Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሳቶምሲ ሃይማኖት መጋበሪ ዓለማዊ-ረብሓ’ዩ ዝመስሎም-!!

 ንሳቶምሲ ሃይማኖት መጋበሪ  ዓለማዊ-ረብሓ’ዩ ዝመስሎም-!! ከይሞተ ዝጸንሐን ከይደቀሰ ዘምሰየን፥ እቲ ብዙሕ ይርኢ እቲ ከኣ ብዙሕ ይሰምዕ ከም-ዝበሃል። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕዝብና’ውን፥ ብዙሕ ይርኢ ብዙሕ’ውን ይሰምዕ ኣሎ። ማለት እቲ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣባ-ቄርሎስን ኣባ-ሉቃስን፥ ንሃገረ-ኤውሮጳ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዑደት ተኸቲሉ ዝበሃል

 ንሳቶምሲ ሃይማኖት መጋበሪ

 ዓለማዊ-ረብሓ’ዩ ዝመስሎም-!!

ከይሞተ ዝጸንሐን ከይደቀሰ ዘምሰየን፥ እቲ ብዙሕ ይርኢ እቲ ከኣ ብዙሕ ይሰምዕ ከም-ዝበሃል። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕዝብና’ውን፥ ብዙሕ ይርኢ ብዙሕ’ውን ይሰምዕ ኣሎ። ማለት እቲ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣባ-ቄርሎስን ኣባ-ሉቃስን፥ ንሃገረ-ኤውሮጳ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዑደት ተኸቲሉ ዝበሃል ዘሎ ኩሉ፥ ንሕዝብና ብብዙሕ ዘዛርቦ ኣርእስቲ ኮይኑ ተረኺቡ ምህላዉ፥ ዘይፈልጥ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ማለት ኣብዚ እዋን’ዚ፥ እቲ ሰማያት ሃገርና ናይ መዓት ደመና ተጻዒኑ ይርኣ ኣብ ዘለወሉ እዋን። እግዚኣብሔር ይዛረብ ኣሎ ኢልካ ከኣ ወንጌል ክስበኽ ምተገብአ እምበር፥ ጣፍ ሓሲሩ መሸላ’ውን ጎዲሉ ኢልካ ምዝራብ፥ ጳጳሳት ዝብሉዎ ኮይኑ ክርከብ ኣይምተገብአን። ይኹን እምበር ከምቲ “…,ኣልቦ በዝ መዋዕል መልኣክ-! ኢ-ነቢይ-! ወኢ-ንጉሥ-! ኢ-ቁርባን ወኢ-መሥዋዕት-! ወኢ-ሃበ እለ-ያጸንሕሑ ዕጣነ-!….” ተባሂሉ ዘሎ። ሕጂ’ውን እዚ ዝተባህለ ትንቢት፥ ኣብ ግዜና ክፍጸም ምርካቡ፥ ንሓዘንናን ጓሂናን ካብ ዘካብዶ ሐደ ኮይኑ ክርከብሲ ግድን’ዩ።

ምስ ኣበሃህላ ጸሎተ-ዳንኤል ብምትሕሓዝ፥ እዚ ትንቢት’ዚ ክንርእዮ ከሎና፥ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ጸልማት ዝነገሦ ሓደገኛ መድረኽ ንርከብ  ምህላውና፥ ክስወረና ዝኽእል ኣይኮነን። እዚ ድማ ብትርጉም ክርአ ከሎ እቲ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። “….ኣብዚ እዋን’ዚ መልኣኽ የልቦን-! ነቢይ የልቦን-! ንጉሥ’ውን የልቦን-! ከምኡ’ውን ቁርባን የልቦን-! ዕጣን ዝዕጠነሉ መሥዋዕቲ’ውን የልቦን-!…” እዩ ዝብል። እዚ ትንቢት’ዚ ከኣ፥ ምስቲ ኣባ-ቄርሎስ ክብሉዎ ዝቐነዩ ሃለውለው ብምትሕሓዝ ክርአ ከሎ፥ እቲ ዝተባህለ ትንቢት ይፍጸም ከም ዘሎ ጥራይ ኢና ክንርዳእ ንኽእል።

ብዝተረፈ ኣባ-ቄርሎስ ኮኑ ኣባ-ሉቃስ፥ ብሳምቡእ-ፖለቲካ ዘተንፍሱ ካድረታት ደኣምበር፥ ንቤተ-ክርስቲያን ዝውክሉ ጳጳሳት ኮይኖም ክርከቡ ከም-ዘይከኣሉ፥ ካብ ነዊሕ እዋን ግልጺ ኮይኑ ክርአ ዝጸንሐ ጉዳይ’ዩ። ስለዚ’ውን ኪኖ’ቲ ለቢሶሞ ዘለዉ ጸሊም ኣልባሳት ሓሊፍካ ብምኻድ፣ እቲ መንነቶም ይፈተሽ እንተ ተባህለ’ውን፣ ጳጳሳት’ዮም ዘብል ዝኾነ ኣሰር ክርከበሎም ይከኣል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። የግዳስ ናይቲ ተሪር ጸረ ክርስትና ዝኾነ ኣቕዋም ዘለዎ ሥርዓት መጋበሪ ብምዃን፥ ንቤተ-ክርስቲያንና ከም-ዘይሓልፍ ክበታትኑዋ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። ሕጂ’ውን ከፍርሱዋን ክበታትኑዋን’ዮም፥ ክሳብ ኤውሮጳ ተሃንፊፎም መጺኦም ዝረኣዩ ዘለዉ።

ስለዚ’ውን ባሕሪ ተሳጊሮም ክሳብ ሆላንድ ዘሊሎም ብምምጻእ፥ ጣፍን መሸላን ሓሲሩ ዋጋ ቸሜንቶ’ውን ጎዲሉ ብምባል ሃለውለው ክብሉ እንተ-ተሰምዑ ዘገርም ኣይኮነን።ከመይሲ እቲ ብሃገራዊ-ድሕነት ዝተዋህቦም ተልእኮ ንሱ’ዩ ነይሩ። ካብቲ ሓቀኛ መንነቶም ወጻኢ ሰበኽቲ-ወንጌል ኮይኖም ክርከቡ ድማ፥ ነባ-ሉቃስ ኮነ ነባ-ቄርሎስ ትጽቢት ክግበረሎም ዝከኣል ኣይኮነን። በቲ ኩሉ ተግባሮም’ውን  ሓላፍነት ክስምዖም ዘይክእል፥ ዘይጳጳሳት መሲሎም እንተ-ተረኽቡ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይሲ ትማሊ ካድረታት እቲ ሥርዓት’ዮም ነይሮም፥ ሕጂ’ውን ኣብቲ መድረኽ ‘ቲ ደው ኢሎም ከም-ዘለዉ’ዮም፥ ግልጺ ኮይኖም ዝረኣዩ ዘለዉ።

ስለዚ’ውን ሓዋርያ-ጳውሎስ፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕልና-ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ክገልጾም ከሎ  “-እዚኣቶምሲ ኣምልኾ ወይ ሃይማኖት መጋበሪ ዓለማዊ-ረብሓ’ዩ ዝመስሎም-” ብምባል’ዩ ብንጹር ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ተግባር’ዞም ናብ ኤውሮጳ መጺኦም ዝርከቡ ዘለዉ ክልተ-ጳጳሳት፥ ካብዚ ዝተፈልየ ኮይኑ ክርከብ፥ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ኣባ-ሉቃስ ኮኑ ኣባ-ቄርሎስ፥ እሙናት ኣገልገልቲ’ቲ ጸረ-ክርስትና ዝኾነ ኣቕዋም ዘለዎ ሥርዓት ክሳብ ዝኾኑ፥ ንቤተ-ከርስቲያን ሓልዮት ዘለዎም ኮይኖም ክርከቡ፥ እቲ ደው ኢሎሙሉ ዘለዉ ፖለቲካዊ-ደምበ ዘፍቅደሎም ኣይኮነን። ስለዚ’ውን ካልእ ዝዝረብ ከም-ዝተሳእነ፥ ጣፍን መሸላን ሓሲሩ ብምባል ሃለውለው ክብሉ እንተ-ተሰምዑ ከገርም ዘይክእል ስለ’ዚ እዩ። (1ጢሞ. 6/4)

ኣባ-ቄርሎስ ኣብ ዘረባኦም፥ መንፈሳዊ ከምስሎም ዝኽእል፥ ዋላ ሓንቲ ቃል’ኳ  ክብሉ ኣይተሰምዑን። የግዳስ “-ኤርትራ ክልተ ግዜ ተፈጢራ-” ክብሉ’ዮም ዝተሰምዑ። ብናቶም ኣተሓሳስባ መሸላን ጣፍን ስለ-ዝሓሰረ፥ ጸገም ሕዝቢ ኤርትራ ተፈቲሑ’ዩ። ስለዚ ደስታ ብደስታን ሓጎስ ብሓጎስን ኮይኑ’ዮም ዝብሉና ዘለዉ። ግዳስ ከምቲ “-ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የልቦን-” ዝበሃል ክኸውን እንተ ዘይኮይኑ፥ ሕዝቢ-ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ረኺቡዎ ዝበሃል ነገር የልቦን። ከመይሲ ትማሊ ምስ መቝሑ’ዩ ነይሩ። ሕጂ’ውን ካብቲ መቑሕ ተላቒቑ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ምናልባት እቲ ዶብ ስለ-ዝተኸፍተ፥ ንዓዶም ኩቦ ደርብዮሙላ መረብ ተሳጊሮም ይጠፍኡ ኣለዉ ማለቶም እንተደኣ ኮይኑ ግና፥ ኣብዝስ ተጋግዮም’ዮም ክንብሎም ኣይንኽእልን። ከመይሲ ኣብዚ ዝሓለፈ እዋናት ኩሉ፥ ሩባ-መረብ ክሳገሩ ክብሉ፥ ብተመልከተለይ ተቐዚፎም ዝተረፉ ደቂ-ሕዝቢ ውሑዳት ኣይኮኑን። ስለዚ ኣባ- ቄርሎስ ነዚ ምኽንያት ብምግባር እንተደኣ ኮይኖም ዝዛረቡ ዘለዉ። እወ እቲ ናይ ሞት ዕዳ ዘኽፍል ዝነበረ ሩባ-መረብ፥ ሕጂስ ዕድመ ንዶክተር-ዓቢይ መን ኢኻ ዝብል ሓታቲ ዘይብሉ ኮይኑ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ ከኣ’ዩ እቲ ዘይተዓደለ ሕዝብና’ውን፥ ካብቲ ቀርቂሩ ሒዙዎ ዝጸንሐ መቑሕ ዘምልጥ ዘሎ ስለ-ዝመሰሎ፥ መረብ ተሳጊሩ ብብዝሒ ንትግራይ ክስደድ ዝርከብ ዘሎ።

እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ከኣ ኣባ-ቄርሎስ፥ ነዚ ዝግበር ዘሎ ስደት’ዚ “-ኤርትራ ክልተ ግዜ ተፈጢራ-” ኢሎም፥ ብጽቡቕ ክገልጹዎ ምፍታኖም እዩ። ግዳስ ንሶም ዝተኣዘዙዎ ዝፍጽሙን ዝተጻሕፈሎም ዘንብቡን ካድረ ደኣምበር፥ ንሶምሲ’ኳ ተውሳኺቶም ኣየናይሲ ኢሎሞ። ብዝተረፈ እታ ንዕኦም ጳጳስ ኢላ፥ መዓርገ-ጵጵስና ዘልበሰቶም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ። ኣብ መዋጽኦ ዝተሳእኖ ናይ ፖለቲካ-ዓዘቕቲ ተሸሚማ ትርከብ እናሃለወት፥ ናይቶም ሠናያ ዘይምነዩ ሰብ-ፖለቲካ መጋበሪ ኮይኖም ክርከቡ፥ ብታሪኽ ከሕትቶም ኣብ ዝኽእል ገበን፥ ጢሒሎም ይኣትዉ ምህላዎም ክርድኦም ዘይምኽኣሉ ብጣዕሚ ዘገርም’ዩ። ኣታ እዞም ሰብኣይ ካንዶ ካብ ሰብ ኣይትወልዱን’ዮም-?! የኽፍኣልኩም ኣሎ ዝብል መቕረባ እንተ ዝረኽቡ ነይሮም፥ ክሳብ ክንድ’ዚ ዓቐኑ ኣብ ዝሓለፈ ብልሽውና፥ ጥሒሎም ክርከቡ ኣይምኸኣሉን፥ ዝበሃል ዘሎ’ውን ስለዚ’ዩ።

እቲ ካልእ ኣባ-ቄርሎስ ዝበሉዎ ዘገርም ኣበሃህላ ድማ፥ “-ሥራሕ ስለ-ዝሰኣነ’ዩ ሕዝብና ዝስደድ ዘሎ-” ዝበሉዎ ኣበሃህላ’ዩ። ስለምንታይ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክሒዶም፥ ሰብ እወ ኢሉ ክቕበሎ ዘይክእል ካልእ ስእሊ ክምህዙ ከም-ዝደለዩ’ውን፥ ኣብቲ ሕዝቢ ብብዙሕ ዘዘራርብ ዘሎ ካልእ ኣርእስቲ’ዩ። ከመይሲ ከይሓሰሞን ከይጸበቦን ክስደድ ዝደሊ ሕዝቢ፥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። የግዳስ ሕዝብና ንኽነብር ውሕስነት እትህቦ ወይ እተጽልሎ ሃገር ስለ-ዝሰኣነ ደኣምበር፥ እንጌራ ስኢነ ኢሉ ዝተሰደ ሕዝቢ ኣሎ ምባል መን ክኣምኖ ይኽእል-? ኣባ-ቄርሎስ ግና ነዚ ሓቂ’ዚ እዮም፥ ክኽሕድዎ  ዝረኣዩ ዘለዉ።

ንሶም ግና “-ኣይ-ሓኽሉ ኣይ-ምሳሩ-” ከም-ዝበሃል፥ ሕዝቢ-ኤርትራ ሥራሕ ስኢኑ’ዩ ዝስደድ ዘሎ ብምባል’ዮም ከእምኑና ዝደልዩ ዘለዉ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግና፥ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ተሳንዩ፥ ክኸደልና ዝኽእል ኣይኮነን። ርግጽ’ዩ እቲ ሕዝቢ ዝብላዕ እንጌራ ኣለዎ፥ ከብዱ ጸጊቡ’ውን ይሓድር ኣሎ ማለትና ኣይኮነን። ከመይሲ ሕዝብና ካብ ቀበሌ ዝረኽባ ሓንቲ-ባኒ ተደሪሩ ክሓድር ካብ ዝግደድ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ነዚ ዘሕዝን ጸሊም ታሪኽ’ዚ ዘይፈልጥ ኣሎ ክንብል’ውን ኣይንኽእልን። እዚ ዓቐኑ ናይ ዝሓለፈ ድኽነትን ሕሰምን ስእሊ’ዚ ግና፥ ነቶም ኣብ መዓርገ ጵጵስና ኣለኹ ዝብሉ ኣባ-ቄርሎስ፥ ክርኣዮም ዘይምኽኣሉ ክንደይ’ኳ ዘሕዝን እዩ።

ሕዝቢ-ኤርትራ ግና፥ ብቐጻሊ መረብ ተሳጊሩ ክስደድ ዝርከብ ዘሎ፥ ናይ ሕጊ ውሕስነት ወይ ጽላል፥ ክረኽበላ ካብ ዘይክእል ሃገር ክሃድም ብምድላይ ደኣምበር፥ ዝብላዕ እንጌራ ክደሊ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። 360 ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣለዋ ኣብ እትበሃል ሃገርከ፥ መን’ዩ ክነብር ኢሉ ክመርጾ ዝኽእል-? እዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ’ዚ ግና፥ ነቶም ናይ ዓዲ-ቀይሕ ጳጳስ ክረኣዮም ኣይከኣለን። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም ንሶም ኣባ-ቄርሎስ፣ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ገነት ይነብር ኣሎ ኢሎም ከእምኑና ዝደልዩ ዘለዉ። ግዳስ ከምቲ ንሶም ዝብሉዎ ዘለዉ፣ ክኸውን እንተ-ዝኽእልሲ፥ ንሕና’ውን ኮይኑ ክንርእዮስ ክንደይ ኮን ዘይምተመነና-!!

ግዳስ ሕዝቢ ኤርትራ በየናይ ዕድሉ እዩ’ሞ ክረኽቦ-?! እቶም ንሚዛን ዝኸብድ ታሪኽ ነይሩዎም ዘይበሃሉ ኣባ-ቄርሎስ ግና፣ ነዚ ሰብኣዊ-መሰሉ ተገፊፉ ከም ኣራዊት፥ ንዓመታት ክህደንን ክሃድምን ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ። መሬት ወጊሑ ጸሓይ ስለ-ዝበረቐሉ፣ ካብ ብዝሑ ሓጎሱ ዝተላዕለ ከም ብተይ ይዕንድር ኣሎ ክብሉና’ዮም ዝደልዩ ዘለዉ። ግዳስ ሕልናኦም ሸይጦም ክነብሩ ምድላዮም እንተ ዘይኮይኑ፣ እቲ ሕዝብስ ካብቲ ቅድሚ 27-ዓመት ዝኣተዎ፣ ናይ ሕሰምን መከራን ታኼላ፥ ሕጂ’ውን ተላቒቑ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

እቲ ሕዝቢ ግና ከምቲ ንሳቶም ዝገመቱዎ፥ ነባ-ሉቃስን ነባ-ቄርሎስን ኢዱ ኣጣቒዑ ዝቕበሎም ኮይኑ ኣይተረኽበን። የግዳስ ዝኾነ ሰብ ክግምቶ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ፥ ብርቱዕ ተቓውሞ ክገጥሞም ከም-ዝኸኣለ፥ ብመራኸቢ ብዙኃን ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ’ዩ። ብቲቢቶ ከም-ዝበሃል ድማ፥ ዝርግርግ ዝበለ ኣኼባ’ዩ ክርአ ዝቐነየ። ንሳቶም ክምልሱዎ ዘይክእሉ ሕቶታት ድማ’ዩ ክቐርበሎም ዝተሰምዐ። ኩሉ ነገር ሕርብት ኢሉዎም መውጽኢ ምስ-ሰኣኑ ድማ፥ እቶም ሞገደኛ ዝኾኑ ኣባ-ሉቃስ፥ ዝሕዙዎን ዝጭብጡዎን ጠፊኡዎም፣  ዝኾነ ነጥቢ ወይ ትርጉም  ኣለዎ ዘይበሃል ቃል፣ “-ሓደ በለለይ-” እናበሉ‘ዮም ብምድግጋም ክዛረቡ ዝቐነዩ።

ማለት ሕጂ’ውን ከም ቀደሞም፥ ንቅዱስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስን፥ ንብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስን “-ብተሓድሶ-” ክኸሱዎምን ክውንጅልዎም’ዮም ዝስምዑ ዘለዉ እዚ ድማ ከምቲ “-ጸማምሲ ሓደ ደርፉ-” ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ኣባ-ሉቃስ ንባዕሎም እቲ ተሓድሶ ዝብል ቃል፥ እንታይ ማለት ከም-ዝኾነ፥ ወይ እንታይ ትርጉም ከስምዕ ከም-ዝኽእል’ውን፥ ይፈልጡዎ’ዮም ዝበሃሉ ኣይኮኑን። እቲ ክፍጽሙዎ በቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ዝተዋህቦም ተልእኮ ንሱ ስለ-ዝኾነ ግና፥ ንመዓርጎም ኣትሒቱ ከገምት ኣብ ዝኽእል መድረኽ ደይቦም፥ ዘይብሁል ክብሉ እንተ-ተረኽቡ ዘይገርም ስለዚ’ዩ። ጽባሕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ታሪኽን፥ ዘሕትቶም ገበን ኮይኑ ክርከብ ከም-ዝኽእል፥ ክስወጦም ዘይ-ምኽኣሉ ግና፥ ክንደይ’ኳ ዘገርም እዩ።

ብዝተረፈ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-መንፈስ እምድሕረ ወጽኣ ኢይገብእ-” ከም-ዝብል። ካብ መሪሕነት መንፈስ-ቅዱስ ርሒቕካ፥ ወይ ወጺእካ ክኽየድ ዝድለ መንገዲ፥ ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ከም-ዝኽእል፥ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን። እቲ ኣባ-ሉቃስ መሪጾሞ ዝረኣዩ ዘለዉ መንገዲ ድማ እዚ’ዩ። እዚ ግና እግዚኣብሔር ዝኸብረሉ ምርጫ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ብዝተረፈ ንሶም ኣባ-ሉቃስ፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኮነ ንኣቡነ-መቃርዮስ ክኸሱ፥ ዘኽእሎም ሞራላዊ ብቕዓት ዘለዎም ኣይኮኑን።

ስለዚ’ውን ገለ ዝመኽሩዎም ቤተ-ሰብ፥ ክረኽቡ እንተደኣ ክኢሎም፥ ገዳሞም ከይዶም ብንስሓ ሱባኤ ክኣትዉ ደኣምበር፥ ካድረ-ፖለቲካ ኮይነ’የ ዝቕጽሎ በሃሊ እንተደኣ ኮይኖም ግና። ካብቲ ንሳውል ኣብ መንገዲ-ደማስቆ “-ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ፥ ንርእስኻ’ዩ ዝገደካ-” ተባሂሉ ዝተነግረ ቃል፥ ከምልጡ ዝኽእሉሉ ዕድል ይረኽቡ’ዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሶም በይኖም’ዮም፥ ግንባር ቀደም ብምዃን፥ ምኽንያት ዕንወትን ብርሰትን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ኮይኖም ዝርከቡ ዘለዉ። (ግሓ.9/5)

ብዝተረፈ ኣባ-ሉቃስ ናይ ዕዳጋ-ሰብ ስለ-ዝኾኑ፥ ኩሉ ነገር ብዓይኒ ረብሓ እንተ ጠመቱዎ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይሲ ንሶም ኣባ-ሉቃስ፥ ኣብ ዓዲ-ቀይሕ በዓል ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ኮይኖም፥ በዓል-ድኳን ምንባሮም ግልጺ ዝኾነ ሓቂ’ዩ። ስለዚ ንኩሉ ነገር ብዓይኒ መኽሰብን ኪሳራን እንተረኣዩዎ፥ ተጋግዮም ኣይንብልን። ስለዚ’ውን ወገን ቤተ-ክርስቲያን ካብ ምዃን፥ ወገን እቲ ሓደ ደምበ ምዃን’ዩ ዘርብሓኒ እንተደኣ ኢሎም፥ ናይ ረብሓ ጉዳይ ስለ-ዝኾነ፥ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ክኸውን ንርእዮ ዘሎና’ውን፥ ነዚ ሓቂ’ዚ ዘራጉድ እዩ። ስለዚ’ውን ብንግሆኡ ኣባ-ሉቃስ ናይ ዕዳጋ-ሰብ ስለ-ዝኾኑ። ኣብቲ ትርፊ ወይ መኽሰብ ይርከቦ’ዩ ዝበሉዎ፥ መድረኽ ወጺኦም እንተ-ተዋስኡ፥ ዝገበሩዎ ጌጋ ኣሎ ኣይንብልን።

ዝኾነ ኮይኑ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ፥ ከምዚ ዝተባህለ ስለ-ዝኾነ፥ እቶም ካድረ-ፖለቲካ ብምዃን፥ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ምፍራስ ተዋፊሮም ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ፥ ክሕብኡሉ ዝኽእሉ በዓቲ ክረኽቡ ከም-ዘይክእሉ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ብግልጺ ክንገሮም እዋኑን ሰዓቱን’ዩ። ከመይሲ እንድሕሪ ከምቲ ባዕሎም ክብሉዎ ዝቐነዩ፥ ምስ ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣብ እምነት ዝኾነ ፍልልይ የብልናን በሃሊ ኮይኖም-!! ነቶም ዓቃቤ-መንበር ብምዃን፥ ሕጋዊ ወኪል ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኮይኖም ዝርከቡ ዘለዉ፥ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ደኣ፥ ብኸመይ’ዮም ብኑፋቄ ክኸሱዎም ዝደልዩ ዘለዉ-?! እዚ ነንሓድሕዱ ዝዋቓዕ ተገራጫዊ ሓሳብ ምዃኑ፥ ኣባ-ሉቃስ ከስብህሉሉ ዝኸኣሉ ኣይመስሉን።

ይኹን እንበር እዚ ነንሓድሕዱ ዝተፋለሰ፥ ወይ ዝተዋቕዐ ዘረባ’ዚ፥ ንዕኦም ንባዕሎም ተመሊሱ ኣብ ዓይኒ ትዕዝብቲ ከእትዎም እንተ-ዘይኮይኑ፥ ከምቲ ኣብ ኖርወይ ክብሉዎ ዝተሰምዑ፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኮነ ንኣቡነ-መቃርዮስ፥ ብኑፋቄ ክኸሱዎም ወይ ክውንጅሉዎም ዘኽእል፥ ዝኾነ መርትዖ ኣብ ኢዶም የብሎምን። ብኣውርኡ ድማ እተን ብኦሪየንታል ዝፍለጣ ኣኀት ኣብያተ-ክርስቲያናት። ነቲ ዓቃቢ ብምዃን፥ ኣቡነ-መቃርዮስ ዝመርሑዎ ዘለዉ መንበር ደኣምበር፥ ነቲ ካብ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ወጻኢ ኮይኑ፥ ግዳም ሰፊሩ ዝርከብ ዘሎ ሲኖዶስ-ኣሥመራ፥ ኣፍልጦ ብምኽላእ ከም-ዝነጸልኦ ወይ ከም-ዝነጸግኦ፥ ክሳብ ሕጂ ዘይፈልጥ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ናይ ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት ጉባኤ እንተኾነ’ውን ከምኡ፥ ናይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ውክልና ንዘይብሉ ሲኖዶስ፥ ኣይንቕበልን ኢና ዝብል ኣቕዋም ስለ-ዝሓዘ፥ ንሶም ኣባ-ሉቃስ ኮኑ፥ እቲ ተልእኮ-ፖለቲካ ንምፍጻም፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ዓቐኑ ዝሓለፈ ዕንወት ክፍጽም ዝጸንሐ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝተባህለ ገበነኛ፥ ኣብ ብራዚልን, ቫቲካንን, ደቡብ-ኮርያን, ጀነቭን በብግዚኡ ክግበር ዝጸንሐ ጉባኤታት። ማዕጾ ኣብ ገጾም እናተዓጽወ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ክምለሱ ክግደዱ-ከም-ዝጸንሑ፥ ኣባ-ሉቃስ ባዕሎም ኣረጋጊጾም ዝፈልጡዎ ሓቂ’ዩ።

መወዳእታኡ ድማ፥ መተካእታ ቅዱስ-ፓትርያርክ ኣቡነ-ሺኖዳ ንምምራጽ፥ ኣብ 2012 ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተገብረ ናይ ምርጫ ሥነ-ሥርዓት። ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት፥ ከም ሕጋዊ ውልክና ኣፍልጦ ሂቦም ዝዓደሙዎ፥ ነቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ፥ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ መንበር ደኣ’ምበር፥ ነቲ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ከቢድ ተነጽሎ ኣጋጢሙዎ፥ ኣብቲ ገምገም ጸድፊ ተንጠልጢሉ ዝርከብ ዘሎ፥ ሲኖዶስ በዓል ኣባ-ሉቃስ ኣይኮነን። እሞ ደኣ ከምቲ “-ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ-” ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ኣባ-ሉቃስ ተሓድሶ ኢሎም ክኸሱዎ ዝኽእሉ፥ ካልእ ኣካል የልቦን።

ንሳቶም ግና ሕፍር ሕንኽ ከይበሉ፥ ነቶም ክልተ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዖም ዝርከቡ ዘለዉ ኣቦታት፥ ማለት ንፓትርያርክ-እንጦንዮስን ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስን፥ ተሓድሶ’ዮም እናበሉ ነቲ ሕያዋይ ሕዝቢ ከጋግዩዎ፥ ህርድግ ክብሉ ዝርከቡ ዘለዉ። ግዳስ “-እቲ ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም’ሞ ኣይትሓዘሎም-” ተባሂሉ ክጽለየሎም እንተ-ዘይኮይኑ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ጸሊም-ክዳን ምስ-ዝተኸድኑ ካድረታት-ፖለቲካ፥ ክቋየቝ ኢሉ ዘጥፍኦ ግዜ ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን። ኣባ-ሉቃስ ዝርድኦም እንተደኣ ኮይኑ፥ እቲ ተጸጊዖሞ ዘለዎ እምባ፥ ህልውንኡ ዘብቅዓሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን። ፀሓይ ክትበርቕ’ያ መሬት’ውን ደጊምሲ ክወግሕ’ዩ። እቲ ክግበር ዝጸንሐ ጸወታ ከኣ ኣብቂዑ’ዩ።

ይኹን እምበር ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ክንብሎ ዝጸናሕና ኩሉ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ከምቲ 1983 ዓ/ም (1991) ዝነበሮ ኣይኮነን ዘሎ። ከመይሲ ትማሊ ሰብ ዘይነበሮ ደምበ’ዩ ነይሩ። ሕጂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን፥ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ መድረኽ ወጺኦም ክዋስኡ ዝኽእሉ፥ ካህናትን ዲያቆናትን ከነፍሪ ክኢልና ኢና፥ ኣብ እንብለሉ ደረጃ በጺሕና ከም-እንርከብ፥ ኣባ-ሉቃስን ጎይቶት በዓል ኣባ-ሉቃስን፥ እቲ ምውሓጡ ዝመሮም’ኳ እንተኾነ፥ ኣሚኖም ክቕበሉዎ ዘለዎም ሓቂ ምዃኑ ኢና ክንነግሮም እንደሊ።

ብዝተረፈ እቲ በዞም ክልተ-ጳጳሳት፥ ክግበር ዝርአ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ፥ ብሓዊ ካብ-ምጽዋት ፈሊኻ ክርአ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ነታ ዘይተዓደለት ቤተ-ክርስቲያንና ብቐጻሊ ሓዊ ክመልሱላ ‘ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። እቲ በቶም ሰብ-ፖለቲካ ዝወሃቦም መምርሒ ንምትግባር ዝብሉዎ ዘለዉ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ “-ኑፋቄ-” የለን “-መናፍቕ-” እውን የልቦን። እቲ ክልቲኦም እቶም ጳጳሳት፥ በጺሖሞ ዝርከቡ ዘለዉ ዕድመ ድማ፥ ንንስሓ ክውዕል ዝግብኦ ደኣምበር፥ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ዘባእሶምን፥ ብታሪኽ ኣብ ዘሕትቶምን ገበን ከውዕሉዎም ኣይምተገብአን። ንሳቶም ግና ገጾም ዓቲቦም፥ ብንስሓ ክምለሱ ዝደልዩ መሲሎም ብዘይ ምርካቦም ዘሕዝን እዩ።

ብዝኾነ ሕጂ’ውን ፀሓይ ኣይዓረበን። ንንስሓ ዝኸውን እኹል ግዜ’ውን ኣለዎም። መጋበሪ-ፖለቲካ ብምዃን ቤተ-ክርስቲያን ንምፍራስ፥ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ዘይ ቅዱስ ተግባራት፥ ድሕሪ ደጊምሲ ይኣክል ክብሉ ጥራይ ኢና ክንመኽሮም እንደሊ። ብዝተረፈ ከምቲ “-ጨው ለራስህ ስትል ጣፍጥ፥ ኣለዚያ ድንጋይ ብለው ይጥሉሃል-” ተባሂሉ ዘሎ። ንሳቶም እዞም ክልተ-ጳጳሳት’ውን፥ ነታ ጽባሕ ትበርቕ ፀሓይ ደኣ ምስቲ ደምበ-ተዋሕዶና ኮይኖም ይጸበዩዋ እምበር፥ ነታ ትዓርብ ዘላ ፀሓይ ተኸቲሎም ንዕራርቦ ኣቢሎም ክኸዱ፥ ዝመርጹዎ ምርጫ ኮይኑ ክርከብ ኣይንምነየሎምን ኢና። ብዝኾነ “-ኣቅረብኩ ለከ ማየ ወእሳተ፥ ደይ ኢዴከ ሃበ ዘፈቀድከ-” ተባሂሉ ከምዘሎ፥ እቲ ምርጫ ንኣባ-ሉቃስን ኣባ-ቄርሎስን ዝግደፍ ምርጫ’ዩ። እቲ ምርጭኦም ድማ ብመንገዲ ሱባኤ ኣቢሉ፥ ናብ ንስሓ ዝቐንዐ ክኸውን፥ ጸሎት ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን’ዩ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ኣምላከ-ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወእኩትኒ ውእቱ ለዓለም-!!

 

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT