Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንርብዒ ዘመን ዝጸልመተ፡ ትንሳኤ ሓርነትን ፍትሕን ዝነገሳ ኤርትራ ህያው ምግባር ሓላፍነት ህሉው ወለዶ`ዩ!!!

ንርብዒ ዘመን ዝጸልመተ፡ ትንሳኤ ሓርነትን ፍትሕን ዝነገሳ  ኤርትራ ህያው ምግባር  ሓላፍነት  ህሉው ወለዶ`ዩ!!! ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.) ግንቦት 20፡ 2016 ``ሓርነት ንዝለዓለ ፖለቲካዊ ዕላማ መጋበርያ ኣይኮነን፣ እቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ዕላማ`ዩ።`` (ሎርድ ኣክቶን) *** ብዘይ ሓርነትን ፍትሕን ትርጉም ዘለዎ ህይወት

ንርብዒ ዘመን ዝጸልመተ፡

ትንሳኤ ሓርነትን ፍትሕን ዝነገሳ  ኤርትራ

ህያው ምግባር  ሓላፍነት  ህሉው ወለዶ`ዩ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

ግንቦት 20፡ 2016

“ሓርነት ንዝለዓለ ፖለቲካዊ ዕላማ መጋበርያ ኣይኮነን፣

እቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ዕላማ`ዩ።“ (ሎርድ ኣክቶን)

***

ብዘይ ሓርነትን ፍትሕን ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኪህሉ፣  

ብዘይ  ዘተ ዓሚቝ ምርዳእ ኪምዕብል፣

ሓድነት ኪድልድል፣ ነባሪ ራህዋን ሰላምን ኪስስን ዘይከኣል`ዩ።

 

 

1ይ ክፋል. . .

መእተዊ፡-

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ድሕሪ ናይ 25 ዓመታት መዘና ዘይብሉ ሃገራዊ ዕንወትን ጥፍኣትን፡ ናብቲ ሽግር ዘይኮነ፡ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ፡ ብሓባር ናብ ፍታሕ ከነድህብ ኢዩ ዝግባእ። ኣብ ወጻኢ እንርከብ ደቂ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ፋሺስታዊ ውልቀልመላኺ ካብ ልክዑ ንላዕሊ ተዛሪብናሉን ጽሒፍናሉን ኢና። ግዳይ ፋሺስታዊ ጭቆና ንዝኾነ ህዝቢ ብዛዕባ ፍታሕ ድኣ`ምበር ብዛዕባ መሰነይታ ዕለታዊ ህይወቱ ዝኾነ ሽግሩ ምንጋር ዘድልዮ ኣይኮነን። እንተ ኾነ ግን፡ ብዛዕባ ርትዓውን ውሕስነታውን ፍታሕ ንምዝታይ ነቲ ሽግር ካብ ሱሩ ምግንዛብ የድሊ። ብፍላይ፡ ንርብዒ ዘመን ዝኣክል ሃገርን ህዝብን ዘማሰነ ሽግር ብንጹር ምልላዩን ብሓቂ ምቅልሑን ንቕኑዕ ፍታሕ ኣገዳስነቱ ዝጋነን ኣይኮነን። ስለዚ፡ ነቲ ቅኑዕ መንገዲ ብንጹር ንምርኣይ፡ እቲ ኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ንህይወቱ ዘጸልመተ ጠንቂታት ብሓጺር ምዝርዛሩ ኣገዳሲ እመስለኒ።

 “ዓሚ ይሓይሽ“ እትብል ብሂል ኩነታት እናኸፍአ፡ ስለዚ ኸኣ ህይወት ህዝቢ ካብ  ንቡርን ባህሪያውን ኣንፈት እናኣንቈልቈለ ይኸይድ ከም ዘሎ እትሕብር ናይ ምስቍርቋር ደሃይ ህዝቢ ኢያ።  “ዓሚ ይሓይሽ“ – ዓሚ ጥዑም ከም ዝነበረ ኣይተስምዕን`ያ፤ የግዳስ፡  ካብ ዓሚ ሎሚ ትሓስም ኢያ እተስምዕ። ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ምድዋን ተስፋ እትሕብር ጸላም ባንዴራ ብውሑዱ ካብ ምፍራስ ናይቲ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብርእሰ ሓያላን  ፍትሓዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ብርኡይ ተጋሂሱ፡ መደያይቦ ወይ መሰጋገሪ ድንድል ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ምስሉይ ፈደረሽን ካብ ዝብየን ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ፡ ካብ መራር ትማሊ ናብ ዝመረረት ሎሚ፡ ናብ ኣዚያ ዝመረረት ጽባሕ እናተሰጋገረ የምበልብላ ኣሎ። እታ ብሉጻት ደቁን ንኡስ ንዋቱን ከይበቐቐ ከፊሉ ዝጨበጣ ናጽነቱ ኣብ ልዳት ምስ ኣተወት፡ ነዛ ተሳፋ መጻኢኡ ዝደወነት ናይ – ዓሚ ይሓይሽ  ጸላም ባንዴራ ተመስገን ኢሉ ኣንቢሩ፡ ስዉኣት ደቁ ብጸሎት ኣመስጊኑ፡ ንብሩህ መጻኢ  እጅገኡ ሰብሲቡ ኪሰርሕ ተዳሊዩ ነይሩ ኢዩ።

ኣብ በረኻ ብምዕባስን ብምቕታልን ደሞክራሲያውያን ዘኽቲማ ዝኣተወት ናጽነት ከም ኣረኣእያ በርቂ ክትክወሎ ኣይተጸበዮን፤ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዝሓቘፈት ሳግላ ውልቀመላኺ ይቕበል ከም ዝነበረ ኣየስተውዓለላን።  ብምሉእ ልቡን ኣእምሮኡን ዝኣመነኖም፣  ብፍሕሽው ገጽ ኩለንትናኡ ንዘወፈየሎም፣ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ሃይ ከይበለ ዝተላእኮም፣ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ዋልታ ኾይኑ ዝሓቘፎም፣ ቀዪሕ ምንጻፍ ዘርጊሑ ደቀይ ኢሉ ብሓጐስ ኣፍ ልቡ እናሃረመን እናዓለለን ዝተቐበሎም፣ ከመይ ኢሉ ብጥልመት ክጥርጥሮም?!!! ኣብ ባህሉን ወግዑን ዘይነበረ ውሉድ ንወላዲኡ ክጠልም – ዘይሕሰብ`ዩ! – “ዘይሓሰብካዮ ርኸብ፡ ኣይመርገም ኣይምርቓ“  – ትንቢት ጽቡቕን ኩፉእን ዝሓቘፈ ምስላ`ዩ! እንተ ንህዝቢ ኤርትራ ግን ብዝኣመኖም ደቁ ክጥለም ፍጹም ዘይሓሰቦ መርገም`ዩ ኮይኑዎ። ኣብ ትሕቲ  ፋሺስታዊ-ማኪያቬሊያዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ነታ ንወለዶታት ተስፋኡ ዝደውነት ናይ –ዓሚ ይሓይሽ – ጸላም ባንዴራ ክብደት ወሲኻ ተመሊሳቶ፤ ካብ መሪር ናብ ዝመረረ፡ ናብ ኣዚዩ ዝመረረ፡ ናብ ፍጹም ዝመረረ እናኸፍአ ብዝኸይድ ክብደታ ሕቖኡ መሲሳቶ! እታ ብኒሕ ትልለ ሕመረት ህላዌኡ ስድራ ቤት ደቃ ኣጥፊኣ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይርከቦ ጸልማት ዝኽትምና ተሸሚማ ትነብዕ ኣላ!!! እዚኣ እያ እታ ሓቀይና ስእሊ ንርብዒ ዘመን (ሓደ ወለዶ) ናይ ዝተጠልመት ዘኽታም ናጽነቱ!!! ህዝቢ ኤርትራ ብመስዋእቱ ህያው ጌሩ ዝሓለማ ሓዳስ ኤርትራን፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጨው የእጋሩ  ሜዳ ካብ ዝረግጻ ንምጽልማታ ዝሓለማ ሓዳስ ኤርትራን ፍልልየን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን፣ ብርሃን መዓልትን ከውታ ጸልማት ለይትን ዘሎ ፍልልይ`ዩ።  ግን  ስለምንታይ  ከምዚ ኪኸውን ክኢሉ!!!  ካብ ባሕሪ  ብማንካ ዘይተለዓለሉ መልሱ፡ ንወለዶታት ኣብ ዓምዲ ምጽፋፍ ታሪኽ ዝጸምድ ከቢድ ዕማም ዘሰክም ሕቶ`ዩ።

ኣብዚ ኪበርህ ዝግብኦ እንተሎ፡ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ነቲ ካብ እግሪ ተኽሊ ቃልሲ ንናጽነት ጀሚሩ ዝፈጸሞ ተግባረ ዕንወትን ምጽናትን ብጭብጢ ከይክሰሰሉ፡ ሓሳብ ምግላጽን ምጽሓፍን ከም ገበን ኣቝጺሩ ተጋዳላይ ታሪኽ ጅግንነቱ ከይጽሕፍ ጌሩዎ`ዩ። ንወለዶታት ብሓበን መወከሲ ኪኸውን ዝነበሮ ታሪኽ ገበርቲ ቅያ ከይተጻሕፈሉ ምስኦም ይቕበር፡ ታሪኽ ይጽልምት ኣሎ። ንሞት ዘይፈርሐ ተጋዳላይ፡ ብውልቀመላኺ ርዒዱ፡ ዋላ ኣብ ቤት ምስ ኣተወ እውን ታሪኹን ታሪኽ ስዉኣት ብጾትን ከመዝግብ ኣይተራእየን። ኣብ ዓለም ታሪኽ ከይጸሓፍ ዝኸልከለ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጥራይ`ዩ ክበሃል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። መወከሲ ዘይርከቦ ምጽልማት ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ፍሉይን ዝዓበየን  ገበን ምዃኑ ኩሉ ዜጋ ኪግንዘቦ ይግባእ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ርእሲቲ ብሰሪ ምኽልካሉ ከይተጻሕፈሉ ዝሓለፈ ታሪኽ ቃልሲ፡ ዝነበሩ ሰነዳት እውን ከም ዚቃጸሉ ጌሩ`ዩ ክትሰምዕ ከለኻ ደረት ኣልቦ ከይሲነቱን ዘሎዎ ዕምቈት ጽልኢ ህዝቢ ኤርትራን ንምርድኡ ይሕርብተካ።

 ተጠማቲ ኣቀማምጣ ኤርትራን ዘይሃስስ ተኣፋፊ ዕጫኣን፡-

ኤርትራ ብምኽንያት ተበሃጊ ቅርጸምድራዊ (ጆግራፊያዊ) ኣቀማምጣኣን ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነታታን፡ ብባዕዳውያን ተጠማቲት ኮይና፡ ንዘመናት እፎይታ ክትረክብ ዘይከኣለት ዕይንቲ ሃገር`ያ። ንወደባት ዝምችእ ገማግም ባሕራ፣ ጥዑም ኣየር ከበሳታታ፣ ንጥዕና ዝሰማማዕ ማእከላይ ሙቐት ውይናደጋታ፣ ምዉቕን ፈርያምን ምዕራባዊ ቆላታታ — ነዚ ባህሪያዊ ጸጋታት ኤርትራ ዘይበሃገ ባዕዳዊ ኣይነበረን – ቱርካውያን፣ ግብጻውያን፣ ምዕራባውያን፣ ኢትዮጵያውያን . . .ወ.ዘ.ተ. በብዓቕሞም ስምብራቶም ሓዲጎም`ዮም።

ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ መልክዕዑ ንምርዳእ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ፡ ናይ መጻሕፍቲ ቅጺታት ዝሓትት ሃገራዊ ዕማም ከም ምዃኑ መጠን፡ ዓቕሙ ልዕሊ`ዚ ተወጢኑ ዘሎ ዓንቀጽ ምዃኑ ሓተታ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብዚ ኪግበር ዝከኣል ኣብ ሰፊሕ ሰነዳዊ ዝርዝር ከይተኣትወ፡ ንጹር ፍታሕ ኪሕብር ብዝኽእል መንገዲ፡ ነቲ ሰንሰለት ጠንቅታት ብምትሕሓዝ፡ ሓቀይና ስእሊ ንምቕራብ ምፍታን ኢዩ።

ርትዓዊ ገምገጋም ናይ ርብዒ ዘመን ባርነት ክንገብር እንተ ድኣ ዄንና፡ ጌጋታትናን ጕድለታትናን ብግቡእ ክንግምግም ይግብኣና። ክሳብ ሎሚ ዝተጨራረመ (fragmented) መልሲ ክንህበሉ ስለ ዝጸናሕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይብሉ ርእሰ ዕንወትን ጥፍኣትን፡ ኣብ ማሕለኻ ጸቢብ ፍልልያትን ዓዘቕቲ ድንቍርናን ተሸኺልና፡ ኪኖቲ ጸልማት ብዓቲ ዝህሉ ጩራ ብርሃን ክንርኢ፣ ዝተወሃሃደ ቃልሲ ብምክያድ ጸልማት ሃገርና ክንቅንጥጥን፣ ሕድሪ ስዉኣትና ከነተግብርን ኣይከኣልናን። ግድን ነቲ ሓቂ ኣጕሊሑ ዘርእን ምሉእ ስእሊ ዝህበናን መልሲ ምርካብ እዋኑ ሕጂ`ዩ። ኪኖኡ ምጽባይ  ግን ሳዕቤኑ ፍጹም ናይ ርእሰ ጥፍኣት ፍርዲ ምሃብ ጥራይ`ዩ ዚኸውን።

ኣብዚ ረጊጽናዮ ዘለና መበል 21-ዘመን ምስቲ ኹሉ ኣዚዩ  ዘገርም፡ ንዓለም ከም ኵዕሶ ኣብ ጉምቦ ኢድካ ዘጨብጥ ተክኖሎጂካዊ ናህሪ ምዕባለ፡ እቲ ኣብ ዓለም ኣጋጢሙዎ ዘሎ ዝዓበየ ብድሆን ዕንወትን ውሕስነት ህላወ ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ህይወትን ንኹሉ ህዝብታት ዘይምውሓስ`ዩ። ነዚ ሓቂ`ዚ ዘጕልሕ ኣብነታት ምጥቃስ ኣድላዪ ምስ ዚኸውን፡ ካብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጸልማት ኩነታት ዝዓዝዝ መርትዖታት ክህሉ ዝከኣል ኣይመስልንን። ህዝቢ ኤርትራ ነታ ዓለም ብናይ ሰንሰለታዊ ኲናታትን ዕንወታትን ትልለየሉ መበል 20-ዘመን፡ ናይ 30 ዓመታት መሪር መስዋእቲ ንናጽነት ከፊሉላ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ናይ ሒደት ዓመታት ተዛማዲ ናይ ናጽነት ሰላምን ርግኣትን ዝመስል ኩነታት፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ህውከት ብምልዕዓሉ፡ ተጋዳላይ ብረቱ ኣቐሚጡ ናብ ስራሕ ምዕባለ ክወፍር፡ ህዝቢ ኤርትራ እፎይታ ኪረክብ ኣይከኣለን። ድሕሪ ናጽነት ብፋሺስታዊ ውልቀመላኽን ኣገልገልቱ ጃንዳኡን ዝተፈጸመ  ስምብራት ዕንወትን፡ ጥፍኣትን፡ ድሕረትን፡ ካብ ማንም ጊዜ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ዝዓመቘን ዝጸልመተን ምዃኑ ንተሰካሚ ኣደራዑ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣስተምህሮ ዘድልዮ ኣይኮነን። እንተ ኾነ፡ ብሓጺር ምዝርዛሩ፡ እቲ ኣዕናዊ ተግባር ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኣብ ገምገም ጥፍኣት ሃገርን ህዝብን ከብጽሕ ዝኸኣለሉ ምኽንያት መለኮታዊ ሓይሊ  ሃሊዩዎ ዘይኮነ፡ ህዝብን ሰራዊትን ኣብ ክንዲ ብሰሪ ትም ምባሉ ባርነት ዘእቱ፡ ካብ ንጕሆ ናጽነት ሰለም ከየበለን ከይተዳህለለን ንመሰሉ ደው ኢሉ እንተ ዝነብር ዛጊት ፍረ ሓርነት እናኣስተማቐረ ኣብ ቤቱ ከቢሩ ከም ዓለሙ ኣብ ጕዕዞ ምዕባለ ኪህሉ ምኸኣለ።  ነዚ ብግቡእ ምልላይ፡ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን፡ ንሰላምን  ራህዋን ወሳኒ ኣገዳስነት ኣሎዎ።

(ይቕጽል. . .)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Berhe Tensea May 23, 2016

    Excellent article keep the good work and the fight against tyranny.

  • k.tewolde May 23, 2016

    Don’t keep me hanging,I can’t wait.Keep feeding the soul who is eager to learn.Thanks again.

POST A COMMENT