Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንምንታይ ነብስኻ ዘይቀተልካ!?

ንምንታይ ነብስኻ ዘይቀተልካ!? ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ፡ እዚ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ገድሊ ጀሚሩ ክሳዕ ወራር ወያነ ብዘይዚኾነ ዓስብን ሓለፋን፡ ንሃገርን ህዝብን ዘገልገለን ህይወቱ በጃ ዝወፈየን ዜጋ፡ ንመርማሪኡ እቲ ሓቂ’ዩ ዝበሎ ምላሽ ምስ ሃቦ፡ ብቐጥታ እቲ ብምልክት

ንምንታይ ነብስኻ ዘይቀተልካ!?
ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ፡ እዚ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ገድሊ ጀሚሩ ክሳዕ ወራር ወያነ ብዘይዚኾነ ዓስብን ሓለፋን፡ ንሃገርን ህዝብን ዘገልገለን ህይወቱ በጃ ዝወፈየን ዜጋ፡ ንመርማሪኡ እቲ ሓቂ’ዩ ዝበሎ ምላሽ ምስ ሃቦ፡ ብቐጥታ እቲ ብምልክት ትእዛዝ ዝተቐበለ ኣብ ድሕሪኡ ደው ኢሉ ዝነበረ ቀፊር (ዋርድያ) ብበትሪ ርእሱ ሃሪሙ ከም ዘውደቖ ምስ ኣዕለለና ኢና ተፈላሊና ኔርና። እኖሆ ንሎሚ ድማ 3ይ ክፋል ዕላሉ ይቕጽል፥
ንምንታይ ነብስኻ ዘይቀተልካ!?
ሳልሳይ ክፋል፥
ብጻየይ ኣብ ቅድመይ ዓረር ተሃሪሙ
ሰኣን ዝሕግዞ መውጋእቱ ሓኪሙ
መሬትና ኣጠልቅዩ ብጸረርታ ደሙ
ዝሓለፈ ጅግና ግቡኡ ፈጺሙ፡
እንታይ ፋይዳ ረኺቡ ስድራኡ ኣዘኽቲሙ?
ህዝቡ ፋሕፋሕ ኢሉ ካብ ምልኪ ሃዲሙ
እኖሆ ሃገሩ ይበርስ ባዲሙ!
ዕድመ ንእስነተይ ኣብ ቃልሲ ዘብለኹ
ግንባረይ ንዓረር ክንዲ ዝወፈኹ
እንታይ ኣቢሰ’የ ዝሳቐ ዘለኹ!?
ረዳኢ ስኢነ ዓው ኢለ እንተ’እወኹ
ብነበልባል ጸሓይ ኣካለይ መኺኹ
ብወቕዒ ከይመውት ደቀይ ከይረኣኹ
ብስም ስውኣትና ይምሕጸን ኣለኹ!
ኣይፍጡር እንድየ ኣታ *ሂሳን ሰብ ዘሎኒ                *ክብሪ
ኣብ ጸላም ንበይነይ እትዳጉኑኒ
ናይ ሓቂ በደለይ ዘይትሕቡሩኒ
ኢለ እንተጨደርኩ መን’ሞ ይስምዓኒ
ዘዝሓተትኩዎ ኩሉ ይገንሓኒ!
ተፈጥራዊ ብርሃን ንፋስ ሓሩሙኒ
ወርሒ መመላእታ ምስ ኣሳቐዩኒ
“ትድለ ኣለኻ” ኢሉ ዋርድያ ኣውጺኡኒ፡
ከም በጊዕ ፋሲካ እናኾብኮበኒ
ናብ ሓደ ብጻዩ ምስ ኣረከበኒ
ብጉያ ተመልሰ ቁሊሕ ከይበለኒ!
ፈጣሪ ኣመስጊነ ብርሃን ዘርኣየኒ
ደኒነ ከስተንትን እንታይ ከም ዝብሉኒ
ኣብ ሓሳብ ከለኹ ሽግር ጨዊዩኒ
እቲ ዕሱብ *ኣልዋ ዝተቐበለኒ                       *ሓላዊ፡ ዘብዒ
ሃንደበት ዓው ኢሉ “ቀጽል!” ምስ በለኒ
እቲ ገናሒ ድምጹ ልበይ መላሓኒ!
እቲ ከብደይ *ሳፊሩ እናጸዋዓኒ     *ዚብላዕ ደልዩ፡ ጠምዩ
ጎሮሮይ ብጽምኢ ቃዕቃዕ እናበለኒ
*ስዑዳ መሬተይ እሾኽ ኮይናትኒ            *ወትሩ ለምለም
ሰንከልከል እናበልኩ ብርከይ ጠሊሙኒ
ዋርድያ *ብሸቲት ርእሰይ ከይፈግኣኒ         *ሻፎ በትሪ
ኣስናነይ ነኺሰ ክጓዓዝ ኔሩኒ!
መሬት ከይረፈደስ እዚ ኹሉ ረስኒ
እቲ ከብዲ እግረይ ዘይወደየ ሳእኒ
ሓዊ ተቓጺሉ ምኻድ ከሊኡኒ
ዕንክይክይ እናበልኩ ጸጸር ወጊኡኒ
ፍርቂ ኪሎ ሜተር ምስ ኣሳለየኒ
ናብ ንእሽቶ *ኣሪስ ኣተወ ሒዙኒ!                              *ኣግነት
እቲ ጨካን መርማሪ ሕልና ዘይብሉ
ሰብ ዚመስል *ሓንዘር ኣስናኑ ስሒሉ          *ቅንፍዝ
ኣብኡ ጸኒሑኒ ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢሉ፡
ምስ ተዓዘበኒ ኣዒንቱ ተኺሉ
“እንታይ ሓሲብካ?” በለኒ *ልፋፉ ገንጺሉ!      *መጽሓፉ
ዝሕሰብ የብሉን ዝድመር ዝጎድል
ካብ ሓቂ ሓሊፈ እንታይ እየ’ሞ ክብል!?
ትብዓት ኣይረኸብኩን ነብሰይ ንኽቀትል
ሕጂ ግን ዝሓወይ እንተዝረክብ ዕድል
ድሕር ኣይምበልኩን ህይወተይ ክቕንጽል!
ስጋይ ተቖሪጹ ኣዕጽመይ ተኸስኪሱ
ስውኣት ብጾተይ ሓመድ ከይለበሱ
ዝፈሰሰ ደምና ገና ብርሑሱ
ሰኣን እኹል ኣጽዋር *ዳይቕና ምፍራሱ    *ድፋዕና፡ ዕርድና
ብህይወት ጀጋኑ ከይሕተት ንርእሱ
ህግደፍ ኣሲሩኒ ብሓሶት ከሲሱ!
ኲናት ዝወልዑ ተሓሲሞም ዕርቂ
ደምና ዝዛረየ መሬት ንኸጠልቂ
ዘለናዮ ሓሳር መከራ ምስ ጭንቂ
ጎበጣ ባድመ ከምዘይኮነ ጠንቂ
እቲ ሕቡእ ውጡኖም ጃንዳ ኣፈወርቂ
እንቋዕ ፈለጥናዮ መርሚርና ንሓቂ!
ምስ በልኩዎ፡ መርማሪ ብቕጽበት ተንሲኡ፡ ኣስናኑ እናሓርቀመ ሽጉጡ ኣብግንባረይ ተኸለለይ!
ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 26-01-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • tewelde berhan January 27, 2014

    ኣይ ኣሰና ኣገልጋሊ ጎረቤትና
    ንምንታይ ቤላቤለው ትዛረብ ብኣና
    መዓልታዊ ብጭንቀት ክትነብር እንዳረኣና
    ናትካ ግበር ኣይትሸገር ብኤረና
    እቶም መራሕትና ንሕና ፍልልይ ዘይብልና
    መትከልና ሓባራዊዩ ክንበጽሖ ራእይና
    ኣብ ልመና የለናን ስራሕዩ እምነትና

    • Comment January 27, 2014

      Mr Teweldebrhan, Weyane ab Eritrea siltan hizu kemzelo ayfeletkan dika? Naytom kendi siltan hizom zelewu mebokel emo hitet dehar weyane men mikuanu kitfelto. I guess you are asleep. Wake up!!!

    • MightyEmbasoyra January 27, 2014

      “ተወልጀ” ብርሃን,
      ከመይ ከይትወለድካ ተትርፍ። ናይ ሃንጎል ድኻታት። ብላሽ።

  • Almaz Gual Asmera January 27, 2014

    ተወልደ ብርሃን፣ ስምካ እኳ ዝወጾ የብሉን ትሕዝቶ ጽሑፍካ እንደሞ “ተወልደ ጸላም” ኮይኑ። መንዮም እቶም “ንሕና” ትብሎም ዘሎኻ? ሕዝቢ ዓኽ ጡፍ ኢሉ ከምዝደርበየኩም (ብዘይካ ናይ ዘመንና ኢሰፓ-ሰብ ሰማያዊ ካኪ) ክትፈልጡ እንተደሊኹም ድኣ፣ ሃየ እንዶ ተዛረብ ናይ ልብኻ በልዎ። ዒራዕሮን ካልኦት ኣሽሓት ማሕዩርን እንታይ ኮይኑ መሊኡዶ ኢልካ ነብስኻ ኣይትሓትትን? እንታይ ኮይኑ መንእሰይ ብኣሽሓት ሃገር ገዲፉ ንሞትን ስቓይን ዝመርጽ ዘሎ?
    ኣያኹም ንመንግስቱ ከርብክቦ ምዃኑ ወይ ወን ከም ናይ ዓርኹ ዕጫ በጺሕዎ ኣብ ትሕቲ ቢንቶ ተደርብዩ ኪርአ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ እዩ። ኣቱም ኣጋንንቲ ደም ሰብ ከም ማይ ምስታይ ዝለመድኩም፥ ሕጂ ኸ እንታይ ተረፈሉም? እንታይ ኪትደግሙና ?

    • kidane January 27, 2014

      Tekawemti isseyas kitiblu inber wisiat hizikum fewsi izi kulu gin tekaliska tesewieka iyu zirikeb gin ke meanta sire tihatit mish gitmi wala hilmi mengisti kitekil ayrianan .minalbash abdahreweyti alem.ab eritreanas ayseram yiblu amharu ayseram

  • halengi January 27, 2014

    ajaw ane tirah eye gitemi zekel kitebel mok abilkana ata weyane mesinas

    • Comment January 27, 2014

      Mr Halengi, Weyane ab Eritrea siltan hizu kemzelo ayfeletkan dika? Naytom kendi siltan hizom zelewu mebokel emo hitet dehar weyane men mikuanu kitfelto. I guess you are asleep. Wake up!!!

    • ERITRAWIT January 27, 2014

      halegi
      Anta men eu Wedi Tenben???? entay konkum ekum mobokolkum zeytfetwa moke tebluna.It shows you don’t have no where to go my friend all web site darga Deskelen just enjoy Temahar!!!!!!!

  • bilen January 27, 2014

    tewelde, abey konka ikha nhna tbl zelekha?
    halegi, natka Trah gber. Mesinas dma kiIla geTami iyu. nskha smka ewn aytfelTn tkhewn

  • bilen January 27, 2014

    atum hasewti hgdefawyan!!
    weyane nskhatkum msti ganin isaiaskumn ikhum. nsu kea n eritea hanti mealti senay hasibula ayfeltn iyu entrfo nay ekey ekey. esun degeftun dma kulkhum nay mennet tsegem alekum. enda abokhum eytfeltu, ab enda swa ztTeneskum ikhum. deki sebeyti

  • ERITRAWIT January 27, 2014

    Mesinas,
    kem hawe yekaslena alo skay hzbna hawe tekeyrna kemnenddom gen ayresu hgdefawian nezey ayneberen kalsey Yekenyelna kbur haw!!!!!!!!!!!!!

  • negash January 27, 2014

    በጃኻትኩም ነዛ ሑቶ ብጭጢ ኣረዱኡኒ፤ ኣባል ህግደፍዶ ዩዱንቁር ወይስ ኣድጊ፧ ኣድጊ ዊን ኪሳብ ኪንደይ ደንቆሮ ሙዃ ብሳይነስ ዝተረጋገጸ ጭብጢ የቢለይ ግን

    • MightyEmbasoyra January 27, 2014

      Negash,
      Most HGDF followers (I said most), they are 1 degree of magnitude lower than donkey’s.

      • Tamrat Tamrat January 28, 2014

        eris mathematics

        etios = donkies
        hgdefs eris

        and it took 50 years to undersnat this in Eritrea.

        • Tamrat Tamrat January 28, 2014

          again because some charachter are not allowed on this web.

          eris mathematics

          etios are donkies
          hgdefs are less than donkies
          hgdefs are eris
          so
          etios are greater than eris

          And this took more than 50 years for eris to understand.

          • MightyEmbasoyra January 28, 2014

            (Tamrat)*2,
            That’s good observation and funny but we were talking in terms of intelligence here. I am not sure who assigned “donkey” nickname to Amharas though almost everyone one was using it. Does anyone know how it originates. BTW, sudanese used to call us “ያ መቐፈል ሓበሽ” and I think it is kind of similar in meaning.

        • Tamrat Tamrat January 28, 2014

          Ya, i am just messing with Words! I understand they dont litteraly mean that we Ethiopians are donkies, lol but they want to emphasize that they are better than us.

          But i dont understand this political ‘habesha’ thing. My understanding is this ‘habesha’ means ‘bastard’ (diKala in amharic) in its innocent form ie the mixing of to different races. So eris, most of etios, somalis,afars n. sudan , etc are diKalas. Meaning we are ‘bastards’ or mixed races of ‘the burned faces’ that is Ethiopians and the Arabs.

          Here is one old yemeni arab said to us long time ago when he found out that we as youngsters and were talking about the blackness of one african diplomat. It has nothing to do racism but we were just talking how charcoal black he was. I never forget what that old yemeni said to us ‘thanks to Our fathers who came to africa and made People like you from People like him’.

    • kidane January 28, 2014

      Klitiom kabaka yihishu resa bidewo zimote adi zeyeblu

  • Mesinas January 29, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን (ብሓቂ ኤርትራውያን እንተ ደኣ ዄንኩም ማለተይ እየ) ብዓል ኪዳነን ሓለንጊን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንቲ ፊደል ንምጽሓፍ እተጥፍእዋ ዘለኹም ካልኢት፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ምልእቲ ዓለም ብሰሪ’ዚ ሕሱም ጉጅለ’ዚ ይሳቐ ከም ዘሎስ ኣብሪምኩም (ልብኹም) ኣይነግረኩምንድዩ!? ወይስ እናፈለጥኩም ኢኹም ንትርግታ ልብኹም ምድማጽ ትሕንግዱ ዘለኹም? እስከ መን ኣሎ ካባኻትኩም ሃገሩ ከም ዓለማ፡ ብሕግን ፍትሕን፣ ብመሰልን ክብርን፥ ብፍቕርን ሓልዮትን፣ ብራህዋን ቅሳነትን፣ ብምዕባለን ዕብየትን፣ ብፍርነሳን ሽንሆትን (ብተድላን ዘሐጉስ ነገርን)፣ ብናጽነትን ሓርነትን፣ ወዘተ. ህዝባ ሓቊፋ ክትነብር ዘይደሊ? ብሓቂ ዲኹም ነዚ ፋኖ (ቀይዲ በተኽ) ጉጅለ ትድግፉዎ ዘለኹም!? ወይስ ትላገጹ ኢኹም ዘለኹም?

    ብወገነይ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ኩላትኩም ኤርትራውያን እንተ ደኣ ኴንኩም እዚ እልፊ ኣእላፍ (ሚእቲ ሽሕ) ጀጋኑና ዝወደቑሉ ሰናይ ተግባር’ዚ፡ ኣብ ሃገሩ ተፈጺሙ ክርኢ ዘደሊ ሰብ ወይ ኤርትራዊ ዜጋ ዘሎ ኣይመስለንን! እዚ ንኸይፍጸም ብዕቈት (ብተሪር ገመድ) ሓኒቑና ዘሎ እንኮ ማእገት (ኬላ፡ ፈታሽ) ድማ እዚ ምስሉይ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ፡ ጀጋኑን ምሁራትን ኣብ ምቕንጻል ግዜኡ ዘሕለፎን ጌና ዘሕልፎ ዘሎን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ዩ። ስለዚ፡ ነዚ ሰብ’ዚ ምድጋፍ ማለት እንታይ ማለት’ዩ!? ኤርትራዊ እኮ ብመጠን’ቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ከምዚ ዘለዎ ኣብ ዚኾነ እዋንን ግዜን ካብ ቤቱ ከም በጊዕ ጎቲትካ ብምውሳድ፡ ኣብ ትሕቲ መሬትን ኣብ ኮንተይነራትን ክድርበ ኣይኮነን ዝግብኦ ኔሩ! እንታይ ደኣ? ዋላውን ሰብ ብምዃኑ ይበድል፡ ከም ንጉስ ሰተስምሃል ኣንጺፍካ ብሂሳን (ብኽብሪ) ገበኑ ብምእራምዶ ኣይኮነን ክግናሕ ዝግብኦ ኔሩ!? ፈራዲኡኸ ውልቀ ሰብ ዘይኮነስ ሕጊዶ ኣይኮነን ኪኸውን ዝግብኦ ኔሩ!? እስከ ምልስ ኢልኩም ኢ ውጹዕ ህዝቢ ንምንታይ 30 ዓመት ከም ዝተቓለሰ ንነብስኹም ሕተቱ?

    ገለ የዋሃት ከምቲ ጃንዳ ምልኪ ዝብሎ “እዚ ኹሉ ሕሰምን መከራን ሃገር ንምውሓስ’ዩ!” እውን ይብሉ’ዮም። ጽቡቕ ሕራይ። ሃገርና ንምውሓስ ብዓይኒ መርፍእ ንሕለፍ! ግን ሃገርናኸ ተዋሒሳዶ? ካብ መን’ያኸ ክትዋሓስ? ሃገር ብጥምየትን ብጸልማትን ማለት፡ ህዝቢ ብምድካይን ብምዕማጽንድያ ትዋሓስ!? እታ ሃገርከ እቲ ዝርገጽ ዘሎ ህዝቢዶ ኣይኮነን ከውሕሳ? ብሰንኪ ጉጅለ ምልኪውን እኮ ህዝቢ ሃገሩ ከውሕስ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ፡ ሎሚ ወያነ ነቲ ብዓለም ዝተበየነልና መሬትና ብሓይሉ ንልዕሊ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት የማሓድሮ ኣሎ። ካልእ ክጎብጥ እንተዝደሊውን ሎሚ ዓጋቲ ከምዘይብሉ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዓሰርተው ሸሞንተ ኪሎ ሜተር ናብ ውሽጢ መሬትና ብምእታው፡ ድሌቱ ሰሪሑ፡ ብዘይገለ ጸገም ናብ መሬቱ ብምምላስ፡ ብግብሪ መሬትና ከምዘይተዋሕሰ ኣርእዩና እንድዩ!

    ካልእ፡ ህዝቢ ሳላ ብዘይሕግን ፍርድን ዝተኣስረ፣ ሳላ ዝጠመየን ብናጻ ሳላ ዘገልገለንሲ ሃገርና ብምዕባለ ተወንጪፋዶ? እዛ ሃገር ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ብዓይንና ንርእያ እንዲና ዘለና። 23 ዓመት “መንግስቲ ኢና” ዝበሉና ፈያት (ሽፋቱ) ንሓንቲ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝቕመጣ ርእሲ ከተማ ሃገርውን መብራህትን ጽሩይ ዝስተ ማይን ከቕርቡላ ኣይከኣሉን? እሞ ኸኣ ሃብቲ መሬትና ወርቅና እናጋሓጡ! ኣብ ኣስመራ 100.000 ህዝቢ ብዘይዓይኒ ምድሪ ፈቐዶ ጐደና ቀልቀሉ እናወጸ ከሎ፡ ኣብ በረኻ መጎራይቭ “ን 100 ሰባት ዓይኒ ምድሪ ሰሪሐሎም” ኢሉ ኣብ ተለቪዥኑ ንዝንየት መደናገሪ ጉጅለ ርኢኻስ “ኣየ መንግስቲ! ከተማታት ሓሊፉስ ገጠራት የማዕብል ኣሎ!” ብምባል ይንኣድ!? ኣንታ ክንደይ ጉድ ኢልና ኢና’ሞ ክንጠቅስ!

    እዚ እናረኣኹም “ትንፈር ኣይትንፈር ጤል’ያ” ብምባል ኣንጻር ነብስኹም፣ ኣንጻር ህዝብኹምን ሃገርኩምን እትሰርሑ ዘለኹም ሰባት ግን ናይ ብሓቂ ሰባት ዲኹም!? በጃኻትኩም ኣብ ህልኽን እንታይ ገደሰንን ከይኣተኹም፡ ንኣይ ይጥዓመኒ ገዲፍኩም፡ ሰብኣውነት ብምልባስ፡ ብስቅያት ህዝብኹም ተቐንዘዉ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብዘይዚኾነ ጸገም ሰሪሑ፣ ማሚቑን ከቢሩን ክነብር ተመነይሉን ስርሕሉን! ነባሪ ህዝቢ’ንምበር ነባሪ ገዛኢ ሓይሊ የለን!

    የቐንየለይ።

    ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 29/01/2014

    • neghash January 31, 2014

      ኣብ ዘይ ዉሑስ ቦታን ጊዝየን ሲለ ዘሎኹ ስመይ ንግዙኡ ነጋሽ ኣሎ፥ ኣነ ጊና ካባኻ ዚፍለ ሓሳብ የቢለይን እኳደኣ ነዞም ሰብ ደምና ህግደፍ ሕነ ምፍዳይ፨ ዚፈልጦን ኪብሎ ዚደሊን ቡዙሕ እዩ ነሩ ግና በዞም ወደላት እንዶ ኣራግጽ መትና ቅድሚ ዚኣግረ፥ ኣንታ ናይ ሰብ ፍጥረት እኮ ኢና ሲኢናሎም ቀሸም ሓዊ ዚነዲድ እኳ ዘይበቁዑ፤ ምድሓኖም ዶ ይሓይሽ ለኪምካ ሚጥፎኦም ጠፉኡና

  • kjvghf January 30, 2014

    Mesinas on January 29, 2014 at 4:25 am said:
    ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን (ብሓቂ ኤርትራውያን እንተ ደኣ ዄንኩም ማለተይ እየ) ብዓል ኪዳነን ሓለንጊን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንቲ ፊደል ንምጽሓፍ እተጥፍእዋ ዘለኹም ካልኢት፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ምልእቲ ዓለም ብሰሪ’ዚ ሕሱም ጉጅለ’ዚ ይሳቐ ከም ዘሎስ ኣብሪምኩም (ልብኹም) ኣይነግረኩምንድዩ!? ወይስ እናፈለጥኩም ኢኹም ንትርግታ ልብኹም ምድማጽ ትሕንግዱ ዘለኹም? እስከ መን ኣሎ ካባኻትኩም ሃገሩ ከም ዓለማ፡ ብሕግን ፍትሕን፣ ብመሰልን ክብርን፥ ብፍቕርን ሓልዮትን፣ ብራህዋን ቅሳነትን፣ ብምዕባለን ዕብየትን፣ ብፍርነሳን ሽንሆትን (ብተድላን ዘሐጉስ ነገርን)፣ ብናጽነትን ሓርነትን፣ ወዘተ. ህዝባ ሓቊፋ ክትነብር ዘይደሊ? ብሓቂ ዲኹም ነዚ ፋኖ (ቀይዲ በተኽ) ጉጅለ ትድግፉዎ ዘለኹም!? ወይስ ትላገጹ ኢኹም ዘለኹም?
    ብወገነይ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ኩላትኩም ኤርትራውያን እንተ ደኣ ኴንኩም እዚ እልፊ ኣእላፍ (ሚእቲ ሽሕ) ጀጋኑና ዝወደቑሉ ሰናይ ተግባር’ዚ፡ ኣብ ሃገሩ ተፈጺሙ ክርኢ ዘደሊ ሰብ ወይ ኤርትራዊ ዜጋ ዘሎ ኣይመስለንን! እዚ ንኸይፍጸም ብዕቈት (ብተሪር ገመድ) ሓኒቑና ዘሎ እንኮ ማእገት (ኬላ፡ ፈታሽ) ድማ እዚ ምስሉይ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ፡ ጀጋኑን ምሁራትን ኣብ ምቕንጻል ግዜኡ ዘሕለፎን ጌና ዘሕልፎ ዘሎን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ዩ። ስለዚ፡ ነዚ ሰብ’ዚ ምድጋፍ ማለት እንታይ ማለት’ዩ!? ኤርትራዊ እኮ ብመጠን’ቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ከምዚ ዘለዎ ኣብ ዚኾነ እዋንን ግዜን ካብ ቤቱ ከም በጊዕ ጎቲትካ ብምውሳድ፡ ኣብ ትሕቲ መሬትን ኣብ ኮንተይነራትን ክድርበ ኣይኮነን ዝግብኦ ኔሩ! እንታይ ደኣ? ዋላውን ሰብ ብምዃኑ ይበድል፡ ከም ንጉስ ሰተስምሃል ኣንጺፍካ ብሂሳን (ብኽብሪ) ገበኑ ብምእራምዶ ኣይኮነን ክግናሕ ዝግብኦ ኔሩ!? ፈራዲኡኸ ውልቀ ሰብ ዘይኮነስ ሕጊዶ ኣይኮነን ኪኸውን ዝግብኦ ኔሩ!? እስከ ምልስ ኢልኩም ኢ ውጹዕ ህዝቢ ንምንታይ 30 ዓመት ከም ዝተቓለሰ ንነብስኹም ሕተቱ?
    ገለ የዋሃት ከምቲ ጃንዳ ምልኪ ዝብሎ “እዚ ኹሉ ሕሰምን መከራን ሃገር ንምውሓስ’ዩ!” እውን ይብሉ’ዮም። ጽቡቕ ሕራይ። ሃገርና ንምውሓስ ብዓይኒ መርፍእ ንሕለፍ! ግን ሃገርናኸ ተዋሒሳዶ? ካብ መን’ያኸ ክትዋሓስ? ሃገር ብጥምየትን ብጸልማትን ማለት፡ ህዝቢ ብምድካይን ብምዕማጽንድያ ትዋሓስ!? እታ ሃገርከ እቲ ዝርገጽ ዘሎ ህዝቢዶ ኣይኮነን ከውሕሳ? ብሰንኪ ጉጅለ ምልኪውን እኮ ህዝቢ ሃገሩ ከውሕስ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ፡ ሎሚ ወያነ ነቲ ብዓለም ዝተበየነልና መሬትና ብሓይሉ ንልዕሊ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት የማሓድሮ ኣሎ። ካልእ ክጎብጥ እንተዝደሊውን ሎሚ ዓጋቲ ከምዘይብሉ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዓሰርተው ሸሞንተ ኪሎ ሜተር ናብ ውሽጢ መሬትና ብምእታው፡ ድሌቱ ሰሪሑ፡ ብዘይገለ ጸገም ናብ መሬቱ ብምምላስ፡ ብግብሪ መሬትና ከምዘይተዋሕሰ ኣርእዩና እንድዩ!
    ካልእ፡ ህዝቢ ሳላ ብዘይሕግን ፍርድን ዝተኣስረ፣ ሳላ ዝጠመየን ብናጻ ሳላ ዘገልገለንሲ ሃገርና ብምዕባለ ተወንጪፋዶ? እዛ ሃገር ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ብዓይንና ንርእያ እንዲና ዘለና። 23 ዓመት “መንግስቲ ኢና” ዝበሉና ፈያት (ሽፋቱ) ንሓንቲ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝቕመጣ ርእሲ ከተማ ሃገርውን መብራህትን ጽሩይ ዝስተ ማይን ከቕርቡላ ኣይከኣሉን? እሞ ኸኣ ሃብቲ መሬትና ወርቅና እናጋሓጡ! ኣብ ኣስመራ 100.000 ህዝቢ ብዘይዓይኒ ምድሪ ፈቐዶ ጐደና ቀልቀሉ እናወጸ ከሎ፡ ኣብ በረኻ መጎራይቭ “ን 100 ሰባት ዓይኒ ምድሪ ሰሪሐሎም” ኢሉ ኣብ ተለቪዥኑ ንዝንየት መደናገሪ ጉጅለ ርኢኻስ “ኣየ መንግስቲ! ከተማታት ሓሊፉስ ገጠራት የማዕብል ኣሎ!” ብምባል ይንኣድ!? ኣንታ ክንደይ ጉድ ኢልና ኢና’ሞ ክንጠቅስ!
    እዚ እናረኣኹም “ትንፈር ኣይትንፈር ጤል’ያ” ብምባል ኣንጻር ነብስኹም፣ ኣንጻር ህዝብኹምን ሃገርኩምን እትሰርሑ ዘለኹም ሰባት ግን ናይ ብሓቂ ሰባት ዲኹም!? በጃኻትኩም ኣብ ህልኽን እንታይ ገደሰንን ከይኣተኹም፡ ንኣይ ይጥዓመኒ ገዲፍኩም፡ ሰብኣውነት ብምልባስ፡ ብስቅያት ህዝብኹም ተቐንዘዉ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብዘይዚኾነ ጸገም ሰሪሑ፣ ማሚቑን ከቢሩን ክነብር ተመነይሉን ስርሕሉን! ነባሪ ህዝቢ’ንምበር ነባሪ ገዛኢ ሓይሊ የለን!
    የቐንየለይ።
    ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!
    ካብ ሓውኹም መሲናስ 29/01/2014

Post a Reply to ERITRAWIT Cancel Reply