩ። ምናልባት ኣቐዲሞም ዘይፈለጥዎም ሰባት ዕድል ረኺቦም ኣዋጠርቲ ሕቶታት ምስዝሓቱ ድማ፡ ንሕቶኦም ከይመለሱ ብምድሃልን ብሙግቡዕባዕን ብዘለፋን ይምልስሎም ነበሩ።

እቲ ምስ ዱሁል ወዲ ገራህቱን ዓጀብቱን ኣብ ሊድ ዝጀመረ ብዱሎ ከይትዕሎ፡ ሕዝ ክሕዝ ዝዓይነቱ ተባዕን ሱሙርን ተቓውሞ ንኣኼባ ወዲ ገራህቱ ዝበተነ፡  ቀዳዊና ኮይኑ፡ እቲ ዝሳዓበ ውን ሓደ ካብቲ ካልእ ዘይሰንፍ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ሸኽ ምስ ቀሺ ኣስላማይ ምስ ክስታናይ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ፡ ንሓርነቱ በየናይ መንገዲ እንተተጓዒዙን ነየነይቲ መፍትሕ እንተተጠቒሙን ነየናይ ማዕጾ እንተሰቢሩን ነታ ብደም ዘምጻኣን ዝተሰረቐትን ሓርነቱ ካብቲ ተሰዊራቱሉ ዘላ ካብ ኢድ ሰረቕቲ ንኢድ ሰረቕቲ ጠውዩ ብሓይሊ ምምላሳ ጥራይ ሙዃኑ እቲ ምርጫ ኣሚኑሉ ይርከብ።

እዚ ኢሳይያስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝመጸሉ፡ ኣያይ ተቐምቂሞም ኣብሻይ ተቖኒነን ዝነበረ ናይ ተስፋ ዝቖረጹ ምርኢት ኮይኑ፡ ንሰባት ጸቕጢ ብምግባር  ለይትን ማዓልትን ብምድዋል ድሕሪ 10 ዓሰርተ ዓመታት እኳ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ ተማወቱ ኣይትትረፉ ናይ ሞጓዓዝያ መንግስቲ ክሽፍኖ’ዩ ብምባል ብፍላይ ነቶም ተደለልትን ተበለጽትን ኣለሊኻ ዝተጠራቐመ 3000 ሰለስተ ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ፡ ብዓይነት ሰባት እንተሰፊርካዮ፡ ውሑዳት ፉሉይ ሓለፋታት ብህግደፍ ዝግበረሎም እንዳፈለጡ ዝጋገዩ ተበለጽቲ ገዲፍካ፡ እቶም ርብዒ ድማ ካብ ድሕረት ዝምንጩ ጸቢብን ዱሑርን ዝምባለታት ዘለዎም ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ዝበዝሑ ግና፡ ብዘይ ምግናን፡ ኑቡር ሂወት ዘይመርሑ ዘይመርሓ፡ ማሃይማት በቲ ንዕስራን ሰላሳን ዓመታት ዝተቐመጡሉ ሃገር ቋንቋ ሰሜን ኣመሪካ ብጹሑፍ ሓሳቦም ሓሳበን ክገልጻ ክገልጹ ዘይክእሉ፡ ወትሩ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝጽሕፈሎም ሰብ ሃሰው ዝብሉ ዝብላ፡ ዝኾነ ሞያ ይኹን ክእለት ስራሕ ዘይብሎም ዘይብለን፡ ሓዳሮም ዝፈትሑ ዝፈትሓ ወዲኒታት፡ ብትጓቦ  መንግስቲ ካናዳን ኣመሪካን ሂወቶም ሂወተን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝመርሑ ዝመርሓ፡ ጓይላን ዳንኬራን ፈስቲቫልን ኣኼባን ንዓኣቶም ንዓኣተን፡ ከም መተንፈሲ ነቲ ዘይትስፉው ዘይሑጉስ ጽምዋ ዝሰፈኖ ሂወቶም ሂወተን ከም መዘናግዒ ኢዮም ኢየን ዝጥቀማሉ ዝጥቀሙሉ እምበር ብኣፍልጦን ብዕላማን ኣይኮነን፡ ኮምኡ ውን ብህግደፋውያን ተነጽሎ ከይገጥሞም ኢዮም እዚ ኩሉ ፈንጠርጠር ዝተባህለ።

እምበር እቲ ብልቦናን ኣስተውዒሉን ኣዛዊሩን ዝሓስብን ዝመዝንን ኑቡር ሂወት ዝመርሕን ሰሪሑ ዝኣቱን ብነብሱ ዝታኣማመን’ሲ፡ ሎሚ ንህግደፍ ፈንፊኑዎን ቀቢጹዎን ስለዝኾነ፡ እቲ ዝቃወም ክቃወም ውዒሉ፡ እቲ ዝበዝሐ ድማ፡ ኣደቡን ሸረፉን ሒዙ፡  ነቶም ብግልጺ ዝቃወሙ ብጋህድን ብልቡን ኣየ ትብዓት ኣናብስ ክብሎም’ዩ ውዒሉን ዘሎን፡ በብቁሩብ ድማ ካብ ታዓዛባይ ናብ ብጋህዲ ተቓዋማይ ይሰጋገር ኣሎ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ልዕሊ 120,000 ኤርትራዊ ኣሎ፡ ኣብ ካናዳን ኣመሪካን ማለት ኢዩ። እሞ እንታይ ዳኣሎም እዞም ተስፋ ዝቖረጹ በብሓደ ዝዋሓዱ ህግደፋውያን ካብ ልዕሊ 120,000 ህዝቢ ኤርትራ 3000 ሰለስተ ሽሕ ዝኾኑ ተኣኪቦም ኢልካ ክንድዚ ሸኾርተትን ወደኽደኽን።

እቲ ንኢሳይያስ ክቃወም ናብ ኒውዮርክ ዝገስገሰ ተቓዋሚ ኤርትራዊ ግና ዝተኸፍለሉ ሞጓዓዝያ ይኹን ዝተኸፍለሉ መደቀሲ ሆቴል ኣይነበሮን፡ ኩሉ ከካብ ጁቡኡ ኢዩ ነብሱ ኪኢሉ ብዘይ ጸቕጥን ብዘይ ምድፍፋእ ብድልየቱን ብፍቓዱን መሪሹ። ሕጂ ውን ደጋጊመ ክብሎ ዝደሊ፡ ኣንቱም ተስፋ ሃገር ሰራሕቲ ታሪኽ ምናእሰያት ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ሊድ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ጊሰን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ማልቦርን ካልእን ዝተፈጸመ ታሪኽ ዳግማይ ክድገም ኣለዎ። ኮምኡ ውን ብጠቕላላ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፍካዮ መከራ ኣይዋሓደን እሞ ቁሩብ ተጸሚምካ ብሓባር ሳቦያ እንተ ኢልካ፡ ህግደፍ ከም ሓዊ ዝበዝሖ ድንሽ ፈጋዕጋዕ ክብል ኢዩ ሓርነትካ ድማ ናይ ግድን’ዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ነቶም ተበለጽትን ተደለልትን ዝበረቐት ጻሓይና ዝነገሰ ኑጉስና ባሃልቲ ክብሎም ዝደሊ፡ ፍተው ጽልኡ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍ ተሳዒሩ ነበረ ክኸውን ኢዩ።

ንመን ንምርባሕ’ዩ ክንድዚ ዕሽነት
ነዚ መታለሊ ዘይብሉ እምነት
ንስልጣኑ ክብል እከያት ዝኣልም
ኣብ በረኻ ኣብ ዓዲ ብጾቱ ዝጠልም
ብመደብ ዝሰርሕ ህዝቢ ክብል ህልም
ኣየ’ቲ ድፍረትኩም እዋይ ክትዕሽው
እታ ሕልናኹም ኣበይ ኮን ትህሉ
ዝነገሰ ኑጉስና መትከል ጉሓላሉ
ህዝቢ ክጸንተልኩም ክትብሕትዋ ሃገር
ሞጉሃይቲ ሱዉኣት ባዓል ፈገር መገር
ኢሳይያስ ክነብረልኩም ኣብ ዙፋን ኣብ መንበር
እዚ ፉንፉን ኢሳይያስ እዚ መጥፍእ ሃገር
ብዘይካ ኣብ ህውከት ኣብ ሰላም ዘይነብር
በለጽ ዓሚቱኩም ከይትማራመሩ
ኢሳይያስ ክሞሖ’ዩ ካብ ጉንዱ ካብ ሱሩ
ነበረ ምስ ኮነ እንታይ’ኹም ክትገብሩ
ታሪኽ ሓያል ኢዩ ወላ ቡቑቡሩ
ሽሙ ምስዝኸፍእ መቶም ጎሓላሉ
ሓቂ ምስዝዝለፍ ብሓሶት ኣንጻሩ
ኣለኹ’ዩ ዝብል ብነድሪ ካብ ቀብሪ
ንሓቅን ፈጠራን ምእንቲ ከጻሪ
ፈንጠርጠር ኑቡር’ዩ ምስ በጻሕካ ኣብ ደንደስ
ቃናኻ ቀይርካ ብህዝቢ ክትግደስ
ከተምስል እምበር መደብካስ ካልእ’ዩ
እንተሰሚሩልካ እንተበጺሕካዮ
ዘበት’ዩ ግን ፉጹም ሕልምኻ ክፍጸም
በቲ ገበናትካ ብዘፍሰስካዮ ደም
ህዝቢ ክፈርድ’ዩ ኣብ ባይቶ ክዕደም
ሕጂ’ዶ ይሓይሽ ምሕናቕ ብጎሮሮ
ጎበዝ ተላዒሉ ዕድሜኻ ከሕጽሮ
ፈውስኻ ኣለና ኣንታ ሰንካም መንሽሮ
ንማዕበል ናይ ህዝቢ የለን ዝኽልክሎ
ኩቡራት ኣንበብቲ ክሳብ ዝመጽእ ጹሑፈይ ሰላም ቅነ

ሳልሕ ዓብደላ
ካብ ለምለም ካናዳ
Hiyabu@netzero.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • jsg group October 11, 2011

    THIS MAN LOOKS A LOOSER.
    I THINK HE IS NOT NORMAL THAT IS WHY MOST PEOPLE IGNORED HIM (THE DEAD FISH).
    WHAT DID U DO TO ERITREA????? TELL US PLEASE (HIDE YOUR SELF AND WRITE) WHO DO YOU GATHER WITH IN NORTH AMERICA? WITH ERITREANS OR ETHIOPIANS OR NO BODY!!!!

    • peter October 13, 2011

      I will rather have a dictator rather than meeting in Ethiopia, after so much blood who ever goes to Addis as if there is no other place to meet, confirmes that this opposition is hope less and out of reality. Where eas the opposition when he was walking with a couple of his aids in middle of New York. If any thing New york a proof that he has 100% more supporters than you guys can master in two years preparing for this doomed Occtober 22 meeting, wake up smell the coffee a true Eritrean will never sit with the killers of our fathers , brothers ,and sisters…… if you would have organize in Sudan , Kenya .. or any neutral country i would have open to listen to what you guys to say the fact that you are meeting in weyane capital you allinated the support of 99.9 % proud Eritrean.

      • Temesgen Medhanie October 13, 2011

        Peter,

        What is wrong with having a conference in Ethiopia?

  • Temesgen Medhanie October 12, 2011

    Lebam zereba hawey.

  • Semhar October 12, 2011

    Thank you Salih Abdella for your impressive article. I hope in the near future you will write about our original flag.
    Thanks God! PFDJ is on the RUN…
    Finally the time for change has come slowly but surely!
    For more than 60 years, the Eritrean flag has been the symbol of our nation’s strength and unity. It’s been a source of pride and inspiration for millions of citizens. And the Eritrean flag has been a prominent icon in our national history.

    Here are the two dictators that took down our national flag and replaced it by their own flags,
    (1) Ethiopian flag in 1962 and
    (2) Isayas’s(PFDJ’S) flag 1993.
    Salih please tell all Eritreans not fool themelves by raising Isayas’s flag.

    For the demonstration please do not bring PFDJ’s flag.

    We should all bring our original flag; the flag of our fathers, the flag of our martyrs.

    Thank you again for your encouraging and supporting article.

  • Semhar October 12, 2011

    Salih thank you for writing an impressive article. Please write the following article in Tigrinya and Arabic.
    This is the time that we as ERITREANS unite and get rid of the dictator.

    Eritrean assembly officially adopted the first flag of ERITREA on September 15, 1952.

    In 1962 Ethiopia took down our flag and replaced it by Ethiopian flag…. it took us 30 years to raise our flag all over Eritrea again. Our flag was used during the fight for independence from Ethiopia (won in 1991).

    In 1993, the dictator took down our flag and replaced it by his own flag. Instead of raising our original freedom flag at the United Nations he gave them his own flag (HIGDEF’s flag).

    We should use our original flag again during our fight against the dictator and his regime (HIGDEF)

  • Semhar October 12, 2011

    Salih, thank you for writing an impressive article. Please write the following article in Tigrinya and Arabic.
    This is the time that we as ERITREANS unite and get rid of the dictator.

    Eritrean assembly democratically offically adopted the first flag of ERITREA on September 15, 1952.

    In 1962 Ethiopia took down our flag and replaced it by Ethiopian flag…. it took us 30 years to raise our flag all over Eritrea again. Our flag was used during the fight for independence from Ethiopia (won in 1991).

    In 1993, the dictator took down our flag and replaced it by his own flag. Instead of raising our original freedom flag at the United Nations the dictator gave them his own flag (HIGDEF’s flag).

    We should use our original flag again during our fight against the dictator and his regime (HIGDEF).
    Victory to our struggle!
    With the support of our people, our orignal flag,the flag of our forefathers, and our martyrs will rise again all over Eritrea and at the United Nations!

  • peter October 13, 2011

    No , Eritrean in his or her right minde meet , sit , or talk in the living room of woyane , who deported , confesticated, killed our grand fathers,fathers,mothers,brothers, and sisters. You have memorey lapse or short attention span. The oppositon that sits with woyane will never convince an Eritrean that they are independent of woyane dirt, every single family in Eritrea lost a brother or a sister , a father or a mother……..therefore, it dose not sit well with any one when the opposition says we are having meeting in weyanes capital…..Eritreans heatret for woyane is bigger than an desire for democracy , or election.The reason the oppostion is multiplaying and dividing to 10th and 20th different kidans like ameba is a testement for that they could not connect with the Eritrean people.I am and many Eritreans are for democracy , free meeting , free speach , election …etc but not in the living room of our enemy or with our enemies…….at last why is the oppostion couldn’t meet in Sudan , Kenya , or any neutral place . In my honest believe these opposition is hope less and I predict the fruit of the meeting is going to be “kolo titiko” as usual…… these is going to be a good propoganda for Eritrean Gov. the unttoward effect .May God have mercy on the confused state of mind of the oppostion, aka woyane puppies!